Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Conferenceኣብ ዝሓለፈ ቀዳማይን ካልእይን ክፋል ንጉዳይ ሃገራዊ ዋዕላ ኣመልኪተ፡ ዕላማታት ሃገራዊ ዋዕላ፡ ኣገባቡን ብሓፈሻ ኣብ ገለ ውሑዳት ገጻት ኣስፊረ ሓሳባተይ ገሊጸ ነይረ።

Baytoእቶም ሃገራዊ ዋዕላ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2010 እንተዘይተኻይዱ እንዳበሉ ዝፍክሩ፡ ክሳብ’ዚ ሕጂ ብዛዕባ ሃገራዊ ዋዕላ ንዘቕርብዎ ትሕዝቶ መግለጺታቶም፡ ዘይምርድዳእ ኣብ ግዜ ዝተደረተ፡ ናይ ግዜ ሕቶ ከኣ ከም ዓብይ ኣጀንዳ ኣስፊሮም ፍልልይ ከም ዘሎ’ዮም ዝዛረቡ።

Conferenceሃገራዊ ዋዕላ ብገደብ ግዜ ድዩስ ወይ ብዕላማ’ዩ ዝፍረድ፡ ገምጋምና ኣብ ግዜ ድዩስ ወይ ኣብ ትሕዝቶ ሃገራዊ ዋዕላን ኣገባብቱን ይኹን ሕጋውነቱ’ዩ ከዛርበና ዝግባእ፡ ንዝብል ኣብ ሰለተ ከፊለ ሓሳበይ ከስፍር እፈቱ።