Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ኣስመራ 5 ኢንተርነት ካፈ ከምዝዓጸወ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

እቲ ዝተፈልየ ሓበሬታ ምንእጋድ ዘሻቕሎ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ቅንያት ናጽነት ናይ ህዝባዊ ምልዕዓል ስግኣቱ ዓሪጉ ዝጸንሐ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ካብ ቅድሚ መዓልቲ ናጽነት ኣትሒዙ ኣብ ኣስመራ 5 ኢንተርነት ካፈታት ከምዝዓጸወ፡ ስእሊ ናይ ገሊኣተን ብምስናይ ምንጭታት

እቲ ዝተፈልየ ሓበሬታ ምንእጋድ ዘሻቕሎ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ቅንያት ናጽነት ናይ ህዝባዊ ምልዕዓል ስግኣቱ ዓሪጉ ዝጸንሐ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ካብ ቅድሚ መዓልቲ ናጽነት ኣትሒዙ ኣብ ኣስመራ 5 ኢንተርነት ካፈታት ከምዝዓጸወ፡ ስእሊ ናይ ገሊኣተን ብምስናይ ምንጭታት ቴለቭዥን ኣሰና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

 

እቲ ስርዓት ኣብ ቅንያት ጽምብል ናጽነት ከም ፈይስ ቡክን ዋትስ ኣፕን ዝኣመሰሉ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዓንቂጹዎም ኣብ ዝነበረሉ እዋን ተገልገልቲ እቲ ስርዓት ንዝገበሮ እገዳ ንምስጋር ብ vpn ክጥቀሙ ኣተባቢዕኩም ብዝብል ምኽንያት ነተን ኢንተርነት ካፈታት ከምዝዓሸገን ውን እቲ ሓበሬታ የረድእ።

 

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ሓበሬታ፡ ብፍላይ ድማ ቪድዮን ኦድዮን ብነጻ መታን ከይተሓላለፍ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝርከብ ኣገልግሎት ኢንተርነት ጸቢብ ባንድ ዊድዝ ከምዝህልዎ ኳ እንተገበረ፡ ገና ስግኣቱ ስለዘይተወገደ እዩ፡ ነተን ብሰለይቱ ዝቆጻጸረን ኢንተርነት ካፈታት ከምዝዕሸጋ ገይሩወን ዘሎ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Zeregabir Teaghes May 30, 2019

    Expected move by the maphias.
    All developments must be doomed is the principles of HGDF.
    After some time we will be learning that “Internet cafe for Ethiopians” Not allowed for Eritreans.
    Isayas Afwerki “the wisest fool in the world “.

POST A COMMENT