ብሰንበት ዕለት 17, 2011 ነበርቲ ከተማ ኣትላንታን ከባቢኣን ነቲ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ኣብ ባሕሪ ሊብያ ዘጋጠመ ዘሕዝን ሓደጋ ንምዝካርን ጸሎቶም ንምብጻሕን ተኣኪቦም ኣምስዮም። እቲ መደብ ብግዱሳት ኤርትራውያን መንእሰያት ዝተዳለወ ኮይኑ፣ ክሳብ 300 ዝኸውን ህዝቢ ተሳቲፍዎ። ህዝቢ ዝኽረ ሰማእታት ድሕሪ ምግባሩ፣ ዝተፈላለየ ቃላት ብመራሕቲ ሃይማኖትን ተሳተፍትን ቀሪቡ። ኣብ መደምደምታ ድማ፣ ተሳተፍቲ ናይ ሽምዓ ሰልፊ ብምግባር ንግዳያት ዘኪሮም።
ሎሚ ምዓልቲ ኣብዚ ብሰንኪ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ብዝወረዶም ኣደራዕ ባህጎምን ሕልሞምን ኮሊፎም፣ ካብታ ብዕድመ ንእስነቶም ዓንዲሮም ዘይጸገቡላ ሃገሮም ሃጽ ኢሎም ናብ ደይፈልጥዎ በረኻን ዓድን ንስደት ዝተቓልዑ መሳኪን ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣጋጢምዎም ዘሎ ናይ ሞት ሓደጋ ምኽንያት ብምግባር፣ ነዚ ቀጺለ ዘቕርቦ መደረ ከቕርብ ከለኹ ዓሙቕ ሓዘን ይስምዓኒ።
11 ሚያዝያ፡2011 ኣገዳሲ ጻውዒት ኣኼባ ንኹሉ ኤርትራዊ፡ ምእንቲ ናይ ሕልና ዝኽሪ ኤርትራውያን ግዳያት ድርብ ጃምላዊ ሓደጋ ጥፍኣት
ትማሊ ዓርቢ 31/12/2010 ዓ.ም. ኤርትራውያን ተቐማጦ ኣዲስ ኣበባ (ኢትዮጽያ) ዝተሳተፍዎ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመትን ዝኽሪ ሓደ ዓመት ምጽንባራዊ ሓድነቱ ብኽብ ዝበለ ድምቀት ኣኽቢሩ ዊዒሉ፡
ብኣባላት ተቓወምቲ ፖለቲካውያን ውድባትን ሲቪካውያን ማሕበራትን ውልቀ ሰባትን ዝተዳለወ መደብ ዝኽሪ ስውኣት ብዓቢ ድምቀት ተኸቢሩ፡፡
ሓፍትና ኣስቴር ወልዱ ብዕለት 16-03-1964 ካብ ኣቦኣ ግራዝማች ወልዱ ህብትዝግን ኣዲኣ ወ/ሮ ተረዛ ተስፋማርያም ኣብ ከተማ ሰገነይቲ ተወልደት:: 8 የሕዋት ድማ ኣለዉዋ:: ከምቲ ንኹሉ ኤርትራዊ ቤተሰብ ዘጋጠሞ ኸኣ፡ ዝበዝሑ ገሊኦም ንሜዳ ገሊኦም ንስደት ፋሕፋሕ ኢሎም። ከምኡ እውን ናኣሽቱ ኮይኖም ዝተረፉ የሕዋት ነይሮም::
20 ሰነ መዓልቲ ስማእታት፡ ኣብ ከተማ ከለን ብኽብ ዝበለ ድምቀት ተዘኪራ ውዒላ