ኣብ ናይ 27 ሚያዝያ ዜና ኣሰና ስርዓት ህግደፍ ብ21 ሚያዝያ፡ ማለት ሓሙስ ጽግቦ፡ ኩለን ኣብ ኣስመራ ዝርከባ ናይ ካቶሊክ ኣብያተ ክርስትያናት፡ ነቶም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብጅምላ ዝሃለቑ ኣስታት 00 ንጹሃት ኤርትራውያን ጸሎተ ፍትሓት ድሕሪ ምግባረን፡ በዚ ዘይተሓጎሰ ስርዓት ህግደፍ፡ ንሰለስተ ላዕለዎት መንፈሳውያን መራሕቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ከምዝኣሰሩዎም ሓቢርናኩም ኔርና። ኣስማቶም ከኣ ከምዚ ዝስዕብ እዩ።
ኤርትራውያን ካናዳውያን ተቐማጦ ቶረንቶን ከባቢኣን ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኣፍደገ ቤት ጽሕፈት ባይቶ ኦንታርዮ ብምስላፍ፡ ጉዳይ ናይቶም ብ22 መጋቢት ካብ ሊብያ ናብ ኤውሮጳ ንምስጋር ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝጠሓሉ 400 ኤርትራውያን ክጽናዕ ጻውዒት ኣቕሪቦም።
ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት እስራኤል ዝነብሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ኤርትራውያን ዝወረደ ናይ 325 ህልቂት ብሓደ ኮይኖም ክሓዝኑሉን ብቐጥታ ንዝተተንከፉ ቤተሰብ ንምጽንናዕን ብዝገበሩዎ መደብ መሰረት፡ ልዕሊ 5 ሽሕ ህዝቢ ሎሚ ንጉሆ 9 ሚያዝያ ኣብ ቴልኣቪቭ ተኣኪቡ ብጸሎተ ፍትሓት መራሕቲ ሃይማኖት ዝተመርሐ ናይ ሓዘን ስነስርዓት ከምዘካየደ ቅድሚ ሒደት ደቓይቕ፡ እቲ ፍጻሜ እናተኻየደ ብቐጥታ ዝደወልናሎም ተሳተፍቲ ናይቲ ስነስርዓት ገሊጾም።
ኣብ ምስሪ፡ ኣብ ሓውሲ ደሴት ሲናይ ኣብ እትርከብ ከተማ፡ ሓያለ ኤርትራውያን ዝርከቡዎም 70 ስደተኛታት ብነጋዶ-ሰብ ኣብ ትሕቲ-መሬት ብሰንሰለት ተኣሲሮም ከም ጅሆ ተታሒዞም ድሕሪ ምቕናይ፡ “5 ሽሕ ዶላር ኣረክቡ ወይ ድማ ህይወትኩም ክትስእኑ ኢኹም” ተባሂሎም፡ ብኤለትሪክ ክፍልታት ኣካላቶም እናነደደ ይሳቐይዩ ከምዘለዉ፡ ዛጊት 10 ካብኣቶም ብኣሰቃቒ መንገዲ ከምዝተቐትሉ፡ እቶም ዝተረፉ ኸኣ ህይወቶም ኣብ ከቢድ ሓደጋ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።
ቁጽሪ ናይቶም ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ ሰሙናት ንስርዓት ህግደፍ ብምርሕራሕ ንግዚኡ ክንጠቕሶ ኣብ ዘይደለና ሃገር ወጻኢ ዑቕባ ዝሓተቱ ኣባላት ሓይሊኣየር ኤርትራ 19 በጺሑ ከምዘሎ፡ ገለ ካብኣቶም ምስ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ኣብ ዝገበሩዎ ሓጺር ቃለመጠየቕ ኣረጋጊጾም።

ስነስርዓት ቀብሪ ናይቶም ንፕረዚደንት ኢሳይያስ እናዓጀቡ ኸለዉ ኣብ ጋሽ ባርካ ዝሞቱ ኣርባዕተ ሓለዋ፡ ‘ቦዲጋርድስ’ ትማሊ ቀዳም 7 መጋቢት ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ተፈጺሙ።