ድሕሪ’ዚ ኹሉ ኣማኢት ኤርትራውያን ዘጥፍአ መቕዘፍቲ ማእከላይ ባሕሪ፡ ገለ ካብቶም ብሕታዊ ገንዘባዊ መኽሰቦም ጥራይ ዘቋምቱ ዘይሕጋውያን መሰጋገርቲ፡ ብፍላይ ድማ ወዲ ቐሺ ተባሂሉ ዝፍለጥ መሰጋገሪ፡ ነቶም ካብ ቅልውላው ሊብያ ኣምሊጦም ኣብ ቱኒዝያ ኣብ ግዝያዊ መዕቆቢ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ‘ናብ ጥልያን ብቐጥታ እትኣቱ ተተኣማምን መርከብ ኣዳልየ ኣለኹ’ ዝብል ግጉይ ሓበሬታ ብምዝርጋሕ ናብ ሊብያ ተመሊሶም ጃልብኡ ክመልኡሉ ይጽውዖም ምህላዉ ምንጭታት ይሕብሩ ኣለዉ።
ከምቲ ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ዝካየድ ዘሎ መደባት ህዝባዊ ኣኼባታት ብኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራሲያዊ ለዉጢ፣ ኣብ ኦታዋ ዋና ከተማ ካናዳ ብዕለት 6 ሕዳር 2010 ዓ.ም፣ ዕዉት ኣኼባ ብኣባል ኮምሽን ኣቶ ክብሮም ደብሩ ተኻይዱ።
በዓል መስቀል ንህዝቢ ኤርትራ በዓል ሰላምን ፍቅርን ሕድገታትን ክኸውን ከኣ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ይምነ።
እቲ ሰለማዊ ሰልፊ፡ ሰኑይ ነሓሰ 16፡ 2010 ዓ.ም. ከባቢ ፍርቂ መዓልቲ፡ ኣብ ኣፋፌት ህንጻ ናይ ከንቲባ ኣኒስ ፓርከር፡ ዝርከብ ሲቲ ሃል ዝበሃል ቦታ እዩ ነይሩ።
ብምክንያት ዓለምለኻዊ መዓልቲ ነጻ ፕረስ ሎሚ ኣብ ከተማ የቶቦሪ ብድምቀት ከምዝተኸብረን አብቲ በዓል ብርኽት ዝበሉ ኤሪትራውያንን ሸውደናውያንን ከምዝተረኽቡ ኽፍለጥ ተኻኢሉ::
(ፍጻሜታት ከባቢ) – ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጉዳይ ጋዜጠኛ ኣቶ ዳዊት ኢሳቕ ኣብ መጽሔታት ኖርወይ ዓቢ ቴማ ኮይኑ ቀንዩ። እዚ ክኸውን ዝኸኣለ ድማ፤ እቲ 

ብመጀመርያ ካብቲ ስጋ ሰብ ለበስ ኣራዊት ስርዓት ህግደፍ ብሰላም እንቓዕ ወጻእካ ክብለካ ይፈቱ ብምቕጻል አቲ ኣራዊታዊ ባህርያት ህግደፍ ብጭብጥታት ኣሰኒኻ ብምቕላዕካ ምስጋና ይግብኣካ:: እዚ ድማ ሓደ ዓቢ ነገር አዩ:: ኮይኑ ድማ እዚ ካብ ባሕሪ ብጭልፋ ምዃኑ እዩ ምኽንያቱ ኣብ ዓለም መንግስታት ይኹኑ ውልቀሰባት ሎሚ ውሃ ዘበለ ብዓይነቱ ብዓይነት ኣባላቱን ቤት ትምህርትታት ክሰርሑ ድቓስ ዘይብሎም ይሓድሩ ኣለዉ ኣብ ኤርትራ ድማ ውሃ ዘበለ ኣብያተ ማእሰርትታት ክሰርሑ ከይደቐስካ ምሕዳር እዩ:: እቲ ኢሰብኣዊን ጨካን ኣተሓሕዛን ድማ ብኡ መጠን ይዛይድ ግና ይንዋሕ ይሕጸር ካብ ተሓታትነት ከምዘይሃድሙን ፍረ ዕብዳኖም ድማ ክሓቕፉ ምዃኖም ጊዘ ባዕሉ ከርእየና እዩ::