Are mining companies in Eritrea like Nevsun resources, Sun ridge gold corps, South boulder mines and others, exacerbating the misery of the Eritrean people by financing the brutal dictator? In the world we have seen many dictators prolong their power through the finance they got by
ን ቀዳም ዕለት 21 ግንቦት 2011 ኣብ ሎንዶን ዓቢ ሰላማዊ ሰልፊ ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ክካየድ ምዃኑ እንዳሓበርና ፣ ኹሉ ኤርትራዊ ፈታው ሰላምን ደላይ ዲሞክራሲያዊ ለውጥን ክካፈሎ ጻዊዒት ነቅርብ ።
ስርዓት ህግደፍ ናይ ሎሚ ዘመን በዓል ናጽነት ኤርትራ፣ ኣብ ትሕቲ “20 ዓመታት ሓበን” ብዝብል ባዶ ጥበራ፤ ኣብ ልዕሊ መቓብር ጀጋኑ ኤርትራውያንን ኣብ ታኼላ ደም ናይዞም ትማሊ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝሃለቑ መንእሰያትን ኮይኑ ብቐዳድ ከበሮ ንምስዕሳዕ ኣብ ዝሸባሸበሉ ዘሎ ግዜ፤ ንሕና ኣፍንጫና ምስ ተሃርመ ደም ዝነባዕና ኤርትራውያን ግን ብዝክረ-ሰማእታትን ጸሎትን ናይ ክልቲኡ ሃይማኖታትና ኢና ከነብዕሎ።
ድምጺ ኣሰና ብምኽንያት መበል 20 ዓመት ናጽነት ኤርትራ፡ ተመክሮ ሃገርና ኣብ ኩሉ መዳያት ንምግምጋም፡ ‘ኤርትራ ብዓይኒ ህዝባ’ ብዝብል ኣርእስቲ ንዝጀመረቶ ፍሉይ መደብ ሓባራዊ ዘተ ብምቕጻል፡ ጽባሕ ቀዳም 14 ግንቦት፡ ኣብ ኣትላንታ፡ ‘ናጽነት ሃይማኖት’ ኣብ ኤርትራ ኣብዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት እንታይ ይመስል ከምዝነበረ ክትድህስስ እያ።
ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንዲሞክራሲያዊ ለዉጢ(ሃኮዲለ)፡ ካብ ሃገራዊ ዋዕላ ሽግ ቓልሲ ተቐቢሉ፡ ሃገራዊ ጉባኤ ንምውዳብ ዝቐራረበሉ ፡ ኣብ ታሪኽ ሃገርና ኣገዳሲ ምዕራፍ ሒዙ ይርከብ። ክንዮ ምእላይ ስርዓት ዉልቐ-መላኺ፡ ባህጊ ብቕዋም እትምራሕ፡ ብስርዓተ-ሕጊ እትመሓደርን ፍትሒ ዝሰፈናን፡ ኤርትራና ክዉን ንምግባር፡ ኩሉ ደላይ ለዉጢ ዝሸባሸበሉ ሃገራዊ ኮሚሽን፡ እቲ መሰጋገሪ መድረኽ፡ ጥጡሕ መታን ክኸውን፡ ዕማማቱ ኣብ ምስልሳል ይርከብ።
ብዕለት 29 ሚያዝያ 2011 ኣብ ሊድስ ብዛዕባ ሃገርናን ህዝብናን ዘተ ጌርና ምንባርና ይዝከር። እታ ዕለት ዝፈረየታ ግዝያዊት ኮሚቴ ኣብ ውሽጢ ወርሒ ሰፊሕ ኣኼባ ንኽትጽውዕ ብምልባው ዘተና ብውዕውዕ ሃገራዊ ስሞዒት ዛዚምና። ግዝያዊት ኮሚቴ ዝተዋህባ ሓላፍነት ናብ ህዝቢ ንምቕራብን ንዝሰሐ ሃገራዊ ዘተ ንምግባርን ንዕልት 28 ግንቦት 2011 ሰዓት 2 ድ. ቀ. ኣብ ዩክሬንያን ኮሙኒቲ ሰንተር ክትርከቡ ትዕድም።
ነቲ ኣብ ህዝብናን ሃገርናን ብፍላይ ድማ ኣብ መንእሰያትና ዝወርድ ዘሎ መዘና ዘየብሉ ኣደራዕ ናብ ህዝብን መንግስትን ኣመሪካን ዓለምን ህጹጽ መጸዋዕታ ንምግባርን ፍታሕ ንምንዳይን “ብሽማግለ ሰላማዊ ሰልፊ” ዋሽንግተን ዲ.ሲን ከባቢኣን ዝተዳለወ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ዋሽንግተን ዲ.ሲ. ንምክያድ ምሽብሻብ ይግበር ኣሎ።
ልዕሊ1300 ኤርትርውያን ዕሸላት ቆልዑ ወለዶም ኣብ ዘይብሉ መዓስከር ስደተኛታት ማይ ዓይኒ (ኢትዮጵያ) ተዓቒቦም ከም ዘለዉ ትፈልጡ ‘ዶ?
