Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Conferenceከምዝፍለጥ ኣብ ሃገርና ኣትያቶ ካብ ዘላ ኩሉ መዳያዊ ወጥሪ ንምዉጻእን ዲክታቶርያዊ ኣገዛዝኣ ህግደፍ ብደሞክራሲያዊ ስርዓት ንምቕያሩን ኣብ ዝምልከት ሃገራዊ ጉዳይ ዝተጋብኤ ካብ 31 ሓምለ ክሳብ 9 ነሓሰ 2010 ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለዉጢ ከምዝተቓንዐ ዝዝከር እዩ፡፡

  ኣቦታት ክምስሉ “ መኺርካ ዝገበርካዮን ኣድቒኻ ዝመተርካዮን እቲ ኣይሓምቅ እቲ ድማ ኣይሓንቅ ይብሉ።” ስነ-ፍልጠታዊ ሓቂ’ውን እንተኮነ ሓደ ሽግር ዝዓበይ እንተዓበየ ዝበርትዔ እንተበርትዔ እቲ ቀንዲ መፍትሒኡ ንምፍትሑ ድልው፡ ኣብ ባይታ ኣወሪድካ ክትዝትየሉ ከኣ ቁሩብ ምዃንን ኢዩ።

Tedrosኣብ ከተማ ህይስተን ቴክሳስ ብደገፍትን ሚሊሻታትን ስርዓት ፋሽስቲ ኢሳያስ ኣብ ልዕሊ መንእሰይ ጋዜጠኛ ቴድሮስ መንግስቱ ንዝተፈጸመ ገበንን ዓመጽን ንምቅላዕን ነቶም ገበነኛታት ኣብ ሕጊ ንምቅራብን ዝዓለመ ሰልፊ ምኻኑ ከነነጽር ንፈቱ።

June 20ኩልና ከም እንፈልጦ ስውኣትና ወትሩ አብ ዝኽርና ምህላዎም እዩ። እንተ ኮነ ግን 20 ሰነ ነቶም እዛ ሎሚ ሃገረ ኤርትራ እናተባህለት ትጽዋዕ ዘላ  ሃገር እቲ ዝግባኣ ክብርን ስፍራን አብቲ ናይ ዓለማዊ ካርታ ንኽትውንን ግብራዊ ዝገበሩ ንጹሃን ሰማእታት ኤርትራ ብኽብርን ብድምቀትን እንዝክረላ ረዛን ዕለት እያ።

usaዝኸበርኩም ተከታተልቲ ድምጺ ኣሰና፣ ንሕና ኣዓሩኽ ኣሰና፣ ኣብ ሕብራት መንግስታት ኣሜሪካ ንቅመጥ፣ እታ ተስፋ ህዝቢ ኮይና ዘላ፣ ድምጽኹም ድምጺ ኣሰና፣ ዘጋጥማ ዘሎ ፋይናንሳዊ ጸገም ንኽፍታሕ፣ ተበግሶ ወሲድና፣ ዝተፋላለየ መደባት ሰሪዕና፣ ጻዕርታት ካብ ንጅምር ነዊሕ ኮይኑ ኣሎ።

conferenceሰንበት ሰነ 6 / 2010 አብ ከተማ ቶሮንቶ ብጉዳይ ሃገራዊ ዋዕላ ብዝምልከት ናይ ሰሜን አመሪካን /ካናዳን ወኪል አሰናዳዊት ሽማግለ ሃገራዊ ዋዕላ መግለጽን መምርሕታትን ክህብ ይመጽእ ስለዘሎ ኩሉ ኤርትራዊ ብሓድነት ህዝቡን ሃገሩን ዝሓልን ፤ዝግደስን አብዚ ታሪኻዊ አኼባ ተረኺቡ ሃነጽቲ ርእይቶታትን ሓሳባትን ከበርክት ብኽብሪ ይዕደም።

EPDPልኡኽ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብመሪሕነት ኣቦ መንበር ሰልፊ፣ ኣቶ ወልደየሱስ ኣማር፡ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ መዓልታት ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ዑደት ክፍጽም እዩ።

