Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መገዲ፡ የእቱ ናብ ዓዲ፡ ትጽቢተይ ኣብ ልዕሊ ኣኼባ ሓድነት ኤርትራውያን (ለንደን) 20 ሚያዝያ 2019

መገዲ፡ የእቱ ናብ ዓዲ፡ ትጽቢተይ ኣብ ልዕሊ ኣኼባ ሓድነት ኤርትራውያን (ለንደን) 20 ሚያዝያ 2019 27/04/2019 (19 ሚያዝያ 2011 ዓ/ም/ግ) እቲ ዕሙርን ሓያል ድሌት ሕዝቢ ንለውጥን ዘርኣየ፡ ኣኼባ ሓድነት ኤርትራዉይን-ለንደን ካብዝግበር፡ ድሮ ሰሙኑ ኾይኑ። እቲ ኣኼባ ብዙሓ ተስፋ

መገዲ፡ የእቱ ናብ ዓዲ፡ ትጽቢተይ ኣብ ልዕሊ ኣኼባ ሓድነት ኤርትራውያን (ለንደን) 20 ሚያዝያ 2019

27/04/2019 (19 ሚያዝያ 2011 ዓ/ም/ግ)

እቲ ዕሙርን ሓያል ድሌት ሕዝቢ ንለውጥን ዘርኣየ፡ ኣኼባ ሓድነት ኤርትራዉይን-ለንደን ካብዝግበር፡ ድሮ ሰሙኑ ኾይኑ። እቲ ኣኼባ ብዙሓ ተስፋ ዝህብ፡ ንቕሎ፡ እዩ ክብሎ እደፍር። ብዓቅመይ፡ ኣብቲ ኣኼባ ይኹን ብድሕሪኡ፡ ኣብቲ ውዕሎ’ቲ ኣኼባ፡ ክልተ ዓበይቲ ፍጻሜታት ተዓዚበ፤ ከተኣሳስረን ድማ ፈቲነ። እተን 2ተ ፍጻሜታት፡ እዘን ዝስዕባ እየን፡-

1ይ – እቲ፡ ንፖለቲካዊ ጊዳይ ሃገርናን፡ ንባህርያት ደመኛ ሥርዓት ኢሳያስን ኣመልኪቱ፡ ዝሃቦ ሰፊሕን ዓሚቍን፡ ብልክዕ ዝገልጽን፤ ንኣኼበይና’ውን፡ እንታይ ዓይነት ኣወዳድባን ቃልስን ከምዘድልዮ ዝእምትን መብርሂ፡ ብኣማኑኤል ኢያሱ (ኣሰና)፡ ብመክዕ መደረ ዝቐረብ ሓሳብ እዩ፤

2ይ – ብሓያል ሃገራዊ መንፈስን ብዝሒ ቁጽርን ናይ መንእሰያት፡ ዝተዓብለለ ኣኼባን፡ ውጽኢት’ቲ ምርጫን እዩ።

 

እዘን ክልተ ተርእዮታት ወይ ፍጻሜታት እዚኣተን፡ ኣብቲ ሓድነት ኤርትራውያን (ለንደን)፡ ዝጸውዖ ኣኼባ ዝተፈጸማ፡ ኣገደስቲ ፍጻሜታት እየን፡ ክብል እደፍር። ብፍላይ እቲ ብኣማኑኤል፡ ነቲ ተጋባኢ ሰፊሕ ሕዝቢ፡ ዝተዋህበ ምሕጽንታን መብርህን፡ “…..በሉ በዚ ኣሰካፊ ጉዳይ ሃገርና ካብ ተኣከብናስ፡ እንታይ ንግበር ትብሉ?… ሕዝብናን ሃገርናን ንምድሓን፡ .. እንታይ እዩ እቲ ዘድልየና? ብኸመይ ንወድብ ወይ ንንቀሳቐስ…. ? ወዘተ”፡ ዘተንብሁ ሓሳባት፡ ረዘንትን ኣገደስትን ነበሩ። ካብቲ ናይ ሽዑ፡ ብኣማኑኤል ኢያሱ (ኣሰና) ዝተለገሰልና ሓሳባት፡ ገሊኡ ንምጥቃስ፦

ብመጀመርያ፡ “…. ፖሊቲካዊ ጉዳይ ሃገርና፡ ዘየላቡ፡ ህጹጽ ጉዳይ ብምዃኑ፡ ብዝቐልጠፈን ብኸምቲ መድረኽ ፖሊቲካና ዝጠልቦን፡ ግብራዊ መልሲ ክንገብር እንተዘይኪኢልና፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ዝፍሕሶ ዘሎ ተንኮላት፡ መዳርግቲ ስለዘይብሉ፡ ንጥፍኣትና ኢና…” ዝብል ስምዕታ እዩ ደጊሙልና። ቀጺሉ ኣቶ ኣማኑኤል፡ “… ንጹር ዕላማ ዘለዎ፡ ንሃገራዊ ቀዳምነታት ዝሰርዐ፡ ……፡ ንምቅልጣፍ ውድቀት ሥርዓት ኢሳያስን፡ ንናይ እዋን ምስግጋር ፖለቲካዊ መድረኽ ሃገርና ዘውሕስን፡ … መሪሕነት / ሃገራዊ ጽላል ክፍጠር ከምዝግባእ፤ ….” ብትረት ገለጸልና። ብምቕጻል፡ “…… ለውጢ ኣብ ኤርትራ፡ ቅልጡፍን ክዉንን ኪኸውን እንተድኣ ኾይኑ፡ ኣብ ስደት (ካብ ኤርትራ ወጻኢ) ዘሎ ደላይ ለውጢ/ተቓላሲ፡ ነቲ ቃልሱ፡ ናብ ውሽጢ ኤርትራ ከእቱ ወይ ምስቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ደላይ ለውጢ፡ኪተኣሳሰር ወይ ኪቛጸር፡ ክኽእል ከምዘለዎ፤ ….. ነተን ምስ ሃገርና ብመሬታዊ ዶብ ዝራኸባ 3ተ ሃገራትን፡ ካብቲ ከባቢ ክውለድ ዝኽእል ሓይልን፡ ብዝግባእ ተጠቒምና፡ ቃልሲ ንለውጢ ከነቀላጥፍ፡ ምርጫና ኪኸውን ከምዝግባእ፤ ሓጋዚ ሓሳብ ኣማኑኤል ነበረ። ብተወሳኺ፡ “…ሕጂ’ውን መንእሰይ፡ ካብ ስደት (ምዕራባዊ ዓለም) ንውሽጢ ሃገር ኣትዩ ክቃለስ፡ ድልየታቱ እናገለጸ እዩ፤ ይኹንድኣምበር፡ ነዚ ኣገዳሲ ተበግሶ’ዚ፡ ከም ውልቃዊ ውሳኔ ሰባት ጥራይ ክውሰድ ዘይኮነስ፡ ብዝተወደበን፡ ብናይ ኩልና ሃገራዊ መደብን ሓላፍነትን ዝፍጸም፡ ኪኸውን ይግባእ። … ብሓጺሩ፡ ንኹሉ ዘሎን ክህሉ ዘለዎን፡ ናይ ቃልሲ ምርጫታት፡ … ብዝተወደበን ብዝተጸንዐን ኣገባብ፡ ክግበር ከምዘለዎ፤ ኣገዳሲ ናይ ለውጢ መስርሕ ምዃኑ ክንግንዘብ ተነጊሩና።

እቲ ስዒቡ ዝመጸ ቀንዲ ፍጻመ ናይቲ ዕለት፡ ነዚ ሰፊሕ ቃልሲ ንለውጢ ዘወሃህድ ኣካል፡ ምርጫ መሪሕነት ምምራጽ ነበረ። ብርግጽ፡  …. ኣብ ምትእስሳር እዘን 2ተ ፍጻሜታት እዚኣተን፡ ካብቲ ጭቡጥ ተረድኦይ፡ እቲ ዘሎኒ ባህግን ድሌትን ተስፋን ይዓቢ። ምኽንያቱ፡ ብዛዕባ ራእይን ዝተበጽሐ ስትራተጂ ቃልስን ሓድነት ኤርትራውያን፡ ፍልጠት ስለዝጎድለኒ፤ ግን ነቲ በቲ ዕለት’ቲ፡ ብኣማኑኤል ንኣኼበይና ዝቐረበ፡ ሰፊሕ ሓሳብን ሓበሬታን መርሓ-ሓሳብን፡ ከም ማእከል ሓሳብ ናይቲ ውዕሎን ውጽኢቱን (ዝተመርጸ ኣካልን) እንተዘኮይኑ፡ ንመን ድኣ! ቢለ እየ ሓሳበይ ክድምድም መሪጸ፤ ምርጫይ ግን፡ ናይ ጽቡቕ ድልየተይን ግርህናይን፡ ጥራይ ከይከውን ዘይሰግእ ኣይኮንኩን። ከመይ፡ እቲ ዝድለ ዕላማን መጋበሪ’ቲ ዕላማን፡ ብልክዕ እንተዘተወሃሂዱ፡ ከምቲ ምስላ ቀዳሞት፡ “መገድናን ንጎንደር፡ ስንቅናን ንናዕደር” ከይኮነና፡ ስኽፍታ ኣሎኒ (ግን ስኽፍታ ጥራይ ክገብረለይ እትስፎ)።

እዋኑ፡ እዋን ግብራዊ መስርሕ እዩ። ሎሚ፡ ካብ ሕሉፍ ተማሂርና፡ ንጹር ዕላማን ዓዲ ዘእትወና መገድን፡ ብኣጋኡ እንተዘጨቢጥና፡  ነቲ ንጥፍኣትና ዘይድቅስ ኢሳያስ፡ ዳግማይ ዕድል ምሃብ እዩ። ንኤርትራዊ መትከላትን፡ መስመር ቃልስን ጥራይ እንተዘይኮይኑ፡ ደቃይቕን፡ ፍለያ ባህርታትን፡ ማለት፡ “እዚ ፖሊቲካዊ፡ እዚ ሲቪካዊ” ምብህሃል፡ እዋኑ ኣይኮነን፤ ኩሉ ደላይ መሰረትዊ ለውጢ፡ ብመልክዕ ሕዝባዊ ምንቅስቓስ ወይ ጽላል ተጠሪፍና፡ ሕዝብን ሃገርን ከነድሕን፡ ተሪፉና ዘሎ ግዜን ዕድልን፡ ኣዝዩ ውሑድ እዩ። ኣብዚ ህጹጽን ግብራውን ሃገራዊ መደብ ቃልሲ፡ ከምኩሉ እጃመይ ክገብር፡ ሓላፍነትይ ምኻኑ እግንዘብ።

ርሑስ በዓለ ትንሳኤ፡ ንኹሎም ክርስትያን

ክብርኣብ ይሥሓቕ (ዶ/ር) – ለንደን

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT