Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Eritrea Focus ነቲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣንጻር `ቲ ኣብ ለንደን ክካየድ ዝቐነየ `ንህንጻ ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ ድሕሪ-ምልካዊ ስርዓት` ዝምልከት ዋዕላ ንዘካይዶ ዘሎ ናይ ጸለመ ዘመተ ብምቅዋም ጋዜጣዊ መግለጺ ኣውጺኡ።

ነቲ ካብ 24-25 ሚያዝያ ኣብ ለንደን ክካየድ ዝቐነየ `ንህንጻ ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ ድሕሪ-ምልካዊ ስርዓት` ዝምልከት ዋዕላ ዝወደበ Eritrea Focus፡ ነቲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣንጻር `ቲ ቅዱስ ተበግሶ ጀሚሩዎ ዘሎ ናይ ጸለመ ዘመተ ብምቅዋም ትማሊ 28

ነቲ ካብ 24-25 ሚያዝያ ኣብ ለንደን ክካየድ ዝቐነየ `ንህንጻ ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ ድሕሪ-ምልካዊ ስርዓት` ዝምልከት ዋዕላ ዝወደበ Eritrea Focus፡ ነቲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣንጻር `ቲ ቅዱስ ተበግሶ ጀሚሩዎ ዘሎ ናይ ጸለመ ዘመተ ብምቅዋም ትማሊ 28 ሚያዝያ 2019 ጋዜጣዊ መግለጺ ኣውጺኡ።

ኣቦ ወንበር Eritrea Focus  ኣቶ ሃብተ ሓጎስ ኣብ መግለጺኡ፡ እቲ ብተሳታፍነት ዝተፈላለየ ድሕረ ባይታ ዘለዎም ኤርትራውያንን ምሓዙት ኤርትራን ንኽልተ መዓልታት ኣብ ለንደን ዝተኻየደ፡ ኣብ መጻኢ ሓራን ዲሞክራስያዊትን ኤርትራ እትዕምብበሉ ኣገባብ እንታይ ከምዝመስል ዝዳህሰሰ ዋዕላ፡ መሳጥን በዳህን ከምዝነበረ ብምጥቃስ፡ ብዓይኒ ናይቶም ንህዝቢ ኤርትራ ጽቡቕ ትምኒት ዘለዎም ወገናት፡ ኣውንታዊ ኣጋጣሚ ምንባሩ ኣገንዚቡ።

ስርዓት ኢሳይያስ ኣሉታዊ ግብረመልሲ ምሃቡ ካብ ትጽቢት ወጻኢ `ኳ እንተዘይነበረ፡ ዘሕዝን ምንባሩ ድማ ኣረዲኡ።

እቲ ስርዓት ነቲ ሰናይ ተበግሶ መርሓባ ኣብ ክንዲ ምባል፡ ብመንገዲ ከም ብዓል ሚኒስተር ዜና የማነ ቻርሊ ዝኣመሰሉ ወከልቱ ነቲ ቅዱስ ኮንፈረንስ ከቋናጽብ ኣብ ልዕሊ ምፍታን ንኸም ብዓል  እንግሊዛዊት `ባሮነስ ኪነክ` ዝኣመሰላ ንነዊሕ እዋን ንኤርትራ ዝተደጋገፋ መሓዙት ምዝላፉ ነቒፉ።

ሚኒስተር ዜና የማነ ገብረመስቀል (ቻርሊ) ኣብ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ዘለፋ፡ ` ኪነክ ዝብሉዋ ብሪጣንያዊት ባሮነስ፡ ንእኩይ ዕላማ ዝተኣኻኸቡ ዕሉላት ኤርትራውያን ከዳዓት ንምምዋል ሓዱሽ ድርኺት ዝረኸበት `ያ እትመስል። ነቲ ንመዋእላ ሒዛቶ ዘላ ናይ ክብሪ መዓርግን ግዚኣን ዜበታዊ ጸገማት እንግሊዝ ኣብ ምፍታሕ እንተተውዕሎ ክንደይ ጽቡቕ ነይሩ` ክብል ይዛረብ።

እንተኾነ፡ እታ ዓባይ እንግሊዛዊት ፖለቲከኛን ናይ ነዊሕ እዋን ዓርኪ ኤርትራን ዝኾነት ግለኒስ ኪነክ፡ ኣብ እዋን ብረታዊ ሓርነታዊ ቃልሲ ከይተረፈ ሜዳ ኤርትራ በጺሓ፡ ኤርትራ፡ ምስልታት ኲናትን ሰላምን` ዘርእስቱ ድርሰት መጽሓፍ ዝርከቦ ጻዕሪ ብምግባር፡ ማሕበረሰብ ዓለም ንኹነታት ኤርትራ ክርድኦ ዓቢ ስራሕ ዘበርከተት መሓዛ ምዃና ዝገለጸ መግለጺ Eritrea Focus፡ እታ ደጋፊት Eritrea Focus  ዝኾነት ግለኒስ ኪነክ፡ ሕማቕ ዕድል ኮይኑ ነቲ ዋዕላ ክትውድብ ኮነ ክትሳተፎ ከምዘከኣለት ሓቢሩ። ከምኡ ክትገብር እንተትኽእል ነይራ፡ `ነቲ ሽሮ ጠስሚ እምበር ወረሮ` እናበልና ብሓጎስ ምተቐበልናያ ኔርና፡ ብምባል ከኣ፡ ነታ ካብ ነዊሕ እዋን ፈታዊት ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነት መሓዛ ምስታፍ ዘሐብን እምበር ዘሐፍር ስጉምቲ ክምዘይኮነ የረድእ።

ኣምባሳደር ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ጃፓን እስቲፋኖስ (ብሩኖ) ብወገኑ ካብዚ ናይ ቻርሊ መስመር መጥቃዕቲ ፍልይ ኢሉ፡ ` ነቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘካይዳኦ ዘለዋ ሰላም ናይ ምህናጽ ጻዕሪ ንምብኻን ብወያነን ማለሊትን ዝተወደበ ፍሹል ምትእኽኻብ እዩ` ክብል እዩ፡ ነቲ ንዝኾነ ንጥፈታት ኤርትራውያን ምስ ወያነ ኣተኣሳሲርካ ንምጥቃን ዝካየድ ዝኣረገ ሜላ ህግደፍ ተጠቒሙ ነቲ ዋዕላ ከነኣእሶ ተራእዩ።

Eritrea Focus ኣብ ጋዜጣዊ መግለጺኡ፡ ኩሎም እቶም ብወከልቲ እቲ ስርዓት ዝተባህሉ ጠቐነታት ቅንጣብ ሓቅነት ኳ እንተዘይብሎም፡ ነዞም ዝተባህለ እንተተባህለ `ዋላ ትንፈር ጤል `ያ` ዝዓይነቶም ሰበስልጣን ዘይኮነስ ጻውዒቱ ንሰፊሕ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ብምምልካት፡ ከምቲ ብግልጽና ዝልለ ልሙድ ኣሰራርሓኡ፡ ንናይቲ ዋዕላ ኣጀንዳን ዝቐረበ ወረቓቕትን ኣቕረብቱን፡ ቀጺሉ ድማ ነቶም ዝቐረቡ ጽሑፋትን ህዝቢ ንኽርእዮም ከሕትሞም ምዃኑ ኣፍሊጡ።

Eritrea Focus ዘይመንግስታውያን ማሕበራት፡ ውድባት ሰብኣዊ መሰላት፡ ብ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝሻቐሉ ግዱሳት ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ጉጅለታትን ውልቀሰባትን ዝሓቖፈ ማሕበር ኮይኑ፡  ኣብ ውሽጥን ወጻእን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ንዝበጽሕ ስቅያት ብምቅላዕ፡ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ተሓታትነትን ግዝኣተ ሕግን ክሰፍን ዝንቀሳቐስ፡ ነዞም ዕላማታት እዚኣቶም ንምዕዋት ምስ ዝተፈላለዩ ኣህጉራውያን መሓዙት ተላዚቡ ብንጥፈት ከምዝሰርሕ ይፍለጥ።

እቲ ኣብ ህንጻ ዲሞክራሲ ኤርትራ ኣተኲሩ ኣብ ለንደን ዝተኻየደ፡ ካብ ኣፍሪቃ፡ ኤውሮጳ፡ ኣመሪካን ዓዲ እንግሊዝን ዝተሳተፉዎ ዝምጽኡ ልዕሊ 70 ተሳተፍቲ ዝተረኽቡሉ ዋዕላ ድማ ሓደ ክፋል ናይ ዕማማቱ እዩ።

Eritrea Focus ኣብ መደምደምታ መግለጺኡ፡ ` ዕላማና፡ ነቲ ንኤርትራ ገጢሙዋ ዘሎ ከቢድ ብድሆታት ዳህሲስካ፡ ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ዝትክእ ዲሞክራስያዊ መንግስቲ ኣብ ምዕንባብ ናይ ምቅልጣፍ ተራ ምጽዋት እዩ። ነቲ ብኢሳይያስ ዝምራሕ ምልካዊ ስርዓት ናይ ምእላይ ዕማም ናይ ኤርትራውያን ብሕልፊ ድማ ናይቶም ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘለው ባእታታት ዕዮ እዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ተራና፡ ናይ ምስግጋር እዋን ኣብ ዝኽሰተሉ፡ ነቲ ዲሞክራስያዊ መስርሕ ብሓሳባት ምድጋፉን ምትብባዑን እዩ። እዚ ዕማም `ዚ ኣዝዩ ዓቢ ከም ምዃኑ መጠን፡ ብሕታዊ ዋኒን ናይ ዝኾነ ይኹን ወገን ክኸውን ኣይክእልን። ስለዚ፡ ኩሉ ኣውንታዊ ኣበርክቶ ብኣውንታ መርሓባ ክብሃል ኣለዎ።` ይብል።

እቲ መስርሕ ይጅምር እምበር ይውዳእ ከምዘየልቦ ብምጥቃስ ድማ፡ ደረጃ ብደረጃ ንምጽጻዩን ንምህብታሙን ብቐጻሊ ኪስርሓሉ ምዃኑ የገንዝብ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT