ንቀዳም ዕለት 4 ታሕሳስ 2010 ንኡስ ሽማግለ ናይ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንደሞክራስያዊ ለዉጢ፣ ቦኽሪ ኣኸባ ኣብ ከተማ ስቱትጋርት ጀርመን
ንቀዳም ዕለት 4 ታሕሳስ 2010 ንኡስ ሽማግለ ናይ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንደሞክራስያዊ ለዉጢ፣ ቦኽሪ ኣኸባ ኣብ ከተማ ስቱትጋርት ጀርመን
አሰናዳኢ ሽማግሌ ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ አብ ዋዕላ ናይ ዝቐርቡ መጽናዕታዊ ጽሑፋት ምእራምን ብምጽፋፍ ናይ መወዳእታ መልክዑ አትሒዙዎ ይርከብ፡፡
ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞራስያዊ ለውጢ ዓወት እምበር ካልእ ዘይሕፈሶ፡ ወሳኒ እምነ-መሰረት ደሞክርሳዊት ኤርትራ እዩ፡ ካብ ዝብል እምነትን ዕግበትን ተበጊስና እነሆና ኣብ ኦክላንድን ከባቢኣን እንነብር ጉዱሳት ኤርትራዉያን ነዚ ህዝባዊ ኣኼባ ንዕድም።
ንሰንበት ዕለት 30.05.2010 ዓ.ም.ፈ.፡ እንሆ ልኡኽ ኣሳናዳኢት ኮሚተ፡ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ፡ ኣብ ሃገር ጀርመን፡ ምስ ተቐማጦ ከተማ ኰሎን‘ን ከባቢኣን፡ ክፉት ኣኼባ ናይ ህዝቢ ክገብር፡ ግዱሳት ኤርትራውያን ተቐማጦ ከተማ ኰሎን-ን ከባቢኣን፡
ንቐዳም ዕለት 17 ሚያዝያ 2010 አብ ከተማ ሮተርዳም ሆላንድ ህዝባዊ አኼባ ብአባላት ኪዳንን በርጌሳውያን ማሕበራትን ንዘተ ህልው ኩነታት ሀገርና መሰረት ብምግባር አዳሊና ስለዘለና ኩሉ ኤርትራዊ/ት አብ ዝተባህለ ዕለትን ሰዓትን ምሳና ሐቢሩ ብጉዳይ ሀገሩ ክዝቲ ብኽብሪ ነዕድም አለና
ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ደቂ ሃገር፡ ብቀዳምነት ልባዊ ሰላምታና ይብጻሕኩም።
ቀጺልና ደጊም፡ ንልሙድ መደብና መሰረት ብምግባር፡ እንሆ ን-ቀዳም ዕለት 19.12.2009 ዓ.ም.ፈ.፡ ካብ ማሓዙ ኣሰና ዶት ኮም፡ ከም ክቡር ሓው ኢሳያስ ስዩምን ተስፊት ክፍሉን፡ ኣጋይሽ ናይ (Eritrean room for strong and united opposition) ኮይኖም ከምስዩ፣ እሞ፡ “ንምሕያልን ምትብባዕን ነጻ ናይ ዜና ማዕከን“ ዝብል ኣርእስቲ፡ ከም ዋና ዛዕባ ኣልዒሎም፡ ምስ ህዝቢ ክዛተዩ ዓዲምናዮም አሎና።
አገዳሲ ህዝባዊ ኣኼባ ንኹሎም ትቐማጦ ደንቨርን ከባቢአን
እምባአር ከስ፡ ነቲ ልሙድ መደብና መሰረት ብምግባር፡ እነሆ ንዓርቢ ዕለት 24.10.2008 ዓ.ም.ፈ፡ አቦ ወንበር ውድብ ,,ግንባር ሃገራዊ ሓድነት ኤርትራ,“፡ ክቡር ሓው አቶ ረዘነ ሃብተ፡ ጋሻ ናይ ,,Eritrean room for strong and united opposition“ ኮይኑ ከምሲ ዓዲምናዮ አሎና። እዛ ናትና „Chat Room“ እትኽፈተሉ ግዜ፡ ብናይ ማእከላይ ምዕራብ አቖጻጽራ፡ ሳዓት 20፡00 ክኸውን እንከሎ፡ መደረ ክቡር ሓው አቶ ረዘነ ሃብተ ዘጅምረሉ ግዜ ካአ፡ ሳዓት 21፡00 እዩ።
ቀጺልና፡ ንቀዳም 5 ጥሪ፡ 2008 (Saturday, January, 2008), ስዓት 21፡00 ብናይ ማእከላይ አውሮፓ አቖጻጽራ: ተስፋልደት አለም ማሓረና፡ መስራትን አቦ ወንበርን ናይ „asmarino.com“ አብ መራኸቢ ብዙሓን „Paltalk: Eritrean Room for strong and united opposation“ ሕዝናልኩም ክንቀርብ ስለ ዝኾና፡ ምሳና ክተምስዩ/ያ ብኽብሪ ንዕድም::