ተቐማጦ ኣስመራ ብምቁራጽ ሓይሊ ኤለትሪክ ከቢድ ጸገም የጋጥሞም ከምዘሎ ካብታ ከተማ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ገሊጹ። እቲ ሳሕቲ ዝቐርብ ኣገልግሎት ኤለትሪክ ካብ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ሰዓት ስለዘይጸንሕ እኽሊ ንምጥሓን መስርዕ ተጸቢኻ ከምዘይሰልጥን እቶም ብኤለትሪክ መጎጎ ዝገልገሉ ዝነበሩ ድማ ኣብቲ ብዕንጸይቲ ዝግልገል መጎጎ ንኽጥቀሙ መስርዕ ክገብሩ ከምዝግደዱ ተፈሊጡ። ብሰንኪዚ
ተቐማጦ ኣስመራ ብምቁራጽ ሓይሊ ኤለትሪክ ከቢድ ጸገም የጋጥሞም ከምዘሎ ካብታ ከተማ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ገሊጹ። እቲ ሳሕቲ ዝቐርብ ኣገልግሎት ኤለትሪክ ካብ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ሰዓት ስለዘይጸንሕ እኽሊ ንምጥሓን መስርዕ ተጸቢኻ ከምዘይሰልጥን እቶም ብኤለትሪክ መጎጎ ዝገልገሉ ዝነበሩ ድማ ኣብቲ ብዕንጸይቲ ዝግልገል መጎጎ ንኽጥቀሙ መስርዕ ክገብሩ ከምዝግደዱ ተፈሊጡ። ብሰንኪዚ
ኣብ ዝሓለፈ ዕለት 01 ሓምለ 2013 ዓ.ም ኣብ ስዓታት ድሕሪ ቀትሪ ናይ ምሸት ኣብ ከባቢ ሆሎዎይ ስሜን ሎንዶን ብውዲ ገራህቱ ዝተጸወዐ ኣኼባ ህግደፍ ካብ 40 ክሳብ 50 ዝኾኑ ኣባላት ህግደፍ ከም ዝተሳተፍዎ እቲ ሓበሬታ የረጋግጽ። ዕላማ ጻዊዒት ኣኼባ ወዲ ገራህቱ ነዚ ኣብዚ ቅኒያት ክግበር ተሓሲቡ ዘሎ
ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ክትሃድሙ ሓሲብኩም ኢሉ ኣብ ናቕፋ ኣሲሩዎም ዘሎ ብዙሓት ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ብለበዳ ሕማም ተጠቒዖም ክንሶም ግቡእ ሕክምናዊ ክንክን ብምስኣኖም ኣብ ኣስጋኢ ኩነታት ከምዝርከቡ ካብ ኤርትራ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ። እቶም ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ መንደፈራ ንልዕሊ ክልተ ወርሒ ኣሲሩዎም ዝነበረ ‘ሞ፣
ሓድሽ ግንባር ዲፕሎማሲ ኣብዚ ቅንያት ዚ: መራሕ ናይ "ግንቦት ሸውዓተ" ዝተሰምየ: ሓደ ናይ ኢትዮጵያውያ ፓለቲካው ውድብ: ብዛዕባ ኣብ ሓንቲ ሃገር ምስ ራብዓይ ርእሱ ኮይኑ ዝገበሮ ናይ ስራሕ ዑደት ጸብጻብ እናሃበ እንከሎ: ድምጹ ተቐዲሑ ናብ መርበባት ሓበሬታ ስለዝለሓዀ: ትሕዝቶ ናይቲ ዘይተዓደምናዮ ምስጡር ኣኼባ ከም ሰብና ሰሚዕና:: እቲ
ምኽትል ሓላፊ ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ዝነበረ፣ ኣቶ ነጋሽ ኣፈወርቂ፣ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ንስርዓት ህግደፍ ብወግዒ ራሕሪሑ ኣብ ነርወይ ፖለትካዊ ዑቕባ ሓቲቱ ከምዘሎ ተረጋጊጹ። ንልዕሊ 15 ዓመታት ኣብ ልዑል ጽፍሒ ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ዝሰርሐ ኣቶ ነጋሽ፣ ድሕሪ ሓጎስ ክሻ ዝለዓለ ተኣማንነት ከምዝዝነበሮ ይፍለጥ። በቲ ነጋሽ ዝወሰዶ ስጉምቲ ዝሰንበደ ሓጎስ
ትማሊ ቀዳም ዕለት 29 ሰነ 2013 ካብ ፖሊቲካውን ብርገሳውን ውልቀስባትን ዝተሳትፍዎ ሰፊሕ አኼባ ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ተሰላሲሉ፣እቲ አኼባ ኣገደስቲ እዋናውያን ሕቶታት ብኩነታት ሕዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፣ ብፍላይ ድማ በቲ ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ካብ 25-28 ሓምለ 2013 ክግበር ተወሲኑ ንዘሎ ፈስቲቫል እንታይነቱን ዕላማኡን ንመንግስቲ ሽዊደን ንምግላጽን፣ ነቲ
መርበብ ሲቪላዊ ማሕበራት ብትዕዝብቱ ኣብ መስርሕ ምስረታ ኤባሃደለ ድሕሪኡን፡ ንዝተራእዩ ኩነታት ብነቐፌታዊ ዓይኒ ዝገምገመ ኣራሚ ሰነድ ብምድላዉ ብመገዲ መራኸቢ ብዙሓን ንህዝቢ ክዝርግሕ እዩ። እቲ ኣብ መብዛሕቲአን ሃገራት ኤዉሮጳ ብዝመደበረን ሲቪላዊ ማሕበራት ዝቖመ መርበብ ሲቪላዊ ማሕበራት ኤርትራ ኣብ ኤዉሮጳ (NECS) ንዉጽኢት ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ
ቀዳም ምሸት 22 ሰነ 2013 ነቶም ሂወቶም ከፊሎም ናጻ ሃገር ዘርከቡና ጀጋኑ ስዉኣትና ንምዝካር፡ ኤርትራውያን ተቐማጦ በይ-ኤርያ ኣብ ለይክ መሪት ኦክላንድ ካሊፎርኒያ ሽምዓ ብምብራህ ዝኽሪ ሰማእታት ኣኽቢሮም። [gview file="http://demo.archive.assenna.com/wp-content/uploads/2013/06/በይኤርያ_M.pdf"]
መዓልቲ ሰማእታት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ተዘኪሩ ኤርትራውያን ነበርቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ብ22 ሰነ ኣብ ፕሪቶርያ፡ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ብምእካብ ንሓርበኛታት ሰማእታት ኤርትራ ዘኪሮም። ኣብቲ ብኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ሰብኣውን መሰላትን (ኤምዲሰመ) ዝተወደበ ኣኼባ፡ ተሳተፍቲ ነቲ መዘና ኣልቦ ምውፋይን ጅግንነትን ሓርበኛታት ኤርትራ ዘለዎም ኣድናቖት ገሊጾም። እንተኾነ ግን ክቡር
ኣብ ሲናይ፣ ዓሰርተታት ኣሽሓት ዶላራት ንክኸፍሉ ብበደዊን ከም ጅሆ ተታሒዞም፣ ክሳቐዩ ዝጸንሑ 4 ኤርትራውያን ካብቲ ተኣሲሮምሉ ዝጸንሑ ምስጢራዊ ምሕዩር ብምምላጥ ኣብ ትሕቲ ዑቕባ ሸኽ መሓመድ ይርከቡ ኣለዉ። እቶም ካብ ዓመጽ ነጋዶ ሰብ በደዊን ዘምለጡ ግዳያት፣- ሓበን ብርሃነ - 14 ዓመት ባና መሓሪ - 18 ዓመት ምስግና ብርሃነ - 25
ኣሰና፣ መንግስቲ ሱዳን ንመርበብ ሓበሬታ ኣሰና ኣሰና፣ መንግስቲ ሱዳን ንመርበብ ሓበሬታ ኣሰና፣ demo.archive.assenna.com ፣ ኣብ ሱዳን ምእጋዱ ብምቅዋም፣ ሎሚ 25 ሰነ ናብ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ናይ ምሕጽንታ ደብዳበ ብምልኣኽ፣ ነቲ መሰል ነጻነት ምርካብ ሓበሬታ ኤርትራውያን ዜጋታት ዝግህስ ስጉምቲ ደው ከብሎ ጸዊዑ። መስራትን ኣሰናዳእን ኣሰና
መዓልቲ ምኽባር ሰማእታት ኣብቲ ቦታ ናይ ሎሚ ዓመት ፍሉይ ዝገብሮ'ተሎ። ቀዳማይ፣ ንመጀመርታ ግዜ ሙኻኑን፣ ፍናን መንእሰያትን ዓበይትን፣ ብፍላይ ከኣ ስደተኛታት፣ ሞራሎም ን ደሌቶምን ናብ ንቡር ዝመለሰን ምንባሩ ፣ ካልኣይ ከኣ ፣ብመትከልን ከም መርኣያን፣ ኣብነት ኣብ ካልኦት ከተማታን ሃገራትን ዘሎ ህዝብና ንሙኻን፣ ኩሉ ዓቅሙ፣ ኣንጻር'ቲ መስዋኣቲ የሓውትናን ኣሓትናን ክንቱ ዝገበረ:
ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ስዊዝ ዝኽሪ እቶም በጃ ዝሓለፉ ጀጋኑ ሰማእታት ብክብ ዝበለ ስነ ስርዓት ተኸቢሩ።ኣብቲ ዝሓለፈ ትማሊ ሓሙሽ ምሸት ዝተኻየደ ናይ ሽምዓ ዝኽሪ ፤ ነታ ዕለት ብዘንጸባርቕ ዝተፈላለየ ናይ ሰውራ ደርፍታትን መዛሙርን ተሰንዩ ድሕሪ ምቕራቡ ተሳተፍቲ ንለበዋታት ስዋኣትና ንምትግባር ቃል ብምእታው፤ ነቲ ንዘይ ምማት ዝተመውተ
ብዕለት 06/19/13 መዓልቲ ሰማእታት ብድምቐት ተዘኺሩ ኣምስዩ እቲ ብደንበ ተቓውሞ ዝተዳለወ መደብ ዝኽሪ መጀመርታ ንሰማእታት ዝዝኽሩ ዝተፈላልዩ መዝሙራትን ናይ ዝኽሪ ደርፍታትን እዩ ተጀሚሩ። ቐጺሉ መንእሰያት ኣቦታት ኣደታት ሽምዓ ብምብራህ ነቲ ኸባቢ ንደቓይቅ ዘሬሞ፡ቐጺሎም ብሓባር ብምኽባብ ንደቓይቅ ናይ ሽምዓ ዘክሪ ገይሮም ፡ብድሕሪኡ እቲ መደብ ብምቕጻል ብመንእሰያት ዝቐረቡ ዝተፈላልዩ ንትርጉም
ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ የማነ ገብረኣብ (ማንኪ) ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ስርዓት ህግደፍ ዑስማን ሳልሕ ካብ ውልቀመላኺ መራሒ ስርዓት ህግደፍ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናብ መራሒ ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኬር ዝተሰደ ፍሉይ ልኡኽ ንምብጻሕ ጽባሕ 20 ሰነ ናብ ጁባ ክኣትዉ ምዃኖም እምኑናት ምንጭታት ኣሰና ካብ ኤርትራ ሓቢሮም። ትሕዝቶ
ብምኽንያት ቅነ ናጽነት ብስርዓት ህግደፍ ናብ ስዊዘርላንድ ተላኢኹ ምርኢታት ከካየድ ዝቐነየ ውሩይ ኤርትራዊ ደራፋይ መንእሰይ ሮቤል ምኪኤል ንስርዓት ህግደፍ ብምርሕራሕ ዑቕባ ከምዝሓተተ ተፈሊጡ። ሮቤል ምኪኤል ሓያለ ዜማታት ትግርኛ ዘቕረበ ሰፊሕ ህቡብነት ዝነበሮ መንእሰይ ስነጥበበኛ እዩ። ቀቅድሚኡ ኣብታ ብስርዓት ህግደፍ ንፕሮፖጋንዳ ዝተላእከት ጉጅለ ዝነበረ ውሩይ ደራፋይ ቢለን ኤልያስ
ሓላፊ ጠቕላሊ ስታፍ ውሽጣዊ ጸጥታ ስርዓት ህግደፍ ዝነበረ ገዲም ተጋዳላይ ኮለኔል ስዩም ሃብተማርያም (ላጂን) ብውዲት ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ተሰሚሙ ከምዝተቐትለ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም። ማእሰርትን ጭውያን ሙኩራት ተጋደልቲ ምስ በዝሐ፣ “ተጋዳላይ ይጠፍእ ኣሎ፣ ኣካይዳና ጽቡቕ የለን፣ ሃገር ትህሰ ‘ላ” ኢሉ ድሕሪ ምዝራቡ፣ እቲ ኣብ ጽባሕ ምንቅስቓስ
ስርዓት ህግደፍ ንመዓልቲ ናጽነት ኣመኽንዩ ኣብ ወጻኢ ኣብ ዘዳለዎ ናይ ፕሮፖጋንዳ ጽምብላት ንምስታፍ ዝለኣኾ፡ ውሩይ ደራፋይ ብሌን ኤልያስ መስመር መብራቱ ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ብምርሕራሕ ኣብ ስዊዘርላንድ ከምዝተሸርበ ምንጭታት ሓቢሮም። ስነጠበበኛ ኤልያስ መስመር፡ ኣብቲ ህግደፍ ዝሃቦ ተልእኾ ተሳቲፉ ሓንቲ ደርፊ ከይደረፈ እዩ ብቐዳም ካብቶም ምስኡ ዝመጹ ጉጅለ
እቲ ብኹቡር ደም ምዑት ኤርትራውን ኤርትራዊትን ዝተረጋገጸ ናጽነት ኤርትራ፣ በቲ ኣብ ትሕቲ ”ህዝባዊ ማዕበል ንድሕነት ሃገር” ዝብል መርሆ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ፣ ኣብ ልክዕ መዓልቱ፡ ኣብ ዕለት 24.05.2013 ብዓቢ ድምቀት ተዘኪሩን ከቢሩን ውዒሉ። ዕላማ ናይቲ ሰላማዊ ሰልፊ ድማ፣ መቓልሕ ድምጺ ናይቲ ኣብ ፈቐዶ ጎዳጉድቲ ናይ ህግደፍ
ሰንከልከል ወይጦታት ህግደፍ ኣብ ስታቫንገር ቅድሚ ሕጂ መጋበርያ ህግደፍ ዝኾነ ወዲ ገራህቱ ናብ ኖርወይ ኣብ ዝመጽኣሉ ግዜ ኣብ በርገን እቶም ካብ ኣርባዓ ዘይበዝሑ ኰራኵሩ እናተጸበዩዎ ከለዉ፡ ይትረፍ ኣኼባ ከካይድ ናብቲ ኣደራሽ ክኣቱ’ውን ኣይደፈረን። ህድማ ኣመሉ እዩ ስለ ዝኾነ ካብኡ ናብ ስታቫንገር ብምህዳም ኣኼባ ከካይድ ፈቲኑ። ኣብኡ’ውን
ኤርትራውያን ተቐማጦ ደቡብ ኣፍሪቃ መበል 22 መዓልቲ ናጽነት ጸንቢሎም፡ ቃልሶም ንዲሞክራስን ስብኣዊ መሰ ላትን ከሐይሉ ወሲኖም። ኤርትራውያን ተቀማጦ ደቡብ ኣፍሪቃ፥ ብቀዳም ዕለት 25 ግንቦት ኣብ ከተማ ፕሪቶሪያ ተረኺቦም መበል 22 መዓልቲ ናጽነቶም ጸንቢሎም። ኣብቲ ኣጋጣሚ፡ “በዓል ናጽነት ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን ንኽሰፍን፥ ስቕያት ህዝብና መዕለቢ
ጋዜጣ ኖርወይ ቨገ፡እነሆ ዘስካሕክሕ ኣብያተ ማእሰርቲ ኤርትራ ብዝብል ኣርእስቲ ብ25 ግንቦት ኣብ ዘስፈረቶ ሰፊሕ ጽሑፍ፡ኤርትራውያን ኣብ ትሕቲ ምልኪ ኢሳያስ ዘሕልፍዎ ዘለው ሂወት ኣብ ኤርትራ ዘለዋ ኣብያተ ማእሰርቲ ብካርታ ኣሰንያ ኣቕሪባቶ።ትርጉም ናይቲ ዓንቀጽ እነሆ። ኣቕረብቲ ስትያን ኢሰንትሮገር ምስ ዳን ኮረ ኢንገብረትሰን (ቨገ)ብመሰረት ሓበሬታ ኣምነስቲ፡ኤርትራ ብውሑዱ 10ሽሕ ሰባት ቀፊዳ
ቶሮንቶ--ሓደ ኤርትራዊ ዲፕሎማት ኣብ ቶሮንቶ ንኣህጉራዊ እገዳ ብምጥሓስ ንጨቓኒ ስርዓትን ሰራዊቱን ገንዘብ ከዋጽእ ስለዝሓዘቶ ካብ ሃገር ከተባርር ከምዝወሰነት ገሊጻ። መንግስቲ ካናዳ ብዝገበሮ መርመራ ሰመረ ገብረማርያም ዑቕባሚካኤል ዝተባህለ ቆንስል ካብ ኤርትራውያን ተቐማጦ ካናዳ ገንዘብ ክሽምጥጥ ከምዝጸንሐ ድሕሪ ምርግጋጽ ሎሚ ረቡዕ ንሃገሩ ክኸይድ ከምዝተኣዘዘ ተፈሊጡ። ስርዓት ኤርትራ ንከም ኣልሸባብ
ጽምብል 24 ጉንበት 2013 ኣብ ትሕቲ ዝተፈላለየ ጭርሖታት ክበዓል ዝቐነየ በዓል ነጻነት ኤርትራ ኣብ ከተማ ሉጋኖ ስዊትዘርላንድ ውን ብክብ ዝበለ ጽምብል ተባዒሉ። ኣብቲ ንልዓል ንፍትሒ ብዝብል ቴማ ዝተባዕለ ጽምብል ዝተፈላለዩ ዕዱማት ዘካተተ ኮይኑ፤ ከም ደቀንስትዮን ንኣሽቱ መንእሰያትን ብውዳብኦም ዝተሳተፍሉን ብፍላይ ከኣ ሕብረ ብሄራትና ዘሳተፈ ብሓቀኛ ማሕበረ ኮም
