Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብርዒን ጥንሲ መናእሰያት ህግደፍ – ካልኣይ ክፋል

     ብርዒን ጥንሲ መናእሰያት ህግደፍ ቀዲመ ኣብዚ ዝሓለፈ ሓደ ሰሙን ጠፊእካ ብምባል ዝሰደድኩምለይ መልእኽትን ምትብባዕን ብልቢ የመስግነኩም፡፡ ብዛዕባ እታ ነዊሕ ግዜን ጻዕርን ዝገበርኩላን ዝሓለፋን መጽሓፍ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ክዝርጋሓ እየ፡፡ መጽሓፍ ናብ ማሕተም ከተእቱው ብጣዕሚ

     ብርዒን ጥንሲ መናእሰያት ህግደፍ

ቀዲመ ኣብዚ ዝሓለፈ ሓደ ሰሙን ጠፊእካ ብምባል ዝሰደድኩምለይ መልእኽትን ምትብባዕን ብልቢ የመስግነኩም፡፡ ብዛዕባ እታ ነዊሕ ግዜን ጻዕርን ዝገበርኩላን ዝሓለፋን መጽሓፍ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ክዝርጋሓ እየ፡፡ መጽሓፍ ናብ ማሕተም ከተእቱው ብጣዕሚ ከቢድ ኢዩ፡፡ እሞ ድማ ኣብ ከምዚ ኣነ ዘለኹዎ ናይ ስደት ሃዋሁ እቲ ክብደት መሊሱ ኢዩ ዝውስኽ፡፡ ብናይ ብዙሓት ደለይቲ ለውጢ ምድግጋፍ ግን ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ኣብ ኢድ ኩሉ ነባቢ ንኽትበጽሕ ክጽዕር እየ፡፡ ገበር እዛ ቦኽሪ መጽሓፈይ ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ ኩሉ መራኸቢ ብዙሓን ክዝርግሖ እየ፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ቀዳማይ ክፋል ጽሑፉይ ምምስራሕ ዓቕሊ ጽበታዊ ጥንሲ መናእሰያት ህግደፍ ካብ ንቡር ወጻእን ብርዒንን ከም ዝኾነ ኣመታት ሂበ ነይረ እየ፡፡ ሕጂ ውን ዓው ብዝበለ ድምጺ እዚ ዘይንቡር ጥንሲ መናእሰያት ህግደፍ ክቐውም ዘይክእል ብርዒንቶ ኢዩ፡፡ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝርከብ ህዝቢ ቅትለትን ምእሳርን ምልክን መሪርዎ ይኣክል እናበለ፡ እግሩ ናብ ዝመረሖ ብጅምላ እናተሰደደ፡ ካብቲ ዘንድሕ ሓዊ ኣሽሓት ኪሎ ሜተር ርሒቕካ በረድ ተጎዝጊዝካ ነዚ ቀታሊ ስርዓት ከተድሕን ትንፋስ ክትሰኹዓሉ ዝከኣል ኣይኮነን፡፡ ከም ጸያቒ ዓጺድ ናህሪ ህዝባዊ ቃልሲ ከተዓናቕፍ ከም መናእሰያት ህግደፍ ዓይነት ጸያቒቶ ምርኣይ ድማ ዝገርም ኣይኮነን፡፡ ስርዓት ህግደፍ ኣብ መጠረሽታ ሰዓታት ዕርበቱ ኣብ ዝተቓረበሉ ኩሉ ናይ ክፍኣት ሽርሕታት ክፍትንን ክገብርን ምዃኑ ስለ እንፈልጥ፡፡

ኣብዛ ንነብረላ ዓለም ህዝቢ ንሃገሩ ኪሒዱን ከዲዑን ክበሃል ተሰሚዑን ተራእዩን ኣይፈልጥን ኢዩ፡፡ ውልቀ ሰባት እንተስ ብረብሓ የዒንቶም ዓዊሮም፡ ሓደው ግቡእ ሓበሬታን መረዳእታን ብዘይ ምርካቡን ወይ ውን ብግላዊ ቂምታን ዘይ ምስምማዕን ንህዝብን ሃገርን ክኸድዑ ይኽእሉ ኢዮም፡፡ እንተ ህዝቢ ከዲዑን ኪሒዱን ዝብል ውንጀላ ግን ኣብዛ ንነብረላ ዓለም ስርዓት ህግደፍ ንመጀመርያ ሪከርድ ዝሓዘሉ ኣበሃህላ ኢዩ፡፡ ምልክነት ህግደፍ የብቅዕ ብዓውታ ዘቃልሕ ዘሎ ህዝቢ ኢዩ፡፡ እቶም ደርፊ ዝደግሙ ቅንጣብ ፖለቲካዊ ኣፍልጦ ዘይብሎም መናእሰያት ህግደፍ ክደግምዎ  ካብ ልቢ ንሓዝን፡፡ ንህዝብን ሃገርን ከዲዖም ወጽዓን ኣውያትን ወገናትና ኣይንሰምዕን ብምባል ንሓራድን ቀታልን ዓማጽን ፍንፉን ስርዓት ካራ ዘቐብሉ ዘለው ግን ንሶም ኢዮም፡፡

ከም ውልቀ ርእይቶይ ትማሊ ይኹን ሎሚ ከምኡ ውን ጽባሕ ስለምንታይ ደገፍትን መናእሰያት ህግደፍን ይኾኑ ዝብል ተቓውሞን ኩነኔን የብለይን፡፡ ከምቲ ቀዲመ ኣብ ቀዳማይ ክፋል ጽሑፈይ ዝበልክዎ እዞም ከም ጸያቂ ዓጺድ ህግደፍ ዝኣኻኸቦም መናእሰያት ደገፍት ኣምለኽትን ናዚ ሂትለር ክንከውን ንደሊ ኢና እንተበሉ ውን መሰሎም ኢዩ፡፡ የግዳስ ስርዓት ህግደፍ ሕጹብ ኢድ ከም ጲላጦስ ኢዩ፡፡ ህግደፍ ሕግን ግዝኣተ ሕግን ኣይረገጸን፡፡ ህግደፍ ሃገር ይሃንጽን የልምዕን ኣሎ፡፡ ህግደፍ ሕድርን መብጽዓን ጀጋኑ ስውኣትና ኣይጠለመን፡፡ ህግደፍ ንሓድነት ኤርትራውያን የደልድሎ ኣሎ፡፡ ንዝብል ግጉይ ዘይኮነ ኣብ ባይታ ውን ፍጹም ዘየለ ሓሶት ንዘጋውሑ ደው ኢለ ክቃወምን እቲ ግቡእ ሓበሬታ ናብቶም ኣብ ዘይፈልጥዎ ናይ ደም ቀላይ ጦምቦላሕ ኢሎም ዝኣትዉ ዘለዉ መናእሰያት ህግደፍ ከረድእን ሓላፍነትን መሰልን ኣለኒ፡፡ ኣብ ግዜና ከምዚ ናቶም ንህግደፍ ደርፊ ብምድጋም ብብጥቓዕ ገንዘብ ብምውጻእ ዘይኮነ፡ ብስብከታቱ ተታሊልና ምስ ሞት ተጋፊጥና ሰንኪልናን ከርቲትናን ኢና፡፡

ህግደፋውያን ንምሕሳው የዒንቶም ብጥረ ጨው ዝተሓጽቡ ኢዮም፡፡ እቲ ዝተኻሕንሉ ጓሐፍ ስረሖም ናይ ጠቐነ ጠቐር ምቕባእን ምውንጃልን ምሕሳውን ኢዩ፡፡ ንዕስራን ክልተን ዓመታት ንህዝቢ ኣብ ባይታ ዘየለ ግጉይ ሓበሬታ ከም ዝሰንቕ ገይሮሞ ኢዮም፡፡ ኣብ መንጎ ነቲ ስርዓት ይዕግብ ኣሎ ኢሉ ዝቃወምን ሰኣን ኣፍልጥኡ ኮበሮ ህግደፍ ዝድስቕን ብሽፍኑ ዕዉር ጽልኢ ከም ዝፍጠር ገይሮም ኢዮም፡፡ ኣብዚ ሳልስቲ ካብ ዘጋጠመኒ ነገራት ሓደ ካብኡ ኢዩ፡፡ ካብ ሃገረ ሆላንድ ኢየ ዝብል ሓደ ሰብ ደዊሉለይ፡፡ እቲ ዝርዝር ብዙሕን ነዊሕን ኢዩ፡፡ ብርግጽ ውን እንተስ ብሩሑቕ እንተስ ብቐረባ ዝፈልጠኒ ኢዩ፡፡ ኣብ መጠረሽታ ዝበለኒ ግን ብጣዕሚ ዘሕዝን ኢዩ፡፡

ኣብ ሳዋ ኣብ ኣስመራ ንፋለጥ ኢና ኢሉኒ፡፡ ግርም ሕራይ ምፍላጥ ዝመስልዎ የለን ክብል መሊሰሉ፡፡ ንስኻ ኤርትራውን ሃገራውን ኣይኮንካን ደጊሙ፡፡ ብኸመይ ኣብ ሳዋ እፈልጠካ ኢየ ኢልካኒ፡፡ ንሳዋ ዘይ ኤርትራዊ እንታይ ክገብር ከይደ ደጊመ ተወኪሰዮ፡፡ ኣራንሺ ንህዝቢ ትጸርፍ ኣለኻ፡፡ ንመንግስቲ ተናሽዎ ኣለኻ፡፡ ሕድሪ ስውኣት ትጠልም ኣለኻ፡፡ መፍቶ ወያነ ጌርካና፡፡ ክብል ካብ ጎድፍ ስብከታት ህግደፍ ዝተሰረፎ ግዕዘይ ቃላት ኣዝኒቡለይ፡፡ ብብዙሕ መገዲ ከረድኦ ፈቲነ፡፡ ህዝቢ ተበዲሉ፡ መብጽዓ ስውኣትና ተጠሊሙ፡ ቅዋማዊ መንግስቲ ይተኸል፡ ፍትሕን ዲሞክራስን ይንገስ፡ ናይ ፖለቲካን ሕልናን እሱራት ይፈትሑ፡ ስደት ወገናትና የብቅዕ እየ ዝብል ዘለኹ፡፡ ህዝቢ ትጸርፍ ኣላኻ ዝበልካኒ ግን ገሪሙኒ፡፡ ህዝቢ እኮ ምልኪ መሪርዎ እግሩ ናብ ዝመረሖ ኢዩ ዝስደድ ዘሎ፡፡ ኣብዚ ዘለኽዎ ኢትዮጵያ ልዕሊ ሰብዓ ሽሕ፡ ኣብ ሱዳን ልዕሊ ሚእትን ሓምሳን ሽሕ ኣብዚ ዓሰርተው ዓመታት ኢዩ ተሰዲዱ ዘሎ ክብለ መለስኩሉ፡፡ ከምቲ እናፈለጠ ዝሞተስ እናሰመዐ ቅበሮ ዓይነት ስለዝኾነ፡ ንሱ ዝብሎ እምበር ካልእ ዝብሎ ክሰምዕ ፍቓደኛ ኣይኮነን፡፡ ኣብ መጠረሽታ ኣነ ካብቶም ትጸርፎም ዘለኻ መናእሰያት ህግደፍ እየ ኢሉኒ፡፡ ካብቶም ከይፈለጡ ጋሻ ውሕጅ ዝኣኻኸቦም እንተኼንካ የዒንትኻን ኣእዛንካን ይኽፈተልካ፡፡ ካብቶም ብረብሓ ምስ ህግደፍ ተሸሪኾም ህዝቢ ዝቐትሉ እንተኼንካ ድማ ተናሳሕ፡፡ ንስሃን እቕረ ምባልን ፍቱን መድሃኒት በደላት ደቂ ሰባት ኢዮም ኢለዮ፡፡ ድሕሪኡ ኣብ እዝነይ ዓጽዩኒ፡፡

እዚ ካልኣይ ክፋል ጽሑፍ ክጽሕፍ እንከለኹ እቲ ማይ በላ ውን ዝፍንፍኖ ነቲሕ ዘረብኡ ትዝ ኢሉኒ፡፡ ቀዲሙ ውን ሓደ ኣብ ሃገረ ሽወደን ብተመሳሳሊ ዘረብኡ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ተጋዊሑ ነይሩ ኢዩ፡፡ ኣብ ኤርትራውያን ተቓዋምን ደጋፍን ዝበሃል የለን፡፡ ሃገራውን ዘይ ሃገራውን ኢዩ፡፡ መደንጾ ዘይኮነስ መርመም ዘረባ፡፡ ኣብ ዓውደ ውግእ ዝሰንከለ እኮ ኢዩ ንጠያይቲ ህግደፍ ጥሒሱ ናብ ኢትዮጵያ ኣትዩ ዘሎ፡፡ ኣብ መዓስከር ማይዓይኒ ጥራይ ኢዶም እግሮም ዝተቖርጹ ዝዓወሩን ካልእን ኣስታት 300 ስንኩላን ኲናት ተጋደልትን ሃገራዊ ኣገልግሎትን ኣለዉ፡፡ ልዕሊ እዞም ካብ ብሱል ጥረ ዝተረፉ ጀጋኑ ጓይላ ህግደፍ ስለ ዘዳመቕካስ ሃገራዊ ኬንካ፡፡ ሓባልሲ መጠመቲኣ ትኳሐል’ዩ ነገራት መናእሰያት ህግደፍ፡፡

ኤርትራውነት ሃገራውነት እንታይ ኢዩ…..? ብቐዳምነት ኤርትራውነት ህግደፍን መናእሰያት ህግደፍን ዝዕድልዎ ቁርሲ ቡን ወይ ጥጥቖ ሓራስ ኣይኮነን፡፡ ኤርትራውነት ብዘርእን ትውልድን ኢዩ፡፡  ኤርትራዊ ምዃንን ዘይምዃንን ብዙሕ ክብል ኣይደልን እየ፡፡ ሃገራውነት ግን እንታይ ኢዩ…..? ሃገራውነት ንህግደፍ ምድጋፍ ማለት ዲዩ……? ሃገራውነት ነቲ ኣብ ዓዘቕቲ ዘይዓርፍ ኲናት ሸሚሙ ኤርትራውያን መንእሰያት ዘህለቐን ኣደዳ ምድረበዳ ሰሃራን ሲናይን ክንከውን ዝዳረገና ኢሳይያስ ንሱ ንሕና ንሕና ንሱ ምዝማር ድዩ? ብቐዳምነት መንግስቲ ክሕሱን ዓይኒ ከንቁርን ክቐትልን ክኣስርን እንተጀሚሩ፡ ኣብቶም ንድግፎን ንሓልፈሉን ኢና ዝብሉ ናይ ረብሓ ምትእስሳር እምበር ፍጹም ሃገራውነት ዝበሃል የለን፡፡ መለለይ ቀታሊ ስርዓት ህግደፍ ድማ፡ እዚ ቀዲመ ዝዘርዘርኩዎ ምቕታል፡ ምዕፋን፡ ብዘይ ፍርዲ ብኣጽንሓለይ ምእሳር፡ ዘይትግበር መብጽዓ ምሃብ፡ መልክዑን ሕብሩን ከም ነፋሒቶ ዝቐያይር ሓሶታት ምንዛሕ ኢዩ፡፡ እቲ ኣብዚ ጉዳይ ኢዱ ዝመልስ፡ እቲ ሰኣን ቅኑዕ ሓበሬታ ምርካብ ብሃውሪ ኣብቲ ደም ዝመለአ ቀላይ ጠምቦላሕ ዝብል ንጸጋም ገዲፍካ፡ እቲ እናፈለጠ ደም ዝተጸየቐ ጉራደ ጥፍኣት ህግደፍ ዓቲሩ ቱታ ዝብል ግን፡ ሃገራውነቱ ብረብሓ ዝሸጠ ኢዩ፡፡ ሃገራውነት ምስ ህዝብኻ መዓት ዳርጋ ግዓት ኢዩ፡፡ ህዝቢ ካብ መዓት ህግደፍ ክገላገል ኢዩ መስዋእቲ ዝሓትት ቃልሲ ጀሚሩ ዘሎ፡፡ ስርሒት 21 ጥሪ ኣብ ፎርቶ ሚኒስትሪ ዜና ውን በጮቕታታት እቲ መስዋእቲ ዝጠልብ ቃልሱ ኢዩ፡፡ እቶም መዝሙር ህግደፍ ዝደግሙ ናይ ማዕዶ ኣናብስ መናእሰያት ህግደፍ ነዚ ህዝባዊ ሰረት ዘለዎን መስዋእቲ ዝኽፈሎን ቃልሲ እንተ ዓጊቶሞ ድማ ንርኢ፡፡

ይቕጽል………………

ሚኪኤል እምባየ (ኣራንቺ)

Aranchi03@yahoo.com

michealaranchi@gmail.com

aseye.asena@gmail.com

Review overview
9 COMMENTS
  • abi March 25, 2013

    hagerawnet malet ab zeytifelto tarik atika mihwtat malet aykonen. hagerwnet malet mis hizbka tetew mibal ember mis milke welaki miwgan malet aykonen.

    well done Aranshi

  • ahmed saleh March 26, 2013

    Issayas and his HGDF company initiated nationalism make you drink dimu-dimu to get you drunk
    then it make you blind from reality then it dump you like a dog . Blind nationalism only
    provide unrealistic influence of moral comfort and a psychological basis for denial .

  • kelamitos March 26, 2013

    well dane aranchi keselo teray ane win kedmi hade amet eye kab dekasey tbrabire kibleka yedeli ember kisab 2011 ypfdj indbelku kollel zbel znberku eye.kulu tbelo zelleka dema haki eyu

  • TOLERATE March 26, 2013

    I quote..”እቶም መዝሙር ህግደፍ ዝደግሙ ናይ ማዕዶ ኣናብስ መናእሰያት ህግደፍ ነዚ ህዝባዊ ሰረት ዘለዎን መስዋእቲ ዝኽፈሎን ቃልሲ እንተ ዓጊቶሞ ድማ ንርኢ፡፡”…END OF QUOTE.
    ሕነ ቀራናት ንጓዕማማት ዝብሃል ከምዚ እዩ።እቲ ቀንዲ ዓንቃፊና ህግደፍ ኣይኮነ ምህግደፍ____እቲ ተቓዋሚ ጎዶሎ ዝኾነ መልእኽቲ ሒዙ ንሓፋሽ ምስሓብ ስለ ዘይክኣለ _ወደን ከይሓምያስ ሰይቲ ወደን ከም ዝብሃል___ነዞም ሃገራዊ መንነት ጸሚእዎም__እቲ ተቓውሞ ስለ ዘይረብሕ ፣እቲ መርዛም ህግደፍ ጥርናፈን ብልጫን ስለ ዘለዎ ድሌቶም ንምምላእነቲ መድረኽ ስለ ዝሰረቖ__ንሕመቑ ዘላግበሉ ተወዲእዎም ነዞም መሳኪን ቆለውዕ ከም ገንሸል ፋስጋ ክምዓቶም ሞራላዊ ኣይኮነን።ንኢሳያስ፣ንማንኪ፣ንዓሊ ዓብዱ፣ንኤፍሬም ስብሓት፣ጠዊል፣ፊሊጶስ፣ኣደይ ማርታ ምልጋብ ወዲኦምሲ ኣብ ቆለውዕ ኣትዮም ።ሰለስተ ሰብ ኣብ ጠረጴዛ ኮፍ ኢሎም ተራዳዲ ኦም ዘይወጹ ተቓወምቲስ ሓድሽቲ ሃድን ረኺቦም።ኣየውርድ____ህ ህ ህ ህ

    • sory haw TOLERATE
      kabom entekeneka ab kdmi ezi aranshi zblezelo maebel tetew bel
      degime anewn enteagetkumo nreyo behalay eye

      bzaeba dembe tekawmo gn msam enteleka fetinka entekenka tblo zeleka naka zegatemeka entekoynu zkone kbleka aykeln eye
      bhawri mwnjal gn newri eyu .melektka aytekmun eyom eyu zesme

      sle zkone wey saebar eika wey arki sebar ika.
      nmankey doo wedi efrem do flipos do zereba aykonne
      aranshi zserahnayo tarik natna eyu ztesewaenalu zsenkelnalu nhna ina kale xbuk alekum ktcfchefu alekum zblena ayedlyenan eyu eyu zbele
      hji wn kelu entekoynom naykolenetom geza geza yxawetu
      poltika nwanu ygdeflu

    • kebaritekle808@yahoo.com March 28, 2013

      ጨለ ዘረባ ኢዩ፡፡
      ጽሑፋት ሚኪኤል ኣራንሺ የማንን ጸጋምን ክትገማጠል ኣየኽእለካን ኢዩ ወዲ ሓወቦይ፡፡ ላንጋ ላንጋ ዝበሃል የለን፡፡ እንታይ ኢኻ ክትብል ደሊኻ፡ ንመን ኢኻ ከተደናግር ደሊኻ እንድዒ፡፡
      ቃል ብቃሉ ነቲ ኣራንሺ ዝጸሓፎ እሞ ንስኻ ውን ደጊምካዮ ዘለኻ
      እቶም ወኻሩ ማዕዶ ነዚ ህዝባዊ ሰረት ዘለዎ ቃልሲ እንተዓጊቶሞ ድማ ንርኢ፡፡ ዋድሕ ኣርባዕተ ነጥቢ፡፡
      እቲ ወኻሩ ናተይ ኢዩ፡፡ ግን ነዚ ሓሳብ እዚ እንታይ ኢኻ ከተውጽኣሉ ደሊኻ፡፡ ንህግደፍ ሱር መሰረቱ ሓግሒጉ ክኣልዮ ህዝቢ ተበጊሱ ኣሎ፡፡ ንህግደፍ ክከላኸለሉ እየ ዝብል እቲ ምስኡ ዝጠፍእ ጥራይ ኢዩ፡ ኣይኮነን ኣዴታትና ክድቅሳን ክትስኣን እዚ ሰይጣን ኣሊኻ ተዓረቐና ክብላ ኢየን ዝምህለላ ዘለዋ፡፡ ዝኣረገ ህግደፍ ክንኣሊ እናተጋየና ንኣሽቱ ቀተልቲ ተበለጽቲ መናእሰያት ህግደፍ ክፍጠሩ ኣይንደልን ኢና፡፡ ነዚኦም ሓሊኻስ ያኢ ኣምላኽ የርእኹም ኢልካና፡፡ ሓሳባትካ እንታይ ኢዩ፡፡ መንነቶም ክፈልጡ ዶ ካልእ ዶ ካበይ ኢኻ ኣራሪኻየ፡፡ ህግደፍ እኮ ትማሊ ዝመጸ ሓራዲ ስርዓት ኢዩ፡፡ ህግደፍ በለጽን ምቕታልን ምሕራድን ኢዩ ዝምህር፡፡ ሓሊኻሎም እንተኼንካ ማይ ጮሎት ተሐጸቡ በሎም፡፡ ኤርትራውያን መናእሰያት ብጀነራላት ህግደፍን ራሻይዳን ተጨውዮም ኣምዑቶም ይዝልዘል ኣሎ፡፡ ኣብ ሲናይ ሱፐር ማርኬት ናይ ኮላሊትን ጸላም ከብድን መሸጢ ድካናት ህግደፍ ተኺሎም ኣለዉ፡፡
      ነዚ ገዲፍካ ኣራንሺ ነዞም ብየማነ ማንከይ ዝጽፈዩ ዘለዉ መርዛማት ኣትማን ከይነቑሑ እንቃቑሖ ከለዉ ንጨፍልቆም እንተበለ እንታዩ ሓጢያቱ፡፡
      ወዲ ሓወቦይ ናቶም እንተኼንካ ኣነጽር፡፡ ንሕና መሪሩና ሓሲሙና ኣሎ፡፡ ዝቐደመ ህግደፍ ዘይጠቐመና መተካእታ ህግደፍ ኣየድልየናን ኢዩ፡፡ እንቃቑሖ እንከለዉ ምጭፍላቖም ጥራይ ኢዩ፡፡

  • michael March 27, 2013

    Thanks Asena for expossing the criminal the anemy of eritrea people

  • ዝኸበርካ ሚኪኤል እንቋዕ ሓጎሰካ፡፡ እንቋዕ መፈጸምትኡ ኣርኣያካ፡፡
    ከምቲ ኣብ ብዙሕ ጽሒፋትካ ዝርእዮ፡ ኩሉ በብዓቕሙ ክቃለስ ኣለዎ ዝብል ኣተሓሳስባ ኢዩ፡፡ ዝድገፍ ርኢቶ ኢዩ፡፡ ንስኻ ኣብ ስደት እሞ ድማ ኣብ ኢትዮጲያ ብምህላውካ ኣብቲ ገንዘባዊ መዳይ ከም ትጽገም ርዱእ ኢዩ፡፡ ዋላ እንተደለኻ ልዕሊ ዓቕምኻ ኢዩ፡፡
    ኣብዚኣ እታ እንኮ ፍታሕ ኢደይ ኢደይ ምባል ምትሕግጋዝ ኢዩ፡፡ ገንዘብ ተዋህላላይ ኢዩ፡፡ ካብ ሚእቲ ሰባት ሓሓንቲ ዶላር ሚእቲ ዶላር ኢዩ፡፡ እዘን ሒደት ገንዘብ 10 መጽሓፍቲ ከሕትማ እንተኺኢለን ዓቢ ዓወት ኢዩ፡፡ ስለዚዋላ ሳናቲም ውን ኣይንንዓቕ፡፡ ንሓውና ጸሓፊ ሚኪኤል እምባየ ነቲ ኣብ መፈጸምትኡ ኣብጺሕዎ ዘሎ ዓቢ ስራሕ ኩሉና ኢድና ንሓውሰሉ፡፡ ብንገበሮ ኣበርክቶ ከም ንዓግብን ከም ንሕጎስን ርግጸኛታት ኢና፡፡ ሚኪኤል መጽሓፍ እጽሕፍ ኣለኹ ብኸምኡ ኢየ ጠፊኤ ካብ ዝብለና 4 ወርሒ ከባቢ ገይሩ ኣሎ፡፡ ብቐረባ ከዘራርቦ ኣይከኣልኩን፡፡ ከም ግምታተይ ግን ጸገሙ ኣብ ምሕታማ ከይኮነ ኣይተርፍን በሃላይ ኢየ፡፡ ገለ ሰባት ውን ተመሳሳሊ ገምጋም ሂቦምኒ ኢዮም፡፡ ስለዚ ኩሉና ዘዝዓቕምና ንኸም በዓል ሚኪኤል ዝኣመሰሉ ውፉያት ጸሓፍቲ ደገፍ ንግበረሎም፡፡
    ጽሑፋትካ ኣብዚ ሓጺር ግዜ እየ ከንብቦም ጀሚረ፡፡ ሰባት ከንብቦ ከም ዘለኒ ስለ ዘተባብዑንን ዝደፋፍኡንን፡፡ ኣይተጋገዩን ጽሑፋትካ ክንበቡ ጥራይ ዘይኮኑ ክስነዱ ዘለዎም ዶኮመንት ኢዮም፡፡ ክሳብ ሕጂ ኣብቶም ዘምበብኩዎም ጽሑፋትካ ኣድናቖተይ ክገልጸልካ እደሊ፡፡ ጽሑፍካ መርዝን መድሃኒትን ኢዩ፡፡ ንዝሓመመ ፈውሲ ኢዩ፡፡ ንዝተጸልአን ዝተፈንፈነን ድማ መቕተሊ መርዚ ኢዩ፡፡ ክልቲኡ ኣጣሚርካ ትጽሕፍ ወሓለ ጸሓፊ ኢኻ፡፡

  • weygud? March 30, 2013

    zekebereka aranechi ezom degefeti hegedef debehalu delewu meseretom wey dema abotatom beal men eyom debelwen fetateyesheka deaa eti haqhi amehialina mikiniyatu abotatom kab qhalisi dehademu keyekonu ayterefun eyom seleazi menalebat bedeqhom gulebab gearom kem hageraweyan neza nebesom kesemeyewa tedeleyom keaa hayee fetateyesheka deaa hahaqhu haberenaa

POST A COMMENT