Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራ ጸገም ዝቅልስ ብዕራይ እምበር ዝኹብኮባ ጥሪት ኣይስኣነትን

ኩልና ከምእንግንዘቦ፡ ወለድና ኣብ እዋን ቀውዒ ምህርቶም ንምሕፋስን ጥዑይ እኽሊ ካብ ሓሰርን ገለባን ንምፍላይን፡ ዝበዝሕ ግዜ መኽየዳ ኣብዑር’ዮም ዝጥቀሙ። እቲ እኽሊ ውሑድ እንተኾይኑ ድማ ብጉልበት ሰብ፡ ብዕርፊ ወይ ብዱላ ይዱግዶግ ማለት’ዩ። ኣብ እዋን መኽየዳ እኽሊ፡

ኩልና ከምእንግንዘቦ፡ ወለድና ኣብ እዋን ቀውዒ ምህርቶም ንምሕፋስን ጥዑይ እኽሊ ካብ ሓሰርን ገለባን ንምፍላይን፡ ዝበዝሕ ግዜ መኽየዳ ኣብዑር’ዮም ዝጥቀሙ። እቲ እኽሊ ውሑድ እንተኾይኑ ድማ ብጉልበት ሰብ፡ ብዕርፊ ወይ ብዱላ ይዱግዶግ ማለት’ዩ። ኣብ እዋን መኽየዳ እኽሊ፡ ብዘይ ቀላሳይ ብዕራይ እቲ መኽየዳ ብግቡእ ክሳለጥ ኣይክእልን’ዩ። ከም ሳዕቤኑ፡ እቶም ኣብዑር ፋሕብትን ይብሉ፡ ግዜ ይባኽንን እኽሊ ከይተሓፍሰ ይተርፍን ማለት’ዩ። መንቀሊ ጽሑፈይ ግን ብዛዕባ ቀውዕን ምህርትን ንምዝራብ ኣይኮነን። የግዳስ ዕዙዝ ተራ ቀላሳይ ብዕራይ ኣብ መኽየዳ፡ ምስቲ ኣብ መንጎ ኤርትራራውያን ደለይቲ ፍትሒ ኣጋጢሙ ዘሎ ስእነትን ቅልውላው መሪሕነትን ከዛምዶ ስለዝደለኹ’የ።

