Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

 ሚልክያስ ምሕረትኣብ ዮውሃንስ

ታሪኽ ሃገርና ይኹን ታሪኽ ናይ ዝኾኑ ኣህዛብን ማሕበረሰባትን፡ከከም ኩነታቱን ከከም ደስ ዝበለካን ዝተራእየካን ዝለዋወጥ ወይ ዝማዛበል ተርእዮ ኣይኮነን። ታሪኽ ታሪኽዩ ነናቱ ኣሉታውን ኣውንታውን ጎድንታትን በሰላን ሓድግን ገዲፉ ድማ ይምርሽ። ደስ ስለዘይበለካ ወይውን ዊን ኢሉካ ኣብ ኣፍካ ከከምዝመጽልካ ንታሪኽ ምጽብባቕ ወይውን ምንእኣስ፡ ኣብ ልዒሊ ህዝብኻን ሰዓባይ ወለዶን ምድንጋር ምፍጣርን ገበንውን እዩ እንተተባህለ ኣይተጋነነን።


ኣብ ኣስመራ ዘሎ ምምሕዳር ህግደፍ ድኻምን ዘይሜላዊ ኣተሓሕዛን ኣሰራርሓ ተቓወምትን መሰረታትን ገምጊሙን ተታባቢዑን እንሆ ሸርሓዊ መስምር፡ ዕንወትን ንምስፋሕፋሕ ኣጽፋሩ ስሒሉ በቲ ቀንዲ ናይ ስለላ መርበቡ ክቕጽሎ  ይህንደድ ኣሎ። ኣብ ከርሲ ሃገር ዘሎ ህዝብና ኣብ መንጎ ሕማምን ዓጸቦን ብዓቢኡ ድማ ፍትሐ-ኣልቦ ዝዓብለሎ ዕለታዊ መነባብሮ ኮነ ክጻወሮ ዘይክእል፣ ወስ ዘየብል ሓለዋን ዘይንቡር ምቁጽጻርን ከይኣኽሎ፤ ምስቶም ኣብ ግዳም ተሰዲዶም ዝርከቡ ደቁ፣ ብሰላም ከይነብር በቶም  ንኤርትራዊ ዝተሰደለን ሃገራት ክስልዩ ዘዋፈሮም ናይ መርበቡ ኣቢሉ ናይ ዓመጽ ዓንኬላት ይዝርግሕ።

ከምቲ ኣብ ካልኣይ ክፋል ዝተጠቕሰ ህዝባዊ
ሓይልታት ንህዝቢ ምኽባርን፣ እቲ ህዝቢ ድማ ወሳን ዕድሉን ክኸውን ዝጠልቦ ጠለባት ከተተግብር ኣይተማህረትን ምባለይ ዝዝከር
ኢዩ። ኣዚ ኣበሃህላ እዚ ነቲ መራሕን ነታ ብምትላል ዝሃነጻን ናይ ብሕቱ ሰልፊን እንበር፣ ነቶም ኣብታ ሰልፊ ካብ ትህነጽ
ዝተሳተፉ ኣይምልከትን።