Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራውያን እንተኾይና፡ ሃገርና ንምድሓን ስረ ኤርትራውያን ክንዓጥቅ ኣለና

ድሕሪ’ቲ ኣብ ሓምለ 2018፡ እቲ ዝኾነ ውክልና ስልጣን ዘይተዋህቦ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ ብዛዕባ መሬትና፡ ልኡላውነትናን መጻኢ ዕድልናን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእቱ ዝኸተሞ ግሉጽነት ዝጎደሎ ስምምዕ ሰላም ምስ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ሃገርናን ከባቢናን ቅልጡፍ ምዕባለታትን ሓደስቲ ተርእዮታትን

ድሕሪ’ቲ ኣብ ሓምለ 2018፡ እቲ ዝኾነ ውክልና ስልጣን ዘይተዋህቦ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ ብዛዕባ መሬትና፡ ልኡላውነትናን መጻኢ ዕድልናን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእቱ ዝኸተሞ ግሉጽነት ዝጎደሎ ስምምዕ ሰላም ምስ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ሃገርናን ከባቢናን ቅልጡፍ ምዕባለታትን ሓደስቲ ተርእዮታትን ይኽሰት ኣሎ። እቲ ኣብ  ቀርኒ ኣፍሪቃን  ዞባናን ዝርአ ዘሎ ምትእስሳር፡ ቅልውላውን ጣልቃ ምእታው ናይ ዝተፈላልያ ሃገራትን፡ ብመሰረት ዘሎና ፖለቲካዊ ኣጠማምታን ኣተሓሕዛናን ብኣሉታን ብኣዎንታን ከምዝጸልወና  ዘማትእ ኣይኮነን። ኣብ ከባቢናን ዘባናን እንገብሮ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊ፡ ጸጥታውን ዲፕሎማስያውን ምትእስሳር ድማ ኣብ እንካን ሃባን ዝምርኮስ’ኳ እንተኾነ፡ ንሃገራዊ ረብሓና ዘቀድምን ንሰላምና ዘውሕስን ክኸውን ከምዘለዎ ኣየጠራጥርን። ብሓጺሩ ንሕና ምስ ካልኦት ሃገራትን ትካላትን እንገብሮ ምትእስሳር ንረኽቦ ጥቅሚ’ሎ ብተመሳሳሊ ካልኦት  ምሳና ክቀርቡ እንከለው ‘ውን ካባና ዝደልይዎ ረብሓ ኣሎ። እዚ እቲ ብዓለም ደረጃ ኣብ መንጎ ሃገራትን ህዝብታትን  ዝሰርሕ ስነ ሞጎት ምትእስሳር’ዩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ መንጎ ስርዓት ህግደፍን መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝርአ ዘሎ ብስም ክልተኣዊ ምትሕግጋዝን ዕርቅን ግን፡ ካብዚ መንፈስ’ዚ ስለዝረሓቀ፡ ሚዛናዊ ስለዘይኮነን ንጹርነት ስለዝጎደሎን፡ ህዝቢ ኤርትራ ረድዩ ኣይተቀበሎን። ህዝቢ ኤርትራ ኣሽምባይዶ፡ ብታሪኽ፡ ብጆኦግራፍያዊ ኣቀማምጣን ባህልን ናይ ቀረባ ምትእስሳር ዘለዎ ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ምስ  ኣብ ርሑቅ ክፍሊ ዓለም ዝርከብ ሃገር’ውን ኣብ ሓድሕድ ምክብባር ዝምርኮስ ዝምድና  ክምስርት መኽሰብ ኣለዎ። ቀንዲ ጸገም ናይዚ ምስ ኢትዮጵያ ተፈሪሙ ዘሎ ስምምዕ ሰላም፡ ኣብ ኤርትራ መሰረታዊ ጉዳያትን ሰብኣዊ መሰላትን ተረሲዑን፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ገዛእ ጉዳዩ ጓና ስለዝኾነን’ዩ። ውልቀመላኺ መራሒ ህግደፍ፡ “ቅዋም ሞይቱ’ዩ፡ ምሕንጻጽ ዶብ ቀዳምነትና ኣይኮነን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ዓቢዪ ኣሕመድ መራሒና’ዩ፡ ምስ ኢትዮጵያ ሓደ ህዝቢ ኢና” ብምባል ናይ ጥልመትን ሕጊ ኣልቦን መግለጺታት ካብ ዝህብ፡ ጉዳይ ኤርትራ “ድሕሪ ሰለፋ እንታይ ተረፋ” ኢዩ ኮይኑ።

ህዝቢ ኤርትራ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላቱ ተረጊጹ፡ ልዕልና ሕጊ ኣብ ዘይብሉ፡ ዜጋታት ብዘይ ፍርዲ ንዓመታት እናተኣስሩ ህዝብና ኣብ ስደት ከርፋሕ ናብራ ኣናኣሕለፈን ካብ መረበቱ እናግዓዘን እንከሎ መንእሰያትና ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ዕስክርና ንእስነቶምን መጻኢኦምን እናበለየ፡ ጓና ዝኸብረሉ ወዲ ሃገር ዝባረረሉ ኩነታት እናሳዕረረ፡ ምስ ኢትዮጵያ ይኹን ምስ ካልእ ሃገር ዝግበር ዝምድና ድማ ነባርን ውጽኢታውን  ኣይኮነን። ኤርትራውያን ኣብዚ እዋን’ዚ ካብ ዝኾነ ግዜ ንላዕሊ ንሃገርና ኣንጸላልይዋ ዘሎ ከቢድ ሓደጋ ጥፍኣት ንምድሓን ካባና ዝድለ እንታይ ኢዩ ኢልና ክንሓስብን መድረኽ ዝጠልቦ ስጉምቲ ክንወስድን ይግባእ።

ብቀዳምነት ብህላወ ኤርትራን ሰላም ህዝብናን ንግደስ ኢና ንብል እንተኾይና፡ ክንሰምርን ነቲ ንህዝብና ዘድሚ፡ ጠንቂ ስደትን ሓሳራ መከራን ኮይኑ ዘሎ ኣረሜናዊ ስርዓት ህግደፍ ክንምክት ኣለና። ሎሚ ምስ’ዚ ሕሰም ህዝብና ዘጋድድ፡ መንነትና ዝብሕጉግ፡ መጻኢና ኣብ ጽልግልግ ዘእቱ፡ መሬትናን ሃብትናን ጓኖት ክላገጽሉ ዘፍቅድ፡ ሕድሪ ሰማእታትና ዝጠልምን ክብሪ ከሊኡናን ዘሎ ጨካን ስርዓት ህግደፍ፡ ንድግፈሉን ንደናገጸሉን ዝኾነ ምኽንያት የብልናን፡፡ ኤርትራውያን፡ ወሰንትን ዋናታትን ጉዳይና ንሕና ኢና ክንከውን ዘለና።

