ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ስእላዊ መግለጺ ናይ 20 ዓመት ናይ ስራሕ ንጥፈታት ሃገረ ኤርትራ እንዳመላኽዕ ኣእዛን ዝቐድድን ንኣእምሮ ዘናውጽን መናፍሕ ክወቕዕ ወርሑ ኣሕሊፍ ኣሎ። ብሲምፖዚየም ጉዕዞ 20 ዓመት ናጽነት እንዳተባህለ ተራእዩን ተሰሚዑን ዘይፈልጥ ጉራ ክነዝሕ ንዕዘብ ኣለና። ዋላ ንቐልዓለም እኳ ይኹን እዚ ተጋጊና፣ ካብዚ ተማሂርና ትብል ቅንጣብ ቃል ኣይሞሎቆትን። ከመይ ዝበሉ ብጹኣን ድዮም? ጌና ዓለም ካባና ክትመሃር ኣለዋ ይብሉ ኣለው። ዓለም ብምልእታ ከምዝኸዓበቶም እንዳፈለጡ።
ኣብ ጀኔቫ ስዊዘርላንድ፡ ኣብ ቅድሚ ኣብያተ ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምኡ ‘ውን ኣብ ለንደን ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዝርከብ ፊት ኤምባሲ ስርዓት ህግደፍን ብዓይነቱ፡ ተሳታፍነቱን ናይ ተቓውሞ መንፈሱን ፍሉይ ዝኾነ ንውድቀት ዲክታተርያዊ ስርዓት ህግደፍ ዝጽውዕ ውዕዉዕ ዘላማዊ ሰልፊ ይካየድ ኣሎ።
ህዝቢ ሊብያ ነቲ ን42 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ መስፍናዊ ስርዓት ኮለኔል ሙዓመር ኣልቓዛፊ ብምውዳቕ ለውጢ ንምትእትታው ብርቱዕ ናዕቢ የካይድ ኣሎ።
ን30 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ፕረዚደንት ግብጺ ሑስኒ ሙባረክ፡ በቲ ንዝሓለፉ ክልተ መዓልታት ተጓሃሂሩ ሎሚ ዓርቢ 28 ጥሪ ናብ ጥርዙ ዝበጽሐ ህዝባዊ ናዕቢ መንግስቱ ክብትን ተገዲዱ።
ፓስፖርት ኤርትራ ክቕየር እዩ ካብ ዝብሃል ዕለት ጀሚሩ፡ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን ብፍላይ ከኣ እቶም ኣብ ዓዲ ዓረብን ዓዲ ጥልያንን ዝርከቡ ኤርትራውያን፡ ኣብ ዓቢ ፍርሒ ወዲቖም ይርከቡ።
ዓሚ ሕዳር ኣብ ልዕሊ ሮቤል ተወልደ ዝተባህለ ኣብ ለንደን ዓዲ እንግሊዝ ዝምቕማጡ ኤርትራዊ ተማሃራይ ዝተኸሰ ጀርመይን ካሉም ዝተባህለ ገበነኛ፡ ጉዳዩ ኣብ ቤትፍርዲ (Old Bailey) ድሕሪ ምስምዑ ናይ ሕልፈት ማእሰርቲ ይጽበዮ ከምዘሎ South London Press. ዝተባህለ ጋዜጣ ኣብ ናይ ትማሊ ሰሉስ ሕታሙ ሓቢሩ።
እቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ሊብያ ብዘየተኣማምና ጀላቡ ናብ ኤውሮጳ ዝሰግሩሉ ጉዕዞ ማእከላይ ባሕሪ ብቐጻሊ ሓደገኛ እናኾነ ይመጽእ ኣሎ።