Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓሽከት ውድባትን ማሕበራትን ቓልሲ የዓውታ’ዶ? – ቀዳማይ ክፋል

                              ቀዳማይ ክፋል          ሓሽከት ውድባትን ማሕበራትን ቓልሲ የዓውታ’ዶ? ኣብዚ ዝሓለፈ ዓሰርተው ዓመታት ውድብ ምስራሕ ከም ተራ ዱኳን ተቖጺሩ ውድባት ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ ክንጫጭሓን ብዘይ ገለ ገደብ ክባዛሓን ኣባይታ ዝረኣናዮን ዘሎን ዝተጨበጠ ሓቂ

                              ቀዳማይ ክፋል

         ሓሽከት ውድባትን ማሕበራትን ቓልሲ የዓውታ’ዶ?

ኣብዚ ዝሓለፈ ዓሰርተው ዓመታት ውድብ ምስራሕ ከም ተራ ዱኳን ተቖጺሩ ውድባት ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ ክንጫጭሓን ብዘይ ገለ ገደብ ክባዛሓን ኣባይታ ዝረኣናዮን ዘሎን ዝተጨበጠ ሓቂ ኢዩ፡፡ምርባሕ ውድባት ትርጉም የብሉን ክብሉ ዝጸንሑ ከይተረፉ ውድብ ክሰርሑን ክፍንጥሑን እውን  ግዜ ኣርእዩና ኣሎ፡፡ ብሓቂ ግን ምብዛሕ ውድባትን ማሕበራትን ቃልሲ ንዲሞክራስያዊ ለውጥን ምሉእ ሓርነትን ከዓውታ ይኽእላ’ዶ? ዝብል ዓቢ ሕቶ ክምልስ ዝግበኦ ኢዩ፡፡ እሞ ድማ ነዚ ብኽፍኣተ መጋብር ዝተኻሕነ፡ ምሉእ ዕድመ ምልኪ ስልጣኑ ተንኮላት ክኣልምን ዘዝተንሰአ ኤርትራዊ ክቐትልን ክኣስርን ጽኑዕ መዕቆቢ ከውሊ ከናድን ዝሓገየን ዝኸረመን ቶታሊተርያን ስርዓት ህግደፍ ክትኣሊ ከም ደቂ ዛግራ ፋሕ ብትን ብዝበላ ውድባትን ማሕበራትን ዘይከውን ጥራይ ዘይኮነ ኣይሕሰብን እውን፡፡ እዚ ክብል እንከለኹ ውድባት ጥራይ ዘይኮና እንተላይ እቶም ኣበየ ኩርኑዑ ንቓልሲ ንብገስ ኣለና ንብል ዘለና ኤርትራውያን መንእሰያት እውን ካብዚ ተላጋቢ ሕማም እዚ ነጻ ዝኾና ኣይመስለንን፡፡ ኣብ ክንዲ ምሉእ ብምሉእ ስምረት ኢልና ኣብ ስምረት ንዓስል ነናትና ጎጆታት ተኺልና ከም ናብራ ዓሳ ኣብ ምብልላዕ ኢና ንመጣጠር ዘለና፡፡ እዚ ከቢድ ሕማም ከይተፈወሰ ስርዓት ህግደፍ ክትኣሊ ድማ ሕልሚ ኢዩ፡፡ እዚ ጋንግሪን ከይከውን ዘፍርሓካን ዘሰክፋካን ሕማም ጎጆይ ጎጆኻ ግን ካበይ ዝተዓደገ ፈልሲ ኢዩ…?

ሕቶ ኩልና የማን የብሉ ጸጋም ሕቶ ፍትሕን ዲሞክራስን ሕቶ መሰልን ኢዩ፡፡ ነዚ ሕቶ’ዚ ረጊጹ ኣብ ባርነትን ስደትን ከም ንነብር ገይሩና ዘሎ፡ ብዝኸፈአ መልክዑ ድማ “ፍትሒ ይንግስ” ኢልና ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ደው ስለ ዝበልና ፍንፉነን ርካሽ ኣስማት ሓንሳብ ከዳዓት ሓንሳብ ወያነ ክሳብ መንነትናን ትውልድናን ሃገራውነትናን ብህግደፍ ክሕከኽ ተፈቲኑ ኢዩ፡፡ ሽግር ኩልና ኢሳይያስ ዘማእዝኖ ናይ ውሑዳን ጉጅለ ቶታሊተርያን ስርዓት ህግደፍ ኢዩ፡፡ እዚ ስርዓት እዚ ሱር መሰረቱ ተነቒሉ ከይተኣለየ ድማ ሕቶና ሕቶ መሰል፡ ሕቶና ሕቶ ዲሞክራሲ፡ ሕቶ ፍትሒ፡ ሕቶ ሓርነት ክምለስ ኣይክእልን ኢዩ፡፡ ሕቶ ኩልና ኣብ ናይ ቃልሲ መድረኽ እንርከብ እዚ ካብ ኮነ፡ ስለምንታይ ኢና ነቲ ቁኑዕን ጥጡሕን ናብ ዓወት ከብጽሓና ዝኽእል መገዲ ገዲፍና ሽኩሽኳ ኣብ ዝበዘሖ ጓል መገዲ ኣቲና ኣንፈትና ነጥፍእ ዘለና..?

እዚ ኣብ ቅድሜና ዝተቐመጠ ከክንዲ ያሒት ዝኸውን ሕቶታት በቲ ግቡእ ከይመለስና ድማ፡ ኣሽንኳይ ክንስጉምን ክንጎይን ፍሑኽ ክንብል እውን ዘበት ኢዩ፡፡ ነዚ ሕቶታት እዚ ከይመለሰና ህዝባዊ ሰረት ዘለዎ ቃልሲ ከነበግስ ስርዓት ህግደፍ ክንኣሊ ፍጹም ዘይከኣል ኢዩ፡፡ ኣቦታትና ክምስሉ ሓባኢ ቁስሉ ሓባኢ ፈውሱ ኢዩ፡፡ እንተኾነ ንሕና ኤርትራውያን ብፍላይ ድማ እቶም ኣብ ናይ ቃልሲ መድረኽ እንርከብን ኣውራ ድማ ኣብ ቦታ መሪሕነት እንርከብን ቁስልናን ፈውስናን ኣዳዕዲዕና ንፈልጦን ንፈላልጦን ኢና፡፡ ጸገማትናን ቁስልናን ፈሊጥና መድሃኒትና እውን ኣብ ኢድና እንከሎ፡ ኣበደን ኢልና ስለ ዝተሓሰምናዮ ጥራይ ኢዩ፡፡ ጸገምና ኣብ ህልኽን ቅርሕትን ኣቲና ድሕሬና ሳዕሪ ኣይብቆሎ ብምባል ጸላም መገዲ ስለ ዝመረጽና ኢዩ፡፡ ብዝገደደ ድማ ሕዱር ቅርሕትን ህልኽን ናብ መናእሰያት ከም ዝሰግር ይግበር ምህላዉ ኢዩ፡፡ ቅድም ቀዳድም ያዕ ክንብሎ ዘለና ድማ እዚ ኢዩ፡፡

ሕጂ ውን ቅድሚ ናብቲ ቀንዲ ሕመረት ሓሳበይ ምእታወይ፡ ደጊመን ደጋጊመን ዘቐምጦ ነገር እንተሃለወ ቅድም ቀዳድም ካብ ቂምታን ቅርሕንትን ህልኽን ንውጻእ፡፡ ህልኽ በሊሕ ላማ ንኽትውሕጥ ዝደፋፍእ ሓደገኛ ሕማም ኢዩ፡፡ ህልኽ ድኽነት ዝዕድም ከም ጣዕሳ ፈውሲ ዘይብሉ ሕማም ኢዩ፡፡ ህልኽ ፍረ ኣብ ዘይብሉ ምትፍናን ንኽትነብር ዝዳርግ ሕዱር ሕማም ኢዩ፡፡ ህልኽ ናብ ምቅትታልን ምብትታንን ዝወስድ ግናይ ሕማም ኢዩ፡፡ ስለ ዝኾነ ቅድሚ ዝኣገረ ቀንጢጥና ክንኣልዮ ዘለና እዚ ንነዊሕ ዓመታት ሓሊኹ ዝሓዘና፡ ቀላጽምና ኣሕቢርና ንቐታልን ገባትን ስርዓት ህግደፍ ከይንቃለስ ዘልመሰና፡ ከም ኣነባብራ ዓሳ ንሕድሕድና ከም ንበላላዕ ዝገበረና፡ ንቐንዲ ውራይና ኣረሲዑ ናብ ሓሸውየ ዘእተወና፡ ናይ ቂምታን ህልኽን መድረኽ መዝገቡ ሓንሳብን ንሓዋሩን ክዕጾ ክኽእል ኣለዎ፡፡

ሕቶናን ድሌትናን ዕላማናን ፍትሕን ዲሞክራስን ዝነገሳ ኤርትራ ክንርኢ እንተኾይኑ መሳርዕና ክሰምር ክኽእል ኣለዎ፡፡ መሳርዕና ሰሚሩ ብሓደ ረምታ ክንምርሽን ናብ ጎደና ዓወት ከነማዕዱን ድማ፡ ጀብሃዶ ሻዕብያ ዝብል ሓለኽን ኣልማስን ረማስን ብጽኑዕ ቀይዲ ኣሲሩና ዘሎ ገመድ ክበናጠስ ክኽእል ኣለዎ፡፡ ውራይና በዘን ኣብ ታሪኽ ቃልሲ ንናጽነት ኤርትራ ዓቢ ስፍራ ዘለወን ውድባት ዝተፈጸመ ቅትለት ንጹሃን ተጋደልትን ህዝብን ምጽራይ ዘይኮነ፡ ቅድም ቀዳድም ነዚ ኣብ ዘበነ ህግደፍ ዝቕተልን ዝኣስርን ዝበታተነን ዘሎ ህዝቢ ምድሓን ክኸውን ኣለዎ፡፡ ውራይና ነዚ ባርነት ህግደፍ ዒፍ ኢሉ መሪርዎ እግሩ ናብ ዝመረሖ ክስደድ ክብል ብሱዳናውያን ራሻይዳን ዒብ ኣልቦ ኤርትራውያን ደላሎን ተጨውዩ ብግብጻውያን በደዊን ኣምዑቱ ተዘልዚሉ ብዘይ ንብር ቀብሪ ዝድርበ ዘሎ መንእሰይ ምድሓን ክኸውን ኣለዎ፡፡ ውራይና ነዚ ካብ ዕቤትን ብልጽግናን ዓጊቱ ናብ ድኽነትን ድሕረትን ዝሸመመና፡ ኤርትራውያን መናእሰያት ኣብ ክንዲ ዝመሃሩን ዝመራመሩን ጠበንጃ ተሓንጊጦም ኣብ በረኻታት ከም ዝሰፍሩ ዝገበረ ኣዕናዊ ስርዓት ምእላይ ክኸውን ኣለዎ፡፡ ውራይና ነቲ መዘና ኣልቦ መስዋእቲ ዝተኸፍሎ ግን ከኣ ብህግደፋውያን ዝተጠልመን ዝተኻሕደን መሰልናን ሓርነትናን ምምላስ ክኸውን ኣለዎ፡፡ ናይ ቀዳምነት ቀዳሚ ውራይና ነዚ ታሪኽናን ህላውነትናን ነበረያ ነበረ ክገብር ድግዲጊት ተዓጢቑ መተካእታ ኤርትራዊ ሕብረተሰብ ደምህትን ቅንጅትን ግንቦት ሰባትን ዘዕኵኽን ዝፈጥርን ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ሱር መሰረቱ ምንቃል ክኸውን ኣለዎ፡፡

ነዚ ዘልዓልኩዎ ኣዝዩ ዓብን ተኣፋፍን ኣርእስቲ መበገሲ ሓሳብ ክኾነኒ፡ ኣመሪካዊ መሓዛ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ፕሮፌሰር ዳን ኮነል ካብ ዝበሎ ቃል ብቓሉ ክደግሞን ክጥቀምን እየ መሪጸ፡፡ ኣብ ወርሒ ግንቦተ ሰነ 2012 ዓ/ም ኣመሪካዊ መሓዛ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ፕሮፌሰር ዳን ኮነል ኩነታት ኤርትራውያን ስደተኛታት ብኣካል ንምዕዛብ ኣብ ኢትዮጵያ ኣትዩ ነይሩ ኢዩ፡፡ ናይ ኣጋጣሚ ኮይኑ ንመሓዛ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ዓቢ ኣመሪካዊ ጸሓፊ ዳን ኮነል ብቀረባ ክረኽብዎ ካብ ዝኸኣሉ ስደተኛታት እውን ሓደ እየ፡፡ ኣብ ኩሉ ዝገበሮ ዑደታት ብኣካል ምስኡ ስለ ዝነበርኩ ብዙሕ ነገራት ክሓቶን ክፈልጥን ክመሃርን እውን ዕድል ረኺበ እየ፡፡ ፕሮፌሰር ዳን ኮነል ኣብቲ ዝገበሮ ዑደት ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ብኣካል ወሪዱ ምስ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ምስኦም እናወዓለን እናሓደረን ንኣስታት 100 ስደተኛታት ቀጥታዊ ቃለ መሕትት ኣካይዱ ኢዩ፡፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ትምህርትን ካልእን ተዋፊሮም ምስ ዘለዉ ስደተኛታት፡ እቲ ቃለ መሕተት ምግባር ክብደት ስለ ዝነበሮ፡ ካብ ተመሃሮን ኣብ ካልእ ስራሓት ዝተዋፈሩን ኣባላት ውድባትን ምስ ዝኾኑን መናእሰያት ናይ ኣስታት ሓሙሽተ ሰዓታት ርክብ እውን ኣካይዱ ነይሩ ኢዩ፡፡ እቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተገብረ ርክብ ግን ፍሉይነት ዝነበሮ ኢዩ፡፡ ፕሮፌሰር ዳንኮነል እዋናዊ ኣስተምህሮ ክህብ ዘይኮነ ሕቶታት ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዝዓቕሙ ክምልስ ኢዩ ዝነበረ፡፡

ፕሮፌሰር ዳን ኮነል ብኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ደርዘናት ሕቶታት ኢዩ ተሓቲቱ፡፡ እታ ንመበገሲ ሓሳበይ ክትከውን ዝመረጽኩዋ ሕቶ ድማ እዛ ትስዕብ ኢያ፡፡ “ህዝቢ ኤርትራ ብስርዓት ህግደፍ ሓሳረ መከርኡ እናረኣየ፡ እናተቐትለ፡ ብዘይ ፍርዲ ንዓመታት እናተኣስረ፡ ብጅምላ እናተሰደደን እናተበታተነን ማሕበረ-ሰብ ዓለም ይኹን መንግስቲ ኣመሪካ ዝተኸወሎ ኣይመስለናን፡፡ እዚ እናኾነ ስለምንታ’ዩ ብትሪ ዓገብ ብምባል ኣብ ጎድኒ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ደው ዘይብል? ብፍላይ መንግስቲ ኣመሪካ ስለምንታይ ንደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ኣፍልጦ ዘይህብን ምሉእ ደገፉ ዘይገብርን? ትብል ሕቶ ኢያ ዝነበረት፡፡ መልሲ ፕሮፌሰር ዳን ኮነል ሽፍንፍን ዝበለ ዘይኮነ ግልጽን መመኽነይታ ኣቕሪብካ ኣይፋልካን ተጋጊኻ ክትብሎ ዘኽእልን ኣይነበረን፡፡

ይቕጽል…………….

ሚኪኤል እምባየ (ኣራንቺ)

Aranchi03@yahoo.com

Tele 251- 921924501

aseye.asena@gmail.com

Review overview
20 COMMENTS
  • betiselomun@gmail.com July 25, 2013

    እቲ ዝዓበየ እሾኽ መርገም ዝኾነ ጻህያይና ኢሳይያስ ዝውጅሆ ቁንጣሮ ላዕለዎት ጉጅለ ህግደፍ ዝሓወሰ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ገባቲ ስርዓት ኢዩ፡፡ እምነት ኩልና ከምዚ ኢዩ ጸኒሑ፡፡ ክእለይ ዘለዎ ጻህያይ ኢሳይያስ ዝመርሖ በታታኒ ስርዓት ህግደፍ ጥራይ ኮይኑ ግን ኣይረኸብኩዎን፡፡ ብርግጽ ድማ ክእለይ ዘለዎ ጻህያይ ኢሳይያስ ዝመርሖ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ጥራይ ኣይኮነን፡፡ ማዕረ ማዕረ ስርዓት ህግደፍ ገና ከይጨብጨቡን ከየጉላዕልዑን ክእለዩ ዝግበኦም ካብ እሾኽ ኣሜኬላ ዝገደዱ ባላዒቶ ጻህያይ ከም ዘለዉ ኣብዛ ንዛዝማ ዘለና ዓመት መጠረሽታ ወርሒ ብግህዶ ቁሉዕ ኮይኑልና ኢዩ፡፡ ስርዓት ህግደፍ ኣብ መንበረ ምልኪ ተኾይጡ ህዝቢ እናጨፍጨፈ ንህሉ’ዶ ኣይንህሉን ክሳብ ንብለሉ ደረጃ ኣብጺሑና ዘሎ ቀንዲ ጉዳይ ድማ፡ እዚ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ጫሌዳ ኮይኑ ዝቦቖለ ሓደገኛ ጻህያይ ክእለ ስለ ዘይተኻእለ ኢዩ፡፡ እዚ ጻህያይ እዚ’ዩ ንህግደፍ ድርዕን ከውልን ኮይኑ ዘቐጽሎ ዘሎ፡፡ ክሳብ ክንድዚ ዘዛርበና ዘሎ ነገራት ምውሓጥ ስለ ዝኣበየና ጥራይ ዘይኮነ፡ ሚሒር ፈንቲሮም ምሕያኾም ውን ስለ ዝሰኣና ኢዩ፡፡ ህዝቢ ብማዕበል ተንሲኡ ክቃለስ እናደለየ ማኽለኻ ኮይኖም ይዓግቱ ስለ ዘለዉ ኢዩ፡፡ ኩሉ ደላይ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ኣብ ሰዓታት ዕርብርቡ ዝርከብ ስርዓት ህግደፍ ብማዕበል ተንሲኡ ኣብ ሓመድ ድበኡ ክሳተፍ ስምረት እናጠለበ ንስምረቱ ዝዘርጉ ጻህያይ ክብንቆሱ ኣለዎም፡፡

  • betiselomun@gmail.com July 25, 2013

    kdmi 7 werhi mikiel zxehafo xhuf zgerm eyu
    ገና ንስደት እግረይ ካብ ዘንበርኩሉ ግን፡ ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዘየለ ነገር ወይ ውን ኣሰሓሒቡ ዘይኮነ ተዘኪሩን ተላዒሉን ውን ዘይፈልጥ ንኣእዛነይ ጋሻ ዝኾነ ነገራት ክሰምዕን ክርእን ኪኢለ እየ፡፡ ዓቕሊ ዋጋ በቕሊ ከም ዝበሃል ህድእ በሊ ነብሲ ክብል ንነብሰይ ባዕለይ ገሲጸያ፡፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመታት ንኹሉ ነገር ብዓቕልን ትዕግስትን ክርእዮን ክምርምሮን ዝነበሩኒ ጉዳያት ምህላዉ ድማ ኣይዘንጋዕኩን፡፡ ምርኣይ ምእማን ስለ ዝኾነ ድማ ርእየን ኣሚነን፡፡ ኢሳይያስ ዘማእዝኖ ስርዓት ህግደፍ ኣስተርሕዩ ኣብ መንበረ ምልኪ ተቐሚጡ ዘሎ ድኣ ኣይ ሓቁ እንድዩ ክብል ውን ተገዲደ፡፡ ሓያለይ ካብተን ልዕሊ ሳላሳ ዝኾና ውድባት ካብቲ ቀንዲ ሓዲድ ቃልሲ ኣንደልሂጸን ኣብ ጫሌዳ መገዲ ዝህውትታ ስለ ዝኾና፡፡ እዚ ሰፊሕ ኣርእስቲ ካልእ ግዜ ብዝርዝር ከቕርቦ ክፍትን እየ፡፡ እቲ ቀንድን ብመትከል ተሓግሒጉ ክእለይ ዘለዎ ጸላኢ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ፡ ስርዓት ህግደፍ ስለ ዝኾነ ግን ኣንጭዋ ትሕለፍ ምእንቲ መጎጎ ክንብል ንግደድ ኣለና፡፡ ከብድና እኽለ ማይ ጥራይ ዘይኮነ ካልእ ግዕዘይ ኣካይዳ ተቓወምቲ ፖለቲካውያን ውድባት ከም ዓቖረ ግን ምግንዛብ ዘድልዮ ኢዩ፡፡

  • betiselomun@gmail.com July 25, 2013

    mikiel kdmi 7 werhi ab werhi 12 -2012 zxehafo xhuf eyu
    kabzi nlaeli entay ndeli alena.
    መጠረሽታ ኣዋርሕ 2012 ዓ/ም ክልተ ነገራት ዓይንና ከፊትና ከም ንርእይ ዝገበረትና ዓመት ኢያ፡፡ እቲ ቀዳማይ ዛዕባና ኣብ መፋርቕ 2012 ዓ/ም ቑጠባ ኤርትራ ማርሻ ቀይሩ፡፡ ንድሕሪት ኣብ ዘይ ነሻራትተሉ መድረኽ መቐይሮ በጺሕና፡፡ ክብሉ ኢሳይያስን ገለ ሰዓብቱ ህግደፋውያንን ኣብ ጥራይ ጎልጎል ዝጋዓርዎ ጋዕሮ፡ ኣይ ሰሙን ኣይሳልስቲ ባዶሽ ምዃኑ ዝተቓላዓሉ ኢዩ፡፡ ስርዓት ህግደፍ ብዘጋጠሞ ቁጠባውን ፖለቲካውን ጥፍሽና ኣብ መጻብቦ ተቐርቂሩ ኢዩ፡፡ ኣብ ውሽጢ ከተማ ኣስመራ ዝስተ ማይ ንሓደ ፊስቶ ልዕሊ ሚእቲ ናቕፋ ክሽየጥ ዝተበጻሓሉ ተርእዮ ኢዩ፡፡ ብሰንኪ ዘጋጠመ ከቢድ ቁጠባውን ፖለቲካውን ጥፍሽና ከኣ፡ ኣብ ውሽጢ ወሰንቲ ኣካላት እቲ ስርዓት ምጉጅጃል ተኸሲቱ ኢዩ፡፡ ኣብዚ ኣዝዩ ተኣፋፊ ናይ ዕርብርብ ግዜ ኣብ’ቶም ቀንዲ ወሰንቲ ኣካላት ካብ ክልተ ንላዕሊ ኣብ ሕድሕደን ዝተፋነና ጉጅለታት ከም ዝተፈጥሩ ዝንገረሉ ዘሎ ሰዓታት ኢዩ፡፡ ሓደ ጉጅለ ጸግዕን ተደናጋጽን ምልክነት ኢሳይያስ፡ እቲ ካልኣይ ጉጅለ ንኢሳይያስ ዝጻረር፡ እቲ ሳልሳይ ድማ መርገጺታቱ ዘይተነጸረ ዘሎ ኢዩ፡፡ ብዜካዚ ኢሳይያስ ነቲ ነዊሕ ዓመታት ዝተሓሰሞ ንዛተ ዝብል ዛዕባ መንግስቲ ኢትዮጵያ መዋጽኦ እንተኾኖ ክቕበሎ ደርጓዕጓዕ ዝብለሉ ዘሎ ሰዓት ኢዩ፡፡ ብሰንኪ’ዚ ድማ፡ ብርክት ዝበሉ ኣዝዮም እሙናት ኣገልገልቲ ስርዓት ህግደፍ ዝነበሩ፡ ሰዓታት ጥፍኣት ህግደፍ ኣኺሉ ብምባል፡ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ፖለቲካዊ ዕቑባ ክሓቱ ዝረኣናሉ ናይ ዕርብርብ ግዜ ኢዩ፡፡

POST A COMMENT