“ ክንብርኵት ከይንብርኵት ቅድም ቀዳድም ኣብ ማይ ዘለዎ ንብጻሕ”
ኤርትራዊ መንእሰይ ዝያዳ ኵሉ ክፋል ሕብረተሰብና ኣደራዕ ስርዓት ህ.ግ.ድ.ፍ ኣብ ነብሱ ዝጸሓየ ወለዶ ኢዩ፡፡ ስርዓት ህ.ግ.ድ.ፍ ነዚ ናጽነት ዝተረከበ ወለዶ ንምድሃኽን፡ ካቡኡ ሓሊፉ እውን “ እሺ” ኢሉ ዝንብርከኽ ሙኡዙዝ ግልያ ንምቕያር ፡ ሳዋ ዝበሃል ብቝዱስ ዕላማ ዝተለበጠ ተንኮል ኣሊሙ፡
“ ክንብርኵት ከይንብርኵት ቅድም ቀዳድም ኣብ ማይ ዘለዎ ንብጻሕ”
ኤርትራዊ መንእሰይ ዝያዳ ኵሉ ክፋል ሕብረተሰብና ኣደራዕ ስርዓት ህ.ግ.ድ.ፍ ኣብ ነብሱ ዝጸሓየ ወለዶ ኢዩ፡፡ ስርዓት ህ.ግ.ድ.ፍ ነዚ ናጽነት ዝተረከበ ወለዶ ንምድሃኽን፡ ካቡኡ ሓሊፉ እውን “ እሺ” ኢሉ ዝንብርከኽ ሙኡዙዝ ግልያ ንምቕያር ፡ ሳዋ ዝበሃል ብቝዱስ ዕላማ ዝተለበጠ ተንኮል ኣሊሙ፡
ቅድሚ ክልተ ማዓልቲ፡ ሓደ ዓርከይ፡ ኣነ ኣብቲ ብመንእሰያት ኤርትራ ዝተዳለወ፡ ብዕለት 25. 03. 2011 ዓ.ም.ፈ.፡ ኣብ ጀነቫ (Geneva)፡ ኣብ ቅድሚ ቤት-ጽሕፈት ናይ UN ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ፡ ተኻፊለ ከምዝነበርኩ ዝፈልጠ፡ ኣብ ስልኪ ደዊሉ፡ እንታይ ዳኣ ኢና ንሰምዕን ነንብብን ዘለና …? ኢሉ ሓቲቱኒ።
ኣነ ነዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ክጽሕፍ ዘገደደኒ ምኽንያት፡ ነቲ/ታ፡ ኣብዚ ትማሊ፡ ዕለት 25. 03. 2011 ዓ.ም.ፈ.፡ ኣብ ጀነቫ (Geneva)፡ ኣብ ቅድሚ በት ጽሕፈት ሕቡራት መንግስታት (UN) ዝተገበረ፡ ብመንእሰይ ኤርትራ ዝተዳለው፡ ሰለማዊ ሰልፊ፡ ዘይዋዓለ/ት ኤርትራዊ፡ ክቀኒእ፡ ወይ እውን፡ ኣብዚ ሰላማዊ ሰልፊ እዚ ዘይምውዓሉ፡ ከጣዕሶ፡ ኢለ ኣይኮንኩን።
ሓድሓደ ግዜ ካብ ሳልሳይ ዓለም ናብተን ዝሰልጠና ምዕራባውያን ሃገራት ክትስደድ ከሎኻ፡ ከምዚ ካብ ዓለም ናብ ማርስ ወይ ጁፒተር እትገይሽ ዘሎኻ ኮይኑ ኢዩ ዚስመዓካ፡ ከመይሲ እቲ ኣብተን ምዕራባውያን ሃገራት ማዕቢሉ ዘሎ ንመሰላት ወድሰብ ዚምልከት ኣምራት ወይ መትከላት፡ ኣዚዩ ዘገርምን ዘደንጹን ብምዃኑ።
ስለምንታይ ኢዩ ህዝቢ ብልቡን ብእግሩን ዝሽፍት? ፍትሒ ስለ ዝሰኣነ። ኣቦታትና ቀደም ካብ ሓደ ዓዲ ናብ ካልእ ይሰግሩሞ፡ ኣብ ጕዕዞኦም ገለ ሰባት ይረኽቡዎም፡ ከመይ ሓዲግኩምዎ ዓዲ ብምባል ድማ ይሓቱዎም።
ኣብ 21 ክፍለ ዘመን እንተሎ ዝዕሹ
እሞ ኮምፒተር ተተርኢሶም ዝድቅሱ
ኣብ ጫካ ዝነብሩ ብ10.ኢድ ይሕሹ
ብዘይካ ምምእራር ካልእ ዘይፈላፈሱ
ከም ብዓል ማንኪ ዘይብሎም ዝሕሱ
ክተት መንእሰይ ታሰዓት ኣኺላ
ካብ ስሩ ክመሖ ዚናይ ታሪኽ ሓተላ
ታወርቃዊት ዕድልና እሱ ክጻወተላ
ኣይትልቀቆ ሎሚ መሰረቱ ፈንቅላ
እንታይ ዓይነት መንግስቲ ኢዩ ኣብ ህዝቢ ፈጺሙ ሓልዮት ዘይብሉ፡ ብዛዕባ ስልጣኑ እምበር ብዛዕባ ዕድል ህዝቢ ኸኣ ፋዕራ ዘይብሉ? ስልጣኑ ንምቕጻልከ እንታይ ሜላታት ይጥቀም?