ዝኸበርኩም መንእሰያት ኣሓትን እሕዋትን ኣብ እተካይድዎ ዘለኹም ማሕበራውን ውልቃውን ሂወት ዓወትን ኣሳልጦን እናተመነና ነቲ ባሕርያዊ ጉዕዞ ሂወት ዝሃበና ባሕርያዊ ሕጊ ማለት ወዲ ሰብ ተውሊዱ ክዓቢ ክኣርግ ክመውት ተፈጥሮኣዊ ትዕድልትና ከም ምዃኑ ዘካትዕ ኣይመስለናን።
ግዱሳት ኤርትራውያን ተቐማጦ ሸፊልድ ንዝኽሪ ናይቶም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ጥሒሎም ዝሃለቑ ልዕሊ 330 ዝኣኽሉ ንጹሃት ኤርትራውያን ንምዝካርን ብዝወሰድዎ ተበግሶ ንክብሮም ናይ ሽምዓ ምብራህን ካልእን ንቀዳም 30/04/2011 መደብ ኣዳልዮም ኣለዉ። በዚ ምኽንያት ኩሉኹም ግዱሳት ኤርትራውያን ብዘይ ኣፈላላይ ናይ ሃይማኖትን ካልእ ካልኣዊ ውልቃዊ ፍልልያትኩም ኣወጊድኩም ኣብዚ መደብ ክትሳተፉ ብክብሪ ትዕደሙ ኣለኹም።
ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት ህግደፍ ናይ መንእሰያት ኣኼባ ኣብ ኖርወይ ክገብሩ ከምዝቐነዩ ብመራኸቢ ብዙሓን ተቓሊሑ። እዚ ኩነት’ዚ ነቶም ገርሀኛታት ”ለካ ህግደፍስ ኣብ ኤውሮጳ ገና ብርክት ዚበሉ ደገፍቲ ኣለዉዎም” ከምዝብሉ ጌሩዎም ኪኸውን ይኽእል ኢዩ። እቲ ሓቂ ግን ከምኡ ኣይኮነን።
ኤርትራውያን ተቀማጦ ሎንዶን ንካልኣይ ጊዜ ንዝኽሪ ናይቶም ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ዝሃለቑ ከባቢ 400 ዝኣኽሉ ንጹሃት ኤርትራውያን ንምዝካርን ንዕኡ ብምምርኳስ ውን ሰፊሕ ዘተ ክካየድ ዝተዳለወ መደብ ንሰኑይ 25 ሚያዝያ ኣብ Abrar House, 45 Crawford Place, Off Edgware Road, London W1 4LP ተዳልዩ ስለዘሎ ኩሉኹም ግዱሳት ኤርትራውያን ኣብቲ ቦታ ክትርከቡ ብትሕትና ነዘኻኽር ። ዝካየደሉ ሰዓት ካብ 2.00 – 6.00 ድ. ቐ እዩ።
ድሕሪ’ዚ ኹሉ ኣማኢት ኤርትራውያን ዘጥፍአ መቕዘፍቲ ማእከላይ ባሕሪ፡ ገለ ካብቶም ብሕታዊ ገንዘባዊ መኽሰቦም ጥራይ ዘቋምቱ ዘይሕጋውያን መሰጋገርቲ፡ ብፍላይ ድማ ወዲ ቐሺ ተባሂሉ ዝፍለጥ መሰጋገሪ፡ ነቶም ካብ ቅልውላው ሊብያ ኣምሊጦም ኣብ ቱኒዝያ ኣብ ግዝያዊ መዕቆቢ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ‘ናብ ጥልያን ብቐጥታ እትኣቱ ተተኣማምን መርከብ ኣዳልየ ኣለኹ’ ዝብል ግጉይ ሓበሬታ ብምዝርጋሕ ናብ ሊብያ ተመሊሶም ጃልብኡ ክመልኡሉ ይጽውዖም ምህላዉ ምንጭታት ይሕብሩ ኣለዉ።