Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መጠንቀቅታ ነቶም ናብቲ ንዕለት 21 ሰነ 2016 ህግድፍ ዘዳለዉዎ ሰልፊ ትኸዱ ኤርትራውያን

ናብ ኩሎም ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ዑቕባ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ዘተዋህበኩም እሞ ናብ ናይ 21 ሰነ ንዓመጽትን ቀተልትን ንምድጋፍ ትብገሱ ዘለኹም ኤርትራውያን ዜጋታት። እዚ ኣንጻር ፖለቲካዊ ዑቕባ ንምርካብ ዝሃብክሞ ቓል ዝጻረር ስለዝኩነ፣ ውጽኢቱ ናቱ ክኣ ከቢድ ሙኻኑ ትስሕትዎ

ናብ ኩሎም ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ዑቕባ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ዘተዋህበኩም እሞ ናብ ናይ 21 ሰነ ንዓመጽትን ቀተልትን ንምድጋፍ ትብገሱ ዘለኹም ኤርትራውያን ዜጋታት።

እዚ ኣንጻር ፖለቲካዊ ዑቕባ ንምርካብ ዝሃብክሞ ቓል ዝጻረር ስለዝኩነ፣ ውጽኢቱ ናቱ ክኣ ከቢድ ሙኻኑ ትስሕትዎ ኣይንብልን። ኣብዚ ቐረባ እዋናት 7 ኤርትራውያን ንኤርትራ በጺሖም ዝመጹ ብኢሚግሬሽን ስዊዝ ወረቐቶም ከምዝተመንጠሉ ኣብ ጋዜጣታት ስዊዝ ብወግዒ ወጺኡ እዩ :: ስለዚ ነዝን ካልእን ብምግንዛብ ኢድኩምን እግርኹምን ክትእክቡ ውሕስነት ፖለቲካዊ ዑቕባኩም ኣብ ግምት ብምእታው፣ ካብ ምስታፍ ከተቖርጹ ክንሕብረኩም ንፈቱ። :: ነዚ ምስ ትጥሕስዎ  በዚ ተበጺሑ ዘሎ ምዕባለ ተክኖሎጂ መን ተሳቲፉ ንምፍላጥ ከምዘየሸግር እንዳሓበርና፣ ከሙውን  ካሜራታት ኣዳሊና መዝገብኩም ናብ ዝምልከቶ ኣካል ከነቕርቦ ምዃና ንሕብር ::

 

ኣዳላዊት ሽማግለ ሰላማዊ ሰልፊ ደለይቲ ፍትሒ ስዊዝ

 

ህዝቢ ኤርትራ ክዕወት’ዩ።

ኢሳይስን ጉጅሌኡን ገበንኛታት ስለ ዝኾኑ ክፍረዱ’ዮም።

ዓወት ንሰላማዊ ሰልፊ ጄነቫ ደለይቲ ፍትሒ 23 ሰኔ 2016።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
13 COMMENTS
  • MJ silent June 24, 2016

    Please, stop creating Agenda to divide the Eritrean nationals in the diaspora. It is not in the interest of “Deleity Fithy” or “democracy”, you cann’t create unity among each other this way. If you really have a gut, trying to expose or point your fingers on the criminals coming from refuge compas shemelba by the name of Eritrean’s.

POST A COMMENT