ንዓለምን ንኸባቢኡን ኪልውጥ ዚኽእል ሓይሊ፡ እቲ ካብ ኣእምሮ መንእሰይ ዚምንጩ ናይ ለውጢ ድራኸ ኢዩ። እዚ ኣከታቲለ ዝጽሕፎ ዘለኹ ድማ፡ ናብኡ ዝዓለመ ኢዩ።
ንኣይ ካብ ኩሉ ነገራት ዝገርመኒ እንተሎ፡ ኣብተን መስረትቲ ደሞክራሲ ሃገራት ኵድም ኢልካ፡ መሰለይ ተገፊፈ እናበልካ ናብ ቤትፍርዲ እናኸሰስካ፡ ከምዚ ተበዲለ፡ ዝያዳ ኣኽፊልኩምኒ፡ ብዓሌታዊ መገዲ ስለ ዘዳለኹምኒ ከሓሱኒ፡ ኣደይ ኣምጽኡለይ፡ ሰበይተይ ጸውዑለይ: ደቀይ ኣክቡለይ፡ ወዘተ. ብምባል ነቲ መንግስቲ ላሕ እናበልካ፡
ፈጣሪ ንወድሰብ ካብ ዝሃቦ ህያባት እቲ ዝዓበየ ኣእምሮኡ ምዃኑ ንኹሉ ብሩህ ኪኸውን ይግባእ። ሓደ ናይ ኣእምሮ ስንክልና ዘለዎ ሰብ ኣብ ሓደ ነገር ኪኣምን ወይ ተንቲኑ ኣብ መደምደምታ ኪበጽሕ ይኽእልዶ? ኣይክእልን።
እዛ ዓለም ከም ቁሸት ጌርና እንተ ደኣ ርኢናያ፡ እቲ ኣብኣ ዚነበር ህዝቢ ዳርጋ ኣብ ካንሸሎ ይነብር ከም ዘሎ ጌርካ ምርኣዩ ዘሸግር ኣይኮነን።
ሽሕኳ ሃይማኖት ንባዕሉ ምኽንያት ውግእ ኪኸውን ዘይክእል እንተኾነ፡ ንሓያሎ ኣጀንዳታት ግን ከም ሽፋን ኮይኑ ከገልግል ጸኒሑ ኢዩ። ሓደ ህዝቢ ወይ ጉጅለ ገለ ማሕበራዊ ጸገም ምስ ዘጋጥሞ ወይ ፍትሒ ምስ ዚጐድሎ፡ ነቲ ዘይፍትሓውነት ንኺዋግኦ ሓይሊ ዚህቦ ውሽጣዊ ድፍኢት ይደሊ ኢዩ። ስለዚ ንሃይማኖት ከም መሳርሒ ተጠቒሙ ቃልስታቱ የካይድ ማለት ኢዩ።
መንእሰይ ከይኮነ ዝዓበየ ሰብ የልቦን። ገለ ግን ኣለዉ ስድራኦም ብንእስነቶም ሓላፍነት የሰክሙዎም እሞ፡ ንእስነት ከይረኣዩ ዚዓብዩ። ኩሉ ጸጽሕፍቶኡ ኣለዎ።
ነብሱ ብሓዊ ኣቃጺሉ ሃገራዊ ተቓውሞ ብምብራዕ ትእምርቲ ህዝባዊ ተቓውሞን ለውጥን ዝኾነ ቱኒዝያዊ መንእሰይ ሙሓመድ ቦዋዓዚዚ
ኣፍ እቲ ከየድምጽ መሰሉ ዝተገፎ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ኮይኖም ደው ዝበሉ ኣማሓደርቲ ኣሰና፡ ንሰንበት ዕለት 5/12/2010፡ ኣብ ፓልቶክ Room Eritrea Etuq menisey Eritrea niDimokrasin fithin ክቐርቡ እዮም።
ንፖለቲካዊ ቃልሲ ማለተይ’ዩ። ነቲ ኣብዚ መድረኽ’ዚ ተኸሲቱ ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታትና ድማ ክገልጽ ይፍትን። እቲ ብንኣሽቶና እንፈልጦ ጉልበታዊ ቃልሲ እሞ ኸኣ፡ ከይተጠማጠምካ ከመይ ኢሉ? ቃልሲ! ፖለቲካዊ ይኹን ጉልበታዊ ማዕዶ ንማዕዶ ተረሓሒቕካ ክኸውን ዘይክእል መስርሕ’ዩ።