ውልቀ መላኺ ኢሳያስን ሰበስልጣን ኢትዮጵያን መሰልቶምን እንታይ ከምዝደልዩን ዕላማታቶምን ብጸሓይ ቀትሪ ብንጹር ቃላት ብተደጋጋሚ ይነግሩና ኣለዉ። ተሪፉ ዘሎ፡ ንሕና ንመሰልናን ንህላወናን ሓቢርና ፍትሒ ይንገስ ዓመጽ ይመንቆስ ምባል’ዩ። ኣንጻር ዕብዳንን ምልካዊ ግዝኣትን ስርዓት ህግደፍ ድምጽና ከነስምዕ ኣለና። ንፍትሕን ሓርነትን ድምጾም ዘስምዑ ወገናትና ክእሰሩን ክቅንጸሉን እንከለዉ፡ ብእንታይ ገደሰኒ፡ ፍርሕን ግዝያዊ ጥቅምን ዕሽሽ ምባል ከብቅዕ ይግባእ። ንዕንደራ ህግደፍ መግትኢ እንተዘይጌርናሉ እቲ ጥፍኣት ንደለይቲ ፍትሒ ወይ ተቃወምቲ ህግደፍ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቶም ኣብዚ እዋን’ዚ ምስ ስርዓት ህግደፍ ጉምብሕ ጥልዕ ዝብሉ ዘለው’ውን ሓለንጊ ህግደፍ ከምዘይምሕሮም ክግንዘቡ ኣለዎም። ስርዓት ህግደፍ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ እንግዳዕና ተኾዲጩ ደምና ዝመጽየና ዓጽምና ዝግህጸና ዘሎ፡ ስቅታናን ዘይምጥርናፍናን’ዩ። ኤርትራ ህያብ ስውኣትና ስለዝኾነት ንሓደ ኣይትቀርቦ ነቲ ካልእ ኣይትርሕቆን ኢያ። ኤርትራውያን ኣብኣ ተወሊድና ኣብኣ ዓቢና ኣብኣ ድማ ክንቅበር ኣለና። ዶብና ክሕንጸጽ፡ ቅዋማዊ ስርዓት ክትከል፡ ፍትሒ ክነግስ፡ እሱራት ክፍትሑን ገበን እንተለዎም ድማ ኣብ ፍርዲ ክቀርቡን ክፍረዱን፡ መጻኢ ዕድል መንእሰያትና ዘጸልምት ዘሎ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከብቅዕን ምኽኑይ ኣብ ዝኾነሉ እዋን ብሕጊ ክሰርሕን፡ ሰብኣዊ መሰል ዜጋታት ክኽበርን ካልእ ጉዳያት ክትግበርን ውዓል ሕደር ዘድልዮ ኣይኮነን።

ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ኤርትራውያን ኣብ ክንዲ ከብድን ሕቆን ንኸውንን መስሓቅ ሸራፋትን ሓሳዳትን ንኸውንን፡ ማይን ጸባን ኮይና ናይ ዕርቅን ዘተን ሓድሕድ ምክብባርን መኣዲ ክንከፍትን ሃገርና ከነማዕብልን ኣለና። ጉዳይና ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ክሳብ ዝኸውን፡ ብኻልኦት ክዝወርን ክድንገጸልናን ክንጽበ ኣይግባእን። ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታት፡ ተስፋ ክንቆርጽን  ሃገራዊ መንነትና ክንጸልእን የብልናን። ኩሉ ዘይመሰረታዊ ጉዳያት ወጊድ ኢልና ዓቅምናን ኣድህቦናን ኣብ ቀዳምነታትና እንተኣድሂብና ትኣምር ክንሰርሕ ኢና። ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልስና ንኻባና ብዓሰርተ ዕጽፊ ዝበልጸና ዓርሞሽሽ መግዛእቲ ማይዶ ጸባ ከነብሎን ጥራይ እግሩ ካብ ሃገርና ከነባብሮ ዝኸኣልና፡ ንጹር ራእይ ስለዝጨበጥና፡ ስለዝሰመርና፡ ስለዝጸናዕናን ሃገራዊ እምነትና ልዑል ስለዝነበረን ኢዩ። ሜላታትን  ተንኮላትን ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ቅንጣብ ሓልዮት ስለዘይብሉ፡ ብስደት ዓቅሚ ሰብና ብምጽንቃቅ ጸጋ ኤርትራ ምብራስ’ዩ። ብገደብ ግዜ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት መጻኢ ዕድል መንእሰያት ምስባርን ክብሪ ስድራቤት ምዕናውን፡ ኣብ መንጎ ህዝብና ደጋፍን ተቃዋምን መንግስቲ፡ ዕሱብ ወያነን ኣመሪካን ዝብሉ ሓደገኛታት ኣስማት ብምጥማቅ፡ ሓቂ ንኸይንፈልጥን እዋናዊ ጉዳያትና ንኸይነለልን ኣብ ዕንክሊልን ቤላበለውን ከምእንህውትት ምግባር’ዩ። ስለዚ ኩልና ኤርትራውያን  ሃገርና ካብ ጥፍኣት ኣድሕኑኒ ትብለና ስለዘላ ማዕረ መሓዙታ ሃገራት ብሰላምን ምዕባለን ነስምያ። መበቆላዊ ዓዲ ገዲፉ ዝስደድ ዘሎ ህዝብና በብዝኸዶ ይጠፍእ ኣሎ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ንስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ከም ዜጋታቱ መሰላት  ክህቦም ምእዋጁ ብግርህና ጥራይ ክንጥምቶ ኣይግባእን። ኣዕናዊ ተግባራት ህግደፍ እንተቀጺሉን ንሕና መግትኢ እንተዘይጌርናሉን፡ ህዝብና ምርጫ ምስ ስኣነ ናብ ኢትዮጵያ ክግዕዝን ግዜ ምስነወሐ ሕልምታት ኢሳያስ ንምትግባር ምስ ኢትዮጵያ ንጸንበር ክብል ይኽእል’ዩ። እዚ ጉዳይ’ዚ ኣዝዩ ሓደገኛ’ዩ። እቶም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብዝፈጸምዎ ገበን ብሕጊ ክሕተቱን ኣብ ፍርዲ ክቀርቡን ዝግብኦም፡ ኣብ ኤርትራ ዝነበሩ ኣዘዝቲ ሰራዊትን ላዕለዎት ሰበስልጣንን ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኤርትራ ዘይናቶም ክዘምቱ ንዝሞቱ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ሓወልቲ ክስርሓሎም ዝጠልቡ፡ ኤርትራ ካብ ኣዲኣ ኢትዮጵያ ክትንጸል ኣይነበራን፡ መራሕትና ኣግዲዖሙና እምበር ሻዕብያ ኣይስዓሩናን ዝብሉ ሒቅታታት፡ ኤርትራ ኣካል ኢትዮጵያ ገይሮም ካርታ ዝስእሉን ባሕሪ ክረኽቡ ዝሓልሙን ሸለል ክብሃል የብሉን።

ስለዚ ካብ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንሓድሕድና ንመናጨትን ወርቃዊ ግዜና ኣብ ምዝራብ ጥራይ ነሕልፎን ግብራዊ ስጉምቲ ንውሰድ። ኣብ ወጻኢ ዘለና ኤርትራውያን፡ ክንእከብን ክንዛረብን መሰል ስለዘለና፡ ምእንቲቶም  ዓው ኢሉ ዘእውየሎምን ዝጣበቀሎምን ስኢኖም ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዘለዉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን፡  ኣብ ፍሉጥ ዞባውን ኣህጉራውን ትካላትን ጸለውቲ ውልቀሰባትን መዘክራትን ጥርዓናትን ብምጽሓፍ፡ መደረታት ብምስማዕ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሓበሬታ ብምዝርጋሕ፡ ምሕሳም መግቢ ብምክያድ፡ ንእንታይነት ስርዓት ህግደፍ ከነቃልዕን ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሕሰምን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰልን ንዓለም ክንሕብር ኣለና። ዓቢ ክፋል ህዝብና ኣብ ስቃይ እንከሎ፡ ስንኩላትና ብምርኩስ እናተሰዱ፡ ኣሕዋትና እናተዓመጻ፡ ንበላዒ ሰብ ህግደፍ ክንድግፍ፡ ክንዘልል ክንስዕስዕ ገበን’ዩ። ክሳብ መኣስ ኢና ብመደናገርን መሰረት ዘይብሉን ሓሶታት ህግደፍ ክንታለል? ኤርትራውያን ናይ ብሓቂ ኤርትራውያን እንተኾይና፡ ሃገርናን ህዝብናን ንምድሓን ስረ ጀጋኑ ኤርትራውያን ክንዓጥቅ ኣለና። ወትሩ “ኣይንፈላለ ፡ ሓተ ኢደ ግብኡ” ዝብላ ናይ ኣቦና  ወልድኣብ ወልደማርያምን ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣንን ለበዋ ንዘክርን ንተግብርን።

                  ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ 5 ለካቲት 2019

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT