ሎሚ ባንዴራ ኤርትራ ናብ ፍርቂ ዘንጊ ሸተት ኢላ ክትውዕለሉ ዝግባእ ረዚን ናይ ሓዘን መዓልቲ እዩ።
ሎሚ ባንዴራ ኤርትራ ናብ ፍርቂ ዘንጊ ሸተት ኢላ ክትውዕለሉ ዝግባእ ረዚን ናይ ሓዘን መዓልቲ እዩ።
ቀዳማይ ክፋል
ብመሰረት ዝኣተናልኩም ቃል ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፍና እቲ ንብዙሓት እንኮላይ ንብሪጣንያውያን ኣገሪምዎም ዘሎ ክሳብ ሕጂ “ምኽንያት ምምልላስ ወዲ ገራህቱ ንከተማ ሸፊልድ እንታይ ምዃኑ? ከም ነቕርበልኩም ኢዩ።
ንምክልኻል ሕይልታት ተጸግዕዎ
ናይ ለውጢ ሓይሊ ክከውን ሕተትዎ
ንለውጢ እጃሙ ከበርክት ኣባራትዕዎ
ታሓባቢርኩም ንህዝቢ ክተድሕንዎ
ሽሕ ኪሎመተር ብሓደ ክትዓምዎ
ለውጢ ክራጋገጽ ህዝብና ክርህዎ።
መባእታ
ብመጀመርያ ርሑስ በዓለ ልደት ይግበረልና። ንሕዝብና፡ ጸሎቱ ሰሚዑ፡ ንዝጸምኦ ሰላምን ፍትሕን ዝህብ፡ ንሕማቑን ጠንቂ ሓዘኑን ዝቕንጥጥን በዓለ ልደት ይግበረሉ።
ትኣምኖ ልኢኽላስ እንታይ ተረፈኒ ኣይትበል ።
ክልተ ሽሕን ዓሰርተን እታ ዝለዓለ ነጥበ መቐይሮ ዝተራእየላ፡ ህዝብና ንፈታዊ ካብ ጸላኢ ፈልዩ ዝመመየላ፡ እቲ ቀንዲ ጠንቂ ሽግራቱ ብደቂቕ ዘላለየላ ዓመት ኢያ ክትበሃል ይከኣል።
ህዝብና.ዶ ሓሶት ሕምየት ጽልኢ
ምናዳ ኣብ ስደት ዘሎ ኣብ ወጻኢ
እናፈለጠ ዝጽይቕ ብደም ተዋሳኢ
ኣብ ኣጽናቲኡ ዝሰግድ ንተጻባኢ
ሰዓብቲ ህግደፍ፡ መሊሶም ንናይ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኮንግረስ ብኢንተርነት ወይ ኢሜል ገይሮም ጥርዓን ንምልኣኽ ካብ ተቕማጦ ዲሲ ፌርማታት ኣብ ምእካብ ሸበድበድ ይብሉ ኣለዉ። ሕጂኸ እንታይ ክውስኹ ደልዮም ኢዮም? ወሓጥዮ ኣንተበልኩዋስ ትጎስሞ። ዘይስብሎም ደኣ ኮይኑ እምበር መንግስቲ ኣመሪካ ነቲ ዝገበርዎ ሰልፊ ኣቓልቦ ከምዘይ ሃቦ ብወግዒ ገሊጹሎም እዩ።
ኹቡራት ኣንበብቲ ኣርእስቲ ናይዛ ስነ-ጽሑፍ ከም እተንብብዎ፡ ነዚ አብ’ዚ እንነብረሉ ከባቢ በይ ኤርያ (Bay Area) ብፍላይ ከአ ሳን-ሆዘ (San Jose) ካብ ዝሓለፈ ሓያለ ዓመታት ኣትሒዙ ዝተፈጸመን ዝፍጸም ዘሎን ንጥፈታት ሓበሬታ ንመሃብ ተባሂሉ እተጻሕፈ እዩ። እንተ ኾነ ግን እሞ ኣብ ሳን-ሆዘ እትፈጸመ ፍጻመ ነዓና ዘገድሰና አይኮነን ብምባል ሸለል ኢልኩም ጎሲኹሞ ከይትሓልፉ ሓደራ ንብለኩም፡ ምኽንያቱ እዚ ዓይነት ፍጻመ ብዘይ ምግናን ሎሚ ኣብ ኩለን እተን ኤርትራዊ ዝቕመጠለን ከተማታት ኤውሮጳ ኮነ ኣሜሪካ ዝፍጸም ዘሎ ኩውንነት ስለ ዝኾነ ኢዩ።
ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ንኤርትራ ብኹዑሶ ጥራይ ዘይኮነ፡ እንተላይ ብስጉምታ እያ ወኪላታ።
እታ ዝሓለፈ ቀዳም፡ 13 ታሕሳስ ኣብ ናይሮቢ፡ ኬንያ፡ ተሸሪባ ዝተረፈት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ካብቲ ኩሎም መንእሰያት ኤርትራ ብቐጻሊ ዝወስዱዎ ዘለዉ ስጉምቲ ዝተፈልየ ስጉምቲ ኣይወሰደትን። መሳቱ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ወግሐ ጸብሐ፡ ድብያታት ሓለዋ ዶብ ህግደፍ ዕጅብ ከይበሎም፡ ሓለዋ ዶብ በድራጋ እናተኮሱሎም፡ ናብ ኩሉ መኣዝናት፡ ንኢትዮጵያ፡ ንሱዳን፡ ንየመን ይጸሩ ኣለዉ። ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ከኣ፡ በዚ ዝወሰደቶ ስጉምቲ፡ ብኻልእ ኣዘራርባ “ቺቺሮ ብዘይ ቲፎዞ ፡ እንታይ ክገብሮ” እያ ትብል ዘላ።
ኣብ ክንዲ ሓልዮት ህዝቢ፡ ኣገልገልቲ ምልኪ
ኣብ ስደት ኾይንኹም፡ ደሓን ኣሎ ዓዲ
ብክልተ ካብ ሚእቲ፡ ቀዘፍቲ ሕጻዉንቲ
ኣበይ ድኣ ኣበለ፡ ወዮ እኹብ ቦንዲ
ሎሚስ በሪሁልኩም ዶ? ህግደፋዊ ስልቲ
ኣበደን
እኳ ድኣ ይስስን
ይረስን፡፡
ከመይ ቀኒኺ ሃገረይ!
ምንኣስ ናጽነት እንተጸኒቱ፡ ናጽነት እንታይ ‘ዩ ፍትፍቱ?
ሃገረይ፡ ‘ከመይ ቀኒኺ’ ክብለኪ ከለኹ፡ ‘ከመይ ‘ለኻ ኣይትበሎ ኣብ ገጹ ረኣዮ’ ዝብሃል ዘረባ ዘኪርኪ፡ ንሕቶይ ብናይ እንክሒራ ፍሽኽታ ትገንሕዮ ትህልዊ። ኣይክሕዘልክን ‘የ። ማእሰርቲ ቀሽን ዓለምን፡ ሸኽን ኣማንን፡ ሚኒስተርን ጋዜጠኛን፡ ኣቦን ወላዲትን ተራ ኾይኑስ፡ ሎሚ ቅጽበታዊ ርሸና ደቂ 15 ዓመት ቆልዑ፡ እወ፡ መቕዘፍቲ ናይቶም ምንኣስ ናጽነት ዝኾኑ ዕሸላት መንእሰያት ኣብ ቅድሚ ዓይንኺ ትርእዪ ብምህላውኪ፡
ሃገር ኣብ ዓዘቕቲ ድኽነትን ጥሜትን ተሸኺላ ኣቦታትናን ኣዴታትናን ኣሓትናን ደቅናን ጭፍጨፋ ስርዓት ኢሳያስ ከይኣኽሎምስ ብጥሜት ተጠቒዖም ገዛውቶም ዓጽዮም ሃጽ ኢሎም እግሮም ኣብ ዝመርሖም ይጠፍኡን ብጥሜት ይሃልቁን ምህላዎም ዓይንናኳ እንተዘይርኣየ እቲ ሕማቕ ወረስ ኣይትሓብኣናን። ንሰምዕ ኣሎና። ካብ ብኽያትን ጓህን ሓሊፍና ክንሕግዝ ብዘይምኽኣልና ከኣ ንሓዝን።
ስእሊ መልኣኽን ሰይጣንን ኣብ ክልተ ቅብኢ ብሓደ ሰኣላይ።
እግሪ እናደለየ ልቢ እናሓንገደ
ቀልቢ ብቁሩሩ ዝባን እናሞቐ
ጸጓር ንውሽጢ ወድዮ ስኒ እናሰሓቐ
ሽክና ብጥርሑ ደረት እናተነፍሓ
ሓሞት ብዝርጉ ልሳን እናነውሓ
ኣብ ምዝዛም ዓመተ ክልተ ሽሕን ሸውዓተን ዝወዓለት ናይ መወዳእታ ሰንበት ዕለት 30 ታሕሳስ ኣብ ከተማ ሎንዶን ብጻዊዒት ኣምባሳደር ተስፋሚካኤል ገራህቱ ዝተጸውዐ ናይ ህግደፍ ኣኼባ ከም ዝተኻየደ ካብቶም እሙናት ደቂ ውሻጠ ዝባሃሉ ኣብ ፈቐዶ እንዳ ሻሂ ክዕለል ቀንዩ’ሎ።
ኣንታ ንስኻስ ብሓቂ ኢሳይያስ ዲኻ?…. ገግየካ ‘ኮ !
እንታይ ገደሰካ ዲኻ ዝበልካኒ
ትም ዘይበልኩ ህዝበይ እንዳተበደለኒ
ንሓቂ ብቁሉዕ ክክሕዳ ትደልየኒ
እምበለይ ኣነስ ከይሰምዓካ ሕሩም ይኹነኒ::
በሉ ወይ ወረስ ኣይትበሉኒ፡ ወይ ድማ እቲ ዝግባኣኒ ሕድሪ ስውእ ኣውርሱኒ፡ ልዕልና ሕጊ ዘረጋግጽ፡ ኩናት ብሰላም፡ ዓመጽ ብፍትሒ፡ ዝትክእ። ሓድነት እዚ ሕላገቱ፡ ፍትሒ እዚ ባይትኡ፡ትርግታ ህዝቢ ኤርትራ ብኣንኹሮ ዝሰምዕ። ኣራግጻ እግሪ ሓደ፡ ንጥምርትን ስምርትን ብልጽግቲ ኤርትራ ዝሰርሕ ደምበ ተቓውሞ ኣውርሱኒ።