Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብህግደፍ ናብ ስዊዘርላንድ ዝተላእከ ውሩይ ኤርትራዊ ደራፋይ መንእሰይ ሮቤል ምኪኤል ዑቕባ ከምዝሓተተ ተፈሊጡ።

ብምኽንያት ቅነ ናጽነት ብስርዓት ህግደፍ ናብ ስዊዘርላንድ ተላኢኹ ምርኢታት ከካየድ ዝቐነየ ውሩይ ኤርትራዊ ደራፋይ መንእሰይ ሮቤል ምኪኤል ንስርዓት ህግደፍ ብምርሕራሕ ዑቕባ ከምዝሓተተ ተፈሊጡ። ሮቤል ምኪኤል ሓያለ ዜማታት ትግርኛ ዘቕረበ ሰፊሕ ህቡብነት ዝነበሮ መንእሰይ ስነጥበበኛ እዩ። ቀቅድሚኡ ኣብታ

ብምኽንያት ቅነ ናጽነት ብስርዓት ህግደፍ ናብ ስዊዘርላንድ ተላኢኹ ምርኢታት ከካየድ ዝቐነየ ውሩይ ኤርትራዊ ደራፋይ መንእሰይ ሮቤል ምኪኤል ንስርዓት ህግደፍ ብምርሕራሕ ዑቕባ ከምዝሓተተ ተፈሊጡ።

ሮቤል ምኪኤል ሓያለ ዜማታት ትግርኛ ዘቕረበ ሰፊሕ ህቡብነት ዝነበሮ መንእሰይ ስነጥበበኛ እዩ።

ቀቅድሚኡ ኣብታ ብስርዓት ህግደፍ ንፕሮፖጋንዳ ዝተላእከት ጉጅለ ዝነበረ ውሩይ ደራፋይ ቢለን ኤልያስ መስመር ኣብ ስዊዘርላንድ ዑቕባ ከምዝሓተተ ይፍለጥ።

ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ንሃገርና ኩርኳሕ ስለዝገበራ ስነጥበበኛታት፣ ኣትለታት፣ ተጽወቲ ኩዕሶ እግሪ፣ ምሁራትን ክእላታትን ብጉጅለን ብውልቅን በብዝኸዱዎ ኣብ ወጻኢ ዑቕባ እናሓተቱ ይጠፍኡ ስለዘለዉ ሃገርና ኤርትራ ሰብኣዊ ጸጋኣ ትዓርቕ ኣላ።

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
22 COMMENTS
  • Messinas June 20, 2013

    ከም ዚፍለጥ ድምጻዊ ሮቤል ምኪኤል፡ ሓደ ካብቶም ጃንዳ ህግደፍ እናኾስኮሰ “ጉጅለ ባህሊ ኣሰር” ዚብል ስም ኣጠሚቑ፡ ልዑል ኣድህቦ ሂቡ፡ ንየዋሃት ብጓይላን ዳንኬራን ንከዳናግሩሉ ኢሉ፡ ብሓለፋ ዝኹስኩሶምን ዝመልመሎምን ስነ ጥበበኛታት ሓደ’ዩ ኔሩ። እዚኣቶም ከኣ ከምቲ ዉላድ ንወላዲኡ ዋላ ቀታሊ ይኹን ሓራዲ ብዘየገድስ ንኺኽሕዶ ዘጸግሞ፡ ህግደፍውን ዝገበረ ክፍኣት እንተገበረ፡ ዓገብ ክብሉዎ ዘይክእሉ ግኡዛን ከም ዝነበሩ ፍሉጥ’ዩ። በዚ ድማ’ዩ ንሱውን ሓለፋ ካልኦት ስነ ጥበበኛታት ኣሚኑ፡ ብተደጋጋሚ ናብ ወጻኢ ሃገራት ክልእኮም ዝጸንሐ። እንተኾነ እዞም ስነ ጥበበኛታት እዚኣቶም ኣሰር እቶም ንናጽነት፣ ንዕብየት፣ ንመሰልን ፍትሕን ህዝቢ ኤርትራ በጅኡ ብጅግንነት ዝሓለፉ ደቂ ህዝቢ’ምበር ኣሰር’ዚ ንስድራ ስውኣት ዘሳቒ ዘሎ ጉጅለ ሸፋቱ ክስዕቡ ሕልናኦም ስለ ዘይፈቐደ፡ ከምቲ ስነ ጥበበኛ ኪኾኖ ዝግባእ ኣብ ጎድኒ ህዝቢ ክስለፉ፡ ንውልቃዊ ረብሓታቶም ወፍዮም፡ ‘ንኣውቶክራት ኣይንግብርን!’ ምባሎም ብርግጽ ኣሰር ስውኣት ኣብ ግብሪ ዝፈጸሙ ሓርበኛታት ደቂ ህዝቢ’ዩ ዘስምዮም! እቶም ዝተረፉውን ኣሰር’ዚ ተባዕ መንእሰይ ሮቤል ምኪኤል ብምስዓብ፡ ህዝብን ሞያኦምን ዚጠልቦ ተግባር ንክፍጽሙ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ክላቦ እፈቱ።

    ስቓይና ንኺድምደም፡ ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!

    ሓውኹም መሲናስ 20-06-2013

  • arada June 20, 2013

    Hagrom aytlmon kolom darfti footboller and so…talmis assena

  • Tewolde Tesfamariam June 21, 2013

    Good boy. You are smart that you knew the time of hgdef is running out faster than ever.

  • Yohannes Mehari June 22, 2013

    The focus on the Tigrean origins of the top PFDJ-officials will lead us to unintended consequences. Meles Zenawis mother was Eritrean, that didn’t stop him from fighting for Tigray/Ethiopia. It’s perfectly possible to even have a “pure” Eritrean, who betrays his people and country. Let’s not focus on that, it will not lead us forward, just hatred. Let’s attack them on their track-record.

    When we call people names it justs reflect badly on us.

  • Saleh Idris June 22, 2013

    Nice Job Robel. from top singer to asylum seekers…now you wil bel like other eritreans in Switzerland. You will be granted political asylum. You will receive 3500 $ for your monthly expense. And you will spend your days chating on the internet or drinking alcoohol….for sure your futur in Europe is a promising futur…good luck with your new life!

  • awet June 22, 2013

    nay bheki tubuk medeb eyu kexlwo abe gonkum alena

POST A COMMENT