Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ንሃገራዊ ዕርቀ-ሰላም ዝጽውዕ – ሃዋርያዊ መልእኽቲ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ

መእተዊ ብፁዓን ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ከም ቀደሞምን ብዘለዎም ተልእኾን ሓልዮት መጓሰን፡ ሰንፈላል ኮይኑ ዘሎ ህሉው ኵነታት ዓድናን ከቢድ ደመና ኣንጸላሊዎ ዘሎ ኣካይዳ ሕዝብናን ብዚምልከት ሓዳስ ሓዋርያዊት መልኽቲ(“ሰላመ

መእተዊ ብፁዓን ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ከም ቀደሞምን ብዘለዎም ተልእኾን ሓልዮት መጓሰን፡ ሰንፈላል ኮይኑ ዘሎ ህሉው ኵነታት ዓድናን ከቢድ ደመና ኣንጸላሊዎ ዘሎ ኣካይዳ ሕዝብናን ብዚምልከት ሓዳስ ሓዋርያዊት መልኽቲ(“ሰላመ… ለርሑቃን፣ወሰላመ ለቅሩባን/ ሰላም ንሰብ ርሑቕ ቀረባ/ PEACE TO YOU WHO WERE FAR OFF AND TO THOSE WHO WERE NEAR) ንሃገራዊ ዕርቂ ትጽውዕ ኣውጺኦም ኣለዉ። እዚ መቐጸልታን ዓይነታዊ ኣካይዳን ካቶሊካዊት ቤትክርስትያን ኣብ መላእ ዓለም፡ ንክብሪ ወዲሰብን ንሓቀኛ ሰብኣዊ ዕብየትን መሰረት ዝገበረ እዩ። እዛ ናይ ሎሚ መልእኽቲ እውን ንበይና ነጺልካ ዘይኮነስ ምስተን ዝሓለፋ ኣተሓሒዝካን ነቲ ዓቢ ስእሊ ኣብ ግምት ብምእታውን ብግቡእ ክንርድኣ ንኽእል። ወዲ ሰብ ከም መጠን ፍሉይ ዝኾነ ፍጥረቱን መደብ ኣምላኽን ደኣ እምበር ከም እንደነገሩ ዚነብር ፍጡር ክሳብ ዘይኮነ፡ ፍሉይ ጠመተን ቆላሕታን የድልዮ። ብፁዓን ኣቦታትና ከኣ ነዚ እዮም ዚገብሩ ዘለዉ። ዕብየት ወድ ሰብ ክፋላዊ ወይ ጐድናዊ ጥራይ ኪኸውን የብሉን ምኽንያቱ ንሓቀኛ ምስሉ ስለዘየንጸባርቕ። ኵለንትናዊ ዕብየት (ኣካላዊ፡ ስነ-ኣእምሮኣዊ፡ ስምዒታዊ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን) እቲ እንኮን ንብሕቱ ጥራይ ኪስርሓሉ ዘለዎ ኣገባብ እዩ። ማሕበራዊ ትምህርቲ ቤተክርስትያን ድማ ነዚ ዜስተምህር ክፍሊ ተልእኾኣ እዩ። እዛ ኣብ ኤርትራ ዘላ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ከኣ ነዚ ካብ ምግባር ዓዲ ውዒላ ኣይትፈልጥን። ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ከም ኵሉ ኤርትራዊ፡ ሕዝባ ንምድሓንን ምርዳእን ኵሉ ዘሎዋ ኣወፍያ። ነቲ ዓቕሚ ስኢኑ ዘይኮነስ ብሰንኪ መሪር መግዛእትን ዓመጽን ኣብ ከቢድ ቅልውላው፡ ጥሜትን ማሕበራዊ ሕሰምን ተሸሚሙ ዝነበር ሕዝብና ኣባላታ (ካህናት፡ ውፉያት፡ ምእመናን) ብምውፋር ዓቕማ ዘበለ ብመልክዕ ግዙፍ ንዋታዊ ሓገዝ፡ ኣብያተ ዕዮ ከም ሕክምናን ኣብያተ ትምህርትን መዕቆብን ካልኦትን ኣበርከተት። ከም መቐጸልታ ናይ’ዚ ሎሚ እውን (ምስ ብዙሕ ተጻብኦታት) ኣብ ፈቐዶ ከተማታት፡ ዓድታትን ገጠራትን ዘሎ ኣገልግሎታት ሕያው ምስክር እዩ። ሕዝብና ሞራል ከየውድቕን ከይባኾረን ብማለት ኣብ ጐድኑ ተሰለፈት። መራሕቲ ሃይማኖት ደቃ፡ ንዓመጽቲ ሥርዓታት ዓው ኢሎም ብምቅዋሞም ግዳይ ማእሰርትን መግረፍትን ኮኑ። ታሪኽ ብንጹር ከምዝሕብሮ ኣብቲ ዝበዝሐ እዋን ዘመን ቃልሲ፡ ጳጳስ ኤርትራ ዝነበሩ ኣቦና ኣቡነ ኣብራሃ ፍራንስዋ ነቲ ፋሽሽታዊ ስርዓት ደርጊ ብዕሊ ኣፎም ከፊቶም ኮነንዎ፡ ንሕጋውን መሰራትዊ መሰልን ቃልሲ ሕዝቢ ኤርትራ ብዘይምቍራጽ ደገፎም ገለጹ። እዛ ቤተክርስትያን ከም ኵልና ደቂ ሃገር ብናጽነት ሕዝብና ተሓጐሰትን ንፈጣሪ ኣመስገነትን። ሓቂ ጥራይ ንብሕታ ናብ ሓርነት ከም ተብጽሕ ብዘለዋ ጽኑዕ እምነት ንዝሓለፋ ከባቢ 28 ዓመታት መሃረት፡ መዓደትን መኸረትን። ሓቅን ፍትሕን ዘባህርሮም ግና ነዚ ነገር እዚ ብፍጹም ጐሰይዎ። ካብ ጽባሕ ናጽነት ጀሚራ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ነዚ ሓቂ’ዚ ተዘኻኽረና ኣላ። ምስዛ ሓዳስ ሓዋርያዊት መልእኽቲ ደሚርካ ኣርባዕተ ዓበይቲ ሓዋርያውያን መልእኽትታት ዘርጊሓ ኣላ። እዚ ብዘይካ’ቲ በብእዋኑ ተስተምህሮም ንእስ ዚበሉ ገዲፍካ ማለት እዩ። ድሕረ ባይታ ናይዘን ሓዋርያውያን መልእኽትታት 1. ሰላምን ምዕብልናን-ብዝተሓደሰ መንፈስ ንሓዳስ ኤርትራ ሓምለ 1991 ሕዝብና ኵሉ ጭንቂ፡ ደርቂ፡ ሞት፡ ዝኽትምና፡ ስንክልና፡ ብርሰት ተፍጥሮ፡ ዖና ዝኾነ ትሕተ ቅርጺ ተገዚሙ እዩ ን 24 ግንቦት 1991 ተቐቢልዋ። ልዕሊ ኹሉ ግና ነታ ኵሉ ዝኸፈለላ ናጽነት ጨቢጡ፡ ኣምላኽ ከምዘይገደፎ ከኣ በሪህሉ። ነዚ ረዚን ዋጋ ግና ከቢድ ሓላፍነት ምስካም ከም ዘድሊ ብንጹር ኣብዛ መልኽቲ ሰፊሩ ኣሎ። ዝሓለፍናዮ መሪር ታሪኽ ከይድገም፡ ውግእን ወረ ውግእን ከይንሰምዕ፡ ሞት ከነርሕቕ፡ ሓቅን ፍቕርን ከነቐድም ተሪር ለበዋ ኣመሓላሊፋ። እቲ ጕዕዞ ከኣ ተጀሚሩ እምበር ኣብ ቀዳማይ ስጕሚ ከምዘሎናን ከቢድ ዕማም ይጽበየና ከም ዘሎን ብንጹር ሓሳባት ኣስፈረቶ። ብረታዊ ወገን ኣብቂዑ ሕጋውን ሲቪላውን ክፋል ካልኣይ ምዕራፍ ኮነ። ኣብታ መልእኽቲ ከም ዘሎ እዚ ክፍሊ “ቀሊል’ዩ ኢልና ርእስና ከይነተዓሻሹ ጥንቃቐ የድሊ” ዚብል ንረክብ። ብርግጽ ቤተክርስትያን ምልክታት ናይቲ ግዜ ብምንባብ ዝበለቶ እዩ። ነዚ ከኣ ብደቂቕ ኣብ ቁጽሪ 4 “ቅኑዕን ብቑዕን ምዕብልና” ኣብ ዚብል ዓንቀጽ ተንቲናቶ ኣላ። ኣብዛ ሓዋርያዊት መልእኽቲ ንዝመጽእ እንተታት መጠን ክንደይ ኣሰካፊ ጉዳይ ምዃኑ ኣብ ግምት ብምእታው ዝርዝራዊ መግለጺ ንረክብ። 2. ነዛ ሃገር እግዚኣብሔር የፍቅራ ኢዩ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ኣብ 10ይ ዓመት ናጽነት 24 ግንቦት 2001 ዝተጻሕፈትሉ እዋን መዓስ ኔሩ እንተ ኢልና ንምርድኡ ኣየጸግምን እዩ። ሃገርና ኣብ ብዝኾነ ይኹን ስነ ሞገት መበግሲ ዘይብሉ፡ ዘይምኽንያታዊ ፡ ግሉጽ መርኣያ ዘይሓላፍነታዊ መሪሕነት፡ ንረብሓ ሕዝብና ኣብ ግምት ዘየእተወ ኵናት ዝተሸመትሉ ጸሊም ምዕራፍ፡ ንልብን መዓንጣን ኵሉ ዜጋ ዜሕረረ እያ ተጻሒፋ። ቁስልና ከይሓወየ ኣሽሓት ኣባጽሕ ከፊልናን ኣሰንኪልናን፡ ምምዝባልን ወረ ዕንወትን ኣብ ዙርያና ገንፊሎም። ኣብ ምዕራፍ 11 “ወዮ ደኣ ካብ ታሪኽ ዝተመሃርናዮ እንተልዩ፣ ሰብ ካብ ታሪኽ ከምዘይመሃር እዩ’ምበር” ብምባል ትገልጽ። ነቲ ክቱር ትዕቢትን ብድዐን ዝመለልይኡ መሪሕነት፡ ደም ኣእላፍ ምፍሳስን ሕዝብታት ምንቛትን ኣይንታዩን ስለዝነበረ፡ ኣብዛ መልእኽቲ ሰፊሕ ትንታኔ ብዛዕባ ሰብኣዊ ክብሪ፡ መሰል ወዲ ሰብ፡ ማሕባራዊ ፍትሒ፡ ሞራላዊ ኣካይዳ፡ ባህልን መንነትን ብዙሓት ካልኦት መሰረታውያን ባእታታትን ብሰፊሑ ተገሊጾም ኣለዉ። ካብዚ ቀጺላ እዛ መልእኽቲ ሕጂኸ ናበይ፧ ዝብል ሓሳብ እያ ኣልዒላ ምኽንያቱ ደቂ ሰባት ኣብ ጐዳጉዲ እናስፈርካ፡ ነቲ ምእንቲ ናጽነቱ ኵሉ ዝኸፈለ ሕዝቢ ኣብ ገዛእ ዓዱ ኣይትዛረብን ኢኻ ተዓበስ እናበልካ፡ ብዘይካይ ክመርሕ ዝኽእል ሰብ የሎን እናበልካ፡ ብዘይካ ጥፍኣትን ባርነትን ካልእ ፋይዳ ከም ዘይብሉ ትምህርታ ኣካፈለት። ልዕሊ ኵሉ ከኣ ነቲ ብስልጡን ባህልን ሕግን ዚልለ ሕዝብና ሕጉን ባይቶኡን ምፍራስ ኣዝዩ ኣረሜናዊ ተግባር እዩ። ብዛዕባ ቅዋም፡ ምርጫን ብቑዕ ሥርዓተ ፍርድን እውን ተማሕጸነት። ንስድራ ቤት ምዕናውን መንእሰያት ካብ ባህሎምን መንነቶን መንቍስካ ሕብረተሰብ ደይመደይ ኢልካ ምብትታን ድሮ ዝተራእየ ክፉእ ኣካይዳ ምንባሩ ብዛዕባ’ዚ እውን ኣቓልቦ ጌራ ትዛረብ። ቀጺላ ድማ ብዛዕባ ብዙሓት እዋናውያን ጉዳይ ኣልዒላ ንሓቀኛ ምስሎምን ክኾንዎ ዘለዎምን መግለጺ ሃበት። 3. ሓውኻ ኣበይ ኣሎ፧ 25 ግንቦት 2014 እቲ ኵሉ ዝተባህለ ለበዋን ሓደራን መንከ እዝኒ ጌርሉ በንጻሩ እኳ ደኣ ዘስካሕክሕ መግደራ ርኢና። ሕዝቢ ምሕደራኡ ኣብ ትሕቲ ጠበንጃን ጎዳጕድን ኮይኑ ቀጺሉ። ኣቤት ከሕዝን! ፍጹም ኣረሜናዊ ኣካይዳን ውዱቕ ኣመራርሓን ንሃገር ረሚስዋ። ድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቆላ ብዘስምዕ ሕዝቢ ተበሳቢሱ፡ ስደት/ፍልሰት መንእሰያት ንሂሩ፡ ሕዝቢ ኤርትራ ከም ጥረ ነገር ክሽይጥን ክልወጥን ጀሚሩ፡ አረ ዝገደደ ሰውነቱ ተጐዝዩ፡ ገሊኡ ድማ ኣብ ባሕሪ ድራር ዓሳ ኮይኑ,,,, ወዘተ። ኣብ ውሽጢ ዘሎ ድማ ብቑዝማን መሪር ሓዘንን ልቡ ተሰይሩ፡ ሬሳ ደቁ ሓመድ ኣዳም ዘየልብሰ ኮታስ ኩሉ ንቡር ስኢኑ። ዝሸምገሉ ወለዲ ተገሊሎም ዝሕዝዎን ዝጭብጥዎን ስኢኖም። ዝተረፈ ድማ ኣብ ዘይርጉእ ሃዋህው ሰንፈላል ኮይኑ፡ መጻኢኡን ኣንፈቱን ከይርኢ ብዅሉ ተኸልኪሉ፡ ቍሩብ እንተለዎ ኣብ ሪጋ ባንን ላምባን ኮይኑ ምዓሉ። ዘርዚርካ ዘይውዳእ ኣደራዕ ኣብ ዝባን እቲ ማህጸኑ ዝኸፈለ ሕዝቢ ኤርትራ ወሪዱ። ንምፍትሑ ዝተወስደ ወላ ሓንቲ ስጕምቲ ዘይምንባሩ ከኣ ዝገደደ ዘሕዝን ተርእዮ እዩ። ኣብ ከምዚ ሃለዋት እምበኣር’ያ እዛ መልእኽቲ ተጻሒፋ። ነተን ቀዳሞት መልእኽትታት ብዙሕ ሕዝቢ ኣየድሃበለንን ግዲ ኮይኑ እዝያ ምስ ወጸት ግና ኣብ መራኸቢ ብዙኃን ተጋዊሓ፡ ነገሩ ግና ውሕጅ ከይመጸ መንገዲ ውሕጅ ጽረግ ኪኸውን ኣሎዎ። እዛ መልእኽቲ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስክዎን ካልኦትን ብደቂቕ ተንቲናን ክግበር ዘለዎ ነገራት ኣስፊራ። ካብ ኩሉ ነቲ ዘሕዝን ፍልሰት መንእሰያት ሸፈነ ብምግባር ንዘስዕቦ ሃስያን ብርሰትን ኣተሓሳሲባ። ደቅና መዓር እንተ ንቕርበሎም መዓር ዓዲ ሃገር ከናድዮ ኣይምኸዱን ብምባል ነቲ ኣዕናዊ ፖሊሲ ናይቲ ዘሎ ስርዓት ኣነጺራ። ዕረ ንኽቕርብ ዝተዓጥቀ መሪሕነትን ኣካይዳን ግና እዚ ኣይንታዩን እዩ። 4. ሰላምን ንሰብ ርሑቕን ቀረባን በዓለ ትንሣኤ 2019 ምስ ጎረቤት ኢትዮጵያ ሰላም ጌርና ተባሂሉ ኣብ ዘለወሉ እዋን ንሕዝቢ ምርዳእ ዘጸገሞ ኣካይዳን ዘይንጹር ኣገባብን ድሮ ኣዋርሕ ኣቝጺሩ ኣሎ። መዓቀኒ ሰላም እንታይ እዩ፡ ተፈላሊኻን ፋሕ ኢልካን ህንጸት ሃገር ኣሎ ድዩ፧ ክንደይ ግዜ ምድንጋር፧ ሕጂኸ ናበይ፧ ነዝን ካልኦት ሕቶታትን ኣብ ግምት ብምእታው ግብራዊ ዝኾነ ትንታነን ኪኸውን ዘለዎ መደባትን ኣነጺራ ኣላ። ነቲ ብመልክዕ ጽሟቕ (compendium) ተዳልዩ ዘሎ ጽሑፍ ከምዘለዎን ብምልእታ እታ መልእኽትን ኣብዚ ታሕቲ ጌረዮ ኣሎኹ። ትንሣኤ ናይ ዓወት፡ ሓርነትን ሕዳሴን እዋን እዩ፡ ካብ ኣርዑት ዝኾነ ይኹን ዝኣስረና ብምልኣት ፈንጢስና መቓልሕ ናጽነት እንእውጀሉ ክቡር እዋን ክንዲ ዝኾነ ነዚ ክዉን ንምግባር ከኣ ንተግህን ንብርትዕን። ብፋሲካ እንመሃሮ ነገር እንተልዩ ዘይውዳእ ብኽያት፡ ዘይሰዓር ጸላኢ፡ ዘይምለስ ሕቶ፡ ዘይስገር ዓቐብ፡ ዘይወግሕ ጸላም፡ ዘይትሓልፍ ዓርቢ፡ ዘይፍንቀል መቓብር፡ ዘየብቅዕ ባርነትን ዘይዛዘም መግዛእትን የልቦን። ብክርስቶስ ዓወት ርግጽቲ ኮይና እያ፡ ክብሪ ንስሙ ይኹን! ንሕዝብና ሃገርናን ፍጹም ሓርነትን ሕዳሴን ይግበረልና!

ትንሣኤኻ ንዝኣመና ብርሃናካ ስደደልና!

ከ.በ.ይ.እ. ዚኣክሙ መዳ

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT