መራሒ ስርዓት ህግደፍ ‘ፕረዚደንት’ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብ27 ጥሪ ናብ ቐጠር ምስ ከደ ክሳብ ሎሚ 11 ለካቲት ናብ ኤርትራ ከምዘይተመልሰ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም። ኣሰና ‘ውን ነቲ ኩነታት ኣረጋጊጻቶ ኣላ።
መራሒ ስርዓት ህግደፍ ‘ፕረዚደንት’ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብ27 ጥሪ ናብ ቐጠር ምስ ከደ ክሳብ ሎሚ 11 ለካቲት ናብ ኤርትራ ከምዘይተመልሰ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም። ኣሰና ‘ውን ነቲ ኩነታት ኣረጋጊጻቶ ኣላ።
ክሳብ 19 ሓምለ 2010 ኣምባሳደር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኮይኑ ዘገልግል ዝነበረ፡ Ron McMulen ናይ ኣገልግሎቱ ግዜ ኣእኪሉ ካብ ኤርትራ ምስ ከደ፡ ዛጊት ብደረጃ ኣምባሳደር ከምዘይተተክአ ምንጭታት ንኣሰና ሓቢሮም።
ካብ 14 ክሳብ 21 መጋቢት 2010 ኣብ ዝነበረ ግዜ ጥራይ 412 ኤርትራውያን ስደተኛታት ብወገን ራማ፡ ግርሁ ስርናይን ዛላንበሳን ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝኣተዉ ምንጭታት ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ካብቲ ከባቢ ሓቢሮም። ናይዞም ኣባላት ክፍላተ ሰራዊት 19ን 53ን ዝነበሩ 123 ወተሃደራት ዝርከብዎም ኤርትራውያን ዝርዝር ኩነታት ከምዚ ዝስዕብ እዩ።

መጀመርታ ከም ባህሊ ሕዝቢ ኤርትራ ካብ መዋእላት እትፍለጥ፤ ናይ ሓዲሽ ዓመት ጀማሪት ወርሒ ምዃና ብዘይ እቶም ጸረ ሕዝብናን ሀገርናን ዝኰኑ ጉጅለ ሽበራን ዓመጽን ኲሉ ዝፈልጦ ንጹር ሓቂ ኢዩ። ስለዚ ከአ ናይ 2002 ዓ.ም.ግዕዝ ርሑስን ቅዱስን፤ ዓመተ ፍቕርን ሰላምን፤ዓመተ ፍትሕን ርትዕን ዝዕንብበሉን ክኾነሉ ንሕዝብና ልባዊ ትምኒትናን ማኅበራውን ሀገራውን ሀንቀውታናን ንገልጸሉ።
እዚ ዛጊት ረኺብናዮ ዘለና ኣስማትን ትውልዲ ዓድን ናይቶም ካብ ሊብያ ናብ ዓዲ ጥልያን ክሰግሩ ክብሉ ኣብ መፋርቕ ነሓሰ 2009 ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝጠሓሉ 75 ኤርትራውያን ግዳያት ህልቂት ምሉእ ከምዘይኮነ እናኣዘኻኸርና፡ ዝተማለአ ሓበሬታ ዘለኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ክትተሓባበሩና ብትሕትና ንሓትት።
‘ፕረዚደንት’ ኢሳይያስ ብወዛ ሚኒስተራት ከካይድ ምዃኑ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ብ4 መጋቢት 2009 ንዘመሓላለፈቶ ዜና ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሎሚ ካብ ካምፓላ ኣብ ዘመሓላለፎ ዜና ኣረጋጊጹዎ።
ሰራዊት ኤርትራ ካብ 6 ወርሒ ንላዕሊ ዝቕለቦ ዝዝተኸዘነ ቀረብ መግቢ ከምዘይብሉ ስለዚ ድማ ኣብ ኣመጋግባ ቁጠባ ክገብር ከምዘለዎ ሚኒስትሪ ምክልኻል ካብ ቤትጽሕፈት ፕረዚደንት ትእዛዝ ከምዝተቐበለ ምንጭታት ሓቢሮም።
ፓትርያርክ ህግደፍ ኣባ ዲዮስቁሮስ ኣብ መውዳእታ ወርሒ ሕዳር ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ እንተ ኮይኑሎምውን ኣብ ኣመሪካ ዑደት ክገብሩ ብመንግሥቲ ህግደፍ ተኣዚዞም ኣለዉ;
መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝመጽእ ሰሙን (ፋልማይ ሰሙን) ናይ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ወራር ከካይድ እዩ’ ዝብል ሓበሬታ ካብ ትላላት ስለያን ግለሰባትን ሓበሬታ ከምዘሎ፡ መንግስታዊት መርበብ ሓበሬታ ሻባይት.ኮም ትማሊ ኣብ ዝዘርግሓቶ ሓበሬታ ኣፍሊጣ።