Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምሕዝነት ክልተ ጠላማት፡ ንልምዓት ዶ ንጥፍኣት?

ምሕዝነት ክልተ ጠላማት፡ ንልምዓት ዶ ንጥፍኣት? 2019 `ውን ልክዕ ከምታ ዝሓለፈት ዓመት 2018፡ እዋን ተራጻሚ ፍጻሜታትን ባህርያትን መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኮይና ምህላዋ ኣረጋጊጻ `ላ። እዚ ተረካብ ተርእዮ`ዚ፡ ከም ናይ ሓባር ረቛሒ ናይዘን ክልተ ዓመታት `ኳ እንተቐጸለ፡

ምሕዝነት ክልተ ጠላማት፡ ንልምዓት ዶ ንጥፍኣት?

2019 `ውን ልክዕ ከምታ ዝሓለፈት ዓመት 2018፡ እዋን ተራጻሚ ፍጻሜታትን ባህርያትን መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኮይና ምህላዋ ኣረጋጊጻ `ላ። እዚ ተረካብ ተርእዮ`ዚ፡ ከም ናይ ሓባር ረቛሒ ናይዘን ክልተ ዓመታት `ኳ እንተቐጸለ፡ እዛ ዓመት እዚኣ ካብታ ሓለፈት ዓመት እትፍለየሉ ዓቢ ምኽንያት ግን ኣሎ። ደጊም`ሲ፡ ህዝቢ ኤርትራን ኢሳይያስን ኣብቲ መስቀላዊ መንገዲ ተፈላልዮም፡ ኢሳይያስ ንጸጋም፡ ህዝቢ ኤርትራን ንየማን ምኻድ ጀሚሮም ኣለዉ። ነገር ነጺሩ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ እቲ መታለሊ ኢሳይያስ ጸላኢኡ ምዃኑ ኣዳዕዲዑ ፈሊጡ `ሎ።

እቲ ን 30 ዓመታት ተቓሊሱ ናጽነቱ ዝተጓናጸፈ፡ ብውልቀመላኺ ኢሳይያስ ብስም ዶብ ኣብ ካልኣይ ቃጸሎ ኲናት ተጠቢሱ ዓሰርተታት ኣሽሓት ደቁ ዝሰኣነ ህዝቢ ኤርትራ ሃንቀው ዝበሎ ቅዋማውን ሕጋውን ስርዓት ተነፊጉዎ፡ ብዘይካ ንመስዋእቲ ንስልጣን ከምዘይበቅዕ ተቖጺሩ ያኢ፡ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ፡ ን1ይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ `ስልጣን ኣረኪበካ ኣለኹ፡ ምርሓና` ኢሉ ጥልመቱ ድሕሪ ምእዋጁ `ሞ ንኽድዓቱ እንታይ ተወሳኺ መግለጺ ኣድልዩዎ።

መራሒ ናይታ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላ ኢትዮጵያ፡ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ሓይሊ ባሕሪ ከቕውም`የ እናበለ ብተደጋጋሚ ምግላጹ፡ ኣብ ክንዲ ኤርትራ ብዛዕባ መስመራት ባቡርን ትቦ ነዳድን ካብ ወደባት ኤርትራ ባጽዕን ዓሰብን ናብ ኢትዮጵያ ምስ ጥልያንን ኢማራትን ምውዕዓሉ፡ ነቲ ኢሳይያስ ብዘይ ውክልና ህዝቢ ኤርትራ ዝወፈየሉ ዝቐደሙ መራሕቲ ኢትዮጵያ ብኲናት ዝሰኣኑዎ ህያብ ብዘይቃልዓለም ከም እተረከቦ ዘረድእ፡ ካብ ሌባስ፡ ተቐባሊ ሌባ ከምዝብሉዎ መሻርኽቲ ውዲት ምዃኑ ዝምስክር እዩ።

ንህዝቢ ኤርትራ ወትሩ ዘግድዖ፡ ኣብ ክንዲ ብጥርጠራን ጽልእን ብቕንዕናን ፍቕርን ዝጅምር ምዃኑ እዩ። እዚ ኣምላኻዊ ባህሪ ውሕሉል ኳ እንተኾነ፡ ከምዚ ኣብ ተግባር ዝተራእየ፡ ከም ብዓል ኢሳይያስ ዝኣመሰሉ በንጻሩ ሰይጣናዊ ባህርይ ዘለዎም ብምትላልን ውዲትን ዝነበሩ እኩያት ክብለጹሉ ዕድል ስለዝኸፍት፡ ንህዝቢ ኤርትራ ከቢድ ዋጋ ከኽፍሎ ይርከብ ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ ሓንሳብ ጸላኢኡ እንተፈሊጡ ግን፡ ግዝፉን ዕጥቁን ብዘየገድስ፡ ናይ ዓወት ህልኽ ዘለዎ ቆራጽ ህዝቢ ምዃኑ ታሪኽ ይምስክረሉ።

እዚ ትማሊ ዝተጸንበለ ቅድሚ 29 ዓመታት ዝተሰርሐ ስርሒት ፈንቅል ንኣብነት፡ ሓደ መርኣያ ናይቲ ህዝቢ ኤርትራ ናጽነቱን ሰብኣዊ ክብረቱን ንምርግጋጽ ክድይቦ ዝኽእል ጥርዚ ተወፋይነት ዘርኢ እዩ። ስለዚ፡ እቲ ጠላም ኢሳይያስን ብርኪ ጥልመቱ ኣቢይ ኣሕመድን፡ ካብ ጥሉል ታሪኽ ኣብ ክንዲ ዝምሃሩ፡ ምእንቲ ስልጣን፡ ኣምሳያ ናይ ልምዓት ናይ ጥፍኣት ምሕዝነት ክምስርቱ ምህቃኖም ታሪኻዊ ስሕታን እዩ።

ንኹሉ ገዲፍና፡ ኣብ ዙርያ ናይዚ ዝኽሪ ስርሒት ፈንቅል ዝተጸንበለሉ ሳልስቲ እተኲርና ንባህርያቶም እንተተመልከትናዮ፡ ኢሳይያስ ኮነ ኣቢይ ምእንቲ ስልጣን ክሳብ ክንደይ ከምዝጣልዑ ብቐሊሉ ክበርሃልና ይኽእል።

ንጉስ ሃይለ ስላሰ ንሃገርና ኤርትራ ኣብቲ ዘይማዕርነታዊ ፈደረሽን ከምእትቚረን ምግባሩ ከይኣክል፡ ሽውሃቱ ብኡ ስለዘይዓገበ፡ ነቲ ኣብ ትሕቲ ዘውዲ ኢትዮጵያ ዝተሰነዐ ፈደረሽን ብሓይሊ ኣፍሪሱ ንሃገርና ግዝኣቱ ስለዝገበራ፡ ጠንቂ ምጅማር ናይቲ ደማዊ ሓርነታዊ ቃልሲ ኤርትራ ከምዝኾነ፡ ነቲ ንውዲቱ ዝበድሆ ህዝቢ ኤርትራ ንምምብርካኽ፡ ዓድታቱ ወሰን ኢሉ ኣብ ርእሲ ምቅጻል፡ ኣሽሓት ንጹሃት ኤርትራውያን ብጅምላ ዝሓረደን ዝቐተለን ፋሽሽታዊ ስርዓት ምዃኑ ኣብ ታሪኽ ሰፊሩ ኣሎ።

እንተኾነ ግን፡ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ኣብቲ ቅድሚ 29 ዓመት ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ንኸተማ ምጽዋዕ ድሕሪ ምቁጽጻሩ ከም መዕጸዊ ናይቲ ዓመጽን ግፍዕን ዝዓብለሎ ታሪኽ ብቲኤንቲ ንሓውልቲ ንጉስ ሃይለስላሰ ዘዕነወሉ ዕለት፡ ብስም ሕብረት ኣፍሪቃ ተሸፊኑ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓወልቲ ሃይለስላሰ ምትካሉ፡ ብቐንዱ፡ እቲ ምስ ኤርትራ የሐዲሰዮ ዝብሎ ዝምድና ኣብ ቅንዕና ዘይተመርኮሰ፡ ምሕዝነቱ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነስ፡ ቃልኪዳኑ ምስቲ ናይ ሃጸያት ኢትዮጵያ ናፍቖት ዘለዎ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ምዃኑ ዳግም ዘረጋግጽ እዩ።

ብቐንዱ ኸኣ፡ እቲ ሓድሽ ወለዶ መሪሕነት መሲሉ ህዝብን ዓለምን ከደናግር ዝፍትን ዘሎ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ከምቲ ዝሓለፉ መራሕትን ሃጸያትን ኢትዮጵያ ዘጽንሑሉ ናይ ስልጣን ባህሊ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ስልጣን ክትጭብጥ እንተደኣ ኮይንካ፡ ወይ ኣምሓራይ ክትከውን ወይ ድማ ከተምሓርሕር ኣለካ ዝብል ሜላ ተኸቲሉ፡ ንስምዒት ናይቲ ካሕሳ ዝግብኦ ህዝቢ ኤርትራ ዕሽሽ ብምባል፡ ብኣንጻሩ ሓወልቲ ገፋዒኡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኺሉ ንብሄረ ኣምሓራ የሐጒሱ ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ይጣላዕ ኣሎ።

ጫለዳ ኣርእትና ኳ እንተኾነ፡ ከም ብዓል ሃይለስላሰ ዝኣመሰሉ መራሕቲ ኢትዮጵያ፡ መንነቶምን ትውልዶምን ክሒዶም ኣስማቶም ከይተረፈ ብምቕያር ኣምሓራ ተመሲሎም ንህዝቢ ኢትይዮጵያ ይገዝኡዎ ከምዝነበሩ እዩ ዝዝንቶ። እቲ በዚ ልምዲ`ዚ ተቓንዩ ዘሎ ኣቢይ፡ ኢሳይያስ ናብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝገሸሉ እዋን፡ ነቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ዑና ኣቦኡ ገዲፉ፡ ናይ ጎንደር መቓብር ኣብሓጉኡ ብምርኣይ ጎንደሬ ከምስሎ ምፍታኑ ንገዛእ ርእሱ ምስዚ ሜላ`ዚ ዝተኣሳሰር እዩ።

1ይ ሚኒስተር ኣቢይ፡ ካብ ንኤርትራ ከም ሓንቲ ነጻ ሃገር ብማዕርነታዊ ሽርክነት፡ በንጻር ድሌት ህዝቢ ኤርትራ፡ ነቲ ንኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ናይ ምድማር፡ ልቢ ኣምሓራ ዘረስርስ ሸነኽ መሪጹዎ ምህላዉ `ውን፡ ወሰኽ ናይዚ ስልጣኑ ንምጽናዕ ዘካይዶ ዘሎ ጻዕሪ እዩ።

ወዮ ደኣ ኣብ ጉዳይና ከነተኩር ስለዘለና እምበር፡ እዚ ኣቢይ ኣሕመድ ሒዙዎ ዘሎ ስትራተጂ ስልጣን፡ ንህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብዝሓለፉ ስርዓታት ኢትዮጵያ ዝተወጽዑን ዝተዓመጹን ክፋላት ህዝቢ ኢትዮጵያ `ውን ዘቖጥዕን ዘቕሕርን ተግባር ኮይኑ ኣሎ። ኣቢይ ንመለስ ኣቆናጺቡ ንሃይለስላሰ ክውድስ ምጅማሩ ትኪ ጥልመቱ ክረኣዮም ጀሚሩ ከምዘሎ `ውን ብዓውታ ይዛረቡሉ ኣለዉ።

1ይ ሚኒስተር ኣቢይ የዋጽኣኒ እዩ ዝብሎ ፖለቲካ እንተተኸተለ ግን ንዕኡን ንህዝቢ ኢትዮጵያ ዝምልከት ጉዳይ እዩ። ብቐንዱ ህዝቢ ኤርትራ ክጻወሮ ዘይብሉ፡ ነቲ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ፡ ገበናቱ ንምሽፋንን ውልቃዊ ጥሙሑ ንምስልሳልን ክብል፡ ከምኡ `ውን ነቲ ናይ ሓድሽ መጣልዕቱ ህርፋን ክምግብ ንህዝቢ ኤርትራን ልኡላውነቱን ገንሸል ይገብሮም ምህላዉ እዩ ።

`ኢሳይያስ ደኣ ወሪዱዎ፡ ኣብ ምትካል ሓወልቲ ሃይለሰላሰ ዘይነበረ፡ ኣብ ባጽዕ፡ ኣብ ጽምብል ስርሒት ፈንቅል እንድዩ ነይሩ` ዝብሉ የዋሃት እንተደኣ ሃልዮም፡ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ፡ ኣብቲ መበል 29 ዓመት ዝኽሪ ጽምብል ስርሒት ፈንቅል ዝካየደሉ ዝነበረ ናይ ወደብ ምጽዋዕ ኣጋጣሚ፡ ኣካሉ ድኣምበር፡ ልቡ፡ ኣብቲ ሓወልቲ ሃይለስላሰ ዝትከለሉ ዝነበረ ኣዲስ ኣበባ ከምዝነበረ ክግንዘቡዎ ይግባእ።

ምኽንያቱ፡ እቲ ውክልና መሪሕነት ኢሳይያስ ብወግዒ ዝተቐበለ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ሓወልቲ ሃይለስላሰ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከመርቕ፡ ሰብ ብዛዕባ ሃይለስላሰ ብኣሉታ ከይዛረብ ክገንሕን ክውድሶን ከሎ ናይ ኢሳይያስ ባህግን ድሌትን እዩ ዘማልእ ነይሩ።

ኣይፋል፡ ምትካል ሓወልቲ ሃይለስላሰ `ኮ ብጠለብን መደብን ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተገብረ እዩ ዝብሉ እንተሃልዮም ድማ፡ እቲ መዋእሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነበር ዘሎ ሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ 27 ዓመታት ክገብሮ ዘይከኣለ ዕማም ስለምንታይ ኣቢይ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝመጽኣሉ ዓመት ዘይመልእ ግዜ ኣተግቢሩዎ ዝብል ሕቶ ክምልሱ ኣለዎም። ሕብረት ኣፍሪቃ ካብ ነዊሕ እዋን ነዚ ሓሳብ`ዚ ሒዙዎ ክኸውን ይኽእል እዩ። ብቐንዱ ግን፡ እዚ ሕጂ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ዘሎ ኣቢይን መሻርኽቱ ውልቀመላኺ ኢሳይያስን፡ ምእንቲ`ቲ ዝጠቐስናዮ ናይ ስልጣን ስትራተጂ ፖለቲካዊ ድሌት ስለዘርኣዩ ዝተፈጸመ ጉዳይ እዩ።

እቲ ሓወልቲ ሓደ ጅግና ተጋዳላይ ይኹን ተቓለስቲ ኣቦታት ኣብ ኤርትራ ክትከል ዘየፍቀደ፡ በንጻሩ ሓወልቲ ራሻዊ ፑሽኪን ኣብ ኣስመራ ዝተኸለ ኢሳይያስ፡ ስምዒት ህዝቢ ኤርትራ ተረዲኡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓወልቲ ንጉስ ሃይለስላሰ ምትካሉ ክቃወም ትጽቢት ምግባር ክዉንነታዊ ኣይኮነን።

ምኽንያቱ ኢሳይያስ ነቶም ካብ ጉዳይ ሓወልቲ ሃይለስላሰ ዝዓብዩ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ድቃስ ከሊኦሞ ዝሓደሩ ዘለዉ፡ ከም ምሕንጻጽ ዶብ ኤርትራ ኢትዮጵያን ፡ ምፍታሕ እሱራት፡ ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት፡ ብዓቢኡ ምሕዳግ ስልጣንን ምትካል ሕጋዊ ስርዓትን ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ፖለቲካዊ ጠለባት ህዝቢ ኤርትራ እናሰመዖም ኣስቂጡ፡ ተተርኢሱዎም ደቂሱ ኣሎ። ፈሊጡ ዝደቀሰ ነቕኒቕካዮ ስለዘይሰምዕ ግን፡ ከምቲ ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ ዝበሎ፡ እቲ `ዘራግቶ` ኢሳይያስ ምስ ኣቢይ ገይሩዎ ብዘሎ ናይ ጥልመት ሽርክነትን ውዲትን ናጽነቱን ልኡላውነቱን ከይጠፍአ ኸሎ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ናይ ሓዋሩ ድቃስ ከምዝቕጽል ክገብር፡ ብዘይወዓል ሕደር ህጹጽ ለውጢ ዝረጋገጸሉ ብልሓት ከናዲ ኣለዎ።

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ!

ኣማኑኤል ኢያሱ

11 ለካቲት 2019

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT