Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጦብላሕታታት ውዕሎ ጀነቫ፡ 23 ሰነ 2016

ጦብላሕታታት ውዕሎ ጀነቫ፡ 23 ሰነ 2016  ታደሰ ኪዳነ     በርሚንግሃም       30/06/2016 ህዝቢ ኤርትራ ን30 ዓመታት መመላእታ፡ መሪር ቃልሲ ከካይድን ልዕሊ ዓቕሙ መስዋእቲ ከኸፍልን ከሎ፡ ነቲ ድቕድቕ ጸልማት ሰጊሩ፡ ብርሃን ክመጽእ ምዃኑ ስለ ዝኣመነ ጥራይ ኢዩ። ስኑ ነኺሱ ብትብዓትን

ጦብላሕታታት ውዕሎ ጀነቫ፡ 23 ሰነ 2016

 ታደሰ ኪዳነ     በርሚንግሃም       30/06/2016

ህዝቢ ኤርትራ ን30 ዓመታት መመላእታ፡ መሪር ቃልሲ ከካይድን ልዕሊ ዓቕሙ መስዋእቲ ከኸፍልን ከሎ፡ ነቲ ድቕድቕ ጸልማት ሰጊሩ፡ ብርሃን ክመጽእ ምዃኑ ስለ ዝኣመነ ጥራይ ኢዩ። ስኑ ነኺሱ ብትብዓትን ሓቦን ስለ ዝተቓለሰ ከኣ ኢዩ፡ ነቶም ደም ዘንብዑዎ ጸላእቱ ኣንበርኪኹ፡ ርእሱ ኣቕኒዑ ማዕረ ካልኦት እትስራዕ ሃገር ዝመስረተ። እታ ብደሙ ዝጠለለት፡ ብኣዕጽምቱ ዝተነድቀት ሃገር ድማ መዓርን ጠስምን ክፈስሳ፡ ዜጋታታ ኣኽቢራን እሕቢራን ኣትሕብሕብ ሃገር ክትኮነሉ ተመንዩ ጥራይ ዘይኮነ ሰሪሑሉ እውን ኢዩ።

ብኣንጻር ኩሉ ድሌታቱ ግን ንዝሓለፉ 25 ዓመታት ኣብ ክንዲ ጸባ – ደም ጎሲዑ፡ ኣብ ክንዲ ክብሪ – ፍጹም ሓሲሩ፡ ናብ ባርያ ተለዊጡ። ሞትን መቕዘፍትን ስደትን መለለዪ ኤርትራዊ መንነት ኮይኑ። ኤርትራ ሃገርና መንእሰይ ዘይብላ ዘኽታም ሃገር ኮይና። ኣብ ከርሲ መሬታ ዝተዃዕቱ ጎዳጉዲ፡ ናብ ገሃነምን ሲኦልን ተለዊጦም፡ ናይ ቅዝፈትን ስቓይን ማእከላት ኮይኖም ኣለዉ።

