Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ፍግረ-መሬትን ፍግረ-ጒልበትን

ፍግረ-መሬትን ፍግረ-ጒልበትን ጥሪ 03/2019 ረድኢ ክፍለ (ባሻይ) ርሑስ ሓድሽ ዓመት! ንኹሉኹም ተቓለስቲ ብሓፈሻ ብፍላይ ክኣ ጀጋኑ ውፉያት ናይ ዜና ማዕከናትና ንኹልና ዘተኣናገድኩምና ብዙሕ ነመስግን። ከም ፍሉይ ኣጋጣሚ ድማ ርሑስ ሓድሽ ዝርግሐ ቲቪ ኣሰና(ATV) እንቛዕ ንኹልና ደስ በለና። ነቶም ለይትን ምዓልትን

ፍግረ-መሬትን ፍግረ-ጒልበትን

ጥሪ 03/2019 ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)

ርሑስ ሓድሽ ዓመት! ንኹሉኹም ተቓለስቲ ብሓፈሻ ብፍላይ ክኣ ጀጋኑ ውፉያት ናይ ዜና ማዕከናትና ንኹልና ዘተኣናገድኩምና ብዙሕ ነመስግን። ከም ፍሉይ ኣጋጣሚ ድማ ርሑስ ሓድሽ ዝርግሐ ቲቪ ኣሰና(ATV) እንቛዕ ንኹልና ደስ በለና። ነቶም ለይትን ምዓልትን ከይተሓለልኩም ዝጸዓርኩም ክኣ ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ይዘክርኩም።

ኣብ ሂወት፡ ክሳዕ ትሓዊ ትሕከም፡ ክሳዕ ትትስእ ትድቅስ፡ ክሳዕ ትመውት ክኣ ክትጸንሕ ከለኻ፡ ንኹሉ ክሳዕ ትዕወት ትቃለሰሉ። ነዚ ተጠቒሱ ዘሎ ኣብ መስርሕ ቃልሲ ኣተኣሳሲርና ወይ ኣዛሚድና ክንርእዮ ኸለና፡ ምእንቲ ደቂስና ከይተሳእና ከይንተርፍ፡ ምእንቲ ሓሚምና ሕክምና ክንረክብ፡ ከምኡ ድማ ምእንቲ ብሞትን ስደትን ከይንጸንት፡ ምእንቲ ወለዶናን ሃገርናን ክቕጽል፡ ክንቃለስ ጸኒሕና ኢና። ኣብቲ ዝብጻሕ ስለዘይበጻሕና ክኣ ገና ኣብዚ ሓድሽ ዓመት’ዚ ብዝልዓለ ዕጥቂ ቃልስና ክንቅጽሎ እቲ ግዚ ክንሰምዖ ይጽውዓና’ሎ።

ኣብ ምዕባሌ ሕ/ሰብ ግርጭት ክሳዕ ዘሎ፡ ቃልሲ ክህሉ ግድን ኢዩ። ዋላ ኲሕልሕል ትብል ሃገር ትሃልኻ፡ ንዂሕሊ ዂሕሊ ስለዘለዎ ንዝበለጸ መልክዕን ትሕዝቶን ንምንዳይ ዝኣክል፡ ብዘይ ቃልሲ ኣይብጻሕን’ዩ። ስለምንታይ ትቃለስ ንዝብል ሕቶ ግን፡ ብሕጽር ዝበለ ክንምልሶ እንተድኣ ኰንና፡ ወይ ዝያዳን ዝበለጸን እንተደሊኻ፡ ወይ ድማ ዘለካ እንተ ተዘሚትካ ከም ቀሊል መረዳእታ ክውሰድ ይክኣል ኢዩ።

ምስ ኲነታትና ፖለቲካዊ ትርጒም ምእንቲ ክህልዎ ግን፡ ኤርትራውያን ገንዘብና ተረኪብና፡ ዝያዳ ክንደሊ ዕድል ከይረኸብና ኸለና፡ ነታ ዝርካባ ናትና ስለ ዝወሰዱልና ኢና ናብ ቃልሲ ኣቲና። ኩሎም ዘመትቲ ይኹኑ ወረርቲ፡ ካብ ግዳም ዝፈለሱ ይኹኑ አብ ወሽጢ ዝነገሱ፡ ጠንቂ ናይ ምቅላስ ኢዮም። ስለዚ ኤርትራውያን እዚ ዝተጠቕሰ ክልተ ሸነኻት ዘመተ ስለ ዘጋጠመና ቃልስና ጠንቂ ወይ ምኽንያት ስለ ዘለዎ ርትዓዊ ከም ምዃኑ መጠን ክሳዕ ንዕወት ክንቃለስ ኢና።