ካብ ሰሜን ኣመሪካ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ካናዳን፡ ገሊኦም ኣሽሓት ማይላት፡ ንልዕሊ 5 ሰዓታት ተጓዒዞም ናብ ዋሽንግተን ዲሲ ብምጕዓዝ፡ ኣብቲ ከም ኣካል ዝኽሪ ናጽነት ኤርትራ ዝተወደበ ሰላማዊ ዝልፊ ዝተሳተፉ፡ ኣስታት ክልተ ሽሕ ኤርትራውያን፡ ሓልዮት ህዝብን ሃገርን ዘንጸባርቕ፡ ሃገራዊ መንፈስ ዘለዓዕል ውዕዉዕ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም። እቶም ብብዝሒ መንእሰያት፡
እቲ ብ21 ጥሪ 2013 ኣብ ፎርቶ ዝተኻየደ ምንቅስቓስ ሰራዊት ድሕሪ ምቝጻዩ፡ ብሪጋደር ጀነራል ኣብርሃ ካሳን፡ ሜጀር ጀነራል ፊሎጶስ ወልደየውሃንስን ተሰንዩ ናብ ሰራዊት ዑደታት ንኸካይድ ዝተገደደ፡ ምስ ኮለኔል ወዲ ዓሊ ነቲ ምንቅስቓስ ዝመርሕ ዝነበረ ‘ሞ ዝተታሕዘ ብሪጋደር ጀነራል ሳልሕ ዑስማን ናይ መጀመርያ ዑደቱ ኣብ ከባቢ ደቀምሓረ
ገማግም ባሕርና ናይ ሃገርን ህዝብን እዩ ተባሂሉ ንዝኾነ ወጻእተኛ ይኹን ወዲ ሃገር ኣውፋሪ ንልዕሊ 20 ዓመታት ተሓሪምዎ ጸኒሑ’ዩ። ሕጂ ንሆቴላት መሬት ክወሃበኩም ስለዝተበሃሉ ኣብ ባጽዕ መሬት ንኽወሃቦም ከምኡ’ውን ኣብ ኣስመራ መሬት ተዋሂቦም ሆቴላት ንኽሰርሑ ዝሓቱን ዝሸባሸቡን ዘለዉ ውሑዳት፡ ኩሎም ተዓሽዮምን ተጋግዮምን ክበሃል ምስተኻእለ፡ ግና ዝበዝሑ
ሎሚ ቀዳም 18 ግንቦት 2013 ኣብ ሰዓትት ቅድሚ ቀትሪ ብሚኪኤል እምባየ (ኣራንቺ) ዝተጻሕፈት መመረቕታ መጽሓፍ ድርሳነ ደም ብምዕሩግ ኣገባብ ተዛዚሙ፡፡ ኣብ ጽንብል መመረቕታ መጽሓፍ ድርሳነ ደም ብርክት ዝበሉ ዕዱማት ኣብ ርእሲ ምርካቦም ድምጻዊ ምሕረትኣብ ሚኪኤልን ወዲማማን ከምኡ ውን ገጣማይ መድሃኔ ነቲ ስነ ስርዓት ድምቀት ዝወሰኹሉ ከዋኽብቲ
ስርዓት ኢሳይያስ ኩሉ ሰብ፡ እንተላይ ዳይረክተር ጀነራላትን ኮሚሽነራትን ዝርከቡዎም ላዕለዎት ሓለፍቲ ናይቲ ስርዓት፡ ብረት ክዓጥቕ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ ከምዘሎ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም። ብመሰረት’ቲ ትእዛዝ፡ እንተላይ’ቶም ተጠቒሶም ዘለዉ ካብ ሚኒስተራት ሓደ ጽፍሒ ንታሕቲ ለጠቕ ኢሎም ዝርከቡ ላዕለዎት ሓለፍቲ፡ ወረቐት መንቀሳቐሲ ኪወሃቦም፡ ኪገሹ ኸለዉ ፍቓድ ክረኽቡ፡ ብክፖን ሃለኽቲ
በቲ ኣብ ኣስመራ እናገነነ ዝኸይድ ዘሎ ጭውያ ቆልዑ ዝተሻቐሉ ገለ ርእሰ-መማህራን መባእታ ኣብያተ ትምህርቲ ኣስመራ፡ ወለዲ ደቆም ናብ ትምህርቲ ኣብ ምፍናውን ምቅባልን ልዑል ጥንቃቐታት ከዘውትሩ ብደብዳበ ከምዘዘኻኸሩ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም። ኣብ ኣስመራ ምእንቲ ገንዘብ ሓያለ ቆልዑ ተጨውዮም ይጠፍኡ ብምህላዎም፡ “ዝረኣየ ዓይኑ ይብራህ” ዝብል ምልክታታት ፈቖዶ
ብዮፍታሄ ወዲ ቀሺ ድሜጥሮስ ዝምራሕ ናይ ተዋሕዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ፣ ነቶም ናይ ፖለቲካ ጉልባብ መሳርሒኡ ፓትርያርክ ኢሉ ዘጠመቖም ኣባ ዲዮስቆሮስን ኣባ ሰላማን ኣባ ቀርሎስ እተባህሉ ጳጳሳት ጸሓፊኡ ሃብቶም ርእሶምን ኣሰንዩ፣ ኣብ እስራኤል ኣትዩ በቶም ናይ ኤምባሲ ኣባላቱን ሃሱሳት ቁጽራቱን ኣሰንዩ፣ ልዑል ምንቅስቓስን ምፍርራሕን ይገብሩ ኣለዉ። ነቶም
ኣብ ቀዳም ካብ ሓደ ዓቢ ቤት ትምህርቲ: ሓደ ዓቢ ንህይውት ሰብ ዘድሓነ ስራሕ ፈጺምካ: ብዓቢ ማዕርግ እንተትምረቕ'ሞ: ሰኑይ ስራሕ ጀሚርካ: እዚ እቲ ዝነፍዐ ሰራሕተኛና ኢሎም ክንእዱኻን ክሽልሙኻን እንተዝውዕሉ: አብ ራብዕቲ ግና: ኣብ ሓሙስ እዚ ሰብዚ ካብዚ ስራሕና ይውጻኣልና ጥራሕ ዘይኮነስ: ሓንቲ ከይበደልካ: መሳርሕተይ ዝበልካዮም ሓስዮም
እቲ ብስርሒት ፎርቶ ባህሪሩ “ሎሚ ዶ ጽባሕ” እናበለ ቀልባዕባዕ ዝብል ዘሎ ፍሹል ስርዓት ኢሳይያስ፡ ኣብ ስርሒት ፎርቶ 2013፡ ነተን ኣብ ጥርዚ ፎርቶ (ሚኒስትሪ ዜና) ተሰቒለን ዝዓረዳ ታንክታት ምንቅስቓስ ሰራዊት ወዲ ዓልን ብጾቱን፡ ብሞባይል ስኢልኩም ናብ ህዝቢ ዘርጊሕኩሞ ብዝብል ክሲ ን10 መዓልቲ ኣሲሩዎም ዝቐነየ ኣባላት ሚኒስትሪ
ካብ ውሽጥን ደገን ዝዝርጋሕ ዘሎ ሓበሬታ ዘጨነቖ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ከምቲ ብተደጋጋሚ ግዜ ዝገበሮ፡ ካብዚ ዝሓለፈ ሳልስቲ ኣትሒዙ ‘ውን ንመርበብ ሓበሬታ ኣሰና ናይ ሳይበር መጥቅዕቲ (cyber attack) የካይደላ ኣሎ። ነዚ ኩነታት’ዚ ኣብ ምክልኻል ስለእንርከብ ነቲ በብግዚኡ ዘጋጥመና ዘሎ ዕንቅፋት ክትርድኡልና ምስናይ ይቕሬታ ነዘኻኽር። ህላዊኡ ሰንኮፍ ምዃኑ ተፈሊጡዎ
ውልቀምልካዊ መራሒ ስርዓት ህግደፍ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ወደብ ዓሰብ ንቐጠር ብኽራይ ሂቡዎም ከምዘሎ፡ ኢትዮጵያ ድማ ብመንገዲ ቐጠር ኣገልግሎት ወደብ ክትጥቀም ምስጢራዊ ስምምዕ ተበጺሑ ምህላዉ ኣብ ኣስመራ ክናፈስ ዝጸንሐ ወረ ሕቅነት ከምዘለዎ፡ ካብ ገለ ሰበስልጣን ህግደፍ ዝመልቝ ዘሎ ሓበሬታ የዳምቖ’ሎ። በቲ ስምምዕ መሰረት፡ ሰራዊት ክልቲኡ ወገናት ካብቲ ከባቢ
ብሰንኪ ገስረጥ ምሕደራ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ኩሉ ነገራት ካብ ቁጽጽርን ስርዓትን ወጻኢ ኮይኑ ኣስመራ ሕጊ ኣልቦ እናኾነት ትኸይድ ከምዘላ ተቐማጦ ኣስመራ የማርሩ ኣለዉ። ሰበስልጣን ናይቲ ስርዓት ብግቦን ምጥፍፋእን ዘዋህለሉዎ ናቕፋ ናብ ዶላራት ክቕይሩ ይቀዳደሙ ብምህላዎም፡ ኣብቲ ኣብ ፈቖዶ ኣንጎሎ ብቕሉዕን ፍኑውን ዝካየድ ዘሎ ጸሊም ዕዳጋ ሓንቲ
ኤምባሲ ኖርወይ ኣብ ኣስመራ ጽባሕ ሰኑይ 29 ሚያዝያ ክዕጾ ምዃኑ ምንጭታት ንኤምባሲ ኖርወይ ኣብ ኤርትራ ብምጥቃስ ሓቢሮም። በዚ ምኽንያት’ዚ፡ ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ኖርወይ ኣገልግሎት ንዝደልዩ ኤርትራውያን ፡ ካብዚ ዝተጠቕሰ ዕለት ስርሖም ደው ከብሎ ምዃኖም ብምሕባር ክመልሱዎም ከምዝቐነዩ ተፈሊጡ ‘ሎ። መንግስቲ ኖርወይ ናይ ኤርትራ ኤምባሲኡ ክዓጹ ከምዝወሰነ ኣብ ዝሓለፈ
ህግሓኤ ኣብ ዘበነ ገድሊ፡ ንደርግ ኣብ ሃይማኖታዊ ጕዳያት ኢዱ የእቱ ኣሎ እናበለ ይኸሶ ከም ዘይነበረ፡ ካብ ድሕሪ ናጽነት ጀሚሩ ኣብ ገዳማትን ቤተክርስትያናትን እናኣተወ ንህዝቢ ክከፋፍል ክፍትን ጸኒሑን ኣሎን። ብፍላይ ንብጹዕ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ምእሳሩ ድማ ብምእመናን ከም ሞባእ ዝወደቐ ገንዘብን ሽሞኣን ጽላላትን ምዝማት ከይኣኽሎ፡ ካድራቱ ናብ
ተቐማጦ ኣስመራ ኣገልግሎት ማይ ከይረኸቡ ብዙሕ ገንዘብ ክኸፍሉ ይግደዱ ከምዘለው ምንጭታትና ካብታ ከተማ ሓቢሮም።ኣብታ ከተማ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ማይ ዘይረኸቡ ሰባት ናይ ቆጻሪ ኣገልግሎት ዘይከፈልኩም ብዝብል ምስምስ ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ብገንዘብ ይቕጽዑ ከምዘለው ተፈሊጡ።ምምሕዳር እታ ከተማ ቅድመ መጠንቀቕታ ከይሃበ ነቶም ክኸፍሉ ዘይክእሉ ሰባት መስመር ክቁረጽ
ሜጀር ጀነራል ዑመር ጠዊል ኣብ ፈለማ ሳምንታት ናይቲ ብ21 ጥሪ ዝተኻየደ ስርሒት ፎርቶ ፡ ናይ ገዛ እሱር ኮይኑ ገዝኡ ብኣባላት ጸጥታ ስርዓት ህግደፍ ክሕሎ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ድሕሪ ወርሒ ኣቢሉ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ውልቀምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣትዩ ከምዘሎ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም። ሜጀር ጀነራል ዑመር ጠዊል፡ ሚኒስተር