ሓምድ ቀጽሉ ፣ ካብ ወገናት ባጽዕ ንባርካ ተመሊሰ ካብኡ ከሰላ ኣቲየ ምስ ስዉእ ሳቤ ተራኽቤ ዳግም ንሜዳ ተመሊሰ ኣብተን ኣሃዱታት ተጸምበርኩ ። እዚ ድማ ብ1964 እዩ ነሩ ይብል ። መን እዩ እቲ ምስ ስዉእ ጣህር ሳልም ኮይኑ ዝላኣኸካ ዑስማን ኣደም ንዝብል ሕቶ ክምልሽ ከሎ ፡ ዑስማን
ሓምድ ቀጽሉ ፣ ካብ ወገናት ባጽዕ ንባርካ ተመሊሰ ካብኡ ከሰላ ኣቲየ ምስ ስዉእ ሳቤ ተራኽቤ ዳግም ንሜዳ ተመሊሰ ኣብተን ኣሃዱታት ተጸምበርኩ ። እዚ ድማ ብ1964 እዩ ነሩ ይብል ። መን እዩ እቲ ምስ ስዉእ ጣህር ሳልም ኮይኑ ዝላኣኸካ ዑስማን ኣደም ንዝብል ሕቶ ክምልሽ ከሎ ፡ ዑስማን
ርክብ ምስ ተጋዳላይ ሓሚድ ሳልሕ ምኽትል መራሕ ሳልሰይቲ ክፍሊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራን ሓደ ካብቶም ቀዳሞት ሰልፈኛታቱን፣ ኣብቲ ሕጂ ዝነብረሉ ዘሎ መደበር ስደተኛ`ታት ሱዳን ፣ ምስኡ ኣብ ዝተገብረ ርኽክባት ፡ ብዛዕባ ኣብ ሰውራ ምስላፉን ፍሉይ ተሞክሮ ሳልሰይቲ ክፍሊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራን የዘንቱ ። ብዓብደላ ሓሰን ቀዳማይ ክፋል ሓጽር ታሪኽ
ኤርትራ ሓደ ሰብኣይ ይሸነላ’ሎ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ ካብ ጽፍሪ እግሩ ክሳብ ጸጉሪ ርእሱ ብትዕቢት፡ ብተንኮል፡ ብጃህራ፡ ብሓድሕድ ምንቋት፡ ብምስልባጥ፡ ብህርፋን ሽመት፡ ብጭካነን ብሕነ ምፍዳይን ዝተመልአ’ዩ። እዞም ባህርያትን ጠባያትን መታዓብይቲ ኢሳያስ’ኳ እንተኾኑ፡ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ’ዮም ዝያዳ ኣብ ቃልዕ ወጺኦምን ህዝብና ፈሊጥዎምን። ካብ ጽባሕ ናጽነት ኤርትራ፡ ኢሳያስ፡
ኣቦይን ኣደይን - በበይኑ ጸሎቶም እምቤተይ ንመጎጎ - ጎይታይ ንዳዊቶም ኣናጹ ምስ ደቀን - እንስሳ ዘቤቶም ሽላን ኣሞራን - ናይ ደገ በጻሕቶም ክልተ መልሓሱ - ሓላው ምድሪቤቶም ካብ ንቡር ሓሊፉ - ኩሉ ተገሪሙ ኣብ ቑርባን ገበል - ሓክሊ ድሙ ጾይሙ ጊላሰማይ ሓደ ካብቶም ዝፈትዎም ኣዕርክተይ ኢዩ። ኣብ ትርፊ ግዜና ብሓንሳብ ምዝዋር ንፈቱ።
ኣብ ርያድ፣ ስዑዲ ዓረብ ዝርከብ ኤምባሲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ሬሳ ናይ ዝዓረፉ ኤርትራውያን ናብ ሃገር ኣብ ዝምለሰሉ ግዜ፣ ከም ስደተኛታት መጠን ዝምድናን ዓድን ብዘየገድስ ሬሳ ናይቶም ኣብቲ ሃገር ክቕበሩ ዘይክእሉ ዜጋታት ናብ ኤርትራ ኣብ ምስዳድ ንዝተሓባበሩ ወይ ዘመልክቱ ዜጋታት ክልተ ካብ ሚእቲ ክኸፍሉ የገድዶም ከምዘሎ
ዝሓለፈ ዓርቢ፣ መንነቶም ዘይተፈልጡ ዕጡቓት፣ ኣብ ሊብያ ከተማ ትሪፖሊ ንዝርከብ ኣምባሳደር ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ዓብደላ ሙሳን ሰራሕተኛታቱን ብቶኽሲ ከምዘጥቅዑዎም ካብ መርበብ ሓበሬታ ዓዋተ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣረዲኡ። እቶም ደም ኣብ ምፍሳስ ዘብጽሑዎም ዕጡቓት፣ ካብ ኤምባሲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ሰነዳትን ውልቃዊ ንብረት ናይቲ ኣምባሳደር ዝርከቡዎም ናውትን ሒዞም ከምዝተሰወሩ
ህጹጽ፡ ህዝባዊ ጻዋዒት፡ እዚ ዝስዕብ ህዝባዊ ጸዋዒት፡ ነቲ ኣብ ኒው-ዮርክ፡ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ንኣብ ሙሉእ ዓለም፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዝነብሩ ደለይቲ ለውጢ ኤርትራውያን፡ ንምዝኽኻር እዩ። ሓደ ካብቲ! ብርክት ዝበለ መደባት ሰላማዊ ሰልፍና ድማ፡ ነቲ ብመርማሪ ኮምሽን ሕቡራት መንግስታት፡ ቀሪቡ ዘሎ ጸብጻብ
እቲ ኣብ ውሽጥን ወጻእን እናተዋዓወዐ ብዝኸይድ ዘሎ ተቓውሞ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጭንቀትን ስግኣትን ዝርከብ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ውሽጢ ምስ ዘለዉ ናይ ለውጢ ድሌት ዘለዎም ተንቀሳቐስቲ ዝገብሩዎ ምልውዋጥ ሓበሬታን ርክባትን ዝለዓለ ምክትታል ክግበረሉ መምርሒ ድሕሪ ምትሕልላፉ፣ ነቲ ጭንቀትን ድኻምን ዘበገሶ
ኩልና ከምእንግንዘቦ፡ ወለድና ኣብ እዋን ቀውዒ ምህርቶም ንምሕፋስን ጥዑይ እኽሊ ካብ ሓሰርን ገለባን ንምፍላይን፡ ዝበዝሕ ግዜ መኽየዳ ኣብዑር’ዮም ዝጥቀሙ። እቲ እኽሊ ውሑድ እንተኾይኑ ድማ ብጉልበት ሰብ፡ ብዕርፊ ወይ ብዱላ ይዱግዶግ ማለት’ዩ። ኣብ እዋን መኽየዳ እኽሊ፡ ብዘይ ቀላሳይ ብዕራይ እቲ መኽየዳ ብግቡእ ክሳለጥ ኣይክእልን’ዩ። ከም ሳዕቤኑ፡
ከም ዝፍለጥ ኣብ 2014 ኣቐዲሙ ዝወጸ መጠንቀቕታ ምንባሩ ዝዝከር’ዩ።እዚ ተዳጋጋሚ ዝወጽእ ዘሎ መጠንቀቕታ ተግባራዊ ንክኸውን በይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንደሞክራሲያዊ ለውጢ: ነዚ ጉዳይ ብዕቱብ ሒዙ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ሰብ መዚ ኢምግረሽንን ሆምላንድ ሰኩሪቲን (department immigration and homeland security) ብምትሕብባር: ነቶም መሰል ዑቕባ ሓቲቶም ክነሶም 2% ዚኸፍሉን ናብ
እቶም ብሰንኪ ኣዕናዊ ፖሊሲ ስርዓት ህግደፍ ናብ ስደት ኣምሪሖም ኣብ ጎረቤት ሃገር ኢትዮጵያ ተዓቚቦም ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ብሰንኪ ሸለልትነት ሰራሕተኛታት UNHCRን ARRAን ብዙሕ ዕንቅፋት የጋጥሞም ከምዘሎ ምንጭታት ካብ`ቲ ሃገር ሓቢሮም። እዞም ኣዴታትን ህጻናትን ዝበዙሑዎም ስደተኛታት ኣብ ሃገሮም ዝሰኣኑዎ ሕጋዊ መስርሕ ናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤታትን ዝተፈላለዩ ካልኦት ጉዳያትን
ሂላሪ ክሊንተን፣ ብዓልቲ ቤቱ ንፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ቢል ክሊንተን፣ ብሰልፊ ዲሞክራሲ ኣብዚ ዝመጽእ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ ክትወዳደር ትማሊ ሰሉስ ብወግዒ ድሕሪ ምሕጻያ፣ ኣብ ታሪኽ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ቀዳማይቲ ጓል ኣንስተይቲ ሕጽይቲ ፕረዚደንት ኮይና። እዚ ታሪኻዊ ፍጻሜ ደቀንስትዮ ኣብ ፖለቲካ ዝያዳ ብንጥፈት ክሳተፋ ዘተባብዕ ኣብነታዊ ፍጻሜ ምዃኑ
ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን፡ ኣብ ከተማ ግላስጎን ከባቢኣን እትነብሩ ኤርትራውያን ደቂ ሃገርና፡ ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ፥ ኣብ ከተማ ግላስጎ ንዕለት 30 ሓምለ 2016 ካብ ሰዓት 12:00 ድ.ቀ ክሳብ ሰዓት 4:00 ድ.ቀ ሕዝባዊ ኣኼባ ክነካዪድ ስለዝኾና፡ ኣብዚ ኣኼባ ክትሳተፉ ብኽብሪ ንዕድመኩም። ኣብዚ ኣኼባዚ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ሕዝብናን ሃገርናን ክንዝቲን፥ ጸገማትና ክንፈትሓሉ ዘኽእል እማመ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ
ኢሳይያስ ኢልካ ሮበርት ሙጋበ፣ ዛኑ ፒፍ ኢልካ ህግደፍ ተመሳሳልቲ ካብ ኮኑ፣ ነባራት ተጋደልቲ ዚምባብወ ንሮበርት ሙጋበ ይኣኽለካ ክብሉዎ ከለዉ ኤርትራውያን ገዳይም ተጋደልቲ ኸ ንኢሳይያስ ይኣኽለካ ዘይብሉሉ ምኽንያት እንታይ እዩ? ኣብ እዋን ናጽነት፣ ኢሳይያስ፣ ንመራሕቲ ኣፍሪቃ “እኩባት ጋዋኑ” ኢሉ ከናሽዎም ከሎ፣ እዞም ተኣሲሮም፣ ደስኪሎም፣ ብዙሓት ድማ ብብስጭት
ኣብ ቃልሲ ንናጽነት ሃገሮም ዝተሳተፉ፣ ነቲ ን 36 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ወዲ 92 ዓመት ፕረዚደንት ሮበርት ሙጋበ ኣብ ምድጋፍ ቁልፊ ተራ ዝነበሮም፣ እንሓንሳብ ‘ውን ካብ ስልጣን ከይወርድ ጎነጻዊ ደገፍ ብምሃብ ክከላኸሉ ዝጸንሑ ነባራት ተጋደልቲ ዚምባብወ፣ ንዲክታቶርያዊ ምሕደራ ናይቲ መራሒ ብምዅናን፣ ነቲ ክህቡዎ ዝጸንሑ ደገፍ
“ዕዉት ምኣዲ ዘተ ምስ ኣሳለጥቲ ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኤርትራውያን ንምድንፋዕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ! ሓምለ (July) 15: 2016 ********* ዝኸበርኩም ኣብ መላእ ዓለም እትርከቡ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን፡- ብመሰረት`ቲ ኣቐዲምና ኣብ ኣሰናን ኣዝማሪኖን ዘርጊሕናዮ ዝነበርና ናይ ምኣዲ ዘተ ዕደመ፡ ኣብ ዕለት ሓምለ 9፡ 2016 ኣብ ቦስቶንን ከባብን ናይ ዘካየድናዮ ምኣዲ ዘተ ሓፈሻዊ ጸብጻብ
እቲ ልሳንን ርእስን ውልቀመላኺ ኢሳያስ ጸይሩ ህዝብና ዘሳቂ ዘሎ የማነ ገብረኣብ፡ ምስ ራድዮ ጀርመን (Deutschlandfunk) ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መጥይቅ ዝሃቦ መልስታት ኣዝዮ ዘሕዝን፡ የማነ ክሳብ ክንደይ ተንኮለኛን ዝተኻዕበን ክርዳድ ሕብረተሰብ ከምዝኾነ ዝያዳ ዘነጽር’ዩ ነይሩ። ነቲ የማነ ገብረኣብ ዝሃቦ መልስታት ሓደ ብሓደ ብኣብነታት ዕርቃኑ ምውጻእ ዝከኣል እኳ
ዕድሜ ብርግጽ ጸጋ ካብ ፈጣሪ እዩ፣ ብዕድሜኦምን ብተሞክሮኦምን ዘይማሃሩ፣ ንሓቅን ሓሶትን ዘየገናዝቡ፣ ዝአጎድዎ ሓዊ ምስሓን ልምዲ ዘይብሎምን ኮብለልቲ ነጸላ ጻዕዶ ወራዙት ዘረባ ጥራሕ ግን መርገም እዩ ። ነዚ እዩ ኣቦታትና ፡ ክሳብ ሰብ ዝጸልአካ ዕድሜ ኣይሃብካ ዝብልዎ። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ዉልቕ መላኺ፤ ብዕዉር ትምክሕቲ ዝሰኸረ፤
ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ኤርትራውያን ኣብ ታሪኽና ሰሚዕናዮን ኣጋጢሙናን ዘይፈልጥ፡ ንህላወናን ሃገራዊ መንነትናን ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛ ኩነታት ዘውድቕ ብድሆታት ተቃሊዕና ንርከብ። መበቆልን ውጽኢትን ናይ ኩሉ ጸገማትና፡ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ስርዓት ህግደፍ ምዃኑ ዘማትእ’ኳ እንተዘይኮነ፡ ከም ህዝብን ወነንቲ ዕድላትናን መጠን፡ ነዚ ብኣረሜናዊ ስርዓት ህግደፍ ዝፍጸም ዘሎ መዘና ዘይብሉ
መልሲ ን ናይ ዶክ. ኣስመሮም ለገሰ፡ ኣብ ቅድሚ ዓለም ንሓቂ ደፊኑ፡ ንስቓይ ህዝቢ ኤርትራ ዝኸሓደ መደረ ኣንጻር ጸብጻብ ኮሚሽን ኦፍ አንኳየሪ (COI) ********* ብ ዑቕባይ ገብረመድህን (ከምብሪጅ፡ ማሳቹሰተስ፡ ሰ.ኣ.) ሓምለ(July) 15፡ 2016 ----------------- ፕረፈሶር ኣስመሮም ለገሰ፡ ምንኳ ብኣካል ዘይንፋለጥ እንተ ኾና፡ በቲ ስነ-ሰብ መበቆልን ምዕባለን ሞያኻ (anthropologist): ብማዕዶ ኣባኻ ልዑል ክብርን
ዓባይ ብሪጣንያ ኣባል ሕብረት ኤውሮጳ ምዃና ትቐጽል ዶ ወይስ ኣባልነታ ትስሓብ ዝብል ዓቢ ሕቶ ንምምላስ ብ23 ሰነ 2016 ረፈረንደም ተኻይዱ ህዝቢ ዓባይ ብሪጣንያ ሃገሩ ኣባልነታ ካብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ክትስሕብ፣ ንገዛእ ነብሱን ንዓለምን ብዘሰንበደ ሃንደበትነት ካብ ዝውስን ገና ወርሒ ኣይኣኸለን። ከም ሳዕቤን ናይዚ ህዝባዊ ውሳኔ ኸኣ፣
By Our Voice Eritrea ፖለቲከኛታት፡ ነዛ ሓድነት እትብል ቃል መምስ ድሌታቶም ኣመሳሲሎም ዝተፈላለ ትርጉም ብምሃብ ኣብ ባይታ ብግብሪ እንከላ ከምዘየላ፡ ፈጺማ ትንፋስ ዘይብላ ክንሳ ድማ ከም ህያው ኣምሲሎም ክውርቕዋ ምርኣይልሙድ ተርእዮ ይኸውን ስለ ዘሎ፡ መጣልዒት ጆኴሮም ኮይና ክበሃል ይከኣል። ብኸመይን መኣስን ኢዮም ምስላ ዝቐያይርዎ ቅድሚ ምግላጽና፡
ካብ መወዳእታ ኣዋርሕ 2015 ኣትሒዞም ክሳብ ዝሓለፈ ቀረባ ኣዋርሕ ናይዚ ዓመት ‘ዚ ማእከላይ ባሕሪ ሰጊሮም ዓዲ ጥልያን ዝኣተዉ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ፣ በቲ ሕብረት ኤውሮጳን መንግስቲ ጥልያንን ዝኣተወሎም መብጽዓምሰረት ምሰል ዑቕባኦም ክሕለወሎም ዝጠልብ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ትማሊ 8 ሓምለ ኣብ ሮማ ኣካይዶም። እቶም ምልካዊ መግዛእቲ ስርዓት ኢሳይያስ
ታደሰ ኪዳነ በርሚንግሃም 07/07/2016 ህዝቢ ኤርትራ ብሀራዊ፡ ሃይማኖታዊ ይኹን ከባቢያዊ ድሕረ ባይትኡ ብዘየገድስ፡ ምሉእ ብምሉእ ብሓደ ድምጺ ንለውጢ ተበጊሱ ከም ዘሎ፡ 23 ሰነ 2016 ዓ.ም ኣብ ጀነቫ፡ ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ቅድሚኡ`ውን ኣብ እስራኤል ኣብ ዝተገብረ ሰላማዊ ሰልፍታት ኣመስኪሩ ኢዩ። ነቲ ሰልፊ ክዉን ንምግባር፡
ብዝተፈላለየ ምኽንያትን እንተላይ ብበዓል ናጽነት ካብ ወጻኢ ናብ ኤርትራ ኣትዮም ዝጸንሑ ምስ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ፍሉይ ርከብ ዘካየዱ ኤርትራውያን ደገፍቲ ናይቲ ስርዓት፣ ኩነታት ህዝቢ ኤርትራ ካብቲ ብተቓወምቲ ይኹን ኣህጉራዊ ማዕከናት ዜና ብማዕዶ ዝሰምዑዎ ብዝተዓጻጸፈ መጠን ኣዝዩ ዝኸፍአ ኮይኑ ከምዝረኸቡዎ ምግላጾም ምንጭታት ሓቢሮም። እቶም ተጋደልቲ ነበር ዝርከቡዎም
እቶም ኣብ ምዕራብ ኤርትራ ቆርመናዕ ኣብ ዝበሃል ቦታ ብግዴታ ድሕሪ ምዕላሞም ኣብ ፈለማ ወርሒ ሚያዝያ ብናይ ጽዕነት መካይን ብኣስመራ ናብ ዓሰብ ክሓልፉ ኣድማ ብምግባሮም ብሓይልታት ጸጥታ ስርዓት ኢሳይያስ ብጥይት ኣብ ተረሽረሹሉ እዋን ኣብ ኣስመራ ብፍላይ ድማ ከባቢ ኣባ ሻውል ኣብቲ ዕግርግር ዝነበረሉ ኣከባቢ ዝተራእዩ ሰባት፣
ኣብዚ ቀረባ ኣዋርሕ ከምሓላዪ ሰራዊት ተመሲሉ “ካብ ዝሓለፈ ዓመት ብውህሉል ዝሕሰብ ናይ ሰራዊት ደሞዝ ምውሳኽ ክግበር ኢዩ” ኢሉ ዝተመባጽዐ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ፣ ከምቲ ንልዕሊ 15 ዓመታት ብተደጋጋሚ ዘታለሎ፣ ሕጂ ‘ውን ‘ ገንዘብ ኣጽዋር ኣብ ምግዛእ ኢና ነውዕሎ ዘለና’ ብምባል መብጽዕኡ ከምዝጠለመ ምንጭታት ሓቢሮም። ንሱ ኣብ መወዳእታ ናይዚ
ጦብላሕታታት ውዕሎ ጀነቫ፡ 23 ሰነ 2016 ታደሰ ኪዳነ በርሚንግሃም 30/06/2016 ህዝቢ ኤርትራ ን30 ዓመታት መመላእታ፡ መሪር ቃልሲ ከካይድን ልዕሊ ዓቕሙ መስዋእቲ ከኸፍልን ከሎ፡ ነቲ ድቕድቕ ጸልማት ሰጊሩ፡ ብርሃን ክመጽእ ምዃኑ ስለ ዝኣመነ ጥራይ ኢዩ። ስኑ ነኺሱ ብትብዓትን ሓቦን ስለ ዝተቓለሰ ከኣ ኢዩ፡ ነቶም ደም ዘንብዑዎ ጸላእቱ ኣንበርኪኹ፡
ትርጉም ውሳኔ ቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላትን እጃም ህዝቢ ኤርትራን ብ ቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘ መርማሪ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፣ ብ 8 ሰነ 2016፣ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ከምዝፈጸመ ምስክርነት ብምሃብ፣ መራሕቲ ናይቲ ስርዓት ኣብ ኣህጉራዊ ቤትፍርዲ ገበነኛታት (ICC) ክቐርቡ ከምዘለዎም ለበዋ
ፓርላማ ሆላንድ ቅድሚ ትማሊ ሓሙስ 30 ሰነ ኣብ ዝገበሮ መጋብኣያ፣ ልኡኻት ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ‘ታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ዝነብር ማሕበረሰብ ኤርትራውያን ንዝፍጽሙዎ ዘይእዱብ ተግባራት ንምእጋስ ስጉምቲ ክውሰድ ውሳኔ ከምዘሕለፈ ምንጭታት ሓቢሮም። ሓደ ካብቲ ክውሰድ ተመዲቡ ዘሎ ስጉምታት ደገፍቲ ናይቲ ኣብ ኤርትራ ስልጣን ገቢቱ ዘሎ ህግደፍ
መርማሪ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፣ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ከምዝፈጸመ ምስክርነት ድሕሪ ምሃቡ ክሳብ ትማሊ 1 ሓመለ ብቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ኣብ ጀኔቫ ክዝተየሉ ዝቐነየ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፣ እቲ ብስም ሶማልን ጅቡትን ንውሳኔ ዘቕረቦ ንድፊ ተቐጢኑ ድሕሪ ምድኻሙ ኣብ ክንዲ
እዚ ቅድሚ ትማሊ ሓሙስ፣ 23 ሰነ 2016 ጎደናታት ከተማ ጀኔቫ ሰንጢቑ ብምውሓዝ ኣብ ፊት ቤት ጽሕፈት ቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተኻየደ ካብ መላእ ኤውሮጳ፣ ካብ ካናዳን ኣመሪካን ከይተረፈ ኣሽሓት ማይላት ተጓዒዞም ዝመጽኡ ልዕሊ 12 ሽሕ ውፉያት ዝተዋስኡሉ ደርማስ ሰላማዊ ሰልፊ፣ ኣብቲ ኣብ ኤርትራ
ሎሚ ሓሙስ 23 ሰነ 2016 ካብ መላእ ኤውሮጳ እንተላይ ካብ ኣመሪካን ካናዳን ናብ ጀነቫ ዝወሓዙ ልዕሊ 12 ሽሕ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፣ ነቲ መርማሪ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ንምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ከምዝፈጸመ ዘሕለፎ ውሳኔ ብምድጋፍን ነቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ብምልኪ ተዓፊኑ ዘሎ ዉጹዕ ህዝቢ
ንሕና ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር፣ ነቲ ብሓርበኛታት ስንኩላን ተጋደልቲ ዝተዘርግሐ፣ ሕልና ዝቕስቅስ ነቐፌታ ሓዘል ረዚን መልእኽቲ፣ ታሪኻውን እዋናውን ምዃኑ ከም እንኣምንን ከም እንድግፍን ዝገልጽ መልእኽትና ብምኽንያት 20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ነመሓላልፍን ንድሕነት ሃገርና ክንለዓል ቃል ንኣቱን ኣለና። እዚ እዋን እዚ ሓፋሽ
ደለይቲ ፍትሒ ተቐማጦ ሻርለት: ሰሜን ካሮላይና : ሮቡዕ: ሰነ 15, 2016 ነቶም ኣብ ኣብ ዝሓለፉ ቁሩብ ቅንያት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝጠሓሉን: ነቶም ኣብ ምድረበዳ ሰሃራ ዝጠፍኡ ኤርትራውያን ስደተኛታትን: ነቶም ምእንቲ ሃገሮምን ህዝቦምን በጃ ዝሓለፉ ጀጋኑ ሰማዕታትን ንምዝካር ናይ ሽምዓ ምብራህ መደብ ኣካይዶም:: ኣብቲ ናይ ዝኽሪ መደብ
ናብ ኩሎም ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ዑቕባ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ዘተዋህበኩም እሞ ናብ ናይ 21 ሰነ ንዓመጽትን ቀተልትን ንምድጋፍ ትብገሱ ዘለኹም ኤርትራውያን ዜጋታት። እዚ ኣንጻር ፖለቲካዊ ዑቕባ ንምርካብ ዝሃብክሞ ቓል ዝጻረር ስለዝኩነ፣ ውጽኢቱ ናቱ ክኣ ከቢድ ሙኻኑ ትስሕትዎ ኣይንብልን። ኣብዚ ቐረባ እዋናት 7 ኤርትራውያን ንኤርትራ በጺሖም ዝመጹ ብኢሚግሬሽን
ብ 7 ሰነ ዘይሕጋውያን መሰጋገርቲ ራሻይዳ ብሰሜናዊ ቀይሕባሕሪ ብሰዋኪን ናብ ሱዳን ድሕሪ ምእንታዎም ናብ ፖሊስ ሱዳን ዘረከቡዎም 23 ኤርትራውያን ኣብ ቤትማእሰርቲ ፖርት ሱዳን ሰንፈላል ኮይኖም ኣብ ሻቕሎት ከምዝርከቡ ምንጭታት ሓቢሮም። እቶም ግዳይ ኮይኖም ዘለዉ ስደተኛታት ፣ 3 ህጻናት ዝርከቡዎም 13 ደቀንስትዮን 10 ደቂ ተባዕትዮን እዮም። እቶም ዘይሕጋውያን
ብስደተኛታት ኣዕለቕሊቐን፣ ዘለዋ ሃገራት ኤውሮጳ፣ ነተን ምንጭን መሰጋገርን ስደተኛታት ዝኾና ከም ኤርትራ፣ ሱዳንን ሊብያን ዝኣመሰላ ሃገራት ብገንዘብ ደሊለን ስደተኛታት ኣብ ምቍጽጻር ክተሓባበራ ድሕሪ ምእማነን፣ ካብ ሊብያን ሱዳንን ብሓይሊ ናብ ኤርትራ ተመሊሶም ኣብ ዓዲ ኣቤቶ ተኣሲሮም ካብ ዝጸንሑ ኣማኢት ኤርትራውያን እቶም ፍርቂ ሚልዮን ናቕፋ ዋሕስ ገይሮም
እቶም ንመበል 25 ዓመት ጽንብል ናጽነት ኤርትራ ንምብዓል ኢሎም ናብ ኤርትራ ከይዶም ዘሎዉ ኣብ ደገ ዝቕመጡ ኤርትራውያን፡ በቲ ኣብ ዕለተ ሰንበት ኣብ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘጋጠመ ኩናት ዝመንቀሊኡ ፍርሕን ራዕድን ተዋሒጦም ትማሊ ሶኑይን ሎሚ ሰሉስን እግረይ ኣውጽእኒ ብዝዓይነቱ ኣገባብ፡ ካብ ሃገር ናይ መውጺኢ ፍቓድ (exit