Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

እነሆ ዘስካሕክሕ ኣብያተ ማእሰርቲ ኤርትራ – ጋዜጣ ኖርወይ ቨገ

ጋዜጣ ኖርወይ ቨገ፡እነሆ ዘስካሕክሕ ኣብያተ ማእሰርቲ ኤርትራ ብዝብል ኣርእስቲ  ብ25 ግንቦት ኣብ ዘስፈረቶ ሰፊሕ ጽሑፍ፡ኤርትራውያን ኣብ ትሕቲ ምልኪ ኢሳያስ ዘሕልፍዎ ዘለው ሂወት ኣብ ኤርትራ ዘለዋ ኣብያተ ማእሰርቲ ብካርታ ኣሰንያ ኣቕሪባቶ።ትርጉም ናይቲ ዓንቀጽ እነሆ። ኣቕረብቲ ስትያን ኢሰንትሮገር

ጋዜጣ ኖርወይ ቨገ፡እነሆ ዘስካሕክሕ ኣብያተ ማእሰርቲ ኤርትራ ብዝብል ኣርእስቲ  ብ25 ግንቦት ኣብ ዘስፈረቶ ሰፊሕ ጽሑፍ፡ኤርትራውያን ኣብ ትሕቲ ምልኪ ኢሳያስ ዘሕልፍዎ ዘለው ሂወት ኣብ ኤርትራ ዘለዋ ኣብያተ ማእሰርቲ ብካርታ ኣሰንያ ኣቕሪባቶ።ትርጉም ናይቲ ዓንቀጽ እነሆ።

ኣቕረብቲ ስትያን ኢሰንትሮገር ምስ ዳን ኮረ ኢንገብረትሰን

(ቨገ)ብመሰረት ሓበሬታ ኣምነስቲ፡ኤርትራ ብውሑዱ 10ሽሕ ሰባት ቀፊዳ ብዙሓት ካብኣቶም ኣብ ትሕቲ ዘስካሕክሕ ኩነታት ይርከቡ።

ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ንኤርትራ ነጻ ሃገር ዝፈለጠሉ መበል 20 ዓመት ምኽንያት ብምግባር፡ውድብ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰል ንኩነታት ኤርትራ ዝምልከት ጸብጻብ ኣውጺኡ።ኣብቲ ጸብጻብ ብውሑዱ 10ሽሕ ሰባት ብምኽንያት ፖለቲካ ተኣሲሮም፡ኣብ መንጎዞም እሱራት ብ2001 ዝተኣስረ ኤርትራዊ ሽወደናዊ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ኢዩ።

ጸብጻብ>> ዕስራ ዓመት ናጽነት ብዘይ ሓርነት<< ነቲ ስርዓት ዝነቐፉ፡ጋዜጠኛታት፡ተኸተልቲ ንኡሳን ሃይማኖታት፡ካብ ሃገርን ካብ ኣገልግሎት ዕስክርናን  ዝፈተኑን ከምኡ እውን ኣብ ወጻኢ ዑቕባ ሓቲቶም ዝተመልሱን ብዘይክሲ ተኣሲሮም ዘሕልፍዎ ስቅያት ብዝርዝር ገሊጽዎ።

ኣብ ትሕቲ እቲ ን20 ዓመት ዝገዝአ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ንመብዛሕትኦም ኤርትራውያን ኩነታት ካብ ሕማቕ ናብ ዝኸፍአ ተቐይሩ። ዝኾነ ሰብ ውሕስነት ከምዘይስምዖ ንምግባር ብኸመይ ነቲ ስርዓት ከምዘቖሞ ምርኣይ ዘሰንብድ ኢዩ።

ዝበዝሑ ኣብ ትሕቲ ስግኣት ፖለቲካዊ ጭቆና፡ጃምላዊ ማእሰርቲን ስቅያትን ይነብሩ ይብል ኣብ ኖርወይ ኣማኻሪ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ገራልድ ካዱር ፎልክቩርድ።

ሸላታት ትሕቲ መሬት

ንሱ፡ዝኾነ ሰብ ብዘይገለ ገበን ኣብ ትሕቲ መሬት ሸላ ከምዝድርበን ወይ ምስ ብዙሓት ኣብ ኮንተይነር ከምዝዳጎንን ሓቢሩ።ዘመዱ ወይ ዝፈልጦ ሰብ ካብ ሃገር ወይ ካብ ዕስክርና እንተሃዲሙ እቲ ሰብ ይእሰር ይብል ፎልክቩርድ።