ኤርትራ ውሑድን ብዙሕ ካብ ህዝባ ኣብ ስደት ዝተበታተነን’ኳ እንተኾነ፡ ንውሽጣዊ ጸገማቱን ፍልልያቱን ክፈትሕ ዘይክእል ልቦናን ዓቅሚን ዘይብሉ ህዝቢ ግን ኣይኮነን። እንተኾነ ነዚ ህይወትን ንብረትን ህዝብና ዝመጺ ዘሎ ኣረሜናዊ ስርዓት ህግደፍ ኣሊኻ ህዝቢ ዝወከሎ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ኣብ ምትካል፡ ግዜ ነባኽንን ስቃይ ህዝብና ነናውሕን ኣሎና። ንኣብነት እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ኣብ ትሕቲ፡ ብስም “ደለይቲ ፍትሒ በቲ ሓደ፡ ደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራ” ድማ በቲ ካልእ ኣብ ጀነቫ ዝተኻየደ ክልተ ናይ ደገፍን ተቃውሞን ሰልፍታት፡ ድኽመታቱን ዕዉትነቱን ብዘየገድስ፡ እቲ ፍጻመ ድኻምና ዘንጸባርቅን ውሽጣዊ ጉዳይና ጓና ክኣትዎ ኣፍደገ ከምዘርሓናን’ዩ ዝቁጸር። ልዕሊ ኹሉ ድማ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ኣብ ዝባን ህዝብና ዘሎ መስገደል ኣርዑት ንምእላይ እማመ ኣብ ዘቅረበሉ እዋን፡ ገለ ኤርትራውያን ምስቲ ፈጻሚ ገበን ህግደፍ ብምውጋን “ኣብ ኤርትራ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ጸገማት ማሕበራዊ ኣገልግሎትን የለን፡ ዓለም ትዘርየና’ላ” ምባሎም’ዩ። ስርዓት ህግደፍ ነቲ ካብ ዓለም ብምኽዋል ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞዘሎ ሽርሕታትን ጭፍጨፋን ንምጥምዛዝ፡ ወግሐ ጸብሐ ምዕራባውያን ሃገራትን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ጥልመትን ጦብሎቅታን ይፍጸም ከምዘሎ ምግዓሩ’ዩ። ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣሉታዊ ተራ ማሕበረሰብ ዓለምን ምዕራባዊ ዓለምን ኣዳዕዲዕና ንፈልጥ ኢና። ዝበዝሕ እዋን፡ ውሳኔታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ትካላቱን በተን ዝሓየላ ሃገራትን ከምዝዕብለልን ፍትሓዊ ጉዳያት ንረብሓታተን ከምዝጉዕጸጽን ምስጢር ኣይኮነን። ጉዳይ ምሕንጻጽ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ተበይኑ እንከሎ ዘይምትግባሩ ድማ ሓደ ጭቡጥ ኣብነት’ዩ። ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ 25 ዓመታትን ገና ዝቅጽል ዘሎን ስቃይን ኣደራዕን ግን ብቀንዱ ብስርዓት ህግደፍ ዝፍጸም ዘሎ’ምበር ብማሕበረ ሰብ ዓለም ኣይኮነን። ገደብ ዘይብሉ መደብ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ብዘይ ክፍሊት ጉልበት መንእሰያት ምምዝማዝ፡ መንግስትን ህዝብን ዝመሓደረሉ ቅዋም ከይህሉ፡ ብሕታዊ ቁጠባዊ ትካላት ዕድል ከይውሃቦ፡ መሰል ምዝራብን ሓሳብካ ምግላጽ ምኽልካልን ካልኦት ተመሳሰልቲ ጉዳያትን፡ ውልቀመላኺ ስርዓት ህግደፍ እምበር ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ምዕራባውያን መንግስታት ወይ’ውን ጎረባብቲ ሃገራት ኣይኮናን ከይትግበር ዕንቅፋት ፈጢረን። ህግደፍ፡ ኣብ ክንዲ ተዓጻጻፊ ሜላን ንክብርን ምዕባለን ህዝቢ ኤርትራ ዘረጋግጽ ኣገባብ ዝኽተል፡ ዕንደራን ንህዝቢ ኤርትራ ጅሆ ሒዙ ኣደዳ ስደትን ሞትን ገይርዎ። ኣብ ርእሲኡ፡ ብሰንኪ ህግደፍ ዝኽተሎ ኣዕናዊ ኣሰራርሓ፡ ኤርትራ ካብ ዓለም ተነጺላን ስማ ተደዊኑን። ህግደፍ ህዝቢ እንተዝሕብሕብ፡ ቃንዛኡን ሽግራቱን እንተዝሰምዕ ነይሩ፡ እዚ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ተኸሲቱ ዘሎ ቁጠባዊ፡ ፖለቲካውን ማሕበራውን ሕልኽላኻትን ቅልውላዋትን ኣይምተኸስተን። ሕጂ’ውን ክምብል በለ እምበር ኣይተኻዕወን ከምዝብሃል፡ ህዝቢ ኤርትራ ብግዕዙይን ዘይሓላፍነታውን ኣሰራርሓ ህግደፍ ፈጊዕዎ ስለዘሎን ኣኺሉ ስለዝተረፎን፡ ሰላምን ማሕበራዊ ፍትሕን ይጽበ’ሎ። ንሃንቀውታ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ተግባር ዘውዕል፡ ዝውድቦ፡ ንመንነቱን ክብሩን ዝዕቅብ፡ ፍቅርን ሰላምን ዘንግስ መሪሕነት ይደሊ ኣሎ።

ቀንዲ ሕመረትን ፈታሕን ጸገማትና፡ እቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ብሓለንጊ ህግደፍ ዝሳቀ ዘሎ ዜጋ ማለት በርጌስን ኣብ ሰራዊት ወተሃደርን’ዩ፡፡ ካብኡ ናብኡ ድማ፡ እቶም ንውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ድርዒ ብምዃን ኣብ ልዕሊ ህዝብና ሕሰም ክቅጽል ምኽንያት ኮይኖም ዘለዉ ትካላት ጸጥታ፡ ካድራት ህግደፍን ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊትን’ዮም። እቲ ኣብ ሕርሻ፡ መጓሰን ሽቅለትን ሳናቲም ኣጠርቂሙን ብቁራስ እንጀራ እናተዓንገለን ዝነብር ዘሎ ዓዃይ ህዝብና፡ ንህግደፍ ኤህ ኢሉ ካብ ምርጋምን ብሕሹኽታ ዘለዎ ምረት ካብ ምግላጽን፡ ካልእ ኣድማዒ ስጉምቲ ክወስድ ኣይክእልን’ዩ።  ህግደፍ ብዘለዎ ሓያል ስለያዊ ኣሰራርሓን ኣቃውማን ከምኡ’ውን ናይቶም ለውጢ ንምምጻእ ተኽእሎ ዘለዎም ጉጅለታት ሰንኮፍ ኣወዳድባን ብጥቅምን ፍርሕን ምስዳዕን፡ ቅድሚ ሎሚ ዝተኻየደ ፈተነታት ለውጢ ፍረ ኣይሃበን። ጠለብ ጉጅለ 15ን ስርሒት ፎርቶ ኣስመራን ድማ ዓሕ እናበልና እንገልጾ ናይ ቀረባ ኣብነታት ፍሽለት’ዮም። ኣብዚ እዋን’ዚ ህግደፍ ኣብ ዝሓለፉ 25 ዓመታት ክኽተሎ ዝጸንሐ ኣዕናዊ ሜላታት ካብ ህዝብና ከምዝተፈንፈነ ስለዝፈልጥ፡ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ናይ ድሕሪ ማይ ኣብ በዓቲ ጽገናታት ከተኣታቱ ይህቅን ኣሎ። ብቀንዱ ድማ በቲ ንሱ ዘውንኖ መራኸቢ ብዝሓን፡ ናይ ወጻኢ ጋዜጠኛታት፡ ማሕበራዊ መራኸቢታትን እሙናቱን ኣቢሉን ቢልዮናት ገንዘብ ብምምዳብን፡ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ሓንጎል ሰብ ክጨዊ ይፍትን ኣሎ። ይኹን እምበር፡ ህግደፍ እቲ መሰረታዊ ጉዳያት፡ ከም ሕቶ ህላወ ቅዋም፡ ሓሳብካ ብናጻ ምግላጽ፡ ህዝብና ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳያቱ ወሳኒ ዘይምዃን፡ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ጎስዩን ኣብ ጓል መንገዲ ይህውትት ስለዘሎ፡ ኩሉ ምስልይነቱ ትርጉም የብሉን። እቲ ንመጻኢት ኤርትራ ውሕስነት ዝኾነ መንእሰይ ናብ ስደት ሃጽ ኢሉ እናጠፍአ፡ ባህርያዊ ጸጋታትና ኣብ ጁባ ውሑዳትን ትካላት ወጻእን እናኣተወ፡ ልኡላዊ መሬትና ብድሌት ህግደፍ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ እናኣተወ፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ዜጋታትና ብዘይ ፍርዲ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ህግደፍ እናተሳቀዩ እንከለዉ፡ ብስቅታ ምሕላፍ ወይ ምስ ህግደፍ ምዝላል መጻኢ ወለዶ ክኸሰና’ዩ። ጽባሕ፡ ነዚ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝወርድ ዘሎ ማሕበራዊ፡ ቁጠባውን ፖለቲካውን ዕንወት ደቅናን ደቂ ደቅናን ክሓቱና፡ ክወቅሱናን ኣበይ ኔርኩምን ክብሉና’ዮም። ሕማቅ ናትካ ኦሆይ ይብለካ ከምዝበሃል፡ ትጽቢት ህዝብና’ኮ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ካብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ወይ’ውን ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣይኮነን፡፡ ኣብቶም ጨቆቕ ኢሉ ዘምሃሮምን ቀለም ዝቆጸሩን ምሁራት ደቁ፡ ኣብቶም ናጽነት ዘምጽኡን መሬትና ከይትድፈር ዋልታ ዝኾኑን ኣባላት ሓይልታት ምኽልኻል፡ ኣብቶም ንሰንካም ዕላማታት ህግደፍ ኣብ ምትግባር ምስ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ጉምብሕ ጥልዕ ዝብሉ ዘለዉ፡ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ ሚኒስተራት፡ ካድራት ህግደፍን ሓለፍቲ ጸጥታን’ዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዝጓስዮን ንመጻኢት ኤርትራ ዝብጆን መራሕቲ ይብህግ ኣሎ። ኣብዚ እዋን’ዚ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንመንነቱ ክብሩን ዝጣበቅ ቀላሳይ ጸሚእዎ’ሎ። ኣብዚ እዋን’ዚ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ሃገሩ ብሰላም ንኽነብር፡ ካብ ስደትን ስቃይ ዘናግፎ ዋና ይደሊ’ሎ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ህዝቢ ኤርትራ፡ “ኣይትቁረር፡ ኣብ ጎድንኻ ኣለና፡ ናትካ ኢና” ዝብሎ ካብ ኣዱኡን ኣቡኡን ዝተወልደ ሓውን ሓፍትን ይደሊ’ሎ።

 ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (28 ሓምለ 2016)

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT