ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኮይና ክትቃለስ ዝጸንሐት ወ/ሮ ምሕረት ገብረየሱስ፡ ካብ’ቲ ሰልፊ ክትሳናበት ናብ ኣቦ ወንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣቶ ወልዴሱስ ዓማር ወግዓዊ ምልክታ ከምዘቕረበት ምንጭታት ሓቢሮም።
ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኮይና ክትቃለስ ዝጸንሐት ወ/ሮ ምሕረት ገብረየሱስ፡ ካብ’ቲ ሰልፊ ክትሳናበት ናብ ኣቦ ወንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣቶ ወልዴሱስ ዓማር ወግዓዊ ምልክታ ከምዘቕረበት ምንጭታት ሓቢሮም።
ኣቶ ኣርሀ ሓመድ ናካ ወዲ 57 ዓመት ኤርትራዊ መበቆል ዘሎዎ ሽወደናዊ እዩ ፡ ኣርሀ ሓመድናካ ኣብ 80 ታት ናብ ሃገረ ሽወደን ከም ፖለቲካዊ ስደተኛ ኮይኑ እዩ መጺኡ ፡፡
ብቀዳምነት ክቡር ኣቶ ኢሳያስ ኣስፍሃ ብወገን ጥዕናኻ ጽቡቕ ክትህሉን ኣብ መነባብሮኻን ኣብ እተካይዶ ዘይሕለል ህዝባዊ ሓርነታዊ ቃልሲ ዓወትን ኣሳልጦን ንምነየልካ።
ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣሰንዩ ኣብቲ ካብ 31 ግንቦት ክሳብ 1 ሰነ 2010 ኣብ ፈረንሳዊት ከተማ Nice ዝተኻየደ መበል 25 ዋዕላ ፈረንሳን-ኣፍሪቃ ዝተሳተፈ ኣባል ቤትጽሕፈት ፕረሲደንት ስምኦን መሓሪ፡ ንስርዓት ህግደፍ ራሕሪሑ ኣብ ኤውሮጳ ፖለቲካዊ ዑቕባ ከምዝሓተተ ምንጭታት ንኣሰና ሓቢሮም።
ክቡራት ተኸታተልቲ ኣሰና፡ ሓንቲ ኣብ ኦስሎ እትነብር ኣባል ናይቲ ህግደፍ ኣብ ወጻኢ ከም ሃሱስ ዘዋፍሮ ብ YPFDJ ዝፍለጥ ጉጅለ መንእሰያት ዝኾነት ኤርትራዊት ዝሰደደትልና መልኽቲ፡ ኣብ ናይ ትማሊ ረቡዕ መደብና፡ ብምኽንያት ሕጸረት ሰዓት-ፈነወ ጽማቝ መልእኽቱ ጥራይ ኣቕሪብናልኩም ኔርና። ትርጉም ምሉእ ትሕዝቶኡን እቲ ብእንግሊዝኛ ዝተጻሕፈ መልእኽቲ ከምዘለዎን ከኣ ነቕርበልኩም።
ፍረደሪክ ማልም ዝተባህለ ኣባል ባይቶ ሽወደን፡ "እቶም ንዲፕሎማስያዊ ስራሕ ፍቓድ ዝተዋህቦም ኣባላት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሽወደን ንዝቕመጡ ኤርትራዊ መበቆል ዘለዎም ሽወደናውያን ግብሪ የኽፍሉ እንተሃልዮም፡ ዲፕሎማስያዊ መዝነቶም ክቕንጠጡ እዮም። ኣብ ሽወደን፡ ግብሪ ናይ ምእካብ ስራሕ ናይ ሃገረ-ሽወደን ዕማም ጥራይ እዩ" ክብል ከምዘጠንቀቐ፡ Stockholm News ዝተባህለ መርበብ ኢንተርነት ኣፍሊጡ።
ኣባል መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝነበረ ኣቶ መሓመድ ስዒድ ባርህ ብሕማም ነዊሕ ድሕሪ ምስቓይ ሎሚ 9 ሚያዝያ ኣብ ኣስመራ ከምዝዓረፈ መርበብ ሓበሬታ ዓዋተ ኣፍሊጣ።