ክውንነትን ግዜን ይቀዳደምሉ ኣብ ዘለዉ እዋን ንግዜ ቀዲምካ እዋናዊ ሓቤሬታ ብምስናቕ ንኩነታት ብምምዛን ህዝብን ሃገርን ኣብ ምድሓን ይሕግዝ ኢዩ ዝብል ግምት ስለ ዘለኒ ነቲ ዋሕዚ ሓበሬታ ካብ ክዉን መንፈሱ ከይቀየርኩ ናብቲ ከም ንፋስ እናሸበብ ዝቕድመና ዘሎ ህሉው ምዕባለታት ብምትዃር ኩለትናዊ ሓበሬታ ብምዕራፋት እናኸፋፈልኩ ኣብ ቦቶኦም ከትሕዞም ምዃነይ ቃል እናኣተኹ፡ እንሆ ናብ’ቲ ቀንድን መበገስን ዝነበረ ኣገዳስን ተኣፋፍን ቴማ ብዝያዳ ኣተኵረ አቕርቦ ።
ካብ ጻት ናብ ጻት….
ኣብቲ ብብሪጋደር ጀነራል ተኸለ ክፍላይ /ማንጁስ/ ዝምራሕ ብ ‘ምክትታል ዶባት’ ዝፍለጥ ዕማምን ስርሒታትን ዝካየደሉ ዞባ ጋሽ ባርካ፡ ዓስኪረን ዝርከባ ክልተ ቦጦሎኒታት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ በቲ ኣብ ምምሕዳራዊ ዞባአን ዝግበር መንግስታዊ ምብስባስ ህዝብን እገዳ ምንቅስቓስ ንብረትን እኽልን ብምቅዋም፡ “ኣገልግሎትና ሓልዮት ህዝብና እምበር ኣንጻር ህዝብና ኣይኮነን” ብዝብል መንፈስ ነቲ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝተዋህበን ግጉይ መምርሒ ነጺገንኣብ ጎኒ ህዝቢ ደው ከምዝበላ ምንጭታት ሓቢሮም።

According to sources from Asmara, President Isaias Afewerki has summoned all members of the Eritrean Air Force to Masawa, the port city where he has relocated his government. However, the members of the Air Force who were also told to leave all their belonging in their base in Asmara have disobeyed his direct orders in unison.
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኩሎም ኣባላት ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ንብረቶም ገዲፎም ንሎሚ (06.12.2008) ናብታ ከም ቤተመንግስቲ ዝጥቀመላ ዘሎ ወደባዊት ከተማ ባጽዕ ክወርዱ ቀጥታዊ ትእዛዝ ከምዘመሓላለፈ፡ እንተኾነ ኣባላት ሓይሊ ኣየር ንትእዛዙ ብስሙር ድምጺ ነጺጎሞ ከምዘለዉ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።
Major General Philopos Weldeyohans, who is emerging as the right hand of President Isaias Afewerki of Eritrea, has narrowly escaped assassination attempt by unidentified members of the Eritrean defence forces.
ብሓለዋ ተዓጂቡ ካብ ኣስመራ ናብ ባጽዕ ገጹ ዘምርሕ ዝነበረ ሜጀር ጀነራል ፊሊጶስ ወልደዮውሃንስ ካብ ከተማ ነፋሲት 7 ኪሎ ሜተር ሪሒቑ ኣብ ዝርከብ ጎቦታት ኣድቢዮም ብዝጸንሑ መንነቶም ዘይተፈልጡ ኣብ ውሽጢ ሰራዊት ኤርትራ ጸፍዮም ዘለዉ ሓይልታት ተቓውሞ ናይ ድብያ መጥቃዕቲ ከምዝተኻየደሉ፡ እንተኾነ ካብ’ቲ ዝተተኮሰሉ ኣድራጋ ጠያይቲ ንስክላ ከም ዘምለጠ ምንጭታትና ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።
ህሉው ኩነታትበን ሰብኣዊ መሰላትን ኤርትራ ከመይ ከምዝመስል እተንጸባርቕ ብዋዛ መልክዕ ዝቐረቡ መልእኽታት ዝሓዘት ‘ይኣክል!’ ዘርእስታ ብሙሴ ያቆብ ዝተዳለወት መጽሓፍ ኣብ ቀረባ እዋን ተዘርጊሓ ኣብ ኢድ ኣንበብታ ኪትበጽሕ ምኻና ነበስረኩም።