ኣብዛ ዓለም ሓደ ሕብረተሰብ ኽህሉን ክቕጽልን ክዓብን ክስስንን እንተኾይኑ፡ንዕኡ ዝትክእ ብኩለንተናዊ መዳይ (ናይ ተፈጥሮ ጸጋታቱ፡መንነቱ፡ባህሉን ልምዱን ቛንቁኡን) ዝወርስ፡ ሕድሪ ተቀቢሉ ድማ ብተግባር ዝዓይ፡ተካኢ ወለዶ ማለት(ጎበዝን ጎርዞን) ክህልዎ ግድን ይኸውን። በዚ ናይ ወለዶታት ምወርራስን ምትኽካእን ቀጻልነት ሓደ ህዝቢ ወሕስ ክኸውን ይክእል።
ኣብዛ እንነብረላ ዓለም መብዛሕትና ደቂ ሰባት ብተስፋን እምነትን ኢና እንነብር። ደቂ ሰባት እታ ሃገረይ ኢሎም ዝኾርዑላን ዝንየቱላን ንኹሎም ዜጋታት ብማዕረ መሰሎም ተሓልዩ ክኸብሩላን ክጽዕሩላን ክከላኸሉላን ናይ ነብስወከፍ ሃገራዊ መሰልን ግቡእን እዩ። ኣብታ ሃገር ሰብኣዊ መሰላት ምስ ዘይከብርን ምእኩል ምሕደራ ምስ ዘይህሉን ወይ ውን ብሰንኪ ዘይምዕሩይ ምጣኔ ሃብታዊ ዝርገሐን ሕማቕ ምሕደራን ዝስዕብ ስእነት ሰላምን ዓጸቦን ምስ ዘጋጥም እምነትን ተስፋን ኣብቂዔን፡ ዜጋታት ሃገሮም ራሕሪሖም ናብ ስደት ሃጽ ክብሉ ይራኣዩ።
ትማሊ ሓደ ካብቶም “እስዝ ሓሶት እንተዝኸውን ክንደይ ጽቡቕ ነይሩ” እናበልና ንብዓትን ቀለምን ሓዊስና እንጽሕፎም ዜናታት ካብ ምንጭታት በጺሑና። “ፍስሃ ወልደዳዊት ብትእዛዝ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ተቐቲሉ” ዝብል ዜና።
ብፈለማ ደቒ ሃገር ኩሉኩም ከመይ ኣለኩም። መበገሲ ጽሑፈይ ኣብ መስከረም ዶት ነት ዝበሃል መርበብ ሓበሬታ ብ”ኣፍን ግብርን መራሕቲ ኪዳን ክቕላዕ መን እሰይ ኤርትራ ተሰራዕ” ዝብል ኣርእስቲ እዩ። መብዛሕትኡ እኳ ዝሰማምዓሉ ነጥቢ እንተሃለወ ኣብ’ቲ ዘይተሰማማዕኩሉ ነጥቢ ወስ ከብል እሞ ናብ ሓናጺ ዝኮነ ልዝብ ምእንቲ ክንኣቱ።
መንእሰይ ሞተር ሃገር ተባሂሉ ብክንክን ጥዕናን፣ ብትምህርቲ፣ ብሃናጺ መግቢ፣ ስፓርት ወዘተ፣ ተኾስኪሱ ክዓቢ ዝግባእ ቀንዲ ክፋል ናይ ሕብረተ ሰብ ኣካል እዩ። እንተኾነ ግን ኣብ ኤርትራና ብግልብጥሽ ኮይኑ፣ ክውዒ ብማንካ ክዝሕልን ብኢድካ ከምዝበሃል፣ ኩናት እንተመጸ ንዕኡ፣ ስራሕ ባርነት እንተሎ ንዕኡ፣ ግፋ እንተመጸ ንዕኡ፣ ስም ምኽፋእ እንተመጸ ንዕኡ፣ ብዓቢኡ ድማ ግዳይ ናይ ስደትን መከራን ሽግርን ኮይኑ ይርከብ።