እቲ ሸውዓተ ወርሒ ኣቢሉ ተሪፍዎ ዘሎ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራ፡ እንታይ ንግበር ወይ ነሰላስል ዝብል ኣርእስቲ ቀንዲ ናይቲ ኣኼባ ትሕዝቶ ዝነበረ ቅድሚ ምጅማሩ ሽማግለ ፖለቲካ ኣቶ ኣለም ዘቢብ ብዛዕባ ህልዊ ኵነታት ኤርትራን ህዝባን ስፍሕ ዝበለ መግለጺ ድሕሪ ምሃቡ፡ ቀጺሉ ኣቶ ሰዓድ መ/ሙሳ ኣባል ሃገራዊ ኮሙሽን ብወገኑ ብዛዕባ ሃገራዊ ኮሙሽን ኣልዒሉ ስራሓትን እንታይ ከምዝተሰላሰለን ኣብሪሁ።
ብቀዳም ዕለት 18.12.2010 ኣብ ዝተገብረ ክፉት ኣኼባ ፣ ብጉዳይ ሃገራዊ ዋዕላን ኣብ መደብ ዘሎ ሃገራዊ ጉባኤን ንኤርትራውያን ተቐማጦ ከተማ ዙሪክን ከባቢኣን መግለጺ ተዋሂቡ።
አብ ከተማ ሎራኽ(ጀርመን)ን አብ ከተማ ባዝል(ሰዊዘርላንድ)ን ከባቢታትን ንቕመጥ ኤርትራውያን ብቀዳም 15 ጥሪ ዘዳለናዮ መጠነ ሰፊሕ ኣኼባ-ህዝቢ ብድሙቕ ዓወት ተደምዲሙ፡፡
እቲ ንዓመታት ብምስምስ ሃገራዊ ክተትን መኸተን ካልእ ውዲታዊ ወፈራታትን፡ ግዜኡን ገንዘቡን እናመዝመዙ ኣብ ነንሕድሕዱ ከይራኸብን ከይዋሳእን ከኣ ብወገንን ሃይማኖትን ፈላልዮም ኣኣብ ገዝኡ ተወሲኑ ክነብር ተገይሩ ዝጸንሐ ኤርትራዊ ከተማ ሎስ ኣንጀለስን ከባቢኡን ትማሊ ቀዳም 9 ጥቅምቲ 2010 ብጉዳይ ሃገሩ ንኽላዘብ ልዕሊ 7 ሰዓታት ዝወድኤ ኣኼባ ገይሩ ውዒሉ።
እቲ ሰለማዊ ሰልፊ፡ ሰኑይ ነሓሰ 16፡ 2010 ዓ.ም. ከባቢ ፍርቂ መዓልቲ፡ ኣብ ኣፋፌት ህንጻ ናይ ከንቲባ ኣኒስ ፓርከር፡ ዝርከብ ሲቲ ሃል ዝበሃል ቦታ እዩ ነይሩ።
ጻማ ፍረቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨውዩ ናብ ጉጅለኣዊ ረብሓታቱ ንዘውዓለ ጉጅለ ህግደፍ ዝኹንን:ፍትሒ ዲሞክራሲን ሰብኣዊ መሰልን ዝጠልብ ዉዕዉዕ ሰላማዊ ሰልፊ ብ28 ለካቲት ኣብ ሃገረ ጀርመን ከተማ ፍራንክፈርት ተካዪዱ::
ዕላማ ናይዚ ሰላማዊ ሰልፊ’ዚ ነቲ ወትሩ ብህግደፍ ዝካየድ ደሞክራሲያውን ሃገራውን ተስፋ ዝንበ ኮነ ኣስተዋጽኦ ዘይውንን፣ ብዘይካ መአከቢ ገንዘብን ዝጎደላ ሳንዱቅ ህግደፍ መምልኣኢ እንተዘይዀይኑ ካልእ ፋይዳ ዘይብሉ ኣበርክቶ ኣልቦ ዝኾነ ፈስቲቫል ህግደፍ ንምቅዋም እዩ።
ኤርትራውያን ተቐማጦ ለንደን፡ መንግስቲ ምስሪ ምስ ውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ተሓባቢሩ፡ ኣማኢት ኤርትራውያን ስደተኛታት በስገዳድ ናብ ኤርትራ ምስጓጉ ብምቅዋም ኣብ ለንደን ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ምስሪ ዕዉት ሰላማዊ ስልፊ ኣካይዶም።