ናይ ሎሚ ኣርእስትና ፍግረ-መሬትን ፍግረ-ጒልበትን ዝብል ኢዩ። ፍግረ-መሬት ማለት ከምቲ መብዛሕትኹም እትፈልጥዎ፡ ውሕጅ ነመሬትካ ባሐጒጉ፡ ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ቦታ ንእገረመንገዱ ተማሊኡዎ ክኸይድ ከሎ ኢዩ። ንብዓል መሬት ጥራይ ኢዱ ከትርፎ ኸሎ (ረቂቕ መሬት ጥራይ)፡ ንብላዕ ዝበሎ ዕድለኛ ክኣ፡ ድዂዒ ኣረኪቡ ስቡሕ መሬት ይፈጥረሉ።

ንድሕሪት ምልስ ኢልና ንሃገርና ኤርትራ እንተርኢናያ፡ ሩባታትና ኩሎም ክረምቲ መጸ ተባሕጒጎም፡ ካብቲ ቕድም ዝነበሩዎ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ብሰለስተ ’ርባዕተ ዕጽፊ ገፊሖም ይርከቡ። እዚ ክሳዕ ክንደይ ስቡሕ መሬት ካብ ሃገርና ናብ ዓዲ ሃገር ግዒዙ ከም ዘሎ ዘመልክት ኢዩ። እዚ ኹሉ ክዀነሉ ዝኽኣለ ምኽንያት ስለምንታይ ኢዩ እንድሕሪ ኢልና፡ ውሕጅ ክረምቲ ስለዝበርትዓና ዘይኰነስ፡ ናብ ምዕባለ ተሰጋጊርና ንሩባታትና ክንቆጻጸርን ክንረብሓሎምን ዕድል ስኢንና፡ ብግዳም ይኹን ብውሽጢ፡ ካብ ውሕጅ መግዛእቲ ክንዓርፍ ስለ ዘይክኣልና ኢዩ። እዚ ሕማቕ ኣጋጣሚ’ዚ ሓደ ካብቲ ጠንቅታት ናብ ቃልሲ ዝደፍኣና ክውንነት ኢዩ።

ፍግረ-መሬት ደው ክብል ይኽእል ኢዩ። ምልኪ እንድሕሪ ኣብ ሃገርካ ዓስኪሩ ግን፡ ደው ከተብሎ ዝክኣል ኣይኰነን። መግዛእቲ መጸ ጒልበትናን ኣእምሮናን ኣብ ዘይምዓልኡ ውዒሉ፡ ኣብ ውግእን ስደትን፡ ድንቍርናን፡ ቤት ማእሰርትን ከም ዝባኽን እንተዀይኑ ግን፡ ክዕግት ዝክኣል ኣይኰነን። ሃገራዊ ሃብትና ኣብ ልዕሊ መሬት ይኹን ኣብ ትሕቲ መሬት ዘሎ፡ ኣብ እንስእነሉ እዋን ዘይንቃለሰሉ ምኽንያት የብልናን። ፍግረ-መሬት ብደረጃ ውሕጅ ዝወሰዶ ስቡሕ መሬት ጥራይ ክምዘን የብሉን። ኣብ ትሕቲ መሬት ይኹን ኣብ ትሕቲ ባሕሪ ዘሎ ማዕድናትናን ዓሳታትናን’ውን ከጠቓልል ኣለዎ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ፍግረ-መሬት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብዝያዳን ብዘስካሕክሕን ደረጃ፡ ህዝብና ብስደት ከም ውሕጅ ማይ፡ ናብ እግሩ ዝወሰዶ ፋሕ ብትን ይብል ስለዘሎ፡ ኣእምሮናን ጒልበትናን ይስረቕ ብምህላዉ፡ ነዚ ብርሰት እዚ ፍግረ-ጒልበት ክንብሎ ንኽእል ኢና። ስለ’ዚ ኢና ክኣ ንቃለስ ዘለና። ቃልስና ትርጒም ዝህልዎን፡ ክሳዕ እንዕወት ክንቃለስ ኢና ኢልና ብዕግበት ክንኣምን እንተድኣ ኰንና ክኣ፡ እዚ ምስጢር ናይ ጸገምና ክበርሃልና ኣለዎ።

ቃልስና ምትሕብባር፡ ምዝማድ፡ ቀዋምነት፡ ከምኡ ድማ ቀጻሊ ዘይበታተኽ ሂወት (co-operation-co-ordination-continuity and stability) ክህልዎ ይግባእ:: ትርጒም ናይ ክሳዕ እትዕወት ምቅላስ ማለት ትርስዖ’ሞ ዳሕራይ ክኣ ዘኪርካ ፍሕት-ሕት ምባል ማለት ኣይኰነን። ካብ ዓቕምኻ ንላዕሊ ክትገብር ኣለካ ማለት’ውን ከስምዕ የብሉን። ምኽንያቱ ዓቕሚ ተቓለስቲ ከም ስኒ ኣድጊ ዝተመዓራረየ ኣይኰነን። ኣብ ቃልሲ ኩሉ ዓዓቕሙ እንተ ኣበርኪቱ ግን ከም ሚእቲ ካብ ምእቲ (100%) ኢዩ ዝውሰድ።

ከም መቐጸልታ ናይ ሰንሰለታዊ ግዳማዊ መግዛእቲ፡ ምልካዊ ስርዓት ኣስመራ ኢሳያስ፡ ጠንቂ ናይ ፍግረ-መሬትን ፍግረ-ጒልበትን ሃገርናን ህዝብናን ስለዝዀነ፡ ካብዚ ሓደጋዚ ንምድሓን፡ ብዘይካ ክሳዕ ንዕወት ምቅላስ ካልእ ምርጫ የብልናን። እዚ ንኽንገብር፡ ከምቲ ኣብ ገዜ ሰብዓታት ፐረሲደንት ኒክሰን፡ ፐረሲደንቲ ናይ ኣመሪካ ዝነበረ፡ ምስ ቻይና ዝጀመረሉ ዝምድና ፒንግ-ፖንግ ዲፕሎማሲ ኢሎም ዝጽውዕዎ፡ ኤርትራውያን ተቓወምቲ ኣብ ንንሓድሕድና ከምኡ ክንገብር ኣለና።

ከም ኢሳያስ ገዛኻ ረሲዕካ፡ ፎቖድኡ ኰለል ዘይኰነስ፡ ኣብ ንንሓድሕድና ክንመላለስ፡ ክንረዳዳእ፡ ኣብ ሓደ ናይ ሓባር ኣድማዒ መደምደምታ በጺሕና ክኣ ዘይበጻሕናዮ ክንበጽሕን፡ ዝተለምናዮ ክነተግብርን የድልየና። እቲ ዝበጻሕናዮ በጺሕናዮ’ለና። እቲ ተሪፉ ዘሎ ግን ብዘይ ሕድሕዳዊ ፒንግ-ፖንግ ዲፕሎማሲ ስለዘይከውን ኩሉ ግዜ ንነብሲ ወከፍ ሓድሽ መድረኽ ሓድሽ ጥበብ ከንምህዝ ንጥለብ።

እቲ ዓለም ለኻዊ ኲነታት ንባዕሉ ብዛዕባ ገዛኹም፡ ብዛዕባ ውሽጥኹም ሕሰቡ ይብለና ኣሎ። ኩለን ሃገራት ብዛዕባ ውሽጠን ክሓስባ ኸለዋ፡ ንሕና ብዛዕባ ውሽጥና ዘይንሓስበሉ ምኽንያት የለን። ኣቐድም ኣቢልና ኤርትራውያን፡ ንሕና ጥራይ ዝተጨነቕና ይመስለና ነይሩ ይኸውን፡ ሕጂ ግን ዳርጋ ነብሲ-ወከፍ ሃገር ኣብ ዓለም ዘላ፡ ትዕበ ትንኣስ ኣብ ጭንቀት ኣትያ ንርእያ ስለዘለና፡ ጽንዓት ጥራይ ኢዩ ዘድልየና’ምበር ናብ ረብሓና ዝልውጥ ኲነታት’ውን ሓደ ካብቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ተኽእሎ ክኸውን ስለዝኽእል ክንተባባዕ ኣለና ብሃላይ ኢየ።

ኣብ መንፈሳዊ መጽሓፍ “ብተስፋ ተሓጎሱ፡ ብጸበባ ክኣ ትዓገሱ፡ ጸሎት ኣዘውትሩ” ዝብል ኣሎ፡ ኣብ ፖለቲካዊት ዓለምና ክኣ፡  ኣብ ጸበባ ተቓለሱ፡ ጅግንነት ውረሱ፡ ብተስፋ ኣስተንፍሱ፡ ምእንቲ ጸላእትኹም ክበርሱ እንተበልና፡ መንግስተ ሰማይን መንግሰተ ምድርን ምዃኑ ጥራይ ኢዩ እቲ ፍልልይ እምበር፡ ኣብ ኣገባብ ናይ ምዕዋት ቃልሲ ብዙሕ ዝገራጮ ኣይኰነን።

ኣስፊሕና እንተድኣ ንሓስብ ኰንና፡ ኣብዚ ዘለናዮ ሕልኽልኽ ዝበለ ዓለም-ለኻዊ መድረኽ፡ ኢሳያስ ኣይኰነን ክመርሕ ክምራሕ’ውን ዓቕሚ የብሉን። ኣብዚ ግዜ’ዚ ንኢሳያስ ንመጻንሒ እንተዘይኰይኑ፡ ብምትእምማን ዝልእኮ መንግስቲ የለን። ስለዚ ኢሳያስ ክሳዕ መተካእታ ዝርከብ ፈውሲ ግስም ድኣሉ’ምበር፡ ትርጒም ዘለዎ ሰብ ኣይምሰልኩም። ኢሳያስ ሎሚ ክዳውንቲ ክቐያይር ይኽእል’ዩ፡፡ ከም ቀደሙ ኤርትራውያን ክቐያይር ከምዘይክእል ግን፡ ድሮ ተረዲኡዎስ፡ ፈቖድኡ ኣብ ስግር ማዕዶ ናይ ዓቕሊ ጽበት ከልበት-በት ክብል ይርአ’ሎ።

ኣይኰነንዶ ብዓል ኢሳያስ፡ ሎሚ፡ መራሕቲ ናይ ሓያላን መንግስታት፡ ሰበ ስልጣን ምቅይያር ፍታሕ ከምጽኣሎም ኣይክኣለን፡ ከውርዱን ከደይቡን ልቦም ጠፊኡዎም ኣሎ። ነቲ ህዝቢ ዝጠልቦ ጠለብ፡ ቀረብ፡ ከምጽኡ ስለዘይክኣሉ ቅሳነት ክርከብ ኣይተኻእለን። ዓለም ለኻዊ ውድባት ከም ብዓል NETO – OPEC- UNESCO- UNHRC – URO-CURRENCY ኣትዩዎ ዘሎ ዘለቕለቕን ቅልውላውን ቀሊል ኣይኰነን፡፡ ዋላ’ውን ኣባት ነብሲ ሓያላን መንግስታት ንባዕሉ ፡ሕቡራት መንግስታት ዓለም (UN) ዳርጋ መኻን እንዳዀነ ይኸይድ ኣሎ። ሓይሊ ገበተ-ርእሰማላውያን (power of corporations) ንመንግስታዊ ስልጣን  ናብ ምስሊ ቀይሩ፡ ንደሞክራሲያዊ መስርሕ ኣማሲኑዎን ባሕጒጉዎን ይርከብ ኣሎ። ኣብዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ፖለቲካዊ ባሕሪ፡ ምድማር ናይ ብዓል ኢሳያስን፡ ዶ/አብይን ሓምቢሱ ክወጾ ኢዩ ኢልካ ምሕሳብ፡ ኣብ ኣዚዩ ሕጹር ፖለቲካዊ ኣፍልጦ ምህላው ኢዩ ዘመልክት።

ናይ ዓለምና ሓያል ስርዓት ኣሜርካ፡ ነታ ከም ድላያ ትዝውራ ዝነበረት ሕቡራት መንግስታት (UN) ከም ቀደማ ኰይና ስለዘይረኸበታ፡ ናብታ “ተጋግያ ዘይትፈልጥ” ዘልኣለማዊት ምሓዝኣ ጥራይ እንዳተወሰነት ትኸይድ ኣላ። እዚ ሓድሽ ኲነታት ዓለም’ዚ ዘምጽኦ ስለዘለዎ ብጽሞና ክንከታተል ይግባኣና።

ብዓንተብኡ’ውን ንዘስተውዕል ሕቡራት መንግሰታት ዓለም፡ (UN) ብኣባልነት ዳርጋ ናይ ምሉእ ዓለም፡ ብኣድማዕነት ግን ናይ በጻብዕ ዝቝጸራ ሓያላን ሃገራት ኢዩ ነይሩን ዘሎን። ንመሰል ውጹዓት ዝቐብር፡ ንመሰል መለኽቲ ኽኣ ዘኽብር ውድብ፡ መሰረታዊ ለውጢ ክግበረሉ፡ ሓደ ካብቲ ውጹዕ ህዝቢ ዓለም ዝጽበዮን ፈላስፋታት ዝንበይዎን እንዳዀነ ይኸይድ ምህላዉ ንዕዘብ ኣለና። ሓይሊ ቨቶ ቅደሚ 40 ዓመት ኣቢሉ ይኸውን ኣብ ልቢ ወለድ መጽሓፈይ ኣብ ሜዳ ልዕለ-ዴሞ (ልዕሊ ዲሞክራሲ) ኢለ ዝሰሜኹዎ፡ ብርግጽ ዘይዲሞክራሲያውነቱ ይቃላዕ ኣሎ። ናይ ስልጣን ምርጫታት ናይ ሃገራት ዓለም፡ ብጒቦ (corruption) ቦዂቢኹ፡ ተቐባልነት ይስእን ብምህላዉ፡ ሰላማውን ዕግበታውን ምቅብባል ስልጣን ተሳኢኑ ይርከብ። ኣብ ዓለም ሓድሽ ሂወት ይድለ ስለዘሎ፡ ዓለም ነብሰ-ጾር ናይ ሓድሽ መጻኢ ዕድል ኰይና ኣላ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ሓደገኛ ውጽኢት ከየጋጥም ፍላስፋታት፡ ታሪኻውን ፖለቲካውን ገምገምቲ ዝፈርሁላ ዘለዉ ዓለም፡ ብዓል ኢሳያስ ትርጒም ዘለዎም ኣይኰኑን። ሎሚ “ብላዕ ዝበሰለ ተዛረብ ዝመሰለ”፡ ኣብ ልዕሊ “ኣውርየ ክሸመካ መንዚዕካ ኣብልዓኒ” ዝብልዎ ምስላ ጸብለልትነት እንዳረኸበ ይኸይድ ስለዘሎ፡ መለኽቲ፡ ዓበይቶም ይኹኑ ንኣሽቶም ምሃነኖም ጠፊኡዎም ኣሎ። ኒዩክለራዊ ሓይሊ ንመን’ዩ ዝፍቀዶን ዘይፍቀዶን ዝብል ሃይለ-ቃላትን ስምዒታት ነድርታትን ናይ ንሕና’ውን ኣለና ዝብሉ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራት፡ እንዳገነነ ይኸይድ ብምህላዉ፡ ቅድድም ሓይሊ ሚዛን ሃገራት ይንህር ብምህላዉ ኣስጋእነቱ ቀሊል ኣይኰነን። ፍልጠት ናይ ትምህርቲ ዕድል ዝረኸቡ ስለዝዀነት፡ ዝተወሰኑ ሃገራት ጥራይ ክውንኑዋ ኣይተፈጥረትን። እዚ ብተግባር ክቀላቐልን ክትረጎምን ንዕዘብ ኣለና። ድሮ ምዕባሌ ናይ ቻይና ከብ መሬት ናብ ልዕሊ ጠፈር፡ ክሳዕ ወርሒ ኣብ ውሽጢ ዳርጋ ፍርቂ ዘመን ክርአ ኸሎ፡ ዓቢ መረዳእታ ክዀነና ይክእል ኢዩ። ክንመሃር እንተድኣ ቅሩባት ኰንና፡ ምዕባሌ ንኹላትና ዝብጽሓና ምኣዲ ፍልጠት ምዃኑ፡ ግልጺ እንዳዀነ ይኸይድ ከም ዘሎ ከነስተውዕለሉ ይግብኣና።

ኣብዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ኲነታት ውጹዓት ከምዚ ኸማና ዝጠፍኦም ነገር የለን። ሓንቲ ንብረት ኣላቶም ንሳ ክኣ ምቅላስ ጥራይ ኢያ። ኤርትራውያን ክኣ ውጹዓት ስለዝዀንና ኣብዚ እዋን’ዚ ካልእ ንብረት የብልናን።ጒባኤ-ስምረት-ዓወት እቲ ዘይበሊ ጭርሖ ስዉኣትና ቀዳሞት ጀጋኑ ተጋደልቲ ከም ብዓል ዶ/ፍጹም ነባሪ ትሕዝቶና ምዝካር፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣዚዩ ከገልግለና ይኽእል ኢዩ። ብዝተረፈ ኢሳያስ ንጠለብ ኤርትራውያን ዝኸውን ቀረብ ስለዘይብሉ፡ የማነ ጸጋም እንተበለ፡ ኩለን ጎረባብቲ ሃገራት መርገጺ ስኢኑለን እሾዂ ኰይነንኦ ስለዘለዋ፡ ኣተሃዳድማ ዕቡያት ክገብራ ደልዩ ኢዩ’ምበር፡ ህድማ ጥራይ’ያ ተሪፋቶ ዘላ።

ቀደም ኣብ ዓድና ናይ ዜና ማዕከናት ኣዋልድ ኢየን ነይረን። ዓመታዊ ጸብጻብ ክኣ ኣብ ግዜ ጓቝመን ይደርፍኦ። “ሓባብኣለይ ዶ’ሊዩዎ፡ ኩሉ ሰብ ሰሚዑዎ” ኢለን ነቲ ተሒም-ሒም ዝብሃል ዝነበረ ይድርጒሕኦ። ኣዋልድና (ደቀ-‘ንስትዮና) እዚ ኹሉ ጭቆና ከሕልፋ ኸለዋ፡ ኣብ ደርፊ ክበጽሓ፡ ናይ ቨቶ ሓይሊ ነይሩወን። ዝደረፋ እንተደረፋ ዋላ ሓደ ዝቃወመን ኣይነበረን። ሕጂ’ውን ብዛዕባ ኢሳያስ ክደርፋ እንድሕሪ ደልየን፡ ይደርጒሕኦ ጥራይ እምበር፡ ኣነ ክተሓባበረን’የ። ምኽንያቱ ኣዋልድና ከምዚ ሎሚ ብህግደፍ ከይተደናገራ፡ ሓቀኛ ዜና’ምበር ናይ ቦጎግ ዜና ማለት (fake news) ኣይዝርግሓን ስለዝነበራ፡ ሎሚ ድማ ከምኡ ንጽበየን።

ድሕሪ ደጊም፡ ቃልሲ ኤርትራውያን ክሳዕ እንዕወት ብኹሉ መንገዲ ቀጻሊ አዩ፡፡ ዝዀነ ይኹን ምልክዕ ይሃልዎ፡ ህድማ ዲዩ ቀይዲ ብዘየገድስ፡ ስዕረት ኢሳያስ ስለዘይተርፍ ፡ ካብ ፍግረ-መሬትን ካብ ፍግረ-ጒልበትን ነጻ ኰንና፡ ናብ መባእታ ናይ ደሞክራሲያዊ ህንጻ እንኣትወሉ ግዜ ይቀራረብ ኣሎ። ዋላ እንተርሓቐ’ውን እቲ እንኸዶ መንገዲ ድሕሪ ደጊም ጽልግልግ የብሉን። እዚ ከንብል ከለና ግን ጓይላ ጥራይ ኢዩ ተሪፉና ዘሎ ማለት ከስምዕ የብሉን።

ዓዀዃይ-ዓዀዃይ! ግዓት ሓምሊ ውጻእ! ግዓት ጠስሚ እቶ! ዝበሃለሉ ግዜ ሆየ-ሆየ፡ (ቅዱስ የውሃንስ) ሓድሽ ዓመት ናይ ሓበሻ ትዝክርዎ እንተዀንኩም ትርጒም ነይርዎ። ግዜ ዓጸባ ውጻእ፡ ግዜ ጽጋብ ክኣ እቶ ማለት’ዩ። ሎሚ ክኣ ንሕና ቀሪብና ኢና። ኢሳያስ ክእሰር፡ ህዝብና ክኣ ዓወት ክብሰር፡ ንሕና ናብ ባይቶ ክንዝቲ፡ ኢሳያስ ክኣ ናብ ቤት ማእሰርቲ፡ ህዝብና ክድሕን፡ ኢሳያስ ክኣ ክደንን፡ ዓዀዃይ-ዓዀዃይ ኤርትራዊ ናብ ቤቱ፡ ኢሳያስ ክኣ ናብ ጎይቶቱ፡ ህዝብና ሸዊት ዝበልዓሉ፡ ኢሳያስ ክኣ ሕጻ ዝቝርጥመሉ ግዜ እንዳኣኸለ ይኸይድ ኣሎ።

ቃልሲ ግን ክትጅምሮን ክትዛዝሞን መሪር ስለዝዀነ፡ ድሉዋት ክንከውን የድልየና። ኣቦታትና ብዓል ማሕበር ሸውዓተ ይኹኑ፡ ብዓል ኢድሪስ ዓዋተ ክጅምርዎ ኸለዉ ቀሊል ኣይነበረን። ኣብ መንጎ ኩላትና ዝሓመበስናሉ ስለ ዝነበረ ኣይጸመወናን፡፡ ኣብ መወዳእታ ዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ፡ ወይ ጸሓይ ዕርበት ወይ ጸሓይ በርቂ ስለዝነበረ ክኣ ኣዚዩ መሪር ነይሩ። ስለ’ዚ ነዚ ተሪፉ ዘሎ መድረኽ “ጭራ ተመን ኣይትሓዝ፤ እንተሒዝካ ክኣ ኣይትልቀቕ ስለዝዀነ፡ ሒዝና ከይንገድፍ እኹል ምድላውን ጽንዓትን ክንገብር ኣለና። ከምቲ ናይ ብኣምሆይ ኣይመረናን ኢዩ፡ ምኽንያቱ ተመኲሮና ዋጋ ስለዘለዎ ስንቂ ናይ ጽንዓት ምሳና’ሎ።

ኣብዚ ቀረባ ግዜስ፡ ኣብ ኣውሮጳ ኣብ ሃገር ሆላንድ ኢዩ መስለኒ፡ ሓደ ሰብኣይ ወዲ 65 ዓመት፡ ኣነ ወዲ ኣርብዓን ሓሙሽተን (45) ኢየ፡ ስለዚ ብሕጊ ይፈለጠለይ ኢሉ ኣመልኪቱ። ቤት ፍርዲ ክኣ ደይኰነ ኣይነጽድቕን ኢና፡ ኣብኣ ድኣ ኣብታ ዘለኻያ ኢሎም ኣፋኒዮሞ። ኢሳያስ ክኣ ሕጂ ንኣዋሳ እንተኸደ ንጎንደር እንተሰገረ፡ ንሶማልያ እንተበረረ፡ ኣብ ስዑዲያ እንተፈረመ፡ ኣብ ኢማራት አንተሓለመ፡ ናይ ስልጣን መቓብሩ ጐድጓድ ተፋሒራ ኣፋ ኸፊታ ትጽበዮ ስለዘላ፡ መንእሰያትና ንሃገርኩም ካብ ፍገረ-መሬትን ፍግረ-ጒልበትን ከተድሕንዋ መሃንድሳት፡ መማህራን፡ ፖለቲከኛታት፡ ፈላስፋታት፡ ሰብ ሕግን ሰብ ቅዋምን፡ ሰብ ባይቶን፡ ኮታ ጠበቓታት ደሞክራሲ ኰንኩም ተዳለዉ። እዚ መድረኽ ናትኩም ኢዩ፡ ንዕኡ ክኣ ተቓለስሉ።

ተስፋ ወይ ጽቡቕ ትጽቢት (Optimism) መሊኡ’ሎ። ጽቡቕ ትጽቢት ማለት ግን ሓደጋታት ወይ ሕጽረታት ኣየጋጥምን ኢዩ ማለት ስለዘይኰነ፡ ምህላው ክሳዕ ዘሎ ቃልሲ ጠጠው ክብል ኣለዎ ማለት ኣይኰነን። ስለዚ መንእሰያትና ንቓልሲ ኩሉ ግዜ ድሉዋት ክትኰኑ ኣለኩም። ንኹሉ ምቹእ ባይታ የድልዮ። ንዕርክነት፡ ንሕጸ፡ ንመርዓ፡ ንሓዳር፡ ንነጻነት፡ ንደሞክራሲ ብዘይ ምቹእ ባይታ ኣይተሰላስሎን ኢኻ። ናይ መንእሰያትና ምቹእ ባይታ ንሕና እዞም ቀዳሞት ክንከውን ምተገብአ ነይሩ፡ ካብዘይተረኽበ ግን ነዚ ዝርካቡ ምዕዶና ከም እኹል ጌርኩም ውሰድዎ።

ነቲ ብድሕሬኹም ዝመጽእ ወለዶ ምቹእ ባይታ ምእንቲ ክትከንዎ ግን ካባና ተምሃሩ። ምኽንያቱ ነቲ ንስኻትኩም ዘጒደልኩሞ ዝምልኦ እቲ ብድሕሬኹም ዝቕጽል ወለዶ ኢዩ። ሎሚ ንሕና ምስ ኩሉ ጒድለትና ዝጎደለና ክትምልኡ ተመኒናኩም ኣለና። ከምቲ ንብዙሓት ገርሀኛታት ዝመስሎም፡ ልዕሊ ዓበይቲ ኣቦታትኩምን ኣዴታትኩምን ስለዝፈተናኩም ኣይኰንናን፡፡ ቃልስና ንኽዕወት ህዝብና ካብ ገሃነበ-እሳት ንኽወጽእ ግን፡ ንስኻትኩም ወሳኒ ተራ ከም እተበርክቱ ኣቐዲምና ስለዝገምገምናዮን ዝበጺሕናዮን ኢና። ነዚ ዘለና ከቢድ ጽዕነት ከነራግፎ እንተድኣ ኰንና፡ ብዘይ ንሕስያ ነዚ መድረኽ’ዚ ጥምጥም ክሳዕ ትዕወቱ ክትተሓሓዝዎ ተበገሱ። እቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ምርጫ ንሱ ኢዩ። ነዚ ብዝምልከት ክንደይ ኢዮም ድቅኺ? ዘርእስታ ብ 2006 ዓመተ-ምህረት፡ ቅድሚ 13 ዓመት ኣቢሉ ይኸውን ዝደረስክዋ ግጥሚ ጌረ፡ ድሓን የቐንየና ክብል ፍቐዱለይ።

ክንደይ ኢዮም ደቅኺ?

ክንደይ ኢዮም ደቅኺ ኤርትረያ

ካብ ፈለማ ካብቲ መጀመርያ?

ወሲዶሞም እምበር በብሓደ

ሕጻ ባሕሪ መላይን ወሊደ

ብርሃን ዝስኣኑ ዝምርሑ

ካብ ጥዑያት ሕሙማት ይበዝሑ

    ዝሰንከሉ ኢደ እግሮም ሂቦም

    መን ክቖጽሮም ክንደይ’ሞ ክብሎም

    ገለ ትሕቲ መሬት ገለ ስደት

    ፋሕ ምስ በሉስ ተባሂሎም ሒደት

ገለ ዊዓ ዒራዒሮ ሳዋ

ንበይኑ ዓይነቱ ጒዳም ጽዋ

ምውላድሲ ወሊደ ሻሕ-ሻሕ ኢለ

ኣረክቢ እንዴሞ ተባሂለ

    ነዊሕ’ዩ ታሪኹ ናተይ ከስዐ

    ጠሊሙኒ ብኢደይ ዝበልዐ

    ጀጋኑ ወሊደስ ናብ ማእሰርቲ

    ኣብ ደልሃመት ኣብ ጸልማት ብዓቲ

ክንዲ ሽመት ናይ ታሪኽ መዳልያ

ደሙ ዝኸፈለስ ኰይኑ ባርያ

ርኢና’ሞ ከምዝስ ኣይነበረን

ሰሚዕና’ሞ ከምዝስ ኣይተወረየን

    ኣብ ጎረቤት ሃገር ተሰዲዶም

    ዓይኖም እንዳነብዐ ተገዲዶም

    መሬት ተመንጢሎም ናብ ጎዶቦ

    ቀይሕ መስቀል ትህቦም ትኳቦ

ወሊደ’ወ ደሞም ዘንጠብጠቡ

ማህጸን ኣደ ጒድ እንድዩ ረኺቡ

ወሊደ’ወ ፈንጂ ዝረገጹ

ሂወት ዝኸፈሉ ዝቐበጹ

    ወሊደ’ወ ብለይቲ ብቐትሪ

    ዘይሓጥያተይ ተቐቢለ’ምበሪ

    ወሊደ’ወ ከም ነብሪ ዝነብሑ

    ዕዳ’ንዲዩ’ሞ ዝኽፈል በዚሑ

ወሊደ’ወ ዝጋልብ ከም ፈረስ

‘ታይ ክዓብስ ወፊሩ ዘይምለስ

ወሊደ ሂበዮም ብዓል ጊንጢ

ኢሎሙኒ ባዕልኺ ትፈልጢ

    ወሊደ’ወ ምዓስ መኻን ኰይነ

    ‘ታይ ክዓብስ ረኺበ ስኢነ

    ወድን ጓልን ወሊደ ብማዕረ

    ‘ታይ ክዓብስ ዓረም ተቐይረ

ወሊደ’ወ ጽቡቕ ዘይምኖ

መን ክቖጽሮ ሕጻ ዝደፈኖ

ወሊደ’ወ ጐረቤት ዝፈልጦ

መን ክቖጽሮ ባሕሪ ዝወሓጦ

    ዝተረፍኩም ሓዲኡ ግበሩ

    ኣንጸርጺርኩም ዘይትበራበሩ

    ሰብ ጠፊኡ ነጊሰን ወኻሩ

    ወደ’ምበሳ ተደይኑ ሕብሩ

ተጸሪፍኩም ኩሉኹም ብጅምላ

ተጎኒእኩም ከም ጒንቦ መሸላ

ተልዓሉ ብሴፍ ብደበላ

ሕጊ’ጽድቑ ግበሩለይ ዋዕላ

    መሬት ኣቦ ደምኩም ዝፈሰሶ

    ተበገሱ ሓይልኹም ይምለሶ

    ፍለጥዎ ገዛኹም ዘፍረሶ

    ህግደፋዊ ዘይመልእ ሲሶ

ኣታ ዓሳ ባሕሪ ሓምባሲ

መንእሰይ ሃገረይ ወራሲ

ኣብ ኣፍ ደገ ’ለና ቀሪብና

ንዓኻ ኣሚንና ኣሪግና

    ቈጽሊ’ውሊዕ ጽላላ ነቃዊት

    ኣብ መርከብ ኖህ ትዓርፍ ርግቢት

    ኣንቲ ሰገን ክሳድ ብርለ

    ንዓኺ ኣሚነ ሸምጊለ

ኣስመራ ሃብታም ወለላ

ኩሉ ከከም ዓቕሙ ዝነብረላ

ትተዂብሎም ኔርክስ ክተዂቡልኪ!

ኣደ ሽሻይ ደይኢድኪ ረኺብኪ

    ኣዋልድ ኤርትራ ድረፋ

    ናትክን ልሳን ኣለዎ ሓለፋ

    ሽሻይና ክፈስስ ከም ጥሪ

    ዒድ ዓረፋ ክኸውን ዒድ ፈጥሪ

ካብ ሰማይ ዝወርድ ከም ማና

ካብ መሬት ዝሕፈስ ፍረ ደምና

ኩሉ ክምለስ’ዩ ገንዘብና

ዋሕስ ድጊ መንእሰይ ኣለና

    ነገርክኹም እንታይ ተሪፉኒ

    ግዴኹም’ዩ ኣነስ ይኣኽለኒ

    ነገርክኹም ብኢደይ ጽሒፈ

    ደጊም ኣባኹም’ዩ ዝተረፈ

መንእሰይ ንመሬቱ፡

እንድሕሪ ኸቲቱ፡

ምሳር ኣብ ልዓቱ

ብርሃን ንምሸቱ።

 

“ትኣምኖ ልኢኽካ፡ እንታይ ተረፈኒ ’ይትበል”

 

ሰናይ ቅነ፡ ዓወትኩም ዝምነ፦ ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Genet -Original January 6, 2019

    Excellent message Thank you!

  • Samuel Wolday January 7, 2019

    Redi Bashay :jenius and a patriot.

POST A COMMENT