Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሰንከልከል ወይጦታት ህግደፍ ኣብ ስታቫንገር

ሰንከልከል ወይጦታት ህግደፍ ኣብ ስታቫንገር ቅድሚ ሕጂ መጋበርያ ህግደፍ ዝኾነ ወዲ ገራህቱ ናብ ኖርወይ ኣብ ዝመጽኣሉ ግዜ ኣብ በርገን እቶም ካብ ኣርባዓ ዘይበዝሑ ኰራኵሩ እናተጸበዩዎ ከለዉ፡ ይትረፍ ኣኼባ ከካይድ ናብቲ ኣደራሽ ክኣቱ’ውን ኣይደፈረን። ህድማ ኣመሉ እዩ

ሰንከልከል ወይጦታት ህግደፍ ኣብ ስታቫንገር

ቅድሚ ሕጂ መጋበርያ ህግደፍ ዝኾነ ወዲ ገራህቱ ናብ ኖርወይ ኣብ ዝመጽኣሉ ግዜ ኣብ በርገን እቶም ካብ ኣርባዓ ዘይበዝሑ ኰራኵሩ እናተጸበዩዎ ከለዉ፡ ይትረፍ ኣኼባ ከካይድ ናብቲ ኣደራሽ ክኣቱ’ውን ኣይደፈረን። ህድማ ኣመሉ እዩ ስለ ዝኾነ ካብኡ ናብ ስታቫንገር ብምህዳም ኣኼባ ከካይድ ፈቲኑ። ኣብኡ’ውን በቲ ዝድለ መተን ከም ዘይሰለጦ ቅድሚ ሕጂ ተገሊጹ ነይሩ። ብዝኾነ ተኽለ ፈዳይ ዝብሃል ወይጦ ህግደፍ፡ ንመንግስቲ ኖርወይ ካብ ፖለቲካ ናጻ ዝኾነ ማሕበረሰብ እናበለ ከታልል ከም ዘይጸንሐ ነቶም ደለይቲ ፍትሒ (ብዘይካ ውሑዳት ከይተፈልጡ ዝኣተዉ) ተጋሩ እዮም ብምባል ናብቲ ኣደራሽ ምእታው ከልኪሉዎም። ደለይቲ ፍትሒ ድማ ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ፖሊስ ብምሕባር ክተሓሓዙዎ ክኢሎም። እዚ ጕዳይዚ እዩ’ምበኣር ፈኸም ክብል ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሕጂ ንወይጦታት ህግደፍ ኣብ ሰልሚ ኣእትዩዎም ኣሎ። ደለይቲ ፍትሕን ማሕበር ኤርትራውያን ኖርወጃውያን ኣብ ስታቫንገር ነቲ ሽዑ ዘጋጠመ ጕዳይ ናብ ምምሕዳር ስታቫንገር ብምትሕልላፍ ክከታተሉዎን ምስ ዝምልከቶ ኣካላት ክዘራረቡሉን ድሕሪ ምጽናሕ፡ እነሆ ሎሚ ዕለት 30/05/13 ከንቲባ ከተማ ስታቫንገር ክሪስቲና ሳገን ንሮጋላንድ ኣቪስ ብዛዕባ’ቲ እቲ ጕዳይ መግለጺ ሂባ። ንሳ ኣብ መግለጺኣ፡ “ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ብሰንኪ ኣባላት ህግደፍ ኣብ ገዛእ ከተማኦም ጸገማት የጋጥሞም ስለ ዘሎ ቤትምኽሪ ከተማ ስታቫንገር ብዛዕባዚ ጕዳይዚ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ውሳኔ ክህብ እዩ፡” ዝብል ነይሩ። ኣቐድም ኣቢሉ፡ ምምሕዳር ከተማ ሱላ ወይጦታት ህግደፍ ንውልቃዊ ጕዳዮም ኣምሲሎም ብምድንጋር ጓይላ ንኽገብሩሉ ዝተኻረዩዎ ኣደራሽ ኵንትራት ሰሪዙ ከም ዝከልከሎምን ንድሕሪ ሕጂ ድማ ኣብቲ ቦታ ከይቅልቀሉ ከም ዝኣገዶምን ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብዚ ናይ ትማሊ ኵነታት ሹመና ወይጦ ህግደፍ ተኽለ ፈዳይ ጋዜጠኛታት፡ ንጭፍራ ህግደፍ ዝድግፍ እንተ ኾይኑ ምስ ሓተቱዎ፡ እድግፍ እየ ምባል ይኹን እቃወም ምባል ኵሉ ወዮ ስለ ዝኾኖ ክምልስ ከም ዘይከኣለ ይፍለጥ። በንጻሩ፡ ሓው ተወልደ ሃኪን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጭፍራ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ውልቀመለኽቲ እቲ ዝከፍአ ከም ዝኾነ፡ እቲ ዝገደደ ግን ደገፍቲ ጭፍራ ህግደፍ ኣብ ኖርወይ ዝኣክል ደሞክራስያዊ ዓዲ ፍትሒ እናነበሩ፡ ኣብ ልዕሊ ኣሕዋቶም ስለያዊ ስራሓት ከም ዘካይዱ፡ እዚ ድማ ውዒሉ ሓዲሩ ናብ ጐነጽ ከምርሕ ከም ዝኽእል ኣብሪሁ። ሓው ተወልደ ሃኪን ኣቦ መንበር ናይ ኤርትራዊ ኖርወጃዊ ምሕዝነት ኣብ ኣውራጃ ሮጋላንድ እዩ። ደጊም ወይጦታት ህግደፍ ከም ቀደሞም ሸብዳዕዳዕ ክብሉ ከም ዘይክእሉ ከሎ ገና ስለ ዝበርሃሎም ኣብ ማይ ከም ዝኣተወት ኣንጭዋ ኮይኖም ኣለዉ። እዚ ምስቲ ናይ ካናዳ ምዕጻው ቤትጽሕፈት ተደሚሩ ጽቡቕ ኣይሃቦምን ኣዝዮም ቈሪሮም።

ወኪል ዜና ደለይቲ ፍትሒ ካብ ስታቫንገር

aseye.asena@gmail.com

Review overview
12 COMMENTS
  • Kelkeltay June 2, 2013

    Job well döne! Let’s keep pushing hard on them until our dream come true: free Eritrea & Eritrens !!

POST A COMMENT