Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ወረራ እንስሳ ዘገዳም

ኣቦይን ኣደይን - በበይኑ ጸሎቶም እምቤተይ ንመጎጎ - ጎይታይ ንዳዊቶም ኣናጹ ምስ ደቀን - እንስሳ ዘቤቶም ሽላን ኣሞራን - ናይ ደገ በጻሕቶም ክልተ መልሓሱ - ሓላው ምድሪቤቶም   ካብ ንቡር ሓሊፉ - ኩሉ ተገሪሙ ኣብ ቑርባን ገበል - ሓክሊ ድሙ ጾይሙ   ጊላሰማይ ሓደ

ኣቦይን ኣደይን – በበይኑ ጸሎቶም

እምቤተይ ንመጎጎ – ጎይታይ ንዳዊቶም

ኣናጹ ምስ ደቀን – እንስሳ ዘቤቶም

ሽላን ኣሞራን – ናይ ደገ በጻሕቶም

ክልተ መልሓሱ – ሓላው ምድሪቤቶም

 

ካብ ንቡር ሓሊፉ – ኩሉ ተገሪሙ

ኣብ ቑርባን ገበል – ሓክሊ ድሙ ጾይሙ

 

ጊላሰማይ ሓደ ካብቶም ዝፈትዎም ኣዕርክተይ ኢዩ። ኣብ ትርፊ ግዜና ብሓንሳብ ምዝዋር ንፈቱ። ሎሚ ቅኒያት ፋሲካ ኢዩ። ጸሓይ ኣዚያ ስለ ዝመረረት ኣብ ቤትም ከድና ከነጽልል ተሰማሚዕና።

ጊላሰማይ ኣፍደገ ገበላኦም ክከፍት ገርጋሕ ምስ ኣበለ፡ ኣብ ማእከል ገበላ ክሰራሰራ ዝጸንሓ ዕስለ ኣናጹ የማነ – ጸጋም ተጓየያ። ኣቤት! ኣቤት! ካብ’ቲ ብዝሐን – ግዝፈን።  ዘይረኣየ እንተ ዘይኣመነ ኣይትሓዞን። ዝኾነ ኾይኑ ዳሕራየን ንክዕዘብ ኣብ ትሕቲ ጽላል ገበላ ኮፍ በልኹ።

ጊላሰማይ ብዝዕባ እዘን ኣናጹ ክዛረብ ምዃነይ ስለ ዝገመተ፣ ስለ ምረት ጸሓይ ከዋግዕ ፈተነ። ኣነ ግን ብዘይካ እዘን ክሳብ ሕጂ ገና ገበላ ተርቲረን ካብ ሓደ ጕድጓድ ናብ ሓደ ጕድጓድ እሞ ከኣ ገሊኤን ምስ ደቀን ዝወናጨፋ ዘሎዋ ኣናጹ ሓሊፈ፡ ብዛዕባ ዝኾነ ካልእ ኣርእስቲ ከዕልል ኣይተበረሃንን።

ስሚዒት ዓርከይ ከይትንክፍ ስለዝፈራሕኹ ብጎቦ -ጎቦ ጌረ ክሓትት መረጽኹ።

ስምዓኒ’ባ “ኣብ ገዛኹም እንስሳ ዘገዳም ናብ እንስሳ ዘቤት ናይ ምቅያር ፈተነ (ኤክስፐርመንት) ይካየድ ኣሎ ድዩ”?

ጊላሰማይ  ኪር……..ኪር……..ኢሉ ሰሓቀ።

ገለ ክትዛረብ ምኻንዃ ይፈልጥ ኔረ። ብዝኾነ ኣስማተን ኣላልየኒ ከይትብለኒ ጥራሕ? ማለትሲ ኣይፈልጠንን’የ።

ቑምነገር  –

ንምንታይ ክንድ’ዚ ዝበዝሓ ኣናጹ ኣብ ገበላኩም  ክነብራ ፍቃድ ረኪበን?

መን ኣፍቅዱለን?  ዘይብሓይለን ‘የን ዝነብራ ዘሎዋ።

እሞ ተሳዒርኹም ማለት ድዩ?

ተወሪርናዶ ክንብል ።  ኹሉ ሓደ።

መጻወድያ ዘይትገዝኡ?

ክንደይ ኢልና ክንገዝእ? ድሙከ?

መጀመርያ ደማሙከ በል። ሕራይ  ደማሙ

ናይ ካልእ ገዲፍና እዚ ክንዲ ገለ ዝኸውን ሓክሊ ድሙ ኣብ እግርካ ኮፍ ኢሉ ዘሎ ትርእዮ ዶ ኣሎኻ? እወ። እዚ ድሙ’ዚ ከኣ’ሞ ግደፍ ሃድነንስ ኛው ከይተረፈ ዝረሰዖ ኢዩ ዝመስል

ከማና ኮፍ ኢሉ ይዕዘብ እነሄልኻ ። ምስ ምንታይ ይቑጸር እዚ?

ናይ ኣብኡ ዝጠፍኦ !!!  ህኹይ ድሙ! ኪድ ረሓቕ –  ኢሉ ኣባረሮ።

ወረ – ብሕጊ ኣምላኽ!

ናበይ ጽግዕ ናብ ድሙ ፡ ኣይገደደንዶ?

