Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ካናዳ ቆንስላዊ ኣገልግሎት ተጠቒሙ ንኤርትራውያን ንምክልኻል ሃገር ከዋጽኡ ንዝጎስጎሰ ዲፕሎማት ኤርትራ ተባርር

ቶሮንቶ--ሓደ ኤርትራዊ ዲፕሎማት ኣብ ቶሮንቶ ንኣህጉራዊ እገዳ ብምጥሓስ ንጨቓኒ ስርዓትን ሰራዊቱን ገንዘብ ከዋጽእ ስለዝሓዘቶ ካብ ሃገር ከተባርር ከምዝወሰነት ገሊጻ። መንግስቲ ካናዳ ብዝገበሮ መርመራ ሰመረ ገብረማርያም ዑቕባሚካኤል ዝተባህለ ቆንስል ካብ ኤርትራውያን ተቐማጦ ካናዳ ገንዘብ ክሽምጥጥ ከምዝጸንሐ ድሕሪ

ቶሮንቶ–ሓደ ኤርትራዊ ዲፕሎማት ኣብ ቶሮንቶ ንኣህጉራዊ እገዳ ብምጥሓስ ንጨቓኒ ስርዓትን ሰራዊቱን ገንዘብ ከዋጽእ ስለዝሓዘቶ ካብ ሃገር ከተባርር ከምዝወሰነት ገሊጻ።

መንግስቲ ካናዳ ብዝገበሮ መርመራ ሰመረ ገብረማርያም ዑቕባሚካኤል ዝተባህለ ቆንስል ካብ ኤርትራውያን ተቐማጦ ካናዳ ገንዘብ ክሽምጥጥ ከምዝጸንሐ ድሕሪ ምርግጋጽ ሎሚ ረቡዕ ንሃገሩ ክኸይድ ከምዝተኣዘዘ ተፈሊጡ።

ስርዓት ኤርትራ ንከም ኣልሸባብ ዝኣመሰሉ ምስ ኣልቃዒዳ ምትእስሳር ዘለዎም ዕጡቓት ብምድጋፉ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ እቲ ስርዓት እገዳ ስለዝወሰነ ነቲ ስርዓት ገንዘብ ምውጻእ ዘይሕጋዊ ኢዩ።እቲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ጆን በይርድ ካናዳ  ንጠቕላሊ ቆንስል ሰመረ መዝነቱ ብምንጻግ(person non grata) ንምጥራዙ ብዝቐልጠፈ ዝትግበር ስጉምቲ ከምዝወሰደት  ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

ሰመረ ሰነ 5(ድሕሪ ሰሙን) ፍርቂ መዓልቲ ካብ ካናዳ ክወጽእ ኣለዎ።ከምዚ ጉዳያት ልሙድ ብምኻኑ መንግስት ካናዳ ብዛዕባ ምጥራዙ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን።ካናዳ ንኤርትራ ኣህጉራዊ እገዳን ሕጊ ካናዳን ከተኽብር ብተደጋጋሚ ክትሕብር ከምዝጸንሐት ገሊጻ።

ሚስተር በይርድ ናይ ሎሚ ተግባር ካብ ቃላት ንላዕሊ ገላጺ ዩ ክብል ተዛሪቡ።

ዘይሕጋዊ ምሽምጣጥ ገንዘብ፡  ካናዳ ከምዘይትጻወሮ እቲ ጥርዝያ ንስርዓት ኤርትራ መልእኽቲ ዘመሓላልፍ ኢዩ።

ጉዳያት ወጻኢ ካናዳ ንኤርትራ ብዲፕሎማስያዊ መገዲ ክህቦ ድሕሪ ዝጸንሐ መጠንቀቕታ ከምዝሰዓበ ድማ ተገሊጹ።እንተኾነ እቲ ቆንስል ካብ ኤርትራውያን 2ሚእታዊት ካብ ደሞዞምን ከምኡ እውን ካብ 300-500 ዶላር ንሰራዊት ከዋጽኡን ከገድድ ከምዝጸንሐ ቅድሚ ክልተ ቅነ ናሽናል ፖስት ኣቃሊዑ።

ኤርትራውያን ካናዳውያን እቲ ኣገባብ ምእካብ ገንዘብ ዘይሕጋዊ ኢዩ ብምባል ካብ ነዊሕ ኣትሒዞም ክጠርዑ ከምዝጸንሑ ተፈሊጡ።ጉጅለ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራውያን ካናዳውያን ኣብዚ ቀረባ ጊዘ ነቲ ሸምጠጣ ገንዘብ ብዝምልከት ነቲ ኣቐዲሙ ናቱ ምክትታል ክገብር ዝጸንሐ  ፖስትን ንጉዳያት ወጻኢን ሓዲሽ መረጋገጺ ከምዘረከበ ተመልኪቱ።

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
11 COMMENTS
  • Kabbire May 29, 2013

    እዚ ንስርዓት ህግደፍ ዘሰምብድ ስጉምቲ እዩ ። ስርዓት ህግደፍ ይብህርር እኳ እንተኾነ ፈጊዱ ነቲ ናይ ገንዘብ ናይ ምእካም ዕማሙ በዚ ስጉምቲ እዚ ደው ከብሎ ዘይሕሰብ እዩ። እንተደልዩ በቶም ንግሆ ንግሆ ንኤርትራ ዝማላለሱ ደገፍቱ በብዓሰርተ ሽሕ ክሰዶ ስለዝኽእል።

    • Selino Asmarino May 30, 2013

      እወ ልክዕ ኣለኻ ፥ እቲ ከልቢ ይንባሕ እቲ ገመል ግን ገና ክሱጉም እዩ። ኣይትዕፈር።

  • muler haile May 29, 2013

    They will try to collect it in other ways because these People act like Mafia agents and have many tentacles. believe me they will install phoney Companies and start collecting it through their puppets, The NHNA NSU Garbage elements!

  • Mesinas May 30, 2013

    ንሕና ንሱ!

    ኣንቱም ንሱ ንሕና፡ ንሕና ንሱ
    ጀጋኑ ዝመቈሐ ብሓሶት ከሲሱ
    ምሁራት ዘጽነተ ከም ተመን ነኺሱ
    ቊሩብ ከይነተንፍስ ብኣፍና ዓቢሱ
    ሃገርና ዘዕነወ ብዂናት ሓሚሱ!
    ኣንታ ነዚ ድኹም ወትሩ እትውድሱ!?

  • መን ከም ሐቂ May 30, 2013

    ዓለም ድኣ ጊድአ ተበርክት እንድያ ዘላ ንሕን እንዲና አቢና ዘለና እምበር ኮታ ኩኩ ኧስናኖምን ኩርምቶም ጎሪፎም ብግርጸኖ ኢዮም ዝከዱ ዘለዉ

  • Kabbire May 30, 2013

    Whoever is the Canadian Consul General in Asmara should be ready to leave Eritrea soon. The Asmara regime will confiscate all the houses and businesses he bought and send him back to Canada with few Canadian dollars.

    The Canadian representative in Eritrea is not doing a good job representing Canada.

  • beka June 1, 2013

    good job Canadian good job!!!

POST A COMMENT