ናብ ተጋዳሊት ነበር ናይ ሕጂ ሚኒስተር ወዘሪት ፈውዚያ ሓሽም። ክቡር ሰላምታይ ተቐበላ። መትከልክን ረሲዕክን መጋበርያ ውልቀመላኺ ኢሰያስ ካብ ትኾና ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ። እዚውን ንምዝኽኻር ዝኣክል’ምበር ደም ስዉኣት ከቢድ ስለ ዝኾነ፡ ሕልክናኽንስ ወግሐ ጸብሐ ብድምጾም ከም ዝዅሕኳሕን ቅሳነት ከም ዝኸልኣልክን ዝሰሓት ኣይኮነን።
Yes, the EU is financially capable of providing aid to a humanitarian disaster in Eritrea. However, when mechanisms of accountability are misplaced or ignored, the consequence is perpetuation of misery and waste of more resources. Transparency is non-existent in Eritrea and the EU might end up being held accountable for prolonging the suffering of the Eritrean people. The 122 million Euros in the pipeline for aid to Eritrea will eventually serve as a life-saver for the Government of Eritrea.

London Demonstration in Pictures
London Demonstration in Pictures
The second trip to Eritrea in our 18-year independence has raised many irks and some concerns among Eritreans. Some mistakenly regard the latest trip as an attempt to breathe life into a regime on its death knell.

ህዝቢ ከተማ ሰገነይቲ ናብ ባርካ ክግዕዝ ምዃኑ ብመንግስቲ ብዕሊ ከምዝተነግረ ምንጭታት ኣሰና ሓቢሮም።
ብመሰረት ‘ቲ ካብቲ ከባቢ ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ ዋላ ‘ኳ እቲ ህዝቢ ጥሜት እንተለዎ፡ ካብ ዓዱ ተዘናቢሉ ናብ ባርካ ኪኸይድ ድሉው ከምዘይኮነ ነቶም ሰበስልጣን የፍልጦም ኣሎ።
ስርዓት ህግደፍ ደቆም ባዕሉ ዝረሸነሎም ስድራቤታት፡ ናይ ዝተቐትሉ ደቆም መቕጻዕቲ ገንዘብ ክኸፍሉ ናብ ምምሕዳር ዓዲዃላ ጸዊዑዎም ከምዘሎ፡ እዚ ስግንጢራዊ ስራሕ ናይቲ ባዕሉ ገበነኛ ክንሱ ንግዳያት ዘዐዲ ስርዓት ንህዝቢ ኣርሚሙዎም ከምዘሎ እቶም ምንጭታት ብኣንክሮ ገሊጾም።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ 16 ኣምባሳዶራት ካብ ስርሖም ክድስክሉ ትእዛዝ ከም ዘመሓላለፈን እቲ ጉዳይ ኣብ ውሽጢ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዓቢ ምፍሕፋሕ ፈጢሩ ከምዘሎን ምንጭታትና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም። እቶም ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ናብ ኣስመራ ድሕሪ ምጽውዖም ብ20 ለካቲት ኢሳይያስ ናይ መዛዘሚ ኣኼባ ዘካየደሎም ኣምባሳደራት፡ ኣብቲ ኣኼባ በዳህቲ ሕቶታት ከምዘቕረቡሉ ኣብቲ ዘተ ዝተሳተፉ ምንጭታት ኣፍሊጦም።
እቲ ንሊትሮ 38 ናቕፋ (2.50 ዶላር ኣመሪካ) ክሽየጥ ዝጸንሐ በንዚን ስለዝተሳእነ፡ ኣብያተ መዐደሊ ነዳዲ ኤርትራ በንዚን ምዕዳል ደው ኣቢለን ከምዘለዋ ምንጭታት ኣሰና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።
ሰራዊት ኤርትራ ካብ 6 ወርሒ ንላዕሊ ዝቕለቦ ዝዝተኸዘነ ቀረብ መግቢ ከምዘይብሉ ስለዚ ድማ ኣብ ኣመጋግባ ቁጠባ ክገብር ከምዘለዎ ሚኒስትሪ ምክልኻል ካብ ቤትጽሕፈት ፕረዚደንት ትእዛዝ ከምዝተቐበለ ምንጭታት ሓቢሮም።
ሎሚ ሰንበት 22 ለካቲት ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝቕመጡ ኤርትራውያን ኣብቲ ብ ተቓወምቲ ውድባት፡ ኣባላት ሲቪካውያን ማሕበራት፡ ናይ ሚድያ ማዕከናትን ግዱሳት ውልቀሰባትን ብምትሕብባር ዝወደቡዎ ኣብ ከተማ ለንደን ኣፍደገ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዓባይ ብሪጣንያ ዝተኻየደ ውዕዉዕ ሰላማዊ ሰልፊ ብምስታፍ ምእንቲ ምኽባር ሰብኣዊ መሰል ኤርትራውያንን ድሕነት ሃገርና ኤርትራን ድምጾም ኣስሚዖም ።
እቲ ብጭንቀት ተዋሒጡ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣባላት ራድዮ ባና ማለት ፈነወ ትምህርቲ ንዓበይቲ ዝርከቡዎም ልዕሊ 30 ሰራሕተኛታት መንግስቲ ከምዝኣሰረ ምንጭታት ኣሰና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።
ተቐማጦ ኣብ ከባቢ ዓዲ ቐይሕ እትርከብ ዓዲ ቆልዓ ሰበይትን ሰብኡትን ንብረቶም ጠርኒፎም ብስቱር ናብ ኢትዮጵያ ከምዝሰገሩ ምንጭታትና ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።
ተቐማጦ ናይታ ዓዲ ነዚ ዓቕሊ-ጽበታዊ ስጉምቲ ‘ዚ ዝወሰዱ ብጥምየትን ሕሱም ጸቕጢ ስርዓት ህግደፍን ተገዲዶም ከምዝኾኑ እቶም ምንጭታት የረድኡ።
ብተመሳሳሊ መንገዲ፡ ተቐማጦ ከባቢ መንደፈራን ዓዲ ቐይሕን በቲ ወሪዱዎም ዘሎ ጥምየትን ሕሰም መነባብሮን ዝርእዩዎ ስኢኖም ነቲ ስርዓት ጭንቀቶም ምስ ገለጹሉ፡ ‘ናብ ጋሽ ባርካ ከባቢ ጎልጅን ገርሰትን ኬድኩም ሓሪስኩም ብልዑ’ ስለዝበሎም ዝገዓዙ ብዙሓት ስድራቤታት ከምዘለዉ ክፍለጥ ተኻኢሉ ‘ሎ።