ንየማነ ገብርኣብ ክሃርምዎ ደልዮም ብምባል እዉን ናብ ኣዳራሽ ኣኼባ ምእታዉ ዝተኸልከሉ ዜጋታት ከም ዘሎዉ ተፈሊጡ።
ኣብ ሽወደን ዝምደበሮም ሲቪላዊን ፖለቲካዉን ምንቅስቓሳትን ነጻ ዜጋታትን ብሓባር ኮይኖም ዝወደብዎ ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ኣፍደገ ናይቲ ንፕሮፖጋንዳዊ ሃልኪ ተባሂሉ ብሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ የማነ ገብረኣብ ዝተኻየደ ስሚናር ስርዓት ህግደፍ ብኣዝዩ ዝተዋሃህደ ኣወዳድባ ዉዕዉዕ ናይ ተቓዉሞ ሰልፊ ድሕሪ ምክያዱ ሎሚ 1 ግንቦት 2011 ቅድሚ ቁሩብ ደቓይቕ ተዛዚሙ፡፡
ኣፍ እቲ ከየድምጽ መሰሉ ዝተገፎ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ኮይኖም ደው ዝበሉ ኣማሓደርቲ ኣሰና፡ ንሰንበት ዕለት 5/12/2010፡ ኣብ ፓልቶክ Room Eritrea Etuq menisey Eritrea niDimokrasin fithin ክቐርቡ እዮም።
ዝኸበርክን ደለይቲ ለዉጢ፤ ፍትሕን ደሞክራስን ደቂ-ኣንስቲዮ ኤርትራ ተቀማጦ መልበርንን ከባቢኣን፣
ማሕበር ጥርናፈ ኤርትራውያን ንዲሞክራስን ፍትሕን ኣብ ቅዋሙ ንዘስፈሮ መደብ መሰረት ብምግባር ሎሚ ዕለት 24/1/2010 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ከተማ የተቦሪ ኩሎም ግዱሳት ኤርትራውያን ኣባላቱ ኣብ ዝተኣከቡሉ ኣዳራሽ ቀዳማይ መስራቲ ጉባኤኡ ኣካይዱ።