ኣብ ኤርትራ ቁጽሪ ናይ ፖለቲካን ሕልናን እሱራት ንምፍላጥ ኣይከኣልን ዩ።እንተኾነ ብመሰረት ኣምነስቲ ብውሑዱ 10 ሽሕ ይበጽሑ።

ጸሓፊት ጉዳያት ወጻኢ ኖርወይ ግሪ ላርሸን ንቨገ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ ድማ ፡ እቲ ኣሃዝ ብዙሕዩ ከምኡ እውን ንኤርትራ ብዝምልከት ንምፍላጥ ኣጸጋሚ ኢዩ፡እንተኾነ ጸብጻብ ኣምነስቲ ምንም ዘጠራጥር የብሉን ይብል።

ሰሜን ኮርያ ኣብ ኣፍሪቃ

ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ዕጽዋትን ንጹላትን ሃገራት ዓለም ከምኡውን ዝኸፍአ ናጽነት ፕረስ ካብ ዘለወን ሃገራት ዓለም ኢያ ብመሰረት ጋዜጠኛታት ብዘይዶብ።እታ ሃገር ምስ ጎረባብታ ኣብ ኩናት ዘላን ዝነበረትን ኢያ።እታ ሃገር ግዱድ ዕስክርና ንክልተ ሰለስተ ዓመት ኣዊጃ ብተግባር ግን ንብዙሓት ክሳብ ዕድመ ምሉእ እዩ።

ኤርትራ ልክዕ ሰሜን ኮርያ ኣብ ኣፍሪቃያ ይብል እቲ ንተኸታታሊ ዓመታት ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ መጽናዕቲ ዘካየደ ስቲግ ያርለ ሃንሰን።

እታ ሃገር ኣብ ኣፍሪቃ ዝበዝሐ ሰራዊት ካብ ዘለወን ኢያ።ኢሳያስ  ኣንጻር ኢትዮጵያ ኣብ ዝተገብረ ውግእ  ንሃገራውነት ከምዝተጠቕመሉን ብምኽንያት ናይዚ ድማ ከም መራሒ ከምዝቐጸለን ሃንሰን ንቨገ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ገሊጹ።

ዝሓለፈ ዓመታት ኖርወይ ድሕሪ ሶማልያውያን ዝስርዑ ብዙሓት ኣሽሓት ኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባ ተቐቢላ።ኤርትራውያን ድማ ዝበዝሕ ፍቓድ ዑቕባ ዝወሃቦም ኢዮም።መብዛሕትኦም ካብ መንግስቲ ዝሃደሙን ካብ ዕስክርና ዘምለጡን ከምዝኾኑ ወጻኢ ጉዳያት ኖርወይ ይገልጽ።

ስነኣእምሮኣዊ ፍርሒ(paranoid) ዘለዎ መሪሕነት

ጋዜጠኛን ደራስን መጽሓፍ>>ምናልባት ኣነ ውን ውልቀመላኺ ክኽወን ይኽእል ኢየ<<ሚካል ሀም ንኢሳያስ ኣፈወርቂ ከም ልክዕ ኣብነት ናይቲ ንናጽነት ተጎልቢቡ ውልቀመላኺ ዝኾነ መራሒ ይገልጾ።

ንሱ ነቲ ኣንጻር ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ደባይ ኩናት መሪሑ፡፡ሕጂ ግን ኩሉ ስልጣን ናይ ምግባት ጥራይ ኢዩ ይብል ሀም ንጋዜጣ ቨገ።

ጸሓፊ ሰልፊ ሰራሕተኛታት ኖርወይ ራይሞንድ ዮሃንሰን፡ኣብ 2002 ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ  ኣብ ኤርትራ ኮይኑ ኣገልጊሉ።ድሕሪ ገለ ዓመታት ድማ ከምጸሓፊ ቀዳማይ ሚኒስተር ብዛዕባ ሰላም ንምዝርራብ ናብ ኤርትራ ተመላሊሱ።ኣብ ወደባዊት ከተማ ባጽዕን ኣብ ርእሰ ከተማ ምስ ኢሳያስ ተዘራሪቡ።ዮሃንሰን ብዛዕባ  እቲ ስነኣእምሮኣዊ ፍርሒ  ዘማዕበለን ጨፍላቒ ዝተቐየረን ህቡብ ዝነበረ ፕረዚደንት ይገልጽ።

ከም ሰብ እዚ ፕረዚደንት ከመይ እዩ?

ንሱ ከምቲ ዝኾነ ሰብ ምስ መራሕቲ ኣፍሪቃ ዘተኣሳስሮ ናብ ውልቃዊ ሃብቲ ዘድህብ ይመስል ኣይነበረን።ንሱ ኣብ ቺና ኣብ ዝነበረሉ  ብሰውራ ቺና ተመሲጡ። ብርግጽ ምሁር ኢዩ ፡ብዛዕባ  ዝምባለታት ኣፍሪቃ ምዝራብ ይፈቱ ነይሩ።ናጽነት ኣፍሪቃን ካብ ናይ ወጻኢ ደገፍ ነብስኻ ምኽኣል ሚዛን ክወሃቦ ከምዝግባእ ይዛረብ ነይሩ።ንክትሰምዖ ደስ ዘብል ዓይነት ነይሩ፡እንተኾነ ዝያዳ ተጠራጣሪ እናኾነ መጺኡ ይብል ራይሞንድ ዮሃንሰን።

መጥቃዕቲ ይፈርሕ

ዮሃንሰን ኩነታት ሰብኣዊ መሰል እታ ሃገር ብፍላይ ብዘይ ሕግን ፍርድን ምእሳር ከምዘተሓሳስቦ ገሊጹ።እቲ ስርዓት ውሽጣዊ ጉዳይ ስለዝኾነ ንዓለም ዝምልከት ኣይኮነን ከምዝብል ሓቢሩ።ኣብ ኖርወይ ንናዚ ዝሕግዝ እንታይ ምገበርኩሞም ብምባል ድማ ነቲ ጉዳይ ከመሳስልዎ ከምዝፍትኑ ዮሃንሰን ንቨገ የብርህ።

ኢሳያስ ንኣሜሪካ ከምጸላኢት ከምዝወስዳን ኣሜሪካ ብወገና ኤርትራ ንእስላማዊ ጥሩፋት ሶማልያ ብምድጋፍ ነቲ ዞባ ንምብጽባጽ ትፍትን ከምዘላ ትኸሳ።ብመሰረት ካብ ኤምባሲ ኣሜሪካ ብዊኪልክስ ኣብ 2010 ዝለሓኾ ሓበሬታ፡ኢሳያስ ኣሜሪካ ክትቀትለኒ ፈቲና ዝብል ፍርሒ ከምዘለዎ ይግለጽ።

ናጽነት ምንቅስቓስ የልቦን

ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝነበረሉ ራይሞንድ ዮሃንሰን ብሄሊኮፕተር ይንቀሳቐስ ከምዝነበረን በብጊዚኡ ድማ ምንቅስቓሱ ከም ዝተደረተ ሓቢሩ።ሎሚ ዝኾነ ዲፕሎማት ካብታ ርእሰከተማ ወጻኢ ብናጻ ክንቀሳቐስ ኣይክእልን ኢዩ።እዚ ኣብ ባይቶ ጸጥታን ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካን ተረጋጊጹ ኢዩ።ኣሜሪካ ውክልናኣ ኣብታ ሃገር ናብ ዝተሓተ ደረጃ ኣውሪዳቶ፡ኖርወይ ድማ ኣም መወዳእታ ወርሒ ሰነ ቤት ጽሕፈት ኤምባሲ ለጠቕ ከተብሎ ኢያ።ጸሓፊት ኣብ ጉዳያት ወጻኢ ግሪ ላርሸን ኖርወይ ምስ ኤርትራ ንቡር ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ኣለዋ ኢላ ።እንተኾነ ክልቴና ኣዚና ዝተራሓሓቕና ኢና ብፍላይ ኣብ ሕቶ ሰብኣዊ መሰል ትብል ንሳ።ኤርትራ ናጻ ሃገር ብዘይ ናጻ ሰባት ኢላ ንሳ ንቨገ።

ቅልጡፍ ለውጢ  ክመጽእ ይኽእልዩ

ጸሓፊት ኣብ ጉዳያት ወጻኢ ነቲ ምንካይ ዲፕሎማስያዊ ስታፍ ንኤርትራ ምግዳፍ ኢዩ ዝብል ኣይትቕበሎን።

ንጉዳይ ኤርትራ ካብ ካርቱም፡ጀነቭን ኒውዮርክን ክንከታተሎ ኢና።ኤርትራ ንኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ምኽፋት ኣዝዩ ኣጸጋሚዩ፡እንተኾነ ንምቕጻል ድማ መንገዲ የድሊ፡፡ለውጢ ከምዝህልው ተሞክሮ ኣርእዩና ኢዩ።ኤርትራ እውን ጊደአ ክትገብር ኣለዋ።ካብ ዳሕራይ ሕጂ ለውጢ ክመጽእ ይትስፎ።ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ምስ ኤርትራ ክራኸብ ንጹራት ምልክታት ኣለው።

ስቲግ ያርለ ሃንሰን ንዝኾነ ምስግጋር ኣብ ኤርትራ ዋላሓደ መካኒዝም የልቦን ስለዚ ድማ ዘይተርፍ ለውጢ ብሃንደበት ክመጽእ ይኽእልዩ ይብል።እንተኾነ መጻኢ ኢሳያስ ንብዙሓ ዓመታት ግምታት ስለዝተዋህቦ ሕጂ እውን ብትዕግስቲ ምዕዛብ ከምዘድሊ የመልክት ንሱ።

ህጹጽ ረዲኤት ኣብያተ ክርስትያን ካብ 1970ታት ኣብታ ሃገር ክሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ ዓሚ ካብ ኤርትራ ክወጽእ ተገዲዱ።ጠቕላሊ ጸሓፊት ኣነ መሪ ሄላንድ ኣብታ ሃገር ምስራሕ ከምዘይክኣል ሓቢራ።

ኖርወይ ንኤርትራ ትህቦ ክልተኣዊ ደገፍ የልቦን።እንተኾነ ብመንገዲ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጥዕናን ሕርሻን ሓገዝ ትህብያ።መጻኢና ኣብ ኢድና ዝተባህለ ትካል ሓደ ኣብ ኤርትራ ዝኣተወ ትካል ዕደና ካናዳ 75 ሚልዮን ክሮነር(ኣስታት 13 ሚልዮን ዶላር ኣሜሪካ) ኣብቲ ግዱድ ዕዮ ዝካየደሉ ከምዘውፈረ ኣቃሊዑ።እቲ ጉዳይ ድማ ብሕጊ ይርአ ኣሎ።ነዛ ሃገር ምርሳዕ ዝብል ኣንፈት ክዝርጋሕ ጀሚሩ ኣሎ።ሓደገኛዩ።በዚ ሰብኣውነትና ናይ መወዳእታ ተስፋ ንጽንቅቐሉ ኢዩ።ነቲ መሪሕነት ዲሞክራስያዊ ኣንፈት ከምዝሕዝ ንምግባሩ ንምጽላው ፈተነ ምቅጻል ኣገዳሲ ኢዩ ይብል ጸሓፊ ኣምነስቲ ኣብ ኖርወይ ገራልድ ካዶር ፎልክቮርድ።

ጋዜጣ ቨገ ንኩነታት ሰብኣዊ መሰል ብዝምልከት ካብ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ስቶኮልም ይኹን ክፍሊ ሓበሬታ ኣስመራ መልሲ ኣይረኸበን፡፡

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • ማሊሻ May 29, 2013

    ኣብ ታሪኽ ዓለምን ፣ ኣብ ነዊሕ ዛንታ ሰብን ብጭብጢ እተረጋገጸ ሓቂ እንተሎ እዚ እዩ። ዝኾነ ይኹን ሕብረተሰብ ወይ ህዝቢ ፣ ንሕሉፍ ናይ ዘመናት ታሪኹ ዝጸልእ ፣ ውርሻኡ ዝንዕቕ ፣ መረበቱ ወይ ትውልዲ ዓዱ ዝኽሕድ ፣ ቋንቋታቱ ብባርዕ ዘልምስ ፣ ቅርስታቱ ዘፍርስ ፣ ባህልታቱ ስርዓቱ ዘድፍር ፣ ደቂ ሩባኡን ጎዶቦታቱን ዘየኽብር ፣ ይትረፍ መሪሕነት ክጭብጥን ሃገር ክኣልን ፣ ናይ ገዛእ ርእሱ ሉኣላዊት ሃገርን መሬትን ውን ከቶ ኣይግበኦን እዩ።

    እዚ ከምዚ ዓይነት ነፍሰ ሙት ፣ ሕልና ዕሩብ ፣ ኣእምሮ ዕሱብ ጉጅለ ወይ ጭፍራ ፣ እንትርፎ ከም ጊላ ከዳሚ ወይ ዓብድ ናይ ባዕዲ ፣ ብናይ ገዛእ ርእሱ መንነትን ኣብራኽን ደው ክብል ብፍጹም ዝሕሰብ ኣይኮነን ።

  • tesfay May 30, 2013

    well done norway

  • Thomas May 30, 2013

    The dictator’s barbaric acts are being exposed clear like a day light in evry corner around the world.

    These terrible news are coming out while the dictator is still in power. You can imagine what reality we are going to learn when the dictator is gone. We are going to hear news of may the one of worst human right valuations the world has ever witnessed

    The dictator is losing in every front, time is over.

    God bless Eritrea

  • ADDERSSO May 30, 2013

    Sitting in a back sit we still are looking for handouts, Norwegian is waging war on our behalf, there is not going to be freedom till we wage the war on are own, if we can not defeat our own brothers on our own, they deserve to lead.We all have to realize that people are risking to be victims rape, humiliation, and organ harvest rather than to fight and die in dignity.How many of us are willing to go or send our children to fight, The chance is zero, nada.

POST A COMMENT