እቲ ለዋህ ህዝቢ ግን፡ ነቲ ዝሓለፈ ጸልማት እናዘከር፡ ክልተ ግዜ ንዘይ ምዝራብ ክጻወሮ ፈቲኑ ኢዩ። ትግስቱን ተጻዋርነቱን ግን ተመሊሱ ኣፉ ከም ዝዕበስ ገይሩዎ እምበር – ኣይጠቐሞን። ኣፉ ስለ ዝተዓብሰ ከኣ ኢዩ፡ ብውሽጡ ዝተሓመሰ፡ ንረኣይኡ ዘደንግጽ፡ ዝተበተነን ንመሰረታዊ ሰብኣዊ ክብሩ ክከላኸልን ዘይክእል ህዝቢ ክንሱ፡ በደልቱ ከም ስሙርን ሓያልን፡ ከም ጽጉብን ዕጉብን ህዝቢ ክዛረብሉ ዝጸንሑ። ግዜ ምስ በልዐ ግን እቶም ህሉዋት ዘይኮናስ፡ እቶም ኣብ ባሕሪ ዝጠሓሉ፡ ኣብ ምድረ-በዳ ዝሓረሩ፡ ኮላሊቶምን ናውቲ ከብዶምን ዝተሸጠ ደቁ ተዛሪቦም። ዓለም “እዚ ህዝቢ`ዚ ልዕሊ ዓቕሙ ዝኾነ ጸገም እንተ ዘይህልዎ፡ ብኽንድ`ዚ ቊጽሪ ኣብ ባሕርን ምድረ-በዳን ክጠፍእ ኣይምተገደደን” ከም ትብል ገይሮማ። ውዕሎ ጀነቫ 23 ሰነ 2016 ድማ፡ ነታ ንተግባራት ናይቲ ብዘይ ንሕስያ ዝሕምሰና ዘሎ ጨካን ጉጅለ ኣጽኒዓ፡ ኣፍ ዕቡሳት ኮይና፡ ንሽግርናን ጥፍኣትናን ዝመስከረት ጉጅለ ሰብኣዊ መሰላት ምስጋና ንምቕራብን፡ ንቅኑዕነት ዝሃበቶ ጸብጻብ ደገፍና ንምሃብን ኢዩ።

ውዕሎ ጀነቫ ግን ካብ ምስጋና ዝሓልፍ፡ `ነጥበ-መቐይሮ ናይዚ ከነካይዶ ዝጸናሕና ውዱብን ዘይተወደበን ፖሊቲካዊ ቃልሲ ኢዩ` ኢለ ስለ ዝኣመንኩን፡ ንዝኽርታተይ ስለ ዘበራበሮን ከኣ ኢየ፡ ብዛዕባኡ ገለ ክዛረብ ዝደለኹ።

ካብ ዓዲ እንግሊዝ ናብ ጀነቫ ንኸደሉ ኣየር ቲከት ድሕሪ ምቁራጽና፡ ኣብቲ ከተማ እንሓድረሉ ሆተል`ውን ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኢንተርነት ሃሰስ ክንብል ጀሚርና። ካብ ኣርያፖርቶ ክልተ ኪሎ-ሜተርን ፈረቃን (21/2 ኪ.ሜ.) ጥራይ ዝርሕቕ፡ ሕስር ዝበለ መዕረፊ ኣጋይሽ ምስ ረኸብና ድማ ክተሓዘልና ኣቐዲምና ከፊልና። ምሸት ዕለት 22 ሰነ፡ ካብ ነፋሪት ወሪድና ናብ መዕረፊና ንምኻድ ታክሲ ምስ ሓተትና ጥራይ ከኣ ኢና፡ እቲ ዝሓዝናዮ ሆተል ኣብ ስዊዘርላንድ ዘይኮነስ፡ ኣብ ሃገረ ፈረንሳ ምኳኑ ዝፈለጥና። መምጽኢና ናብ ጀነቫ (ስዊዘርላንድ) መዕረፊና ድማ ኣብ ጎረቤት ሃገር – ኣብ ፈረንሳ ክኸውን ማለት ኢዩ። ምሸት ብታክሲ ናብቲ ዝሓዝናዮ መዕረፊ ኣጋይሽ (ናብ ፈረንሳ) ክንከይድ ኮነ፡ ንጽባሒቱ ንጉሆ ካብ መዕረፊና ናብ ማእከል ከተማ ጀነቭ ክንምለስ፡ ክልተ ግዜ ዶብ ክልተ ሃገራት  ክንሰግር ከለና ድማ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ከተማ ካብን ናብን ጥራይ ተንቀሳቒስና እምበር፡ ናይ ዶባት ተፍትሽን ካልእ ምልክትን ኣይረኣናን።

ናይ ካልእ ኣይፈልጥን፡ ንዓይ ግን ነቲ ዶብ ምዃኑ ዝሕብር ዝቖመ ህንጻ፡ ከም ተራ ሓወልቲ ክሰግሮ ከለኹ፡ ኣእምሮይ ንድሕሪት ናብ ኤርትራ ኢዩ ተመሊሱ። ስድራይ ካብታ ደመይ ዝተኻዕዋ፡ ፍርቂ ኣካላተይ ዝኸፈልኩላ፡ ኮሪዐ ክነብረላ ዝተመነኹዋ ሃገረይ፡ ብተሰነይን ብጎልጅን (ብክልተ እብረ) ናብ ሱዳን ዝሰገሩላ መዓልቲ ኢዩ ትዝ ኢሉኒ። መንነቶም ኮነ መልክዖም ንዘይፈልጦም ሰባት፡ ብሕሳብ ክልተ ሽሕ ዶላር ($2000) ኣመሪካ ንሓደ ሰብ ከፊለ ኢየ ኣስጊረዮም። ሽግረይ ግን ገንዘብ ኣይነበረን። እቶም በተለፎን ጥራይ ዝፈለጥኩዎም ኣስገርቲ “ተመሊሶም ንስለያ ህግደፍ ዶኾን የረክቡዎም ይኾኑ? ንረሻይዳ ድኣ ከይሸጥዎም!!! ሓለዋ ዶብ እንተ ረኺቦምዎም`ከ!!! ክቐትልዎም ድዮም ወይ ክኣስርዎም!!!” ሽዑ ዝነበረ ዝተጨነቀ ኣእምሮይ ተመሊሱ ይዝከረኒ ነይሩ። ናይ ኩልና ኤርትራውያን ተመክሮ ምዃኑ ዘኪረ ድማ ህግደፍ ተማሕዩ፡ ሰላም ናብ ሃገርና ክምለስን፡ እቲ ውጹዕ ህዝቢ ንሸቐጥ ኮነ ንኻልእ ጉዳዩ፡ ካብን ናብን ኩለን ጎረባብቱ ሃገራት ከም ድላዩ ክመላለስን ብልቢ ተመንየ። ምእንቲ ሰላም ክብል ናብ ከተማ ጀንቭ፡ ናብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ምምጽአይ ድማ ዝያዳ ድፍኢት ኮይኑኒ።

ቀትሪ 23 ሰነ’ውን፡ ምስ ሓንቲ ኤርትራ ዝመበቆላ ነባሪት ከተማ ጀነቭ ኣብ ዝገበርክዎ ዕላል፡ ናይ ስዊዘርላን ወረቐት ዘለዋን፡ ኣብታ ከተማ ሰሪሓ እትናበርን ክንሳ፡ ኣብ መሬት ፈረንሳ ገዛ ገዚኣ ከም እትነብር ኢያ ተዕልል። ስዊዘርላንዳውያን ነበርቲ ከተማ ጀነቭ`ውን፡ ስለ ዝሓስረሎም – ዶብ ስጊሮም ኣስበዝኦም ካብ ፈረንሳ ከም ዝገብሩ ኢዮም ዝዛረቡ። ዶብ ሃገራት ናብ መዳመይን መቓብር ዜጋታትን ዝኸውን ድኣ መኣስ ኢዩ?

ኣብ ሓንቲ ብውልቀ-መለኽቲ ግን ከኣ ሕሱራት፡ ካብ ሕጊ ክሃድሙ ክብሉ ሃገርን ሃገራውያንን ዘባድሙ እኩያት ሰባት ዝመርሑዋ ሃገር፡ ሕቶ ዶብ ጠንቂ ቅዝፈትን ምድማይን ጎረባብቲ ህዝብታት ኮይኑ ክረአ ኣብ ኤርትራ ኣይጀመረን። እቲ ፍሉይ ዝገብሮ፡ ህዝቢ ኤርትራ ነቶም ብዕጽፍጻፍ ዝዓብዩዎ ገዛእቱ ንምስዓር፡ ንልዕሊ ርብዒ ዘመን ደምዩን ደኺሙን ክንሱ፡ ገና ደሙ ከይነቐጸን ከየዕረፈን፡ ናብ ስደትን ቅዝፈትን ምእታዉ ከይኣክል፡ ዶባት ሃገሩ መቓብር ናይቶም ካብ ባርነትን ግዱድ ዕስክርናን ክሃድሙ ዝፍትኑ ኣእላፍ ደቁ ምዃኑ ኢዩ። ዶብ ፈረንሳን ስዊዘርላንድን ድማ፡ ንዓና ንኤርትራውያን፡ ብፍላይ ድማ ንጨራሕቲ `ንሕና ንሱ – ንሱ ንሕና` መምሃርን መለበምን ክኸውን ይግባእ።

 

*       *       *       *       *        *

ወኪል መርማሪት ሽማግለ – ማይክ ስሚዝ፡ ብ8 ሰነ ጸብጻብ ስርሖም ምስ ኣቅረበ፡ እቲ ከብዱ ተሓሚሱ፡ ኣፉ ተለጒሙ ዝጸንሐ ኤርትራዊ ተሓጒሱ፡ ጸገምና ዝተረድአ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ድማ ኣዝዩ ኢዩ ሰንቢዱ። እቲ ተስፋ ዝሰነቀ ኤርትራዊ ድማ ኢዩ፡ ስርሑን ስድራ-ቤታዊ ጉዳዩን ኣወንዚፉ፡ ኩሉ ወጻኢታቱ ኪኢሉ፡ 23 ሰነ ኣብ ከተማ ጀነቭ ዝወዓለ። ጎደናታትን ኣብያተ ሸቐጣትን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣውቶቡሳትን ባቡራትን ከተማ ጀነቭ፡ ኤርትራዊ ቋንቋታት ንዝዛረቡ ሰባት ኣብ ምምልላስ ስለ ዝወዓላ፡ እታ ከተማ ውሑዳት ጸዓዱ ብሕዋስ ዝነብሩላ ኤርትራዊት ከተማ እምበር፡ ናይ ኤውሮጳ ምስሊ ኣይነበራን።

ዓረብያ ዝደፍኣ ኣደ ቆልዑ፡ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም ዝኸዱ ፍቑራት፡ መራኹስ ዝሓዙ ስንኩላን፡ ብልብሶም ዝልለዩ ካህናት፡ መጠምጠምያ ዝገበሩ መሻይኽ፡ ብጀንትራን ቁኖን ዝልለዩ ወርጠበ፡ ደቀን ዝሓዘላ ኣንስቲ፡ ርእሰን ዝመሸጣ ጎራዙን ዘመን ኣምጽኦ ዝተቆነናን ኣሓት፡ ስረን እጀ-ጠባብን ዝተኸድኑ ሸያባት፡ ነታ ከተማ ኣጥለቕሊቆማ ውዒሎም። ብሓቂ ኤርትራዊ ምስሊ፡ ኤርትራዊ ወኒን ትምኒትን፡ ኤርትራዊ ባህግን ድሌትን ዝተንጸባረቐላ ዕለት ኢያ ነይራ።

ኣብ ልዕሊ`ተን መንነቶም ንምግላጽ ዝሓዝወን ክልተ ባንደራታት ኤርትራ፡ ባንደራታት ናይተን ዘዕቖቦኦምን ዜግነት ዝሃብኦምን ሃገራት`ውን ሒዞም ስለ ዝመጹ፡ ነብሲ ወከፍ ጉጅለ፡ ካብ ኣየነይቲ ኤውሮጳዊት ሃገር ምንባሮም ንምፍላጥ ዘጸግም ኣይነበረን። ናይ ካናዳ፡ ኣመሪካን ኣውስትራልያን ባንደራታት ዝሓዙ ሰባት፡ ኣብቲ ሰልፊ ምንባሮም ድማ ጸብጻብ ናይታ ኮሚሽን፡ ንልብን ሰራውር ደምን ነብሲ-ወከፍ ኤርትራዊ ዝተንከፈ ምንባሩ ምስክር ኢዩ። ልዕሊ 16 ሽሕ (> 16000) ዝግመት ህዝቢ፡ ብዘይ ፍሉጥ ጠርናፊ – ኣብ ሓደ ሰዓት፡ ንሓደ ዕላማ፡ ብሓደ ድምጺ ክጭርሕ፡ ብዘይ ዝኾነ ጎነጽን ምድፍፋእን ኣብ ሓደ መስመር ሰሚሩ ክምርሽ ክትሪኦ ከለኻ፡ ኩሉቲ ህግደፍ ማዕረ ዕድሜኡ ክጥጅኦ ዝጸንሐ ናይ ምክፍፋል ክፍኣት፡ ከም ዓለባ ሳሬት ዝትርባዕ ምኳኑ ኢዩ ዘነጽር። ውዕሎ ጀነቫ 23 ሰነ እምበኣር፡ ምስሊ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዘመነ ህግደፍ ዘይኮነስ፡ ምስሊ ናይታ ኩልና እንምነያ – ንኤርትራዊ ብዙሕነት እትሓቁፍ፡ ልዕልና ሕጊ ዝሰረታ ኤርትራ ኢያ ኣንጸባሪቓ።

እቲ ኩነታት ዘሰንበዶ ስርዓት ህግደፍ ብውሽጢ ውሽጢ ዝዘርገሖ ኢዩ እመስለኒ፡ ኣብ ግዜ`ቲ ደርማስ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ብገለ ሰባት “ነፈርቲ ኲናት ኢትዮጵያ ኣብ መቐለ ተኣኪበን ኣለዋ። ታንክታቶምን ከበድቲ ኣጽዋሮምን ድማ ናብ ዶብ ኣጸጊዖሞ ኣለዉ። ኤርትራ`ውን ሰራዊታን ከበድቲ ኣጽዋራን ናብ ዶብ ኣጸጊዓቶ ኣላ። ኲናት ሎሚ ወይ ጽባሕ ክጅምር ኢዩ” ዝብል ወረ ክዝርጋሕ ተሰሚዑ። ንልዕሊ 16 ዓመታት ዘሰልከየናን ዝሰማዕናዮን ዘረባ ምንባሩ ግን ዘርጋሕቱ ዝተረድኡ ኣይመስለንን። ዘይሩ ዘይሩ ግን፡ ልቢ ሰልፈኛታት ንምምቃል ዝተዘርገሐ፡ ናይ ዓቕሊ ጽበት ፈተነ ምንባሩ እቶም ነቲ ወረ ዝሰማዕና ውሑዳት ሰባት ግዲ ኣይገበርናሉን። ህግደፍ ኣብ ዓጽረ-ሞት ከም ዘሎ ድማ ኢዩ ዘነጽር።

 

*        *       *       *        *       *     *     *

ከተማ ጀነቭ ነጥበ መቐይሮ ናይቲ እነካይዶ ዘሎና ፖለቲካዊ ቃልሲ ምንባራ`ውን ብግብሪ ኣመስኪራ ኢያ። ቅድሚ ሕጂ “ስእልኻ ናብ ኤርትራ ክንሰዶ ኢና!!! ዓድኻ ኣይክትምለስን ኢኻ!!! ኣብ ተቓውሞ ከይትረአ ወዘተ” እናበሉ፡ ካድረታት ህግደፍ – ኤርትራውያን ኣብ ናይ ተቃውሞ ሰልፍታት ንከይሳተፉ ከፈራርሑ ጸኒሖም ኢዮም። ኣብ ጀነቫ ግን እቶም `መንግስትና` ዝብሉ ድኣ ጽላልን ጉልባብን እናተጠቕሙ ገጾም ክኽውሉ ርኢና`ምበር፡ ተቃወምቲ ህግደፍስ ኣፍ ልቦም ነፊሖም ክጭርሑ ኢዮም ውዒሎም።

ኣብቲ ወከልቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተኣከቡሉ፡ ኩነታት ሰብእዊ መሰላት ኤርትራ ዝተሰምዓሉ ኣዳራሽ`ውን፡ እቲ ፖለቲካዊ መቐይሮ ብንጹር ተራኣዩ ኢዩ። ካብቲ ንኣቶ የማነ ገብረኣብን ኣምባሳደር ተስፋሚካኤል ገራህቱን፡ ንህግደፍ ከም መንግስቲ ወኪሎም በብውልቆም ክዛረቡ ብድምር ዝተዋህቦም ግዜ፡ ነቶም – ንዓና (ንሰልፈኛታት 23 ሰነ) ወኪሎም በብውልቂ ንክዛረቡ ዝተዋህቦም ግዜ ዝዓበየ ነይሩ። እቲ ዝኸፍአ ድማ፡ ኣብ ምዝዛም ናይቲ ሰምዒ ኣቦ ወንበር ናይቲ ኣኼባ “ወኪል መንግስቲ ኤርትራ፡ ካብዚ ክበሃል ዝወዓለ ተበጊስካ ክትብሎ ትደሊ ነገር እንተልዩ፡ ክልተ ደቒቅ ሂበካ ኣለኹ . . . ክትዛረብ እንተ ዘይደሊኻ ግን ክትገድፎ ትኽእል ኢኻ !!” ክብል ዝሃቦ ፖለቲካዊ ውርደት ኢዩ። ኣብ ካልእ ኤርትራውያን ጥራይ ዝተረኽቡሉ ኣኼባ ነይሩ እንተ ዝኸውን፡ ወኪል ህግደፍ ብዙሕ ምተጻረፈ። ሽዑ ግን ዝብሎ ጠፊኡዎ፡ ዋላ ነቲ ኣብ ደገ ተዳልዩሉን ተለማሚዱዎን ዝኣተወ`ውን ክደግሞ ኣይከኣለን። እዚ ድማ ህግደፍን ወከልቱን ኣብ ህድማን ደርገፍገፍን ምእታዎም ንጹር ኣብነት ኢዩ።

ኣብ ሓጺር ግዜ፡ ውዕሎ ጀነቫ ዘነጸሮ ካልእ ፖለቲካዊ ጉዳይ ኣብ ዘተኮረ ጽሑፍ ክሳብ ንራኸብ፡ ንሎሚ ሰናይ ቅነ

 

ታደሰ ኪዳነ

በርሚንግሃም

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • twisted ppl July 4, 2016

    brother Tadesse stated
    “ህዝቢ ኤርትራ ን30 ዓመታት መመላእታ፡ መሪር ቃልሲ ከካይድን ልዕሊ ዓቕሙ መስዋእቲ ከኸፍልን ከሎ፡ ነቲ ድቕድቕ ጸልማት ሰጊሩ፡ ብርሃን ክመጽእ ምዃኑ ስለ ዝኣመነ ጥራይ ኢዩ።”

    ክቡር ታደሰ፣

    ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ዝነበሮ ብርሃን ስለ ዘይር ኣየ እሞ ብብናርያዊ ኣተሓሳስባ ካብቶም ኣሕዋቱን ዘኽበርዎን ደቂ ሃገሩን ኢትዮጵያውያንን፣ነቶም ኣዕራብ ኵኵሸምዎ ስለ ዝመረጸ ጥራይ እዩ።ህዝቢ ኤርትራ ብሕልፊ እቲ ትኩር ህዝቢ ኣከለጉዛይ ሃብቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኢዱ ዝነበረ መንካዕ ተባሂሉ ክሕረድ ደቁ ፈሪዶሞ።ከም ኤርትራዊ ዝተኸብረን ዝተፈቕረን ኣይነበረን።

  • Nogoda July 5, 2016

    Mr Tadesse Kidane
    The Eritrean armed struggle for independence (slavery) has been won but it was won so costly and the fruits of it ended up at the wrong hands, hence unable to celebrate and to transition itself to the next step. I don’t believe only Esayas is responsible for the system that brought back slavery in Eritrea, given the regime is a made up overwhelming of corrupted tegadelti. Majority of you so called tegadelti entered Asmara: and most of you still believe strangely that you brought us freedom, peace and independence; after reducing the meaning of it.
    Have people ever gone so high from the so low only to return back to the bottom and below in one life time as Eritreans have in the past?

POST A COMMENT