Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ኣስመራ ብዝተፈላለየ ሜላ ገንዘብ ህዝቢ ይምንዝዕ

ተቐማጦ ኣስመራ ኣገልግሎት ማይ ከይረኸቡ ብዙሕ ገንዘብ ክኸፍሉ ይግደዱ ከምዘለው ምንጭታትና ካብታ ከተማ ሓቢሮም።ኣብታ ከተማ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ማይ ዘይረኸቡ ሰባት ናይ ቆጻሪ ኣገልግሎት ዘይከፈልኩም ብዝብል ምስምስ ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ብገንዘብ ይቕጽዑ ከምዘለው ተፈሊጡ።ምምሕዳር እታ

ተቐማጦ ኣስመራ ኣገልግሎት ማይ ከይረኸቡ ብዙሕ ገንዘብ ክኸፍሉ ይግደዱ ከምዘለው ምንጭታትና ካብታ ከተማ ሓቢሮም።ኣብታ ከተማ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ማይ ዘይረኸቡ ሰባት ናይ ቆጻሪ ኣገልግሎት ዘይከፈልኩም ብዝብል ምስምስ ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ብገንዘብ ይቕጽዑ ከምዘለው ተፈሊጡ።ምምሕዳር እታ ከተማ ቅድመ መጠንቀቕታ ከይሃበ ነቶም ክኸፍሉ ዘይክእሉ ሰባት መስመር ክቁረጽ ኢዩ ብምባል ከምዘፈራርሕ ዝጠቐሱ እቶም ምንጭታት ጥርዓኖም ዘቕርቡሉ ቤት ጽሕፈት እውን ከምዘየልቦ ሓቢሮም።ኣብ ኣስመራ ንጎሮሮኦም ብገንዘቦም ማይ ስሓ(ብጀሪካን)ዝሽየጥ ማይ ክገዝኡ ዓቕሚ ዘለዎም ብመቑነን ከምዝረኽቡ ይፍለጥ።

እዚ ከምዚሉ ከሎ እቶም ብቦንድ ኣባይቲ ዝሃነጹ ኣብ ወጻኢ ዝቕመጡ ኤርትራውያን ኣባይቶም ኣገልግሎት ኤለትሪክ ክረክብ ነፍስወከፍ ሰብ 3000(ሰለስተ ሽሕ)ዶላር ክኸፍሉ ከምዝተገደዱ ገሊጾም፡፡ ዝተኣዘዝዎ ገንዘብ ዝኸፈሉ ዛጊት እቲ ኣገልግሎት ኤለትሪክ ብዘይምርካቦም የንጸርጽሩ ከምዘለው ተረጋጊጹ።

እዚ መሰረታዊ ጠለባት ኣገልግሎት ማይን ኤለትሪክን ከቕርብ ዘይክኣለ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ኣዋርሕ ዝገበሮ ዋዕላ ወፍሪ፡ ገንዘብ ህዝቢ ንምዝማት ዝኣለሞ ወዲት ከምዝኾነ ነቲ ስርዓት ብቐረባ ዝፈልጥዎ ወገናት ርእይቶኦም ሂቦሙሉ ኢዮም።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
16 COMMENTS
  • andeberhan kahsay April 26, 2013

    ኣየ ጉድ ትማሊ ትማሊ ሸፋቱ ህግደፍ ውያንነ ጸረ ሃገር እናበሉ ዝነብሑ ዝብነበሩ ወይጦታ በተመቕደስ ዝደፈሩ ወገናዉያን ኣብዚ ቀረባ ዓዲ በጺሖም ምስተመልሱ ዘውርይዎ ዘለዉ ብዛዕባ ዓዲ ገሪሙኒ ዓዲ ከመይ ኣሎ? መልሶም ኣስመራ ጨንያ ህዝቢ የማርር ኣሎ ጸረህግደፍ ወረቓቕቲ ኣብ ጎደናታት ክልጠፍ ጀሚሩ እቶም ብዝጾቶም ፈሲ መሲሎም aፎም ክዓብስዎም እንተፈኑ ኣይሰርሐን ዘሎ፡

  • berhe April 26, 2013

    The Tembenay is has the sole ownership of Eitrea . He is blessed as having to lead a herd as opposed to people. As long as people remain zombies, he will continue to convert them to beggars and inferiors.
    The Tembenay is on a determined mission to humiilate the ErI=itrean people.

POST A COMMENT