እዋናዊ ዛዕባ ኣሽንኳይ ፋሕፋሕ ኢልና ተኣኪብናʼኳ ንጋዶ! እዚ ጽሑፍ ምስቲ ንርእዮን ንሰምዖን ዘጋጥምን እዋናዊ ጉዳያት ብምትእስሳር ዝጸሓፍ ውልቃዊ ርእይቶ ናይ ጸሓፊኡ ኢዩ፡፡ ስለ ዝኾነ ንዝኾነ ውድብ ምንቅስቓስ ማሕበር ኣይውክልን፡፡ ማዕሪኡ ንሓደ ውድብ ምንቅስቓስ ማሕበር ዕላማ ገይሩ ዝነቅፍን ዘወግዝን ኣይኮነን፡፡ ንኹልና ብሓባር እንታይ ኢና ንገብር ዘለና፡
እዋናዊ ዛዕባ ኣሽንኳይ ፋሕፋሕ ኢልና ተኣኪብናʼኳ ንጋዶ! እዚ ጽሑፍ ምስቲ ንርእዮን ንሰምዖን ዘጋጥምን እዋናዊ ጉዳያት ብምትእስሳር ዝጸሓፍ ውልቃዊ ርእይቶ ናይ ጸሓፊኡ ኢዩ፡፡ ስለ ዝኾነ ንዝኾነ ውድብ ምንቅስቓስ ማሕበር ኣይውክልን፡፡ ማዕሪኡ ንሓደ ውድብ ምንቅስቓስ ማሕበር ዕላማ ገይሩ ዝነቅፍን ዘወግዝን ኣይኮነን፡፡ ንኹልና ብሓባር እንታይ ኢና ንገብር ዘለና፡
ሻብዓይ ክፋል ኤርትራ ንኤርትራውያን! ንመን ..ድኣ? ሻብዓይ ክፋል ጽሑፈይ ከምቲ ዝሓለፈ ክፋላት ጽሑፈይ ዘይኮነ፡ ንጹር መርገጺኻን እምነትካን ተረጋግጸሉ ኣዝዩ ከቢድ ትብዓትን ምስትውዓልን ምምርማርን ዝሓትት ትሕዝቶ ዝሓዘ ኢዩ፡፡ ስለ ዝኾነ ማዕረ ማዕረ ምዝርግሑ ጫውጫው ምባልን ናይ ጸለመ ዳርባታትን ክመጻኒ ምዃኑን ኣቐዲመ ዘረጋገጽኩዎ ኢዩ፡፡ የግዳስ ክነትዕ ዝግበኦ
[gview file="http://demo.archive.assenna.com/wp-content/uploads/2014/10/endabaguna-pdf.pdf"]
ሻድሻይ ክፋል ኤርትራ ንኤርትራውያን ! ንመን ድኣ….? ሓሙሽተ ክፋላት ጽሑፍ ኤርትራ ንኤርትራውያን ንመን ድኣ…? ከም መእተዊ ናብቲ ቀንዲ ዛዕባናን ገለ ገለ እዋናውያን ጉዳያትን ዘጠቓለለ ኢዩ ነይሩ፡፡ ማዕረ እቶም ብወገነይ ዝቐረቡ መእተውን መረዳድእን ሓሳባት፡ ብብዙሓት ነበብቲ እዚ ጽሑፍ ዝቐረበ ርእይቶን ነቐፌታን ምኽርን እውን ጽሑፈይ ዕሙቀትን ስፍሓትን
ራብዓይ ክፋል ኤርትራ ንኤርትራውያን! ንመን ድኣ…? ሰለስቲኡ ክፋል ናይዚ ዘልዓልኩዎ እዋናዊ ዛዕባና ላዕሊ ላዕሉ እምበር፡ ነቲ ምትኳስ ዘድልዮ ጡጥ ኢሉ ዝሓበጠ ቁስልና ኣይተናኸፍክዎን፡፡ እዚ ጽሑፍ ኣብ ማእከል መሬት ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ኮይነ እየ ዝጽሕፎ ዘለኹ፡፡ ገለ ገለ ወሃብቲ ርእይቶ ኣብ ኢትዮጵያ ስለ ዘለኻ ኢኻ እምበር
ካልኣይ ክፋል ኤርትራ ንኤርትራውያን! ንመን ድኣ..? ካብቲ ዝመጻኒ ብዙሕ ርእይቶታት ገለ ምስቲ ኣነ ዝጽሕፎ ዘለኹ ሓሳብ ዘይሳነ ሕቖን ከብድን ኮይኑ እየ ረኺበዮ፡፡ ስለ ዝኾነ ነቶም ጽሑፈይ ምስ ሰሚት ቦለኛ ብምትእስሳር ናብ ካልእ ጫሌዳ መገዲ ከተትሕዝዎ ዝፈተንኩም፡ ኣይፋልኩምን እዚ ጽሑፍ ምስ ሰሚት ቦለኛ ዝኾነ ዘራኽብ
ሳልሳይ ክፋል ወያነ…! ወያነ…! ወያነ! ክሳብ መዓስ..? እዚ ጽሑፍʼዚ ከምቲ ቀዲመ ኣብ ክልተ ክፋላት ጽሑፋተይ ዝገለጽኩዎ ንህሉው ኩነታት ሃገርናን ጉጅለ ስርዓት ህግደፍን ብመንጽር ደምበ ተቓውሞ ዝኸዶ ዘሎ ዘገምታዊ ኣካይዳ እናኣነጻጸረ ዝገልጽን ዝጸሐፍን ዘሎ ጽሑፍ ኢዩ፡፡ ስለ ዝኾነ ኣርእስቲ ጽሑፈይ ምስቲ ቀንዲ
ካልኣይ ክፋል ህግደፍን ውድባትን ኣብ ሓደ ሓዲድ እዚ ጽሑፍʼዚ መቐጸልታ ናይቲ ካብ ፈጣሪኣስ ፋሕጣሪኣ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ቀዳማይ ክፋል ዝተጻሕፈ ጽሑፍ ኢዩ፡፡ ምስ ህልው ኩነታት ጉጅለ
ቀዳማይ ክፋል ካብ ፈጣሪኣስ ፋሕጣሪኣ ብዜካ እቶም ኣዒንቶም ዝዓወሩ ሕሉፋት ደገፍትን ምስ መላኺ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ደም ንጹሃት ኤርትራውያን ኢድ ዝመለሱ፡ ምስኡ ሞትና ምስኡ ጥፍኣትና ዝበሉ ገበነኛታት ገዲፍካ፡ ኣብዝሓ ህዝቢ ኤርትራ ቅልጡፍ ለውጢ ክመጽእን
ጉጅለ ኢሳይያስ ብቛንቋ ካላሽን ጥራይ ኢዩ ዝእለ ከምዚ ዓይነት ኣርእስትን ሓሳብን ኣብ ዝመጻሉ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣብ ምድንጋጽን ሻቕላን ይኣትዉ ኢዮም፡፡ ርእዮ ብርእዮ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራን ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን ኲናት ዝኣወጅካን ንውግእ ሕድሕድ ኣሕዋት ኤርትራውያን ትደፍእን ተጓሃህርን ዘለኻ ስለ ዝመስሎም፡፡ ብርግጽ ኣብ ሰብዓታትን መጀመርያ ሰማንያታታትን ኣብ
ነጻነት ኤርትራ ብከቢድ መስዋእቲ ምስተረጋገጸ፡ኣብ 1991 ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ጊዚያዊ መንግስቲከም ዘቖመ ዝዝከር’ዩ። እቲ ቀንዲን ፈላምን ዕላማ ቅዋማዊመንግስቲንምቛም ስለዝነበረ፡ ኣብ 1991 ጊዚያዊ ሃገራዊ ባይቶኤርትራከም ዝቐውምተገይሩ። ዕማም ናይቲ ባይቶ ንቅዋማዊመንግስቲ መሰረት ዝኸውን ርእሲ ኩሉ ሕጊ ዝኾነ ቁዋማዊ ሕጊ ንምንዳፍን ንምጽዳቕንኢዩ ነይሩ።ስለዝኾነ ድማ ጊዚያዊ መንግስቲ ኤርትራ