Nederብምኽንያት መበል 19 ዓመት በዓል ናጽነት ኤርትራ ንምኽባር  ቀዳም ዕለት 12-06-2010 ሐቢርና ንክነምሲ ብኽብሪ ንዕድመኩም/ክን።ንታሪኻውነትን ክብርን መዓልቲ ናጽንት ሃገርና ዘንጸባርቑ ናይ ስነ-ጽሑፍ መደባት ሃገራውን ባህላውን ሙዚቃ ከምኡውን ባህላዊ መግቢ አዳሊና ከምዘለና ንሕብር።

asenaምሓዙት ኣሰና ጨንፈር ዓዲ እነግሊዝ ኣሰና ሜድያ ፍውንዴሽን ንምሕጋዝ ቶሺባ ዝዓይነታ ላብቶብ ገዚኡ ክግበሮ ዝጸንሐ ሎቶሪ ንዕለት 30 ግነቦት 2010 ስዓት 6.00ድቀ ኣብ ከባቢ ሰቶክዌል ስቴሽን ክትወድቕ ወሲኑ ኣሎ.  ኩሉኹም ትኬት ዝገዛእኩም ንመን በጽሓቶ ብዓል ዕድል ንምምስካር ኣብቲ ቦታ ክትርከቡ ብኽብሪ ንዕድም.

 

Oaklandሃገራዊ ዋዕላ ንደሞራስያዊ ለውጢ ዓወት እምበር ካልእ ዘይሕፈሶ፡ ወሳኒ እምነ-መሰረት ደሞክርሳዊት ኤርትራ እዩ፡ ካብ ዝብል እምነትን ዕግበትን ተበጊስና እነሆና ኣብ ኦክላንድን ከባቢኣን እንነብር ጉዱሳት ኤርትራዉያን ነዚ ህዝባዊ ኣኼባ ንዕድም።

Conference

ልኡኻት ኣሳናዳኢት ሽማግለ ለንደን ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ ብዕለት 23/05/2010 ኣብ ለንደን፡ ዓዲ እንግሊዝ ክፉትን ሰፊሕን ኣኼባ ናይ ህዝቢ ትገብር ስለዘላ፡ ኩሉ ብዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝኣምን ግዱስ ኤርትራዊ ዜጋ፡ ኣብዚ ኣኼባ ‘ዚ ክሳተፍ ብኽብሪ ንዕድም።

mariam

ዓመታዊ ብዓል ማርያም ደዓሪት ቀዳም ዕለት 22 ግንቦት 2010ዓም ኣብ ከተማ ጀኔቭ ስዊስ ክንገድ ስለ ዝኾነ ንኹልኽን/ም ብኽብሪ ንዕድም።

Londonመጸዋዕታ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ኤርትራውያን መንእሰያት ጨንፈር ዓባይ ብሪጣንያ ንኩሉኹም ኤርትራውያን

San Joseክቡራት ኤርትራውያን ተቐማጦ ሳን ሆዘን ከባቢኣን ኣቐዲምና ድሕነትኩም ንትምነ ቀጺልና ከኣ ብዛዕባ ኣብ ሳን ሆዘን ከባቢኣን ተመስሪቱ ንዘሎ ሓድሽ ማሕበረ ኮም ኤርትራውያን ብሕጽር ዝበለ ኣገባብ ክነላልየኩም ንፈቱ።

Swedenሎምዘመን እውን ከም ዓሚ ሕብረት ኤርትራውያን/ ስዊደናውያን ብርገሳውን ፖሊቲካውን ተቃወምቲ ውድባት ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ፣

Kolnኣብ ጀርመን ከተማ ከለን ከባቢኣን ዝርከቡ ማሕበረኮም ኤርትራውያን፡ ንታሪኻዊት ዕለት ናጽነት 24 ግንቦት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ብድምቀት ንምብዓል ምሽብሻብ ንገብር ኣለና።

Bayareaኤርትራ ነጻነታ ካብ እትውንን 19 ዓመታት ከተቑጽር ሓደ ወርሒ ተሪፉኒ ትብል ኣላ። እንተኾነ ግን እዚ ብኽንደይ ቀያሕቲ ተኸፊሉ ዝመጸ ነጻነት ብሰንኪ ውሑዳት ስለ ዝተባሕተን ዝተጠልመን በቶም ምስእዚ አብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ብ ኣካይዳን ሰነ ሓሳብን ዘይንቃዶ ውልቀሰባትን ውድባትን በርገሳውያን ማሕበራትን ክበዓል የብሉን ማለት ኣይኮነን ወይ ውን በቲ አብ ስልጣን ዘሎን ውሑዳት ደገፍቱን ጥራይ ክበዓል ኣለዋ ማለት ከምዘይኮነ ዉን ክሰሓት የብሉን።

Friends of Asena Norwayኣብ ኖርወይ እትቕመጡ 16 ግዱሳት ኤርትራውያን፡ ኣዕሩኽ ኣሰና ብምምስራት ብዝተወደበ መንገዲ 13800 ክሮነር ቅጽበታዊ ሓገዝ ከወፍዩ ከለዉ ዓመታዊ ነፍሲ ወከፎም £132  ብድምር £2112 ከበርክቱ ተመባጺዖም። ካልኦት ግዱሳት ተቐማጦ ነርወይ ክተሓባበሩዎም ከኣ ጸዊዖም። ድምጺ ኣሰና፡ ንኣዕሩኽ ኣሰና ኣብ ነርወይ ብስም ተኸታተልታ ብፍላይ ድማ ብስምቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ድምጹ ተዓቢሱ ዘሎ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ልዑል ምስጋናኣ ተመሓላልፈሎም።

Rotterdamንቐዳም ዕለት 17 ሚያዝያ 2010 አብ ከተማ ሮተርዳም ሆላንድ ህዝባዊ አኼባ ብአባላት ኪዳንን በርጌሳውያን ማሕበራትን ንዘተ ህልው ኩነታት ሀገርና መሰረት ብምግባር አዳሊና ስለዘለና ኩሉ ኤርትራዊ/ት አብ ዝተባህለ ዕለትን ሰዓትን ምሳና ሐቢሩ ብጉዳይ ሀገሩ ክዝቲ ብኽብሪ ነዕድም አለና

Osloእቲ ንሰሉስ ዕለት 13 ሚያዝያ ብተቓወምቲ ውድባትን ሲቪካዊ ማሕበራትን ኣብ ኦስሎ ኖርወይ ክግበር ተመዲቡ ዝጸንሐ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ናብ ካልእ ግዜ ከነመሓላልፎ ከም ዝወሰንና ክንሕብረኩም ንፈቱ፡፡

osloንሰሉስ ዕለት 13 ሚያዝያ ብተቓወምቲ ውድባትን ሲቪካውያን ማሕበራትን ኣብ ኖርወይ ጸረ ህግደፋዊ ዕንደራ ሰላማዊ ሰልፊ ክግበር ስለ ዝኾነ፡ ኩሉ ብህዝቡን ሃገሩን ዝግደስ ኤርትራዊ፡ ኣብ`ዚ ሰልፊ`ዚ ንኽሳተፍ ብኽብሪ ንዕድም ኣሎና፡፡

EYGMማሕበረኮም ዕላምኡ እንታይ እዩ? ንመን እዩኸ ከገልግል ዝግበኦ? ሽሙ ከም ዝሕብሮ ንማሕበረሰብዶ ወይስ ንውሑዳት ሰባት? ማሕበረኮም መሓውር መንግስታውያን ወይ ዘይመንግስታውያን ማሕበራት ድዩ ክኸውን ዘለዎ ወይስ ነቲ ይውክሎ እየ ዝብሎ ማሕበረኮም ብሙሉኡ ከይፈለየ እዩ ከገልግል ዘለዎ?

Swedenብምኽንያት 8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ- ኣንስትዮ፣  ኤርትራውያን ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ንውሕደት ኣብ ሽወደን፡  ምስ ስዊድናዊ-ኤርትራዊ ሕብረት ንዲሞክራስያዊ ምዕባለ፣ ንቀዳም ዕለት 6 መጋቢት 2010፡ ኣገዳሲ ሰሚናርን፡ ባህላዊ ምሸትን ኣዳልዩልኩም  ሰለዘሎ፡ ኣብዚ ታሪኻዊ ምሸት ንኽትሳተፉ ብኽብሪ ይዕድመኩም ኣሎ።