ኣብ ናይ 27 ሚያዝያ ዜና ኣሰና ስርዓት ህግደፍ ብ21 ሚያዝያ፡ ማለት ሓሙስ ጽግቦ፡ ኩለን ኣብ ኣስመራ ዝርከባ ናይ ካቶሊክ ኣብያተ ክርስትያናት፡ ነቶም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብጅምላ ዝሃለቑ ኣስታት 00 ንጹሃት ኤርትራውያን ጸሎተ ፍትሓት ድሕሪ ምግባረን፡ በዚ ዘይተሓጎሰ ስርዓት ህግደፍ፡ ንሰለስተ ላዕለዎት መንፈሳውያን መራሕቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ከምዝኣሰሩዎም ሓቢርናኩም ኔርና። ኣስማቶም ከኣ ከምዚ ዝስዕብ እዩ።





ባይቶ ጸጥታ ኣብ ዝሓለፈ ራብዕቲ (14 ጥሪ 2009) ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ካብቲ ምስ ጅቡቲ ዘከራኽር ቦታታት ክትወጽእ ተሪር መጠንቀቕታ ብምሃቡ ዝተሻቐለ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኣስመራን ባጽዕን ዘይወግዓዊ መንበሪ ይቐያይር ከም ዘሎ ምንጭታትና ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።