ዝወግአ እንተረስዐ ዝተወግአ ኣይርስዕን’ዩ ሰባት፡ ብጽቡቅ ወይ ብሕማቅ ተግባራቶም ንዘልኣለም ክዝከሩ ነውሪ ኣይኮነን። ብፍላይ ድማ ፍሉጣት መራሕቲ፡ ኣገልገልቲ ህዝቢ፡ ንምዕባለ ሕብረተሰብ ብክእለቶምን ብገንዘቦምን ንዋቶምን ዓቢ ኣበርክቶ ንዝገበሩ ክምጎሱ ሓላል’ዩ። ኣብ ጉዕዞ ህይወቶም ወይ መዋእል ስልጣኖም፡ ኣብ ህይወት ካልኦት ሰባትን ሃብትን ኣረሜናዊ ተግባራትን በደልን ፈጺሞም ክንሶም፡ ንገበናቶም