ኣብ መንጎ ከክንዲ ጊሔ ዝኾና ኣናጹ ኣትዩ እንታይ ክገብር ትጽበዮ ኣሎካ? ደሓር ከኣ ግደፍ ንሱ ኣነ ንባዕለይ እዘን ኣናጹ ገበላኩም ዘገዳም ድየን ዘቤት ክብል ጸኒሐ ፤ ሳልሳይ ከኣ ከምቲ ኣባ ገብርሃና ዝበልዎ ከይከውን።

ኣባ ገብረሃና እንታይ ኢሎም?

“ኣይጥም ጠላሽ”

ኣየ ንስኻ! ዘይትዝክሮ የብልኻን፣ ሕጂ’ሞ ከኣ መዛረቢ እንድኻ ረኪብኻ

በል ቀጽል – ካልእከ እንተ ኣሎኻ?

ብዙሕ’ዃ ዘሎኒ የብለይን። ግን ዓዲ ፈሊጣዶ?

ብዛዕባ እንታይ ?

ወረራኹም።

ኖ! ኖ! ንዓካ ትጽበ’ላ። ኺድ ኣብቲ ቕርዓት ወጺእካ፡ ኣእዊ

ንምጥፍእ ኣናጹ እንዳቦይ …. መምስ መጻወድያኹም ወይ  ድሙኩምየ በል ! !

ሕጂ’ውን ተታሒዝና ናብ ሰሓቕ   . . . .

በል እስኪ እዚ ንግደፎ ሕራይ ፤ እቲ ብቀዳማይ ኣብ ገዛኹም ዝኣተወ  ገበል (ኣፍዑት) ከመይ ኾነ?

እዚ ኹሉ ምስ ሩሱን ኹናትኩምየ ተባሂሉስ ተቀትለዶ?

በጃካ ኣይተቀትለን። እዚ ንበይኑ’ዩ። ገዛ ምስ ኣተወ ዕጭ ኢሉ።

ጎማ ዘሎ ፣ ዅቦ ዘሎ…… እንተዓጥና ክሳደይ ንበላሕ ኢሉ።

እሞ ኣብኡ ኣሎ?

ኣበይ ኣብኡ?

ኣብ ዘንቐኹም?

ይሃሉ  ይኺድ መን ፈሊጡ ።
ኣንታ ከመይ ዝበለ ድፍረት’ዩ ዘሎኹም? ገበል ኣብ ርእሰኹም ሰፊሩስ ድቃስ ይወስደኹም?

ኣቦይ  እዮም በጃካ። ወይ እቲ ስራሕ ጠጦው ኣየብልዎ ወይ እዚ ገበል ክቕተል ኣይገድፍዎ? ድሕሪ’ዚ ኹሉ ሓዞ – ስደዶ ጎይታይ መጺኦም ደሓን’ዞም ደቐይ ግደፍዎ ኢሎም …. ኣፋኒዮሞም።

ግን ካብ መኣስ’ዩ ገበል ሓላልነቱ ዝተመስከረሉ?
ኣቦይ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይጎዳኢካ ኣይትጉዳእ’ዩ ዝብል፤ ደሓር ከኣ ግዙም’ዩ ኢሎምና።

ግዙም እንታይ ማለት’ዩ? ኣይናከስን። ሓላል’ዩ ማለት ኢዩ

ዶ? እሞ ነዚ ኣሚንኹምስ ድቓስ ይወስደኹም?

ኣብ ገበላኹም “ኣናጹ” ኣብ ዘንቐኹም “ገበል” ለከ ከምዚ ምስ ረከቡ ኢዮም –

“ወዲ ቐሺስ ኣባጅጎ ኣባሓጎኡ”  ይመስሎ ዝበሉ።

ዘረባና ከይ ወዳእና እቲ ዘባረሮ ድሙ ምሳና መጺኡ ኮፍ በለ። እተን ኣናጹ ካብ ሓደ ጉድጓድ ናብ ሓደ ጉድጓድ ምስግጋር ክሳብ ሕጂ ኣየቛረጻን። ከምቲ ጊላሰማይ ዝበሎ እዚ ድሙ ስቕ ኢሉ ጥራሕ ይዕዘብ ኣሎ።

ስምዓኒ’ባ እዚ ድሙኩም’ ደሓን ድዩ? እንታይ ከይከውን ኢካ? ማለት እቲ ግዝመት ክሳብ ኣብኡ በጺሑ ከይከውን

ኬድ .. ኬድ .. ነዚ ድሙ’ዚ – ነዚ ድሙ’ዚስ “ዑዙም ገዲፍካስ ግዙም” . . . . . ኣይተጸባብቐሉ።

በል  ዝኮነ ኮይኑ ፡ ታሪክ ገዛኩም መሳጢ ኔሩ። ቅድሚ ምካደይ ግን ሓንቲ ክላቦወካ ዝደሊ  ክሳብ እዞም ኣነ ዝፈልጦም እንስሳ ዘገዳም ናብ እንስሳ ዘቤት ብዕሊ ተቀይሮም ዝርእዮም፡  ወይ’ውን ናብ ዝነበርዎ ዝምለሱ “ገበላኹም ምስ ምድሪ-ቤትኩም” ንዓኹም”

ደሓን ዎዓል ! ! !

 

መረጸ ኣስመላሽ   August 2, 2016

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • new donkeys ? August 3, 2016

    It is like the zebras becoming domestic donkeys ,how fitting!!!

POST A COMMENT