ኤርትራውያን ተቓወምቲ ኣብላት በርገሳዊ/ሲቪክ ማሕበራት ካልኦት ግዱሳት ኤርትራውያንን ተቐማጦ ከተማ ኤድመንተንን ከተማ ካልጋርን ናይ ሎምዘበን ናይ ምዕራብ ካናዳ ህግደፋዊ ፈስቲቫል ከምቲ ናይ 2007ን 2008ን ንሳልሳይ ግዜ ዕለት 18ን 19ን ወርሒ 07-2009 ኣፍሺሎማ።
ሓዲሽ ሓበረታ ንሰላማዊ ሰልፊ ፍራንክፈርት ኣንጻር ፈስቲቫል ጉጂለ ህ.ግ.ደ.ፍ ኣብ ዝሓለፈ ስሙን ንዕለት 18.07.2009 ዓ.ም ካብ ስዓት ሰለስተ ድሕሪ ቀትሪ ጀሚሩ ሰላማዊ ሰልፊ ክካየድ ከምዝኾነ ተገሊጹ ነይሩ ኮይኑ ግን ኣብዚ ዕለትዝን ሰዓትን ጉጂለ ህ.ግ.ድ.ፍውን ሰላማዊ ሰልፊ ከካይድ
ክሉ ከም ዝፈልጦ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ወርሓት ሰነን ሓምለን ዝጅምሮ ብስም ፌስቲቫል ዝጽዋዕ ሆሆን ዳንኬራን ኣብ መላእ ዓለም እናዞረ ብሕልና ኣልቦ ዝኾኑ ስሱዓት ስነ-ጥበባውያን ተሰንዩ ወሰን ኢሉ ዝምታን ዝርፊያን ካብ ዝተሓሓዞ ዓመታት ኣቑጺሩ ኢዩ። መቐጸልታ ናቱ ክኣ እንሆ ሎሚ ዘመን ኣብ ዞባ ኤውሮጳ ብከተማ ሎንዶንዝመረ ዝምታ ከመይ ከም ዝነበረ ኣብቲ ውዕሎ ካብ ዝነበሩ ዜጋታት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ጆባእ ንብለኩም። ጃንዳህግደፍ ኣቐዲሙ ዳምዳም ክብለሉ ዝቐነየ ፌስቲቫል ግዚኡ ኣኺሉ ካብ ዓርቢ ዕለት 03 ሓምለ ክሳብ 05 ሓምለ 2009 ዓ-ም ኣብ ዘሎ ጊዜ ከካይዶ ወጢኑ ብኡ መጠን ክኣ ዓርቢ ኣጋምሸት ሚሩ እኳ እንተተባህለ፡ ዝኣትወሎም ሰብ ብዘይ ምርካቦም፡ እቶም ዝርካቦም ምእንቲ ሕጻውንቲ ደቆም ክብሉ 25.00 ፓውንድ ከፊሎም ዝኣተዉ ወለዲ ቀንፈዞው ክብሉ ከም ዘምሰዩ ኣብ መወዳእታ ክኣ ብሰንኪ እኹል ሰብ ዘይምእታው ላህማም ምሸት ከም ዝሓደሩ እቶም ኣብቲ ሕድሮ ዝተረኸቡ ወሃብቲ ሓበሬታ ኣረጋጊጾም።ከም ቀደም ይመስለክን ውሕጅ ይወስደክን።
"ፈስቲቫል ሰላም" ለንደን ብስእሊ ንምርእይ ኣብዚ ጠውቑ
ኣብ ዓባይ-ብሪጣንያ ዝመደበሮም ተቓወምቲ ውድባትን ሲቪካውያን ማሕበራትን፡ ብምኽንያት ባሕቲ መስከረም ምጅማር ሓርነታዊ ቓልሲ ኤርትራ (ባሕቲ መስከረም) ኣብ ሓደ ኣዳራሽ ዝወደቡዎ “ፈስቲቫል ሰላም”፡ ንሃገራዊ ናይ ቃልስን ሓርነትን መንፈስ ብዘለዓዕል ፍሉይን ምዕሩግን ኣገባብ ትማሊ 23 ነሓሰ ኣብ ለንደን ብዓወት ተኻይዱ።
ኣብቲ ፈስቲቫል ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝርከቡ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ዝመጹ ቡዙሓት ኣባላት ሰልፊ ናህዳ ከምኡ’ውን ተራሃረህቲ ዜጋታት ዕዱማት ሃገራውያንን ገዳይም ተቓለስትን ክርከቡ እንከለዉ ኣቦ-መንበር ሰልፊ ናህዳ ኣቶ ኑር መሓመድ እድሪስ ማለት (ኣባል መሪሕነት ተቓወምቲ ሰልፍታት) ኣብቲ ኣኼባ ብምስታፉ ነቲ ፈስቲቫል ዓቢ ድምቀት ክህቦ ኪኢሉ።