
ርሑስ በዓል ትንሳኤ፣ ንኩሉኹም ምእመናን ክርስትና!
“ጽሑፍ ይነውሕ ኣሎ” ዝብል ተደጋጋሚ ርእይቶ ተኸታተልትና ክንቅበል ጸኒሕና ኢና። ስለዚ ካብዛ ክፋል እዚኣ ንደሓር ኣብ ክንዲ 6-7 ገጻት፤ ናብ 4-5 ገጻት እናኣሕጸርና ክንቅጽል ኢና። ኣብዘን ዝሓለፋ ሸሞንተ ኣዋርሕ ደምበ ኣለና ኣርባዕተ መድረኻት ተሰጋጊሩ ኣሎ። 1) ሓበሬታ /Information/ ካብ ምጅማር ጽሑፍ ‘ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ’ ክሳብ መደምደምትኡ መበል 20 ክፋል ሓበሬታ ናብ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ኤርትራ ኣገዳሲ ሓበሬታ ኣመሓላሊፉ ኣሎ። በዚ ድማ ንኩላተን ናይ ኤርትራውያን መርበባት ኢንተርነት፣ ንድምጺ ኣሰናን ንማሕበረ-ሰባዊት ረድዮ ወጋሕታን ዓቢ ምስጋና ነቕርብ።
እዛ ዓለም ከም ቁሸት ጌርና እንተ ደኣ ርኢናያ፡ እቲ ኣብኣ ዚነበር ህዝቢ ዳርጋ ኣብ ካንሸሎ ይነብር ከም ዘሎ ጌርካ ምርኣዩ ዘሸግር ኣይኮነን።
ኢሳይያስ ንዝገበቶ በትረ-ስልጣን ብሰላማዊ መንገዲ ናብ ረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ክንቅይሮ ኢና ኢልካ ምሕሳብ፤ ድግምጋም ዕሽነት ኤርትራውያን ጥራይ ኢዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ቀዳማይን ካልእይን ክፋል ንጉዳይ ሃገራዊ ዋዕላ ኣመልኪተ፡ ዕላማታት ሃገራዊ ዋዕላ፡ ኣገባቡን ብሓፈሻ ኣብ ገለ ውሑዳት ገጻት ኣስፊረ ሓሳባተይ ገሊጸ ነይረ።
በየነ ዘርኣይ በራኺ ዝተባህለ ኤርትራዊ ኣትሌት፡ ትማሊ ሰንበት 25 ሚያዝያ ኣብ ሃምበርግ (ጀርመን) ኣብ ዝተኻየደ 16 ሽሕ ተቐዳደምቲ ዝተሳተፉዎ ዓመታዊ ውድድር ጉያ ፡ ሳልሳይ ብምውጻእ ተሸሊሙ።