ንኹሉኹም ኣብ ስደት እትርከቡ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያት ኤርትራ፡
ንኹሉኹም ኣብ ስደት እትርከቡ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያት ኤርትራ፡
ገምጋም ናይ ዝሓለፈ ቃልሲ ምግባር። መንጠሪ ባይታ ናብ’ታ ንሓልማ ሓዳስ ደሞክራስያዊት ኤርትራ ድኣ ‘ምበር። ውልቀ-ሰባትን ጉጅለታት ውድብ ንምውንጃል ኣይኮነን፣ ኩሉ ገምጋም ናይ እዋን ገድሊ ይኹን፡ ዓመታት ናጽነት።
ገምጋም ናይ ዝሓለፈ ቃልሲ ምግባር። መንጠሪ ባይታ ናብ’ታ ንሓልማ ሓዳስ ደሞክራስያዊት ኤርትራ ድኣ ‘ምበር። ውልቀ-ሰባትን ጉጅለታት ውድብ ንምውንጃል ኣይኮነን፣ ኩሉ ገምጋም ናይ እዋን ገድሊ ይኹን፡ ዓመታት ናጽነት።
ናይ ማይን ከባብን ሚኒስተር ነበር፡ ወልደሚካአል ገብረማርያም ኣብ መንጎ ሰራዊትን ፕረሲደንት ኢሳያስን ዝርከብ ምፍሕፋሕ ንምህዳእን፡ ጠለብ ሰራዊት ተቐባልነት ንኽረክብን፡ ምርግጋእ ክሰፍንን፡ ብዘርእዮ ተሓባባርነትን ቆራጽነትን ኣብዚ ጊዘዚ ኣብ ውሽጢ ህዝብን ሰራዊትን ዓቢይ ህቡብነት ስለዘጥረየ ፡ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ በዚ ህቡብነትዚ ከምዝተሻቐለን ሓሓሊፉ ድማ ኣብ ልዕሊ ወልደሚካኤል ዝውርወር ዘለፋ-ሓዘል ዘይእርኑብ ቃላት ከስምዕ ከምዝተራእየን ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም፡፡
ውልቀ መላኺ ኣቶ ኢሳይያ ኣፈወርቂ ካብ ጊዜ ብረታዊ ቃልሲ ማለት ካብ 1976 ኣትሒዙ ዝተኣከበን ዝተጸንዐን ዝተሰነደን ንታሪኽን ቋንቋን ባህልን መበቆልን ሃይማኖትን ሃብቲ ባሕርን መሬትን ያታዊ-ሕግታትን ዘጠቓለለ፡ ብድምር ክሳብ ዓሰርተ ሓሙሽተ ሽሕ ገጻት ዝሓዘ ሰፊሕ መዝገብ፡ ዝኾነ ይኹን ቅዳሕ ከይተርፍ ኣጻርዩ፡ ብምሉኡ ነቲ ሰነድ ካብ ቤት ጽሕፈት መጽናዕትን ስነዳን ምርምርን ናብ ቤትጽሕፈቱ ብምውሳድ፡ ፡ ንኸይሕተም ከምዝኣገዶ ምንጭታትና ምስናይ መሪር ሓዘን ገሊጾም።
ኣብ ኣመሪካን ኤውሮጳ ኣብ ናይ ህግደፍ ሕሳብ ባንክ ዝርከብ ገንዘብ ናይ ውልቀ ኤርትራውያንን ማሕበረ-ሰባትን ክሰሓብ ተወሲኑ፣
ፕረሲደንት ኢሰያስ ንህዝቢ ኤርትራ ወሰን ኢልካ ናይ ምጽናት መደብ ዝተተሓሓዞ ይመስል።
ልክዕ ከምቲ ሂትለር ንኣይሁዳውያን ’’ጥጡሕ ቦታ ተዳልዩልኩም ኣሎ’’ ብዝብል ጉልባብ ምልዮናት ህዝቢ እስራኤል ናብ ኮንሰንትረሽን ካምፕ ወሲዱ ዘጥፈኦም፡ ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ድማ ኣብዚ ቀረባ እዋን “ናብ ልሙዕ መሬት ክወስደኩም የ“ ብዝብል ጉልባብ፡ ኣብ 88 ዝተፈላለያ ዓድታት ንዝርከብ ህዝቢ ናብ ጋሽ ባርካ፡ ዲጋ ገርሰት፡ ብሓይሊ ንምግዓዝ መደብ ኣውጺኡ ንምትግባር ይሸባሸብ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።
ህሉው ኩነታት ሃገርና ብደቂቅ ድሕሪ ምምዛን፡ ኣብ ጀርመን እንርከብ ሃገራውያን: ምትእኽኻብና፡ ጸረ ውልቀ መላኺ ዝዓለመ ህዝባዊ ኣገልግሎት ምውፋይ ጥራሕ፡ ከምዝኾነ ኣቐዲምና እናሓበርና ፡ ነዚ ዝስዕብ ውሳኔ ነመሓላልፍ፡፡
ውልቀ- መራሒ ህግደፍን መበቆል እታ ሰልፍን። – ብተስፉ ዘውደ