Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መዓልቲ ሰማእታት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ተዘኪሩ

መዓልቲ ሰማእታት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ተዘኪሩ ኤርትራውያን ነበርቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ብ22 ሰነ ኣብ ፕሪቶርያ፡ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ብምእካብ ንሓርበኛታት ሰማእታት ኤርትራ ዘኪሮም። ኣብቲ ብኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ሰብኣውን መሰላትን (ኤምዲሰመ) ዝተወደበ ኣኼባ፡ ተሳተፍቲ ነቲ መዘና ኣልቦ 

መዓልቲ ሰማእታት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ተዘኪሩ

ኤርትራውያን ነበርቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ብ22 ሰነ ኣብ ፕሪቶርያ፡ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ብምእካብ ንሓርበኛታት ሰማእታት ኤርትራ ዘኪሮም። ኣብቲ ብኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ሰብኣውን መሰላትን (ኤምዲሰመ) ዝተወደበ ኣኼባ፡ ተሳተፍቲ ነቲ መዘና ኣልቦ  ምውፋይን ጅግንነትን ሓርበኛታት ኤርትራ ዘለዎም ኣድናቖት ገሊጾም። እንተኾነ ግን ክቡር ሂወቶም ዝኽፈልሉ ዕላማን ራኢኦምን ተጠሊሙ ምህላው ኣዚዩ ዘሕዝንን  ንኽብሪ እቶም ዝተሰውኡ ጅጋኑ ዘናሹ ዓቢ ክሕደት ምኻኑ ኣስሚሮሙሉ።

ኣብቲ ናይ ዝኽሪ ምሸት፡ ብኣባላት ፈጻሚት ኣካል ኤምዲሰመ ንትርጉም ዝኽሪ ሰማእታት ኤርትራን ዝተሰውኡሉ ዕላማን ዘብርህ ሓጺር ሰሚናር ተዋሂቡ። ሃገራዊ መዓልቲ ሰማእታት ዝግበረሉ ምኽንያት ነቲ ዝወደቕሉ ዓላማን  ራእይን ክውን ኣብ  ምግባር  ዘሎና ሓላፍነት ምዝኽኻር እዩ። ስለዚ መዓልቲ ሰማእታት  ርእስና ንሓከሉ ኣጋጣሚ እዩ። ኩልና ንምንታይ ክቡር ሂወቶም ሂቦም ተሰዊኦም ኢልና ክንሓትት ይግባኣና’ዩ። ምእንቲ ፍትሒ ክብረት ሓርነት ናጽነት መሰልሰላምን ብልጽግናን ህዝቦምን እዮም ተቓሊሶም ክቡር ዋጋ ከፊሎም። ህዝቦም ብሩህ መጻኢ ከስተማቕር ምእንቲ ንሶም ከም ሽምዓ መኺኾም፡ ነታ እንኮ ሂወቶም ሂቦም። ሎሚ ራእይ ሓርበኛታት ተጠሊሙ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መዘና ዘይብሉ ድቕድቕ ጸልማት ብስቓይ ይነብር ኣሎ። ከምቲ ሓደ ካብ ተሳተፍቲ ዝበሎ፡ “ንህዝቢ ኤርትራ ኩሉ መዓልቲ 20 ሰነ ኮይንዎ ኣሎ”። ስለዚ ነፍሲ ወከፍና ነቲ ዝወደቕሉ ዓላማ ኣብ ምዕራፉ ንምብጻሕን ብሩህ መጻኢ ወለዶ ንምውሓስን ከይተሓለልና ብሓላፍነት ክንሰርሕ ለበዋ ተመሓላሊፉ ። ተሳተፍቲ ብወገኖም ነቲ ክቡር ዋጋ ዝተኽፍሎ ዝተጨውየ ሪእይ ክዉን ንምግባር ቃልሶም ከሐይሉ ቃል ኣትዮም። ኣብ መወዳእታ ከምቲ ልሙድ ተሳተፍቲ ሽምዓ ብምውላዕ ናይ ሕልና ዝኽሪ ድሕሪ ምግባር መደቦም ዛዚሞም።

ክቡር ዕላማታት ሰማእታትና ይተግበር!

ሞጎስ ንኹሎም ሓርበኛታት ሰማእታት ኤርትራ

24 ሰነ 2013

ኤምዲሰም

ቤ/ጽ ርክባት

ደቡብ ኣፍሪቃ

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT