ኣብ እስራኤል ዝነብሩ ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ፡ መማህራን፡ ተጋደልቲ ነበርን ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎትን ዝርከቡዎም ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ብቐዳም 23 ሚያዝያ ምስ ድምጺ ኣሰና ኣብ ዝገበሩዎ ሓባራዊ ዘተ፡ እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ከም እሱር፡ ኣብ ስደት ከኣ ከም ጅሆ እናተታሕዘ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ዋላ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ከይተረፈ ተሰሚዑ ዘይፈልጥ ስቅያትን ግፍዕን ዘሕልፍ ዘሎ መንእሰይ ኤርትራ፡ መዓታቱ ኣብቂዑ፡ ከም ንቡር ጸዋሪ ስድራቤትን ሕብረተሰቡን ክኸውን መታን ውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ካብ ስልጣን ተጸሪጉ ኣብ ኤርትራ ሓዱሽ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ክትከል ከምዘለዎ ብዘየወላውን ገሊጾም።
ህዝቢ ሊብያ ነቲ ን42 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ መስፍናዊ ስርዓት ኮለኔል ሙዓመር ኣልቓዛፊ ብምውዳቕ ለውጢ ንምትእትታው ብርቱዕ ናዕቢ የካይድ ኣሎ።
ኣንጻር ውልቀምካዊ ስርዓት ሑስኒ ሙባረክ ን18 መዓልታት ብጽንዓት ተቓውሞ ከካይድ ዝቐነየ ህዝቢ ግብጺ፡ ሎሚ 11 ለካቲት ተዓዊቱ፡
ኣብ ኤርትራ ዝርከባ፡ ኣሽሓት ሰራዊት ዝሓቖፋን፡ ጌና ሕጂ ‘ውን ኣብ ምምልማል ዘለዋ ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ፡ ኣብዚ ጊዜ’ዚ ቀንዲ ዕላማአንን ዕለታዊ ምንቅስቓሰንን፡ ኣንጻር ኢሳያስ ዝኾነ ይኹን ውሽጣዊ ተቓውሞ ኣብ ዝለዓለሉ እዋን ዘራይ ብምእታው፡ ነቲ ምልዕዓል ብምጭፍላቕ፡ ዕድመ ስልጣኑ ምንዋሕ ምዃኑ ሓደ ስመይ ይተዓቀበለይ ዝበለ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ኣባል መሪሕነት ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ ንምንጭታትና ሓቢሩ።
ሰራዊት ኣመሪካን ኔቶን ነቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘሎ ኩነታት ንምቑጽጻር ኣብ ዝንቀሳቐሰሉ ዘሎ እዋን፡ ቀጻልነት ስልጣኑ ኣብ ኣስጋኢ ደረጃ ምብጽሑ ዝተራእዮ ፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ሻቕሎቱ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ዓሪጉ፡ “ስልጣን ብሰላም ክለቅቕ” ይማታእ ከምዘሎ ምንጭታት ኣሰና ሓቢሮም።