ኣብ ምስሪ፡ ኣብ ሓውሲ ደሴት ሲናይ ኣብ እትርከብ ከተማ፡ ሓያለ ኤርትራውያን ዝርከቡዎም 70 ስደተኛታት ብነጋዶ-ሰብ ኣብ ትሕቲ-መሬት ብሰንሰለት ተኣሲሮም ከም ጅሆ ተታሒዞም ድሕሪ ምቕናይ፡ “5 ሽሕ ዶላር ኣረክቡ ወይ ድማ ህይወትኩም ክትስእኑ ኢኹም” ተባሂሎም፡ ብኤለትሪክ ክፍልታት ኣካላቶም እናነደደ ይሳቐይዩ ከምዘለዉ፡ ዛጊት 10 ካብኣቶም ብኣሰቃቒ መንገዲ ከምዝተቐትሉ፡ እቶም ዝተረፉ ኸኣ ህይወቶም ኣብ ከቢድ ሓደጋ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝበጽሓና ሓበሬታ ከምዘመልክቶ ኣብቲ ብዕለት 10ን 11ን ሰነ ንኽልተ መዓልቲ ኣብ መንጎ ሰራዊት ኤርትራን ሰራዊት ጅቡትን ዝተኻየደ ውግእ ብወገን ኤርትራ 78 ከምዝተሞቱን 117 ዝተወግኡ ተፈሊጡ።