ካልኣይ ክፋል ሓሽከት ውድባትን ማሕበራትን ቃልሲ የዐውታ’ዶ…? ኣብ ቀዳማይ ክፋል እዚ ዓብን ተኣፋፍን ግን ከኣ ግድን ክንዝትየሉን መቐይሮ ክንገብረሉን ዘለና ኣርእስቲ ጽሑፈይ፡ ብኤርትራውያን ስደተኛታት ፕሮፌሰር ዳን ኮነል ተሓቲቱ ዝሃቦ መልሲ እንታይ ነበረ፡ ኣብ
ቀዳማይ ክፋል ሓሽከት ውድባትን ማሕበራትን ቓልሲ የዓውታ’ዶ? ኣብዚ ዝሓለፈ ዓሰርተው ዓመታት ውድብ ምስራሕ ከም ተራ ዱኳን ተቖጺሩ ውድባት ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ ክንጫጭሓን ብዘይ ገለ ገደብ ክባዛሓን ኣባይታ ዝረኣናዮን ዘሎን ዝተጨበጠ ሓቂ ኢዩ፡፡ምርባሕ ውድባት ትርጉም የብሉን ክብሉ ዝጸንሑ ከይተረፉ ውድብ ክሰርሑን ክፍንጥሑን
ናጽነት ኤርትራ ፍረ 20 ሰነ መዓልቲ ስውኣት እያ፡፡ 20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ: ንኹሎም እቶም ንስለ ናጽነት ህይወቶም በጃ ዝኸፈሉ ጀጋኑና ብፍሉይ እንዝክረላ: መብጽዓና እነሓድሰላ: ክብርቲ ዕለት ስለ ዝኾነት፡፡ እቲ ምንታይ ጀጋኑና ንሞት እናተቐዳደሙ ግንባሮም እንተዘይህቡ፡ ኣነ ክሓልፍ ንስኻ ስዓብ ሕመረት መትከሎም እንተዘይ ገብሩ፡ 24
ሳልሳይ ክፋል ብርዒን ጥንሲ መናእሰያት ህግደፍ ጽሑፈይ ብሓንቲ ዋዛ ትመስል ሓሳብ እየ ክጅምሮ፡፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ሓደ ካብ ቀረባ ፈለጥየይ ዝኾነ ገዲም ጋዜጠኛ ሚኒስትሪ ዜና ዝነበረ ዘዕለለኒ ኢያ፡፡ ኣብ መጀመርያ ዓመታት
ብርዒን ጥንሲ መናእሰያት ህግደፍ ቀዲመ ኣብዚ ዝሓለፈ ሓደ ሰሙን ጠፊእካ ብምባል ዝሰደድኩምለይ መልእኽትን ምትብባዕን ብልቢ የመስግነኩም፡፡ ብዛዕባ እታ ነዊሕ ግዜን ጻዕርን ዝገበርኩላን ዝሓለፋን መጽሓፍ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ክዝርጋሓ እየ፡፡ መጽሓፍ ናብ ማሕተም ከተእቱው ብጣዕሚ ከቢድ ኢዩ፡፡ እሞ ድማ ኣብ ከምዚ ኣነ ዘለኹዎ ናይ ስደት
ባኒ ንሰራሒኣ ሃባ፡፡ የማን ጸጋም ዘየገላብጥ ምስላ ዓረባውያን ኢዩ፡፡ ዘድልየካ ዘሎ ባኒ እንተኾይኑ ፍቶ ጽላእ ንሰራሒ ባኒ ክትህቦ ኣለካ፡፡ እንተስ ቆርሚሙ እንተስ ሸርሚሙ ባኒ ክህበካ ኢዩ፡፡ ንኻልእ እንተ ሂብካዮ ግን ባኒ ዝበሃል ኣይክትረክብን ኢኻ፡፡ እዚ ምስላ’ዚ ንኹሉ ኣብ ዘዝገጥሞ ልዓቱ ስኹዓዮ፡፡ ንኹሉ ዘዝኽእሎ ሃቦ፡፡ ነፍሲ
ሎሚ እቲ ቁጠባውን ፖለቲካወን ኩሉእንትናዊ ሃብቲ ሃገር ገቢቱ መላኽነቱ ዝኣወጀ፡ ዲክታቶርያዊ መራሒ ጉጅለ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ሞተ ሰረረ ጋዕገልጠም እበሃል ኣሎ፡፡ ብርግጽ ኢሳይያስ ብጽኑዕ ሓሚሙ ኣብ ከቢድ ሕክምናዊ ክንክን ኣብ ሃገረ ዱባይ ንሓጺር ግዜ ከም ዝነበረ ውን ተፈሊጡ ኣሎ፡፡ሕማም ገባቲ መራሒ ኢሳይያስ ሕጂ ናብ
ርጉም ኣንበጣስ ግራትካ በሊዑ ኣብ ደጎልካ ይሰፍር ይበሃል፡፡እዚ ምስላ’ዚ ከምዚ ገጢሙና ዘሎ ተካል ርካብ ምስተረኽበ ኢዩ ዝተባህለ፡፡ ኢሳይያስ ደምና ሰትዩ፡ ስጋና በሊዑ፡ የዕጽምትና ጊሂጹ ገና ገና ጠላሕ ኣይበሎን፡፡ሕጂ ውን ንፍጹም ጥፍኣትና ባዶሽ ሕልምታቱ ከተግብር ኣብ መጋርያ ኲናት ጠቢሱ ከህልቐና ተቐሪቡ ኣሎ፡፡እቲ ዝገርም ከኣ 21 ዓመታት
ሕሱም ሰጓጊ ናብ ግልጽ የብጽሕ!! ብርግጽ!! ኣብታ ብኹቡር መስዋእቲ ኣማኢት ኣሽሓት ሰማእታት ዝተገዘምናያ እንፈትዋ ሃገርና ኤርትራ ፍትሕን ዲሞክራስን እንተ ዝነግስ፡፡ቅዋምን ቅዋማዊ መንግስትን እንተዝትከል፡፡መናእሰያት ብጉልባብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ዘመናዊ ናይ ግልያነት ስራሕ እንተዘይ ንቑረን፡፡ንውለቀ ዝናን ትምክሕትን ሓደ መላኺ ሕሉፍ በሰላና እንከይሓየ ዕሸላት መናእሰያት ኣብ ዘይኩዉን ኲናት
ኣብ ዝሓለፈ ዜናታት ኣሰና ቦኽሪ ወዱ ንመለኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብርሃም ኣብ ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ልዑል መዝነት ተዋሂብዎ ዝብል ዜና ተዘርጊሑ ነይሩ፡፡እዚ ሓበሬታ’ዚ ቀዲሙ ኣብ ኣእዛና በጺሑ ነይሩ ኢዩ፡፡ኮይኑ ግን ንምእማኑ ፍጹም ኣጸጊሙና፡፡ብቐዳምነት ኢሳይያስ እምብዛ ጨኪኑ እንተጨከነ ኣብ ውሉዱስ ኣይጭክንን ኢዩ ኢልና፡፡ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓላፍነታት ምስኳዕ
እቲ ኣብ ግንቦት 1998 ዓ/ም ብዝሰኸረ ትምክሕቲ ንዝና ውልቀ ኢሳይያስ ብሰበብ ባድመ ዝተባረዐ ኣዝዩ ኣስካሕካሒ ኲናት ማእለያ ዘይብሉ ሂወት ክልቲኡ ወገናት ቀዚፉ ኢዩ፡፡ከቢድ ቁጠባዊ ሃስያን ዕንወትን ኣብ መንጎ ክልቲኡ ሃገራት ኣውሪዱ ኢዩ፡፡ህዝብታት ክልቲኡ ሃገራት ተመዛቢሉ ፋሕ ፋሕ ኢሉ’ዩ፡፡ብሰንኪ ’ዚ ምዝካሩ ዘጽልእ ኣህላቕን ኣስካሕካሕን ኲናት ልቢ
ቅድሚ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ፈላሚ ጉባኤ ኤርትራውያን ኣብ ከተማ ኣዋሳ ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ ካብ ውሽጢ ኣደራሽ ጉባኤ መልሓስ እቲ ውሕጅ ዝብል ጽሑፍ ኣቕሪበ ነይረ፡፡ብርግጽ ከምቲ ሽዑ ዝበልኩዎ ጉባኤ ኣዋሳ መልሓስ ናይዚ ድሒሩ ዝመጽእ ከቢድ ማዕበላዊ ውሕጅ እምበር እቲ ውሕጅ ብቐንዱ ኣይነበረን ፡፡ ሎሚ ሰርቢ ከቢድ ደበና
እዚ ካብ ልባዊ ሓልዮትን ሓቀኛ ባህግን ዝነቐለ ጽሑፍ፡ኣብ ኣንበብቲ ኣጉል ርድኢት ከይፈጥር ቀዲመ ከዘኻኽር እደሊ፡፡እቲ ምንታይ ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ.ን ናቱ መጋበርያ ልኡኻትን ባዕልና ኣብ እንፈጥሮም ፈቓቓት ኣትዮም ስጡም ናይ ቃልሲ ሓድነት ንኸይንምስርት ክዘርጉ ከይደቀሱ ከም ዝሓድሩ ክንዝንግዕ ኣይግባእን፡፡ድሮ ውን ብጉልባብ እተን ክልተገጽ ናይ ሓደ ሳንቲም
ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ራእይናን ዓቕምታትናን ነስምር!!! እዚ መርሓ ጭረሖ ፈላሚ ጉባኤ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኢዩ፡፡ እቲ ካብ 21 ክሳብ 30 ሕዳር 2011 አብ ከተማ ኣዋሳ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ፈላሚ ታሪካዊ ጉባኤ ኤርትራውያን ኣብ ስሚዒት ተጋባእቲ ዘንተ እለት ዝሕደስ ዝኽርን ጦብላሕታን ገዲፉ’ዩ፡፡ ብዙሐት ብዓይኒ ከቢድ ስግኣት ንመንግስቲ
ብመጀመርያ ዝኸበረ ሰላምታይ እብጻሕኩም፡፡ ብምቕጻል ነቲ ከይተሓለልኩም ተካይድዎ ዘለኹም ኣዝዩ ኣድካሚ ዕዉት ስራሓት ናእዳ ዝግበኦ ምኻኑ ከዘኻኽር እደሊ፡፡ ካብ ዋዕላ ተበጊሱ ናብዚ ፍረ’ዚ ምብጽሑ ድማ እንቋዕ ሓጎሰና!! ዝኸበርኩም ኣሰናዳእቲ ጉባኤ ሃገራዊ ኮሚሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ኣብ ብዙሕ መዳያት ኤርተራውያን ኣበርክቶ ክገብሩ ጻውዒትኩም ከም ዘቕረብኩም ኣይረሳዕኩን፡፡ ኮይኑ
ብመጀመሪያ ነዚ ኣዝዩ ንእሽቶ ጽሑፋዊ ኣበርክቶይ ግዜኦም ወፍዮም ዘንብብዎ ተኸታተልቲ ከመስግኖም እደሊ፡፡ ምንባብ ጥራይ ዘይኮነ ንዝረኣዮም ጉድለታት ብኹፉት ልቢ ንኽእርሞ ዘዘኻኽሩኒ፡ምኽሮም ዝልጉሱለይ፡ዘተባብዑኒ ብምዃኖም ደጊመ ብልቢ የመስግኖም፡፡ኣብ ዝሓለፈ ካልአይ ክፋል ጹሑፈይ ነቲ ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ኣንጻር ቶታሊተርያን ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ዝተገብረ ዓቢ ናይ ተቓውሞ ሰላማዊ ሰልፊ ብዓቕመይ
ኲናት ናይ መለኽትን ገበትን ንግዲ ኢዩ፡፡ውግእ ቅትለት ዕንወት ኣብ ዝኾነ ይኹን ግዜን ቦታን ቁቡል ኮይኑ ኣይፈልጥን ኢዩ፡፡ዋላ እቲ ተገዲድካ እትኣትዎ ኲናት ምረት በሰልኡ ዘንተ እለት ካብ ኣእሙሮ ዜጋታት ኣይሃስስን ኢዩ፡፡ ከም ባህሪ ቶታሊተርያን ስርዓታት ኲናት ፍቱን መጻንሒ መድሃኒቶም ኢዩ፡፡ እቲ ምንታይ እቲ እነኮ ኣብ መንበረ
ብስም ኩሉ ደላይ ሰላመን ደሞክራሰያዊ ለውጥን ኣገናዕ ምንቅስቓስ መናእሰያት E.Y.G.M. ኣመሪካ፡፡እቲ ኣብ ልዕሊ ማፍያዊ መሪሕነት ህ.ግ. ደ.ፍ. ኢሳይያስን መሰልቱን ዝወሰድኩሞ ተባዕ ተበግሶ፡ ውጹዓት ወገናት ጸባ ዘስተየን ባብ ለውጢ ምሉእ ብምሉእ ንኽርሓው ንዝተታኸስና ዘበራበረን እዋናዊ ጉዳያትና ኢዩ፡፡ኢሳይያስን መሳስይቱን ድሕሪ ደጊም ገጽ ኒውዮርክ ኣይክርእዩን ኢዮም፡፡ ዘይከም ሓሶታዊ
ሰላም ኣብ ውሽጥን ወጻእን እትርከቡ ኩቡራት ኣሕዋት ደቂ ኤረይ ጻዕዳ፡፡እንቋዕ ናብ ብርሃነ መስቀል ብሰላም ኣብጸሓና፡፡ሎሚ ኣብ ድሮ በዓል መስቀል ኮይና ዓኾዃይ ዓኾዃይ ገዓት ሓምሊ ውጻእ ገዓት ጠስሚ እቶ፡እንብለሉ ኣብ ክልተ ገጽ ናይ መድረኽ መቐይሮ ኢና ዘለና፡፡በቲ ሓደ ካብ ዘመነ ሉቋስ ናብ ዘመነ ዮውሃንስ እንሰጋገረሉ መድረኽ
ካብ ዝሐለፈ መፋርቕ ወርሒ ነሐሰ 2011 ዓ/ም እቲ አብ መበል 21 ክ/ዘ ጸሊም ዘይርሳዕ ገበን አብ ልዕሊ ገዛእ ህዝቡን ሃገሩን ዝፈጸመ ኤርትራን ኤርትራውነትን ፍጹም በታቲኑ ብምብራስ ካብ ዝከፈአ ናብ ዝገደደ መዓሙቕ ድሕረትን ድኽነትን ዝሸመመ ገባቲ መሪሕነት ህ.ግ.ደ.ፍ. ብላዕለዋይ ማፍያዊ መራሒኡ ተማእዚኑ ነቶም ድሕሪ ጸሐይ ብራቕ
ካብ እዝኒ ብዝበለጸ ዓይኒ ተኣማኒ ምስክር ኢዩ፡፡ ብርግጽ!! ምርኣይ ምእማን ስለዝኾነ፡፡ ምብራዕ ኩናት ባድመ ወዝቢ ብሃንደበት ዘጋጠመ ፍጻመ ወይ ውን ብናይ ደገ ሓይልታት ዝተስገደደ ዝተሰነዐ ናይ ዶብ ኩናት ዘይምኻኑን ዘይምንባሩን ኣጸቢቖም ዝፈልጡ ዜጋታት ብዙሓት ኢዮም፡፡
ብመጀመሪያ ንኹሎም ካብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ብመገዲ ኢሜይለይ ትሰዱለይ ዘለኹም ሃናጺ መአረምታን ርእይቶን ምትብባዕን ብልቢ ከመስግነኩም እደሊ፡፡ ብምቅጻል ሚስጢር ምብራዕ ኩናት ባድመ ከም መብጽዐ ቃለይ ኣብ’ዚ ሳልሳይ ክፋል መደምደምታ ክገብረሉ ብዘይምኽኣለይ ንኹሉ ተኸታታሊ እዚ ታሪኻዊ ጽሑፍ እቕሬታ ክትገብሩለይ ብትሕትና እሓትት፡፡
ብመጀመሪያ ንኩሉ “ሳቦያ ንዳግማይ ምሕራር ህዝብና ካብ ባርነታዊ መግዛእቲ መላኺ ኢሳይያስን ቁንጮ መሪሕነት ህ.ግ.ደ.ፍ.ን!!” ብምባል ብዓው ዝበለ ስሙር ድምጺ ብደሆ ንምቕያር! ዘቃልሕ ዘሎ መደባት ኤርትራዊ ዜጋ ዝኸበረ ሰላምታይ ይብጻሕካ፡፡ በዚ ኣጋጣሚ ንኩሎም ካብ ነዊሕ ግዜ ብመንገዲ ኢመይለይ ሃናጽን ኣተባባዕን ርኢቶን መእረምታን ሓበሬታን ዝሰደድኩምለይ ኣሕዋትን ኣሓትን ከየመስገንኩኹም ክሓልፍ ኣይደልን፡፡
ምብራዕ ኲናት ባድመ ንእለቱ ተmምጢዑ ከይበኾዐ ዝተሰንከተ ሌጣ ቅጫ ኣይነበረን፡፡ ከምቲ ብተደጋጋሚ ናይ ስልበጣ ቃል ገበነኛ ኢሳይያስን መንደዃድክቱ መሪሕነትን ዝበሃል ብናይ ደገ ሐይልታት ዝተሰገደደ ዝተሰነዐ ናይ ዶብ ኲናት ውን ኣይኮነን፡፡
ሃገርና ኤርትራ ካብቲ ሕሱምን መሪርን ተኸታታሊ ኣድራዕ መግዛእቲ ባዕዲ ተገላጊላ ኣኸሊል ናጽነት ካብ ትጭብጥን ትዓትርን እነሆ ዝመጽእ 24 ግንቦት 2011 ድፍን 20 ዓመታት ትመልእ ኣላ፡፡
ሓደ ካብቶም ድመቕ መጻኢ ብርሃን ሃገር ክኾኑ ዝተሓረዩ ፍሉይ ባህርያዊ ትዕድልቲ ዝነበሮም ብኣጻብዕ ዝቑጸሩ መንእሰያት ኢዩ። ተዋዛያይ ተጻዋታይ ዓውዓው በሃሊ ቂምታ ዘይሕዝ ነጻ ሰብ ኢዩ። ዝመስሎ ቅኑዕ ዝበሎ ካብ ምዝራብን ዝተራአዩ ይኸውንዩ ካብ ዝበሎ ምግባርን’ውን ድሕር ዝብል ሰብ ኣይነበረን።