ኣብ ናይ ሎሚ ርክብና፣ ንኩላትኩም ብምቛም “ሃገራዊ ምንቅስቓስ ደምበ ኣለና” ዝተሰመዓኩም ሓጎስ ንምግላጽ ናይ ዮሃና መልእኽቲ ዝሰደድኩም ብሓበራ፤ ብፍላይ ከኣ መራሕቲ ሃይማኖት ክልቲኡ እምነታትና፣ ውድባት፣ ሰልፊታትን ሓለፍቲ ብሄራዊ ምንቅስቓስን ብልቢ አመስግነኩም። እቶም ብዛዕባ ጉዳይ መጽሓፍ ዝሓተትኩም ድማ ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ብተደጋጋሚ ዝበልኩዎ፣ ኣነ ኣዳልየ ካብ ዝውደኣ ሓያሎይ ኣዋርሕ ገይራ ኣላ።

“…ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ካርቱም ሱዳን ዝነበረ ዓብደላ ኣደም፣ ህዝቢን መንግስቲን ኤርትራ ዘሰከምዎ ሓላፍነት ክሒዱ ሃዲሙ ኣሎ።” ኣብ ኣጋ መወዳእታ ዓመተ-2002 ብረድዮ ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራ ዝተቓልሐ ዜና ኢዩ ዝነበረ።
ሰላም ክቡራት ተኸታተልቲ፤ ኣለና! ክሳብ እታ ኣብ መቓብር ኢሳይያስ እትቦቅል ተኽሊ ሰላምን ዲሞክራሲን እንርኢ…ክሳብ ምስ ገበነኛታትን ድርብ ገጻት ህግደፍን ኣብ ቅሉዕ መጋባእያ ቤት ፍርዲ እንራኸብን ድማ ክንህሉ ኢና። እቲ ምንታይ ሎሚ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ድርኩኺት ዓወት፤ ኢሳይያስን ቃፍላይ ህግደፍን ከኣ ናብ ኣፈፌት መቓብር ስለዘለዉ። ሎሚ መርድእ ኢሳይያስ ንክንሰምዕ ለይቲን መዓልቲን ኣእዛንና ኮኲዕና ጽን ንክንብል ደወልን ሃገራዊ ነጋሪትን ይሃርም ኣሎ። ሎሚ ኢሳይያስ ኣይኮነን ምውዳቕ ኣብዩ ዘሎ፤ እንታይ ደኣ ንሕና ኢና ብሰንኪ እቶም ህግደፍ ዘዋፈሮም ሳተላይታት ከም ኣሳትያ ኣኽላባት ኮይኑ ድምጽና።
ምንጋር’ምበር ክንዮኡ ዝመጣጠር ዕላማ የብልናን። ኣለና ኤርትራዊ ትንሳኤ ኢዩ! ኣለና ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ኣብ ወጻኢ ሃገራትን! ኣለና ብጋህዲን ብስዉርን።
ዝተጸበናያ ኤርትራ፣ ብሰንኪ ሕዱር ሕማም ውልቀ-መላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ን20 ዓመታት ክርዳድ ፈርያ። ህዝቢ ኤርትራ ንዕስራ ዓመታት ብከንቱ መብጽዓታት ንከንባሁቕ ተገዲዱ።
ኣብዘን ውሑዳት መዓልታት፣ ኣብ ሙሉእ ዓለም ካብ ዘለዉ ኤርትራውያን፣ ከምኡ’ውን ካብ ኢትዮጵያውያን ኣሕዋት ብዙሕ መልእኽቲ ተቐቢለ።
ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንነዊሕ ዓመታት ኣንጻር ኤርትራውያን ቀጭ-ሕርሙ ኣነጻጺሩ፣ ጎበዝ ሃገር ዝወድአ ሕሱም ሰብ ኢዩ።
ተጋዳላይ ኢብራሂም ዓፋ ብዓቕመይ ክትርኽ እየ።
ኢሳይያስ ንዝገበቶ በትረ-ስልጣን ብሰላማዊ መንገዲ ናብ ረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ክንቅይሮ ኢና ኢልካ ምሕሳብ፤ ድግምጋም ዕሽነት ኤርትራውያን ጥራይ ኢዩ።
ኣለና እወ ኣለና
ደጊም ‘ሲ፡ ኤርትራውያን፡ መንግስቲ ወይ ስርዓት ከምዘይብልና ኣረጋጊጽና ኣለና። ኣብ ሓንቲ ሃገር ከምዚ ዝኣመሰለ ባዶሽ ናይ ስርዓት ኣብ ዝህልወሉ ግዜ ብዕቱብ ክምለሽ ዘለዎ ዓቢ ሕቶ ‘ምብኣር፡ “ንሕና ከም ሕብረተሰብን ከም ህዝብን ከ ኣለና ዶ?” ዝብል ‘ዩ።
ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ራድዮ እቲ ዝበለጸ መራኸቢ ከምዝኾነ ተገንዚብና ወትሩ እንሓስበሉ ዝነበርና ባህጊ እዩ። እንሆ ድማ ድሮ ሓደ ዓመት ሓሊፉ፡ ድምጺ ኣሰና ክንጅምር ሓቦ ካብ እንገብር። ሓቦና ንበይኑ ግን እኹል ኣይነበረን። ሓቦናን ልግስኹምን ተደሚሩ እዩ፡ ንኣእምሮ ናይቶም ዓመጽቲ ዘናውጽ መቓልሕ ድምጺ ፈጢሩ። ስለዚ፡ ካብ ተበግሶና ንላዕሊ ደራኺ ንዝነበረ ንገንዘባውን ሓበሬታውን ኣበርክቶኹምን ሞራላዊ ደገፍኩምን ብልቢ ነመስግን።