Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

NSመንእሰይ ሞተር ሃገር ተባሂሉ ብክንክን ጥዕናን፣  ብትምህርቲ፣  ብሃናጺ መግቢ፣ ስፓርት ወዘተ፣ ተኾስኪሱ ክዓቢ ዝግባእ ቀንዲ ክፋል ናይ ሕብረተ ሰብ ኣካል እዩ። እንተኾነ ግን ኣብ ኤርትራና ብግልብጥሽ ኮይኑ፣ ክውዒ ብማንካ ክዝሕልን ብኢድካ ከምዝበሃል፣ ኩናት እንተመጸ ንዕኡ፣ ስራሕ ባርነት እንተሎ ንዕኡ፣ ግፋ እንተመጸ ንዕኡ፣ ስም ምኽፋእ እንተመጸ  ንዕኡ፣ ብዓቢኡ ድማ ግዳይ ናይ ስደትን መከራን ሽግርን ኮይኑ ይርከብ።