Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዓርከተይ ዓርከተይ ኢሎምላ፡ ብማሕላ
      ከይትድፈር ብጓና ብጕሒላ
 ጻሐይ ከይትህረም ክትራ ሰሪሖምላ
ንስለ ክብሪ-ቃልኪዳን ይሕልውዋ በቢታራ
 ኮይኖም አብታ ዋላ!
ሕጂ ተፈከርካ እንታይ ከዓብሰላ
ንሳስ ሐዳራ ክትወጽእያ ትጽዕር ዘላ!
ትም! ግዳ በል ከይትሐናኹላ።

ሰብ’ዶ የለን’ዩ ንበይነይ ዝቝንዞ
እንታይ ኣምጽኦ ሎሚ’ኸ ክንድዚ ቐንፈዞ
ዒራዒሮ ዊዓ ሓድሽ ምህዞ
ኣደራዕ ዓመጽቲ ምልኪ ዝኣዘዞ
ንወዲ ሰብ ርሱን ሓጺን ዘትሕዞ
ብሂወቱ ከሎ ምስ ምዉታት ዘጐዝጕዞ
ወሰን በል እንዳለ ንለባም ዘፍዝዞ
እዚ ምንታይ ንስልጣን በይኑ ክሕዞ

POST TAGS:

በንጻሩ ብበለጽ ዝሃጠረ
ኣብ በለጽ ዝጋማዳሕ
ግምጥል ክብል ዘይእግሞ
ንተጋዳላይ – ከዳዕ፡ ወያነ ክስይሞ፡፡
ጽባሕ ድማ ኣብ ዳግማይ ግርንቢጥ
ሓርበኛታት ምስተኣኻኽቡ
ካብ ጎደና ህዉታተ ምስ ወጹ
እቲ ኣብ በለጹ – እቲ ኣብ ሃገሩ፡
ዜግነት ይለዋወጡ።