Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ርያድ፣ ስዑዲ ዓረብ ዝርከብ ኤምባሲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ሬሳ ናብ ሃገር ኣብ ዝምለሰሉ ግዜ ሬሳ ኣብ ምስዳድ ንዝተሓባበሩ ዜጋታት 2 % የኽፍል።

ኣብ ርያድ፣ ስዑዲ ዓረብ ዝርከብ ኤምባሲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ሬሳ ናይ ዝዓረፉ ኤርትራውያን ናብ ሃገር ኣብ ዝምለሰሉ ግዜ፣ ከም ስደተኛታት መጠን ዝምድናን ዓድን ብዘየገድስ ሬሳ ናይቶም ኣብቲ ሃገር ክቕበሩ ዘይክእሉ ዜጋታት ናብ ኤርትራ ኣብ ምስዳድ

ኣብ ርያድ፣ ስዑዲ ዓረብ ዝርከብ ኤምባሲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ሬሳ ናይ ዝዓረፉ ኤርትራውያን ናብ ሃገር ኣብ ዝምለሰሉ ግዜ፣ ከም ስደተኛታት መጠን ዝምድናን ዓድን ብዘየገድስ ሬሳ ናይቶም ኣብቲ ሃገር ክቕበሩ ዘይክእሉ ዜጋታት ናብ ኤርትራ ኣብ ምስዳድ ንዝተሓባበሩ ወይ ዘመልክቱ ዜጋታት ክልተ ካብ ሚእቲ ክኸፍሉ የገድዶም ከምዘሎ ምንጭታት ኣሰና ካብ ሪያድ ሓቢሮም።

እቶም በቲ ጸያፍ ተግባር ናይቲ ገንዘብ ዝሃይማኖቱ ስርዓት ዘስካሕክሑ ዜጋታት፣ ኣብ ስዑዲ ኣብ ስደት ዝርከቡ ኤርትራውያን ከምዚ ዝኣመሰለ ሓደጋ ሞት ከጋጥም ከሎ ብዓይኒ ድንጋጸን ሕውነትን ርእዮም ገንዘቦምን ጉልበቶምን ብምውፋይ ንኡድ ምትሕብባር ከምዘርእዩ ብምጥቃስ፣ እቲ ፍቕርን ምትሕግጋዝን ኤርትራውያን ዘይወሓጠሉ እኩይ ስርዓት ግን፣ በዚ ንሬሳ ክልተ ካብ ሚእቲ ከም ምቕራጽ ዝቝጸር ጽዩፍ ተግባር ነቲ ኒሕን ምትሕልላይን ኤርትራውያን ዘርኢ ክተባባዕ ዝግብኦ ኤርትራዊ ክብሪ ይጻብኦ ምህላዉ ብቝጥዐ ኣረዲኦም።

ሓንቲ ካብቶም ቀንዲ ናይ ከምዚ ዝኣመሰለ እኩይ ፖሊሲ መጋበርያ፣ ኣብ ርያድ ከም ቆንስል ናይቲ ስርዓት ኮይና ንኣስታት 10 ዓመታት ዝተመደበት ብዓልቲ ቤቱ ነቲ ዋና መሳሰዪ ውልቀመላኺ ዝኾነ የማነ ማንኪ፣ ወይኒ ገረዝጊሄር ክትከውን ከላ፣ ጭካኒኣ ደረት ተሳኢኑዎ ከምዘሎ እቶም ምንጭታት ይጠቕሱ። ኣብቲ ሃገር ዝመደቡ ቆንስላት ቀቀልጢፎም ዝቕየሩ ክንሶም፣ ንሳ ከም ቀዋሚት ቆንስል ንኽንድዚ ዓመታት ኣብታ ሃገር ምምዳባ፣ ኣብ ልዕሊ ‘ቲ ርህራሀ ዘይብሉ ጨካን ኣተሓሕዛኣ፣ ብዓልቲ ቤቱ ነቲ ፖለቲካዊ መሳርሒ ውልቀመላኺ ዝኾነ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ብምዃና ከም ሓለፋ ዝተዋህባ ስልጣን ምዃኑ ህዝቢ ብቐጻሊ ከምዘዕዘምዝም ‘ውን ኣገንዚቦም።

ብዘይካ ‘ዚ ልዕሊ 600 ካብ ኣዚለ ክሳብ 9ይ ክፍሊ ክመሃሩ ዝግብኦም ተማሃሮ፣ ስድራቤቶም ወረቐት ስለዘይብሎም ብተጻብኦ ኢምባሲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስን ዝተሓባበሮም ዘሎ ሚኒስተር ትምህርቲ ስዑድን ካብ ትምህርቲ በዅሮም ገዛ ይውዕሉ ከምዘለዉ እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ ሓቢሮም።

ከም ንቡር ኤምባሲታት ካልኦት ሃገራት ማዕረማዕረ ዲፕሎማስያዊ ተልእኾኦም ዜጋታት ሃገሮም ንምሕብሓብ ዝዋፈሩ ኳ እንተኾኑ፣ እቲ ሓደን ናይ መወዳእታን ዕማም ኤምባሲታት ውልቀምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ግን ንኤርትራውያን ምስላይን ምጭናቕን እዩ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
9 COMMENTS
  • Asmerom August 1, 2016

    This shameful act by the mafia regime is called “kilite giziye mot – dying twice” of poor weak Eritreans who refuse to fight back and defeat the bastard higdefs and their korakurs in diaspora. Time to unite and fight back not to die in shames and just in running away from Eritrea. Running away has not and will not bring lasting solution in Eritrea.

  • Sol August 1, 2016

    The embassies of the fascistic regime in Eritrea are not diplomatic representatives of a normal state and they don’t have any concern for the well being of Eritreans instead they are always involved on creating sufferings to the poor Eritreans who are unwittingly living in foreign countries. The diplomats and workers of the embassy act like shop owners that dictate service asking Eritreans to pay different types of issues in addition to the 2% tax. It is very normal to hear in these embassies people asking the shop owners to make arrangements for the payments and others asking I have not worked for long time please make some deduction and the answer is always the same “If you don’t fulfill your duties, there is no service”.

  • ኣርዓዶም August 1, 2016

    ክሳብ ሕጂ ተባዕት ሃደምቲ እምበር ተባዓት ሰባት ኣይተራእዩን፡ እዚ ኹሉ ስቕያት እንዳ ኣውረደትሎም ስቕ ምባሎም፡ ብሓቒ ተብዓት ሃደምቲ ክብሎም ኣድፊሩኒ። ልክዕ ኣብ ሃሃገሩ ሽግር ኣሎ፡ ኣብ ዘዘለናዮ`ውን ኢምባሲ ህግደፍ ኣሎ፡ ግን ክሳብ ክንድዚ ዝኸውን ስቕ ዝበለ የብልናን ክብል እደፍር። ናይ ሱዑድ ዘለዉ ኤርትራውያን`ሞ ኽኣ ዝገደደ ክም ዝኸውን ዘጠራጥር የብሉን።
    ካብ ሽሕ ግዜ ውኻርያ፡ ሓንቲ ግዜ ኣምበሳ ኮይንካ ምሕላፍ ይምረጽ ነይሩ፡ ነዚ ዜና`ዚ ከተስምዑና ከማን ዘሕፍር ኢዩ፡ ኣብ ጉዳይ እዚ ዓለም ዋላሓንቲ ኣይክትብልን ኢያ፡ ምኽንያቱ ውልቃዊ ጉዳያት ገይራ ስለትርእዮ። ኣብ`ታ ብላዕ ተበላላዕ ዝኾነት ሃገረ ሱዕዲ፡ ካብ ኩሉ ግዜ ተበሊዕካ ክትከይድ፡ ሓደን ንሓዋሩን በሊዕካ ክትድቕስ ክንደይ መምሓረልኩም። ስለዚ እቲ ሽግር ክትገጥምዎ ክትክእሉ ኣለኩም፡

    • Beraki August 1, 2016

      Aradom, what you seem to forget is in Saudi Arabia and other corrupted Arab countries you can only be a black monkey slaves as the lions are the rulers, the authorities and the royal families.
      You made a good point of even in the free democratic western world the Eritrean diaspora are scared like chickens of HGDEFs to death. The big question is how long for this silence of fear?

    • Ghenet August 2, 2016

      Ato Aradom,
      In our tigrigna we have an old saying of “zeysinikha Hutsa korTimelu”.
      Now, first tell us what you are doing against PFDJs embassies or other mafia operations to challenge them or to expose their illegal operations and collection of 2% by threatening means? Otherwise, you can’t just expect others to make sacrifices on your behalf as this is a major embarrassment happening again and again everywhere with no united reactions or oppositions to the mafia operators and to the brute mafia regime in Asmara.

      • ኣርዓዶም August 3, 2016

        ገነት
        ዘይስንኻ ሕጻ ቖርጥመሉ ዶ በልካኒ፡ ኣየ ዘይርኣየ ድኣ ኣይኣምንን ኮይኑ እምበር፡ ኣንጻር ዓማጺ ምሕደራ ህግደፍ ዓመታት ተቓሊስና ከምዚ ክንብሃል ግን ካልኣይ ጥልመት ኢዩ።

        ገነት እቲ ኣብ ስዑድ ዓረብ ዝወርዶም ዘሎ ሽግር ሽግር እንድሕሪ ዘይኮይኑ ሽግር ዝብሃል የለን ክትብል ይቐለካ ነይሩ። እዞም ሰባት ክሳብ ሂወቶም ዝሓልፍ ክሳቐዩ ግን ሕጂ`ውን ካልኣይ ሞት ኢዩ፡ ንማለት እምበር ንዓይ ድኣ ኣብ ስዑድ ዓረብ ኮይኖም እንታይ ከየምጽኡለይ፡ ከም`ቲ ኣብ ዘለኽዎ ኮይነ ብዝዓቕመይ ንርእስየን ነቲ ዘይፍትሓዊ ኣገባባት ክሳብ ሞት`ውን እንተመጸ ዝቓወሞን ዝቓወም ዘለኹን ክኾኑ ግን ጽቡቕ ኢዩ።

        ኣብ ሂወተይ መጽዮምኒ እሞ ድማ ኣብ ፍትሓዊ ዘይብሉ ሃገር ዝነብር ተኾይነ፡ ሂወት ንዓይ ትርጉም የብሉን፡ ድሕሪ ሞት ጥዕና ቕበጽ ከም ዝብሃል፡ ምስ ሞትካ ጥዕና ክትረክብ ምድላይ፡ ካብ ሞት ሞት ኢዩ ኢየ ዝበልኩ፡ እምበር ንሶም ስዑድ ብምዅን ዘምጽእዎ ለውጢ የለን። ስለዚ እቲ ዕሸላዊ ኣተሓሳስባኻ ኣማሓይሾ።

  • k.tewolde August 2, 2016

    This money laundering cartel,as long as you calling it ‘mengstna’ and knocking on its doors and using it to fulfill your personal needs,it will nickel dime and tax you to the bone and throw you to the curb when it is done with you. HGDEF will keep on doing what HGDEF is good at ,lying,stealing,embezzling,murdering,prostituting……….as long as you let it.If you don’t know them by now and at least try to beat them at their own game,you are here for a long cold winter.

  • Geega August 2, 2016

    “with no united reactions”

    Ghenet

    You said it all sister.
    Where there is no united reactions people continue to suffer.

    Last week in Gonder the anti-Weyane demonstrations in Amhara Killil sent tremor to the whole Ethiopia.
    Although the Oromos have the same feeling but because they failed to react in unison, about 400 civilians died and nothing happened. In Gonder the angry mob destroyed several hotels, shops and a bus owned by Tigreyans.
    It’s not that I am happy that Ethiopia is going through a dangerous political crisis, but I am just talking about the importance of people reacting together to solve any problem.

  • fair play August 2, 2016

    ገና ኣብ ሜዳ ከሎ ወድኹም ንጸላኢ ኢዱ ሂቡ እዩ ኢሉ ጤለ በጊዕ ካብ ኣፍ ደቂ ሓረስቶት መንዚዑ ዝበልዕ ወረበላ ሕጂ ናይ ሬሳ ኣኽፊሉ መንእሰያት ንራሻይዳን በደዊንን ብዶላር ሸይጥዎም ኢልና ክገርመና ዝግባእ ኣይኮነን።ሰብ ዝዘርኦ ኢዩ ዝዓጽድ ፣ኣእሻዅ ዘሪእና ጻዕዳ ጣፍ ዘይዓጸድና ምባል ንነብስና ምትላል እዩ።ናይ ሜዳ ዝተገብረ ዓገብ ጸረ ሰብ መጥሓን ተሰኪምና ነዚ ሓድሽ ትውልዲ ይቕረ ሓቲትና ሓዳሽን ምስ ነብሳን ጎረባብታን ብሰላም ትነብር ኤርትራ ክንፈጥር እዩ ዝግብኣና።

POST A COMMENT